ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 15 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

17/03/2017 23:46 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 15 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 15 ክፋል   ተሃዊኸን ይኽዕወኦ፡ ተደቢረን ይሓፍሰኦ!
ተመንሲ ምእንቲ ከብዱ፡ ይኸይድ ብኸብዱ!
ከምቲ ተካል መርዓ ዘሎ፡ ርሑስ ቀብሪ ከኣ ኣሎ!
ተዛረቡለይ ኣይከም ኣፍካን፡ ግበሩለይ ኣይከም ኢድካን!
ተጠንቀቕ ዚብለካ ፈታዊኻ፡ ኣጆኻ ዚብለካ ወደቦኻ!

*እዚ ካብ 1ይ ክፋል ዚፈለመ ጽሑፍ'ዚ ንምንታይ ኢና 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ደሚና? ንምንታይከ ድሕሪ ናጽነት ሰላምን ርግኣትን ረኺብና፡ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር ዘይከኣልና? ትምኒትናን ባህግናን ረኺብና፡ እፎይ ኢልና ኣብ ቤትና ብሰላም ንኽንነብርከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወዘተ. ንዚብሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕ ስነ ጽሑፍ፡ ማለት ብመሳልል ቋንቋ (ሰዋስው)፡ ብግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ኣጠቓቕማ፡ ብምስላ፡ ብስውያን (ትርጉሙ ኣብ ሓጹር ኣትዩ ዘሎ) ቁንቁኛን ቋንቋ ትግርኛ ማዕሪጉ፡ ብዚተኻእለ መጠን ምሉእ ትምህርትን ኣፍልጦን ዘስንቕ ጽሑፍ ኮይኑ ንኺቐርብ፡ ብዙሕ ዚተጻዕሮ ጽሑፍ'ዩ።

መበል 15 ክፋል፥

ከምቲ ኣብ ዚሓለፈ ክፋል ጽሑፋትናውን ደጋጊምና ዚገለጽናዮ፡ ኤርትራ ድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ከምተን ምስኣ ብኢጣልያውያን ዚተገዝኣ ሃገራት፡ ማለት ከም ሶማልያን ሊብያን ናጽነታ ዘይረኸበትሉ ምኽንያት፡ ከምቲ ሎሚ ጉጅለ ምልኪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዚሽቅጠሉ ዘሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዚዝረየና ወይ ድማ ስለ ዚጸላኣና ዘይኮነስ ብቐንዱ ኤርትርራውያን ከም ሃገር ንሙቛም ብቑዓትን ስሙራትን ስለ ዘይነበርና ጥራይ እዩ! ናይዚ ህያው ኣብነት ብዙሕ'ኳ እንተኾነ ሓደ ክልተ ግን ክንጠቅስ፥

ኣብ ኤርትራ እቲ ንኢጣልያ ስዒሩ ንሃገርና ዚተቘጻጸረ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ሰልፍታት ንኽምስረታ ምስ ፈቐደ፡ ከባቢ ትሽዓተ ዝኾና ዝተፈላለያ ሰልፍታት ቆይመን ኔረን'የን። እዘን ሰልፍታት እዚኣተን ከኣ ምስታ ኣቐዲማ ንኩነታት ኤርትራ ክትምርምር፡ በተን ናይቲ እዋን ዝነበራ ኣርባዕተ ሓያላን ሃገራት ዝተላእከት መርማሪት ኮሚቲ ክራኸባ ከለዋ፡ ተበታቲነን ማለት ፋሕ ኢለን ብዘይስምረት ከም ዝረኸብኣን ተስፋ ከም ዘቑረጽኣን ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፍና ገሊጽና ኔርና።

ሎሚ ድማ ሰለተ ካብዘን ትሽዓተ ሰልፍታት፡ ናብቲ ብዕለት 05/04/1949 ዓ.ም. ኣብ ለይክ ሳክሰስ ኒው-ዮርክ ዚተኻየደ ሳልሳይ መጋባእያ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ፡ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ባይቶ ውድብ ሃገራት ቀሪበን፡ ብዛዕባ ዕድል ሃገረንን ህዝበንን ርእይቶአንን ጥርዓነንን ከስምዓ ክኢለን ኔረን'የን። ሰልሰቲአን ዚተፈላለያ ሰልፍታት ዚሃብኦ ዚተፈላለየ ቃል ድማ ነዚ ዚስዕብ ይመስል፥

ፈለማ መደረ ከስምዑ ዕድል ዚረኸቡ ኤርትራዊ፡ መራሕን ወካልን ሰልፊ "ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ፡ ኣል ኤርትርያ" ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ነበሩ። ንሶም ኣብቲ ብዕለት 20 ሚያዝያ 1949 ዓ.ም. ዚተጋብአ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምዚ ኪብሉ መደረኦም ፈለሙ፥

'ሰልፊ ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ፡ ረብሓታት ናይቶም 75% ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቑሙ እስላም ኤርትራውያን ዚሕሉ'ዩ! እቲ ኣብ እስልምና ዘይኣምን ህዝቢ ኤርትራ ግን ብመበቈል፡ ብቋንቋን ሃይማኖትን ዚተኸፋፈለ'ዩ! ሽሕ'ኳ ኤርትራ ንዘበናት ብዚተፈላለዩ ገዛእቲ እንተተገዝአት ኣካል ኢትዮጵያ ግን ኮይና ኣይትፈልጥን'ያ።

እዚ ተኣሚሙ ዘሎ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ እንተተተግቢሩ ድማ እዚ ብዘይጥርጥር ኣንጻር'ቲ ህዝብታት ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ንኺመርጹ ዘውሕስ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ዩ ኪኸውን! ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዚብሃል ናይ ሓባር ረብሓታትውን የብላን! ብጆኦግራፍያዊ ዓይኒ እንተ ጠሚትናዮውን ንኢትዮጵያ ካብ ወደባት ኤርትራ ወደባት ጅቡቲ እዩ ዝያዳ ዝጥዕማ። በዚ ምኽንያት'ዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን መበቈላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ታሪኻዊ ይኹን ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘይብሎም እስላም ኤርትራውያን፡ ንምሕዋስ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትሪሮም ይቃወሙ!

ዚበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ከም ዚደልን ንምቕሊ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን ድማ 80% ከም ዚቃወም ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ኤርትራ ናጽነታ ምስ ረኸበት ከኣ ሰልፊ ኣል ራቢጣ ኣል እስልምያ፡ ብድሌት ሰላምን ዕርክነታዊ ዝምድናን ምስ ጎረባብቲ ተደሪኹ፡ ንኹሎም ኣብ ኤርትራ ዚነብሩ ካልኦት ኮማት፡ እንኮላይ ንኢጣልያዊ ኮማት ኣድላዪ ውሕስነት ኪህብ ድሉው ኪኽውን'ዩ።' ብምባል መደረኦም ደምደሙ።

ድሕሪ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን መደረኦም ዘስምዑ ኤርትራዊ፡ ወካሊ ሰልፊ "ሓዳስ ኤርትራ ሻራ ኢጣልያ" ዚነበሩ፡ ብላታ መሓመድ ዓብደላ ነበሩ። ንሶምውን ድሕሪ ውሱን ግዜ ናይ ኢጣልያ መጒዚትነት ማሕበሮም ምሉእ ናጽነት ከም ዚደሊ ገለጹ። ቀጺሎም፥ ኢጣልያ ንመጒዚትነት ትምረጸሉ ምኽንያት፡ ዘድሊ ፖለቲካውን ማሕበራዉን ብስለት ዘጥረየት ሃገር ብምዃናን ቋንቋ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ብሰፊሑ ስለ ዚፍለጥን ምዃኑ ኣረድኡ። ምስ ኢትዮጵያ ግን ዚጸንሐ ቅርሕንቲ ስለ ዘሎ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ዘይቅኑዕ ምዃኑ መጐቱ።
ድሕሪ'ዚ ብላታ መሓመድ ካብ ተጋባእቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት 'ማሕበርኩም ክንደይ ደገፍ ህዝቢ ኣሎዎ?' ዚብል ሕቶ ቀረበሎም። 'ደገፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማለት እስላምን ክስታንን ኣሎና!' ምስ በሉ ከኣ ትርር ዚበለ ሕቶታት ኪቐርበሎ ጀመረ'ሞ ነቲ ናይ ደገፍ ቁጽሪ ናብ 400.000 ኣውረዱዎ። ድሕሪ'ዚ ዚተፈላለዩ ወከልቲ መንግስታት ዓለም እንደገና ብሕቶታት ኣዋጠሩዎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ 'ኤርትራ ብመሰረት ድሌት ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ ኣል ኤርትርያ ናጽነት ኪትረኽቡ እንተተወሰነስ ማሕበርኩም ንናጽነት ኪቕበልድዩ ኪኣቢ?' ዚብል ሕቶ ቀረበሎም።

መልሲ ብላታ መሓመድ ዓብደላ ዚገርም'ዩ ነይሩ! 'ኤርትራ ሕጂ ንምሉእ ናጽነት ድልውቲ ኣይኮነትን!' ካብ ናጽነት ቅድም መጒዚትነት ኢጣልያ እዩ ዘድልየና!' ብምባል ቁሩጺ መልሲ ሃቡ። ድሕሪ'ዚ ብዕለት 26 ሚያዝያ 1949 ዓ.ም. ቃሎም ከስምዑ ናብ መድረኽ ዚተጸውዑ ሳልሳይ ኤርትራዊ፡ ወካሊ ሰልፊ ሕብረት፡ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ነበሩ።

ደጃዝማች ተድላ ባይሩ መደረኦም፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ታሪኽ፡ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ትውልድን ናይ ጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣን ተመሳሳልነት ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ከምዘይትደሊ ብምግላጽ'ዮም ጀሚሮሞ። ቀጺሎም ብዘይካ ማሕበሮም እተን ካልኦት ማሕበራት ኤርትራ፡ ንሓቀኛ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክላ ብምጥቃስ ድማ ረብሓ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ጥራይ ከም ዚሕሎ ገለጹ። ንኤርትራ ኣብ ክልተ ምምቃል ዚብሃል ዘረባ ግን ኪሕለምውን ከምዘይብሉ ኣጠንቀቑ። ብተወሳኺ እቲ ዚዓበየ ሰልፊ፡ ሰልፎም ሰልፊ ሕብረት ከም ዚነበረን ሓደ ሲሶ ካብ ኣባላቶም እስላም ከም ዚኾኑን ገለጹ። በዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕበሮም ከም ዚውከል ኣረዲኦም መደረኦም ደምደሙ። ካብዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮን ዘይሰማማዕን መደረ እዘን ሰለስተ ሰልፍታት ኤርትራ ድማ እቶም ኣብቲ መጋባእያ ዚነበሩ ወከልቲ ዚተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ኤርትራ፡ ህዝቢ ጠርኒፉ፡ ሃገር ኪመርሕ ዚኽእል ሰብ ወይ ውድብ ከምዘይነበረ ክግንዘባ ከኣላ። ወኪል ኢትዮጵያውን ነዚ ግምትን ሓሳባት'ዚ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነዳዲ ወሰኸሉ።

ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ኪለዓል ከሎ፡ ኮነ ኢላ ነቶም ንኣኣ ዘገልግሉ ዚነበሩ ኤርትራውያን'ያ ተሳትፍ ኔራ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብቲ ንጉዳይ ኤርትራ፡ ሶማልያን ሊብያን ንምውሳን ዚተጋብአ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣክሊሉ ሃብተወልድ ዘይኮነስ እቶም ሻቡ ሚኒስተር ንግዲ ዚነበሩ ኤርትራዊ ዚመበቈሎም ብላታ ኤፍሬም ተወልደምድህን እዮም ቀሪቦም ኔሮም። ንሶም ሓሳባቶም ከካፍሉ ዕድል ምስ ተዋህቦም፡ ብመደረ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን'ዮም ጀሚሮም። ከምዚ ድማ በሉ፥

'ቊጽሪ ህዝቢ ኤርትራ 1.250.000 ካብ ኮነ'ሞ እስላም ከኣ 75% እዮም ካብ ተባህለ፡ ህዝብታት ኣከለጉዛይ፡ ሰራየ፡ ሓማሴን፡ ምጽዋዕን ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራንሲ ክንደይ እዮም ማለት'ዩ!?' ብምባል ባጫ ዚተሓወሶ ሕቶ ኣቕረቡ። ነዚ ሕቶ'ዚ ንኺምልሱ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዳግም ናብ መድረኽ ተጸውዑ። በሉ ድማ፥

'ቊጽሪ ሰዓብቲ ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ ኣል ኤረትርያ፡ 1.204.764 እዩ። በዚ መሰረት ድማ እተን ዝተረፋ ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ንማሕበር ሕብረት ወሲኽካ፡ 45.000 ሰዓብቲ ጥራይ እዮም ዘለውወን!' በሉ። እዚ ዘይክውንነታዊ መልሲ ንገዛእ ርእሱ ንተኣማንነት መደረ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብኣሉታ ጸለዎ። ድሕሪ'ዚ ብዚተገብረ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ድማ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንኪትወሃብ ብዓብላሊ ድምጺ ኪሓልፍ ከሎ፤ እቲ ኩላተን ሰልፍታት ዝተቓወምኦ ንኤርትራ ናብ ክልተ ናይ ምምቃል ሓሳብ ግን ውዱቕ ኮነ! ኣብዚ ኪስትውዓል ዘለዎ ነገር እንተሎ፡ ከምቲ ኩላተን ንምምቃል ኤርትራ ዚተቓወማ፡ ኩላተን ተሰማሚዐን ድማ ንናጽነት ኤርትራ እንተ ዝጠልባ ኔረንውን ናጽነት ኤርትራ ሻቡ ክውን ምኾነ ኔሩ'ዩ።

ጠንቂ ናይዚ ኣሉታዊ ውሳነ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ግን ከምቲ ወትሩ ብኣመኽነይቲ ዚግለጸልናን ክሳዕ ለይቲ ሎሚ መርገጺናን መሰደዲናን ከም ምኽንያት ዚቐርብ ዘሎን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዝጸላእትና ወይ ድማ ስለ ዝዝረየትና ዘይኮነስ ኤርትራውያን ንሓድሕድና ኪንሰማማዕ ስለ ዘይከኣልና ጥራይ እዩ! እዚ ዘይምስምማዕ እዚ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ዚሓለፈ መቘስልትናን ሞትናን ጥራይ ዘይኮነስ ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዘለናዮ ሓሳረ መከራን ስደትውን ኮይኑ ኣሎ።

ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ብዕድሉ፡ ብመጻኢ ዕድል ደቁን ደቂ ደቁን ዚሓስብ እንተ ደኣ ኾይኑ ካብ ጸቢብን ግዝያውን ድሑር ኣተሓሳስባታት ነብሱ ሓራ ኣውጺኡ፡ ንኤርትራዊ ሓዉ ብምኽባርን ብምእማንን፡ ተሳንዩን ተፋቒሩን ንኺነብርን ናይ ሓባር ወጽዓኡን ናይ ደገ ይኹን ናይ ውሽጢ ጸላኢኡን ብሓባር ንኺምክት ምስ ነብሱ ቃል ኪኣቱ ይግባእ! ወትሩ ንዕላማ እምበር ንሰባት ኣይንከተል!

መራሒ ኢትዮጵያ ነበር ንጉስ ሃይለ ስላሴ፡ ኤርትራውያን ህቡባት ሰባት ናይ ምስዓብ ባህልን ልምድን ከም ዘሎና ብምግንዛብ፡ ነቶም ብህዝቢ ተፈታውነትን ህቡቡነትን ዘጥረዩ ሰባት ኣብ ምጥፋእ ኣተኲሮም ይሰርሑ ከም ዚነበሩ ይፍለጥ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ሎሚ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ናብ ፍሩያት ውልቀ ሰባት ኣተኲሩ'ዩ መራሕትን በላሕትን ኤርትራውያን ዚቖጺ ዘሎ! ኣብ ኤርትራ ብዘይካኡ ህቡብ ሰብ ኪህሉ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብህይወት ጥራይ ዘይኮነስ ብታሪኽውን ብፍጹም ኣይፍቀድን'ዩ!

ትማሊ ኣቦታትና ተሰማሚዖም ሓንቲ ኤርትራ እንተዚብሉ ኔሮም፡ ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናጽነትና ብዘይ ዝኾነ ይኹን መስዋእትን ደምን ምረኸብናዮ ኔርና ኢና! ድሕሪ ናጽነትውን ብሓባር እምቢ ንምልኪ እንተንብልን ኣብ ሃገርና መንግስቲ ኪትከል ብቕንዕና እንተንሰርሕን ኔርና ኣብዚ ሕጂ ብሰንኪ ውሑዳት ሕጊ ኣልቦ ሸፋቱ ወዲቕናዮ ዘለና ሓሳረ መከራ ኣይምወደቅናን ኔርና! ቁስልና እናፈለጥና ክንሕክሞ ዘይምኽኣልና ግን ኣዝዩ ዚገርም ነገር'ዩ! ቁስልና'ኮ ሕማም መንሽሮ ወይ ኤድስ ኣይኮነን! ድሌትን ቆራጽነት እንተሎ፡ ሕማምና ብቐሊሉ ኪፍወስ ዚኽእል ሕማም ንፍዮ እዩ!

ኣብ መበል 15 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለ ክርዳድ'ዩ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/03/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-