ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 43 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

15/10/2020 18:55 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 43 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 43 ክፋል፥

*ንወዲ ሰብ ታሪኽ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ታሪኽ ደቂ ሰባት፡ ዓቢ ስራሕ ንምስራሕ፡ ካብ ህልዊ ጸገሞምን ጭንቀቶምን ንምንጋፍ፡ ናይ ቃልሲ መንፈሶም ንምሕዳስ፡ ሓበኖምን ኩርዓቶምን ንምዕቃብ፡ ርእሰ-ተኣማንነቶም ንምድልዳል፡ ዝሓለፉ ጌጋታትን ጉድለታትን ንምእራምን ንቕድሚት ንምስጓምን፡ መጻኢ መገዶም ንምእማት፡ ብዝያዳ ድማ ባህሎምን ልምድታቶምን ንምፍላጥን ንምሕዳስን ዘኽእል ፋኑስ ደቂ ሰባት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መበል 42 ክፋል ጽሑፍና፡ ነዚ ዝስዕብ ቃል ኣቲና ኢና ተፈሊናኩም ኔርና፥ “ርክብ ጀርመናውያንን ልኡኻት ህ.ግ.ሓ.ኤን. ውጽኢቱን ከምኡውን ሕዱርን ዘይተቐየረን ኣዝዩ ደረቕን ድኹምን ባህሊ ልዝብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ህዝባዊ ግንባርን/ህግደፍን) ንምርዳእ፡ ካብ ሰብዓታት ክሳዕ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዘካየዱዎ፡ ንኤርትራ ዝምልከት ርክባትን ልዝባትን ሰላም፡ በብዕለቱ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ክቐርብ’ዩ ተኸታተሉ፡” ኢልና ኔርና’ሞ እንሆ መቐጸልታኡ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ንባብን ግንዛበን ይግበረልኩም።

ካብ ዕለት 25-29/11/1977 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ስሙር ማሕበርነታዊ ሰልፊ ጀርመንን (ስ.ማ.ሰ.ጀ.) ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ህ.ግ.ሓ.ኤ.) ኣብ በርሊን ቀዳማይ ርክብ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብቲ ርክብ ጉጅለ ስ.ማ.ሰ.ጀ.፡ ብኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ሰልፊ፡ ብሚስተር ቨርነር ላምበርስ ዝተመርሐ ክኸውን ከሎ፡ ልኡኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድማ ብተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ተጋዳላይ መሓመድ ስዒድ ባረህን እዩ ዝምራሕ ነይሩ። ኣብዚ ኣፈናዊ ርክብ’ዚ ልኡኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ. “ስርዓት ደርግ ካብ ስርዓት ሃይለስላሴ ዘይፍለ ጸቓጢ ስርዓት’ዩ” ክብል ከሎ ልኡኽ ስ.ማ.ሰ.ጀ. ድማ “ስርዓት ደርግ ገስጋሲ ስለ ዝኾነ ካብ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተፈልየ እዩ። በዚ መሰረት ድማ 250 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ሂብናዮ ኣለና” ስለ ዝበለ፡ በዚ ክካትዑ ጥራይ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሑ ንዝቕጽል 2ይ ርክብ ቈጸራ ብምሓዝ ተፈላለዩ። መካትዒ ነጥቢ፡ "ስርዓት ደርግ ገስጋሲ’ዩ፡ ኣይፋሉን ዘላሚ (ረጋጺ) እዩ" ኣብ ምባል ጥራይ ብዘይፍረ ተዛዚሙ ማለት’ዩ።

ካልኣይ ርክብ ልኡኽ ህ.ግ.ሓ.ኤን. ልኡኽ ስ.ማ.ሰ.ጀን. ብዕለት 25 ጥሪ ጀሚሩ ክሳዕ 2 ለካቲት 1978 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ተኻይዱ። መራሕቲ ልኡኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ክኾኑ ከለዉ፣ መራሒ ልኡኽ ስ.ማ.ሰ.ጀ. ድማ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ሰልፊ ሚስተር ቨርነር ላምበርስ ነበረ። ኣብዚ ርክብ’ዚ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ጠለባት ኣቕረበ፥

1ይ. ስርዓት ደርግ ብመሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ሓርነትን ኣሚኑ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ ከረጋግጽ፣
2ይ. ወተሃደራዊ ሓይሉ ካብ ኤርትራ ከውጽእ፣
3ይ. ኣብ ኢትዮጵያ ሰውራዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣቚሙ፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት መስሪቱ፡ ጉዳይ ብሄራት ኢትዮጵያ ቅኑዕ ፍታሕ ንኽርከበሉ ክሰርሕ ኣለዎ!” ዝብል ነበረ። (እዚ ጠለብ’ዚ ቅኑዕ ጠለብ ስለ ዝነበረ ብድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ክረኽቦ’ዩ ዝግባእ ነይሩ፡ ኣይረኸቦን ግን!) ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ብሄራት ክሕሎ እናጠለበን ደሞክራስያዊ ስርዓት ክምስረት እናጸወዐን፡ ባዕሉ ግን ነቲ ንምርካቡ ህይወት ኣሽሓት ደቁ ዝኸፈለሉ ህዝቢ ኤርትራ ሓሪሙዎ ይርከብ! ብኣንጻሩ ካብቲ ናይ ደርግ ዝኸፍአ ወልቀ-ምልካዊ ስርዓት ብምምስራት፡ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ይርከብ ኣሎ። ምብትታን ስድራቤት ምጽናት ህዝቢ ዘይመስሎም ሃዚላት (ዓያሹ) ክህልዉ ይኽእሉ ይኾኑ’ዮም። ምጽናት ህዝቢ ግን ብጥይት ምርሻን ወይ ድማ ብሰንሰለት ታንኪ ምጭፍላቕ ጥራይ ኣይኮነን ዝፍጸም።

መልሲ ስሙር ማሕበራዊ ሰልፊ ጀርመን ድማ፥ “ስርዓት ኢትዮጵያ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ከውጽእ እናተዳለወ ከሎ፡ ንስኻትኩም ንወደብ ምጽዋዕ ስለ ዘጥቃዕኩም ነቲ ተዂሲ ደው ናይ ምባል መስርሕ ዓንቂፍኩሞ ኢኹም፡ ሕጂ ንኡ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ኢድካ ከም ምሃብ ስለ ዝቚጸር፡ ኢትዮጵያ ኣይትቕበሎን’ያ፡” በሉ። ቀጺሎም ጀርመናውያን፥ “ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ረፈረንደም ናይ ምክያድ ጉዳይ ግን ኣብ መንጎ መራሕቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ዓቢ ፍልልይ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባኡ መልሲ ንምሃብ ግዜ ከድሊ’ዩ፡” በሉ። እዚ ከኣ ነዚ ሕጂ ጉጅለ ኢሳያስ፡ “መንግስቲ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ስለ ዘይተረጋግአ ምሕንጻጽ ዶብ ንምትግባር ግዜ ከድሊ’ዩ” ዝብሉና ዘለዉ ሓሳብ’ዩ ዝመሳሰል።

ብድሕሪ’ዚ ልኡኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ርእይቶ ናይ ጀርመናውያን ስለ ዘቖጥዖ እቲ ርክብ ተስፋ ከምዘይብሉ ጌሩ ወሰዶ። እንተኾነ፡ ጀርመናውያን ኣብ ዝቕጽል ምስ ወከልቲ ስርዓት ደርግ ብኣካል ከራኽቡዎም ምዃኖም ብምግላጽ፡ ንዕለት 1/2/1978 ዓ.ም. ቈጸራ ተታሕዘ። ኣብዚ ርክብ’ዚ እቶም ብወግዒ ሓላፍነቶም ዘይፍለጥ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ተጋ. ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተጋ. ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ክቐርቡ ከለዉ፡ ብወገን ስርዓት ደርግ ድማ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ደርግ ነበር፡ ኣቶ ብርሃኑ ባየ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ደርግ ነበር፡ ሽዋንዳኝ በለጠ ቀረቡ። ብወገን ጀርመን ድማ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ጀርመን ሚስተር ቨርነር ላምበርስ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ጀርመን፡ ሚስተር ፖል ማክሎፊስኪ ቀረቡ።

ኣብዚ ርክብ’ዚ ወካሊ ስርዓት ደርግ ኣቶ ብርሃኑ ባየ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ዝምድናን ሓደ ኣካልነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡውን ብዛዕባ ግስጋሰ ስርዓቱ ሰፊሕ መግለጺ ምስ ሃበ፡ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ወካሊ ስርዓት ደርግ ዝበሎ፡ “እዚ ዚጠቐስካዮ ጽውጽዋይ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከምዘይኣምነሉን ትርጉም ከምዘይብሉን ክንገልጸልካ ንፈቱ። መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንምትካል ዝፈብረኹዎ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ፡ ትርጉም ኣይንህቦን ኢና!” ኪብል መለሰ።

እቲ ርክብ በዝን ወዲ ከምዝን ዝተላዕለ ክትዓትን ዘይምርድዳእን ብምዝዛሙ፡ መንጐኛታት (ጀርመናውያን) “እዚ መንጸፍን መላለይን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀጻሊ ክልቲኦም ወገናት እዚ ርክብ ኣገዳስን ጠቓምን ምንባሩ ብምግንዛብ፡ ምፍሳስ ደም ደው ከብሉን ብሰላም ንምፍትሑ ክጽዕሩን፡ ናይ ምትእምማን ኩነታት ንምፍጣር ከኣ ኣንጻር ሕድሕድ ናይ ፕሮፖጋንዳ ጐስጓሳት ደው ከብሉ ከም ዘለዎም ብምልባው፡ 2ይ ርክቦም ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ንኽኸውን ኣሰማሚዑ ሰደዶም። እቲ ዝገርም እቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ፍታሕ ከምዘየምጽእ 100% ኣረጋጊጾም ይፈልጡ ምንባሮም እዩ። ክልቲኦም ወገናት ግን ንሰፊሕ ኲናት ንምድላውን ግዜ ንምሽማትን እዮም ይጥቀምሉ ነይሮም።

2ይ ርክብ ስርዓት ደርግን ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤን ዕለት 22 መጋቢት 1978 ዓ.ም. ኣብ በርሊን (ጀርመን) እንደገና ተጀመረ። ወከልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ከም ወትሩ ሓላፍነቶም ዘይንጹር ተጋ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ተጋ. ኢብራሂም ዓፋን ተጋ. ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ክኾኑ ከለዉ፡ ወከልቲ ስርዓት ደርግ ድማ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ደርግ ነበር፡ ኣቶ ብርሃኑ ባየን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ደርግ ነበር፡ ሽዋንዳኝ በለጠን ነበሩ። ብወገን ጀርመን ድማ ነቶም ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ኣብ ሳህራ ዝሞቱ ኣባላቶም፡ ማለት ንሚስተር ቨርነር ላምበርትን ንሚስተር ፖል ማክሎቭስክን ብምትካእ፡ ሚስተር ሄርማን ኣክሰን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ጸሓፊ ማእከላይ ሽማግለን፡ ሚስተር ኣብረሃርድ ሃይነሪሽ፡ ጸሓፊ ፕሮፖጋንዳዊ ሽማግለ ማእከላይ ሽማግለ፡ ሚስተር ፍሪደል ትር ምክትል ሓላፊ ናይ ሓደ ክፍሊ ኣብ ማእከላይ ሽማግለ ስ.ማ.ሰ.ጀ. ተረኽቡ።

እንተኾነ እዚ ርክብ’ዚውን ገጽ ንገጽ ካብ ምርእኣይን ሓድሕድ ካብ ምጉጣጥን ሓሊፉ ምንም ፍረ ከይሃበ ተበተነ። ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ድማ “ደርግ ንጉዳይ ኤርትራ ብፖለቲካዊ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽውድኦ ድሌት ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ጉዳይ ብወገን ደርግ ዞባዊ ርእሰ ምምሕዳር እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣይንቕበልን ስለ ዝበለ፡ ከምኡውን መንጎኛታት (ጀርመናውያን) ምስ ስርዓት ደርግ ስለ ዝወገኑ፡ ዘተ ሰላም ብዘይፍረ ከም ዝተበተነ ገሊጹ ናብ ሳሕሉ ተመልሰ።

ብድሕሪ’ዚ ስርዓት ደርግ ካብ ወርሒ ሓምለ 1979 ዓ.ም. ክሳዕ ወርሒ ለካቲት 1982 ዓ.ም. ንሻድሻይ ወራር ምድላዋት ኣብ ምክያድ ኣሕለፎ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ድማ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ መንጎ ውድባት ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ሓያል ሕድሕዳዊ ውግእ ይካየድ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ጸራሪጉ ናብ ሱዳን ምስ ኣስገሮ ድማ ነቲ 6ይ. ወራሩ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ዝነበረ ስርዓት ደርግ፡ ቅድሚ’ቲ ዝዳለወሉ ዝነበረ ወራር ምጅማሩ፡ ኣቐዲሙ ብ12 ለካቲት 1982 ዓ.ም. መጥቃዕቲ ፈነወሉ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ንዕለት 15 ለካቲት 1982 ዓ.ም. ክጅመር ተወጢኑ ዝነበረ 6ይ ወራር ደርግ፡ ብኡንብኡ ብናቕፋ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ብባርካን ሓልሓልን ምክልኻልን ምጥቃዕን ጀመረ። ንኣስታት ሰልሰተ ኣዋርሕ ድማ ብዘይምቁራጽ ቀጸለ። 6ይ ወራር ኣዝዩ ጽንኩርን ሓያልን ብምንባሩ፡ ንኡ ንምፍሻል ጥራይ ኣስታት 2700 ተጋደልቲ ተሰውኡ። 5000 ዝኾኑ ድማ ብኸቢድን ብፈኲስን ቆሰሉ። ካብቶም ነቲ ወራር ዝመከቱ ጠቕላላ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድማ 5300 ዝኾኑ ተጋደልቲ ጥራይ ብዘይጉድኣት ወጹ።

ኣብ መበል 44 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ መጽሓፍ “ሕድገት ዘየፍቅድ መሰል” ብኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እዩ።

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዝተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዝብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!

ታሪኽ ምፍላጥ ሓያል ኣጽዋር ፍልጠትን ሰረትን ምዕጣቕ ማለት ስለ ዝኾነ ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ምክፍፋል (Share) ኣይትረስዑ?

ካብ ሓውኹም መሲናስ 27/09/2020


Share with friends:


ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዎ) ቤተሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ሕብረተ-ሰብን። ብ`ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም፡
Deracinating/ Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family: An Imminent and Permanent Danger to the Survival of Eritrea as a Nation State and as a Society. By Dr. Gebre Gebremariam.

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡   18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡   38 ክፋል (17/12/2019)፡   39 ክፋል (01/02/2020)፡   40 ክፋል (21/03/2020)፡   41 ክፋል (22/05/2020)፡   42 ክፋል (30/07/2020)፡   43 ክፋል (15/10/2020)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: