ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 23 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

10/09/2017 16:45 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 23 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 23 ክፋል

 

•ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ብዕለት 3/9/1939 ዓ.ም. ብብሪጣንያን ፈረንሳን ተጀሚሩ!
•ብይን ሕቡራት ሃገራት ንፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብዕለት 2/12/1950 ተወሲኑ!
•ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ብዕለት 5/5/1941 ዓ.ም. ተመስሪታ፡ ብ12 ሰባት ድማ ቈይማ።
•ብዕለት 26/1/1943 ዓ.ም. መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቃኘው መደበር ራድዮ ክኸፍት ወሲኑ!
•ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኤውሮጳ፡ ብዕለት 8/5/1945 ዓ.ም. ኣብቂዑ!
•ብዕለት 10/2/1847 ዓ.ም. ኤርትራ ካብ ግዝኣት ኢጣልያ ብወግዒ ተላቒቓ!

መበል 23 ክፋል፥

ኤ.ጂ ባክስተር ዝተባህለ ናይ ክፍሊ ኣፍሪቃ ሓላፊ ዝነበረ እንግሊዛዊ ብዓል ስልጣን፡ ከምዚ ኪብል ብዛዕባ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ፥

‘ጊንጢ ዝኾነ ደኣ ክመስላና’ዩ እምበር እዚ ውዕል ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ግዜ ምስ ወሰደስ በቲ ሕቡራት ሃገራት ዝወጠኖ መሰረት ክሰርሕ’ዩ ኢልና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ኢትዮጵያውያን ነቲ ሕዛእቲ ኤርትራውያን ብዘገምታ ክጥሕሱዎ’ዮም! እዚ ብዘይጎነጽ እንተተተግቢሩ ድማ እንሓመሉ ምኽንያት የለን። ኣብቲ ናይ ፈለማ ሓደ ወይ ክልተ ዓመታት፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምጡን ተገዳስነት ከርኢ ስለ ዝኽእል፡ ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ካብ ምጉባጥ ክፈርሑ ይኽእሉ’ዮም፤ ድሕሪ ግዜ ግን ብድፍረት ክጥሕሱዎ’ዮም!’ ብምባል ውዕል ፈደረሽን ክጥሓስ ምዃኑ ኣሚቱ ነበረ።

ሕልሚ እንግሊዛዊ ኤ.ጂ ባክስተር ኣብ ግብሪ ክፍጸም ስለ ዝጀመረ ከኣ ኣብ 30 ነሓሰ 1952 ዓ.ም እዚ ዝስዕብ ጥርዓን ካብዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ኤርትራውያንን ብጾቶምን ናብ ምምሕዳር እንግሊዝን ናብታ ብ16 ሓምለ 1952 ዓ.ም. ብባይቶ ኤርትራ ዝቘመት ፈጻሚት ኮሚተን ቀረበ። ኣቕረብቲ እቲ ጥርዓን፡ ኤርትራውያን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ቃዲ ሙሳ ኣደም ዑምራን መሓመድ ኣኪቶን እዮም ነይሮም።

እዛ፡ 10 ኣባላትን ክልተ ኣማኸርትን ዝነበሩዋ፡ ብ16 ሓምለ 1952 ዓ.ም. ዝቘመት ፈጻሚት ኮሚተ፡ ዋና ስራሓ፡ ክሳዕ መንግስቲ ኤርትራ ዝትከል ከም ወኪል ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኮይና ውዕላት ክትፈራረምን ውሳነታት ክትወስድን’ዩ ነይሩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ዋና ኣማሓዳሪ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዚነበረ ኣቶ ዳንካን ካሚንግ ብ8 ሓምለ 1952 ዓ.ም. ኣብ ባይቶ ኤርትራ ተረኺቡ ዘቕረቦ ሓሳብ’ዩ ነይሩ።

‘ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ ሓዲድ ባቡር ከም ዝጓዓዝ ባቡር’ዩ ክረኣ ዘለዎ። ምኽንያቱ፡ እዚ ምምሕዳር’ዚ ነዳድን ማይን ክሳዕ ዝረኸበን ብኽኢላታት መሃንድስ ክሳዕ ዝተመርሐን ብሰላም ክጓዓዝ’ዩ፤ እቲ ሓዲድ እንተተኣልዩን ወይ እዚ ዝተጠቕሰ ስንቂ እንተጎዲሉዎን ግን ወይውን እዚ ብስም መስከረም 15 ዝፍለጥ ውዕል ፈደረሽን እንተሓንኲሉዎን ግን እቶም ተጓዓዝቲ ዝህሰይሉ ሓደጋ ከጓንፍ’ዩ!’ ብምባል ኤርትራውያን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ነገራት ክጥንቀቑ መኸረ።

ኣባላት እታ ብ16 ሓምለ 1952 ዓ.ም. ዝቘመት ፈጻሚት ኮሚተ እዞም ዝስዕቡ መራሕቲ ህዝቢ፥

1. ፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ (ዳይረክተር ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ)
2. ሽኽ ኢድሪስ መሓመድ ኣደም (ኣባል ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን)
3. ግራዝማች ተኽለሃይማኖት በዅሩ (ጸሓፊ ፋይናንስ መንግስቲ ኤርትራ)
4. ኣቶ ስዒድ ሰይፉ (ኣባል ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን)
4. ግራዝማች መሓመድ ስዒድ ዓሊ በይ (ኣባል ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን)
5. ኣቶ መስፍን ገብረህይወት (ዳይረክተር ጀነራል መንግስቲ ኤርትራ)
6. ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን (ምስሌነ ገዛ ብርሃኑ)
7. ቀኛዝማች ወልደዮውሃንስ ገብረእግዚእ (ኣባል ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን)
8. ኣቶ እምባየ ሃብተ (ኣባል ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን) ነበሩ።
9. ደጃዝማች ኣብርሃ ተሰማን ኣቶ ሳልሕ ሕኒትን ድማ ኣማኸርቲ ናይታ ኮሚተ ነበሩ።

እቲ ብሰለስተ ኤርትራውያን መራሕቲ ናብዛ ኮሚተን ናብ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራን ዝቐረበ ሕቶን ጥርዓንን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበሮ፥

1. ንቤተ መንግስቲ ኣስመራ ንዘይኤርትራውያን ምሃብ ንቃወም!
2. ስለምንታይ ናይ ጣልያን ዝነበረ ብሉጽ ኣባይቲ ንኢትዮጵያውያን ይወሃብ ኣሎ?
3. ስለምንታይ ብዙሓት ልኡኻት ኢትዮጵያ ብስም ‘ኣገልግሎት ንምሃብ’ ናብ ኤርትራ ይኣትዉ ኣለው?
4. ስለምንታይ እዚ ‘ፈደራል ሕጊ’ እናተባህለ ብንጉስ ዝጸድቕ ዘሎ ድንጋገ ደሓር ብመንግስቲ ኤርትራ ዘይጸድቕ?
5. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘይምርጫኡን ብዘይኣፍልጦኡን ዝጸዓን ሕጊ ዲክታተርያዊ’ዩ! ንሕና ደሞክርስያውያን ስለ ዝኾንና እቲ ብኢትዮጵያ ተነዲፉ ዘሎ ፈደራል ቅዋም ብባይቶ ኤርትራ ይጽደቕ! (እቲ ቅድሚ ናጽነት ኣባሓጎታትና ዝሓቱዎ ዝነበሩ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ንሕና ብድሕሪ ናጽነት ዝተወለድና ደቆም ገና ንሓቶ ኣለና!)
6. ንምንታይ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንግድን መራኸቢታትን ኤርትራ ምሉእ ስልጣን ወሲዳ? ወዘተ. ዝብል ይርከቦ። ፈጻሚት ኮሚተ ነዚ ጥርዓን’ዚ ምስ ተቐበለት ምስ ምምሕዳር እንግሊዝ ከም ትማያየጠሉ ኣፍለጠት።

*  *  *

ኣብ 1969 ዓ.ም.ቅያዳ ኣልዓማ” (ጠቕላሊት መሪሕነት) እትጽዋዕ ጉጅለ ኣብ ኣዶብሓ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ተመሪጻ ቈመት። ኣቦ መንበራ ከኣ መሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ ኮነ። ካብዞም 38 ኣባላታ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ዝርከቦም 36 ሰባት ኣስላም ክኾኑ ከለዉ፣ ካብ ክርስትያን ድማ ተስፋይ ተኽለን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጥራይ ነበሩ። (ተጋ. ተስፋይ ተኽለ ድሕሪ ናጽነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣመሓዳሪ ከተማ ጊንዳዕ ገይሩ ዝጓሓፎ ገዲም ተገዳላይ እዩ!)

ኣብ ዓደን የመን እዞም ምስ ገዳይም ሓርበኛታት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሰበን ተራኺቦም፡ ብድሕሪኡ ብቐጥታ ብደንከልያ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ተጋደልቲ፡ እዞም ዝስዕቡ’ዮም፥

1. ተጋ. መሓመድ ዓሊ ዑማሮ
2. ተጋ. መሓመድ ዑመር ዓብደላ
3. ተጋ. ሳልሕ ዑቤድ
4. ተጋ. ሮሞዳን መሓመድ ኑር
5. ተጋ. መስፍን ሓጐስ
6. ተጋ. መዓሾ እምባየ
7. ተጋ. መሓሪ ደበሳይ
8. ተጋ. ዓሊ ዑስማን
9. ተጋ. መሓመድ ዑስማን እዮም ነይሮም።

እዞም ትሽዓተ ተጋደልቲ ኣብ “ስዱሕ ዔላ” ዝተባህለ ቦታ ኣኼባ ምስ ገበሩ፡ ብዝዕስክሩሉ ቦታ ስለ ዘይተሰማምዑ፡ ብኡንብኡ ኣብ ክልተ ተመቕሉ። እቶም ቀዳሞት ብመሪሕነት መሓመድ ዑመር ዓብደላ እናተመርሑ ናብ ሰሜናዊ ሳሕል ክኸዱ ከለዉ፣ እቶም ካልኣይ ወገን ከኣ ብመሪሕነት መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ተጠርኒፎም ናብ ምብራቓዊ ጎላጉል ከዱ።

እዞም ኣብ ስዱሕ ዔላ ዝተፈላለዩ ብቐዳማይ ወገን ህ.ሓ.ሓ.ኤኻልኣይ ወገን ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዝፍለጡ ተጋደልቲ፡ እንደገና ኣብ “እምባህራ” እተባህለ ቦታ ተኣኪቦም ሰመሩ’ሞ ነዞም ዝስዕቡ መራሕቲ መረጹ፥

1.ዓሊ ዑስማን ኣቦ መንበር
2. ሮሞዳን መሓመድ ኑር
3. ኣቡበከር መሓመድ ኣል ሓሰን
4. ኣሕመድ ሂላል
5. ሳልሕ ጠጠው
6. ኣቡበከር መሓመድ ጅምዕ
7. ዓሊ ኢብራሂም ነበሩ።
ኣባላት ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ኣቶ መዓሾ እምባየኣቶ መስፍን ሓጐስን ግን ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ቅድሚ ምስታፎም ናብ ሰልፊ ናጽነት ተጸንበሩ።

ኣባላት ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ምስታ ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ እትምራሕ ዝነበረት ሰልፊ ናጽነት ተራኺቦም፡ ኣብ ሩባ ተኽሊ ኣኼባ ምስ ገበሩ፡ ‘በሉ መሪሕነት ንምረጽ’ ተባህለ’ሞ ስማት ተመረጽቲ ምርቋሕ ምስ ተጀመረ፡ ተወልደ እዮብ ተንሲኡ፡ ‘ኢሳያስ ናይ ላዕሊ መራሒና ስለ ዝኾነ ኣብ ውድድር ኪኣቱ የብሉን!’ በለ። ሰሎሞን ወልደማርያም ብቕጽበት ብድድ ኢሉ፡ ‘ኩላትና ህይወትና ክንህብ ኢና ተዳሊና ዘለና፡ ኣብዚ ኣኼባ ከኣ ኩልና ብማዕረ ኢና ንሳተፍ፡ ንመሪሕነት ዚምረጽ ሰብ ድማ ተወዳዲሩ ዚተዓወተ ሰብ ጥራይ እዩ፤ ስለዚ፡ ናይ ላዕሊ መራሒና ዝብሃል ነገር የለን!’ ብምባል ነቲ ብተወልደ እዮብ ዝቐረበ ሓሳብ ኣትሪሩ ነቐፎ።

ተወልደ እዮብ ንተቛውሞ ሰሎሞን ወልደማርያም ተጻራሪ ግብረ መልሲ ስለ ዝሃበሉ ከኣ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተጋደልቲ ሓያል ነድሪ ዝተሓወሶ ክትዕ ተላዕለ። ተንኰለኛ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነዛ ዕድል እዚኣ ቀልጢፉ ቆብ ብምባል ኪጥቀመላ ወሰነ።

ተወልደ እዮብ ካብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፡ ሰሎሞን ወልደማርያም ድማ ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ስለ ዝነበሩ ከኣ ኢሳያስ ንሓዋሩ መንቀሳቐሲት እትኾኖ ኣጽዋር ስለ ዝረኸበ፡ ብሃንደበት ብድድ ኢሉ ብምትንሳእ፡ ‘እዚ ሰሎሞን ዝብሎ ዘሎ ሓቁ’ዩ። ኣነውን ከም ሰበይ ኣብ ውድድር ክኣቱ ኣለኒ’ ኢሉ ነቲ ነድሪ ዝተሓወሶ ምምልላስ ተወልደን ሰሎሞንን ኣህድኦ። ምርጫ ምስ ተገብረ ከኣ ኢሳያስ ተዓዊቱ፣ ኣቦ መንበር ኮይኑ ተመርጸ። ብድሕሪ’ዚ ኢሳያስ ብላዕሊ ኮይኑ ብውሽጢ ውሽጢ ኣቐዲሙ ዘድልዩዎ ሰባት ሓርዩ ናብ ምርጫ እናኣቕረበ ክሳዕ ግዜ ናጽነት ካብ ስልጣኑ ከይወረደ ቀጸለ። ድሕሪ ናጽነትውን ነዚ ብኸመይ ከም ዚዓቀቦ ኣብ ቀጻሊ ጽሑፋት ተኸታተሉ።

እዚ ታሪኽ ካብ ምምስራት እታ ብ2 ሕዳር 1958 ዓ.ም. ምስጢራዊት ሰልፊ “ሓራካ” ጀሚሩ ክሳዕ ምምስራት እታ ብስውእ ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዓላ ተኣኻኪባ ዝቘመት “ሰልፊ ናጽነት” ብኸመይ ከም ዝሓለፈ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፋትና ከነቕርቦ ኢና።

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይን ካልእን

ኣብ መበል 24 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 10/09/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):