ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 14 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/03/2017 13:12 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 14 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 14 ክፋል   ብዓል ሓደ ብዕራይ ኣይለግስ፡ ብዓል ሓደ ዓይኒ ኣይገስግስ!
ብዘይነገርካ ኣይትበኣስ፡ ደሓር ከይትጣዓስ!
ብዙሓት፡ ኣብቲ ጽገሬዳ ዘላቶ እሾኽ ስለ ዝበቘለ ይሓዝኑ እዮም፤ ኣነ ግን ኣብቲ እሾኽ ዝበቘሎ ጽገሬዳ ብምብቋላ ሕጉስ እየ! (ጥቕሲ ፒተር)
ብድሕሪኡ ዘይሓምዩዎን፡ ኣብ ቅድሚኡ ንበር ዘይብሉዎን ኣይሰብኣይን!
ብፈርፈር ጸባ ዚሓመመ፡ ጓጉድ ማይ ተምተመ!

*እዚ ካብ 1ይ ክፋል ዚፈለመ ጽሑፍ'ዚ፡ ንምንታይ ኢና 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ደሚና? ንምንታይከ ድሕሪ ናጽነት ሰላምን ርግኣትን ረኺብና፡ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር ዘይከኣልና? ትምኒትናን ባህግናን ረኺብና፡ እፎይ ኢልና ኣብ ቤትና ብሰላም ንኽንነብርከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወዘተ. ንዚብሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕ ስነ ጽሑፍ፡ ማለት ብመሳልል ቋንቋ (ሰዋስው)፡ ብግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ኣጠቓቕማ፡ ብምስላ፡ ብስውያን (ትርጉሙ ኣብ ሓጹር ኣትዩ ዘሎ) ቁንቁኛን ቋንቋ ትግርኛ ማዕሪጉ፡ ብዚተኻእለ መጠን ምሉእ ትምህርትን ኣፍልጦን ዘስንቕ ጽሑፍ ኮይኑ ንኺቐርብ፡ ብዙሕ ዚተጻዕሮ ጽሑፍ'ዩ።


መበል 14 ክፋል፥


'ሓደ ኣባል ፍቕሪ ሃገር (ሕብረት ብዘይውዕል ምስ ኢትዮጵያ) ዚብል መንነት (ታሴራ) ዘይብሉ ሰብ ስራሕ መንግስቲ ኪወሃቦ ኣይክእልን'ዩ!' ዚብል ጽሑፍ ኣብ ጋዜጣ ደሃይ ኤርትራ ናይ ዕለት 16 ሚያዝያ 1954 ዓ.ም. ወጺኡ ከም ዚነበረ ምስ ነበብኩ፡ ነቲ ንኣይ ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል (ኣብ ማዘጋጃ ቤት ኣስመራ) ዘጋጠመኒ ፍጻመ ዘኪረ፡ ብተመሳሳልነት ናይ ክልቲኡ ፍጻመታት ኣዝየ ተገረምኩ!

ክብሪ መዝገብ ናይ ጓለይ ከውጽእ'የ ናብ ምምሕዳር ህግደፍ ዞባ ማእከል ከይደ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ንመዓልታት፡ ንሰሙናት ከምኡውን ንኣዋርሕ ኮለል ከይበልካ ዚሰልጠካ ጉዳይ ስለ ዘየለ፡ ክልተ ሰሙን ምሉእ ብዘይምቁራጽ፡ ንግሆን ድሕሪ ቀትርን'የ ናብቲ ምምሕዳር ተመላሊሰ። ሓደ ንግሆ ግን ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚቕመጥ ዓርከይ፡ ካብቲ ማዘጋጃ ቤት ተብተብ እናበለ ኪወጽእ፡ ኣብ ኣፍደገ ጎፍ በለኒ'ሞ፡ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥና፡ ናብቲ ምምሕዳር ዘምጽኣና ምኽንያት ኣዕለልና።

ኣነ ንዓርከይ ነዛ ሓንቲ ወረቐት ከውጽእ ክልተ ሰሙን ንግሆን ምሸትን ናብዚ ምምሕዳር ከም ዝተመላለስኩን ብዚተፈላለየ ንኺትኣምኖ ዘጽግም ምኽንያታት ላሕ ከም ዘበሉንን ምስ ሓበርኩዎ፡ እቲ ዓርከይ ቅልጥፍ ኢሉ፡ ኢዱ ናብ ጁባኡ ብምስዳድ፡ ሓንቲ ነታ ታሴራይ እትመስል መንነት ኣውጽአ'ሞ፡ 'ከምዚኣ የብልካንድዩ!?' ኪብል ተገሪሙ ሓተተኒ።
'እንታይ እያ እዚኣ ኣታ!?' ብምባል ኣነውን ህውኽ ኢለ ካብ ኢዱ ምምንጣል እንተነበብኩዋስ፡ ኣባልነት ህግደፍ እትምስክር ወረቐት ኮይና ጸኒሓትኒ! 'እሞ በዚኣ ደኣ ከመይ ጌርካ ኣሳሊጥካ!?' ድማ በልኩዎ ብኣግርሞት ዓይኒ ዓይኑ እናጠመትኩ።

'እዋእ! እዚኣ እንድሕር ኣላትካ ደኣ ኩሉ ነገር ሰቲ'ዩ ወደያይ! እዚኣ እኮ'ያ እታ ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ ትገብረካ!' በለኒ ብሓበን ፍሽኽሽኽ እናበለ። ሽዑ ድማ'የ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ሰለስተ ደረጃ መቒሉ ብዘውጊ (ብሌላን ጉሌላን) የማሓድሮ ከም ዘሎ ዝተገንዘብኩ። ነቲ ብቕድሚኡ ኣብቲ ብስደት ዚነብረሉ ዓዲ፡ ሓደ ግዜ ምስክር ወረቐት ኣድልዩኒ ሓቲተዮም ምስ ኣበዩኒ፡ ነቲ ኣምበሳደር ንምንታይ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ 'ኣባል ህግደፍ ዲኻ?' ዚብል ሕቶ ወስ ኣቢሉለይ ከም ዚነበረ ዘኪረ ከኣ ርእሰይ ነቕነቕኩ! እቲ ሻቡ ንኣይ ዝገረመኒ ግን ኣሰራርሓ ናይቲ ኣፈ-ጸፍ (መሲሉ ኪርአ ዚደሊ) ህግደፍ ዘይኮነስ፡ ናይቲ ኣባል ህግደፍ ብምዃኑ ጥራይ፡ ሓለፋ ኣሕዋቱን ኣዕሩኽቱን ረብሓታት ብምርካቡ፡ ብተሓጓስ ፍሽኽሽኽ ዚብል ዚነበረ ጎበዝ ኣድሪ (ድኹም፡ ዘይረብሕ) ዓርከይ እዩ ኔሩ።

ካብ ዝኽረይ ተበራቢረ ንባበይ ምስ ቀጸልኩ ከኣ ነዚ ዚስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ እንደገና ረኸብኩ፥ 'ነቶም 'መሰል ህዝቢ ተጋሂሱ' ብምባል፡ ንመሰሎምን ንመሰል ህዝቦምን ዚተጣበቑን ዚተማጐቱን ሓቀኛታት ኣፍቀርቲ ህዝቦምን ሃገሮምን፡ ኣብ ክንዲ ምምጓሶምን ምምስጋኖምንሲ ጸላእቲ ሃገሮምን ልኡኻት ባዕዳውያውንን እናበልካ ኪጽረፉን ኪጥቀኑን ይስማዕ'ዩ። እዞም ኤርትራውያን እዚኣቶም ግና ኣፍቀርቲ ዓዶምን ህዝቦምን'ምበር ጸላእቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ከምዘይኮኑ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ይምስክረሎም'ዩ።

ከምቲ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ካልኦት ሞይቱ ዚተንስአ፡ ከምኡውን እዞም ናይ ህዝቦም መሰል ዚሓተቱ'ሞ ብውሑዳት ደለይቲ ጥቕሞም ዚተጸለሙ፡ ዚተጠለሙን ዚተዋረዱን ገና ዚዋረዱ ዘለዉን ንጹሃት፡ ጽባሕ ንግሆ መኽበሪኦምን መማዕረጊኦምን ኪኸውን ተስፋ ንገብር' ዚብል ጽሑፍ ኣብቲ ጋዜጣ ምስ ነበብኩ፡ 'ብርግጽ እቶም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዚተዋረዱን ብኣባላት ሕብረትን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዚተገፍዑን ኤርትራውያን ብኽብሪ ይለዓሉ ኣለዉ።' በልኩ ከይተፈለጠኒ ዓው ኢለ። እዞም ሕጂ ብስርዓት ምልክን መስርዕ ምሸቱን (መባልዕቱን) ዚዋረዱን ዚግፍዑን ዘለዉ ኤርትራውያንውን ጽባሕ ንግሆ፡ ድሕሪ ዕርበት ምልኪ ስሞም ከም ወርቂ ኪኹላዕ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን እውን ወሰኽኩ።

ኣብ ግዜ መንግስቲ ተድላ ባይሩ፡ ብዕለት 05/09/1954 ዓ.ም. ኣብ ማይ ጭወት (ማይ ጭሆት) ሓደ ንመሰል ሰራሕተኛታት ዚጣበቕ ማሕበር መንእሰያት ፈደራሊስት ኤርትራውያን (ማ.መ.ፈ.ኤ.) ዚብል ጥርናፈ መንሰያት ተመስሪቱ ነበረ። ነዚ ዚስዕብ ኣርማ ኣልዒሉ ድማ ንመሰሉን ንመሰል ህዝቡን ኪቃለስ ወሲኑ ነበረ። 'ካብ ሎሚ ንንዮ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ እታ ህንጻ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ንኸተንበልብል ዝተወሰነላ ኣውሊዕ ዝዕምባብኣ ሰማያዊት ዕላማና ኴንና፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን እናበልና ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድኒ መንግስትና ከም ዘለና ነረጋግጽ።' ዚብል መግለጺ ኣውጽአ።

ነቲ ኣብ ሃገርና ዚነበረ ፖለቲካዊ ምግምዳሕን ሓርጎጽጐጽ ናብራ ህዝብናን፡ መንእሰያት ሓምሳታት ከምዚ ሎሚ 'መንግስቲ ባዕሉ ኣለዎ' ብምባል ትም ኢሎም ኪሪእዩዎን ኪዕዘቡዎን ኣይመረጹን። ብኣንጻሩ ደኣ ብዙሕ ዚተፈላለየ ንጥፈታት የካይዱ ነበሩ። ሓደ ካብኡ ኣኼባታት ብምጽዋዕ ምኽርን ማዕዳን ንሰበስልጣን መንግስትን ንህዝብን፡ ብቃልን ብጽሑፍን ይልግሱ ነበሩ። ንኣብነት፥ ኣብቲ ብዕለት 28/11/1951 ዓ.ም. ዚጸውዑዎ'ሞ ኣብቲ ኣብ እምባጋልያኖ ዚርከብ "ብእንዳ ጎንደራን" ዚፍለጥ ኣዳራሽ ኣኼባ ብምክያድ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነበሩ።

'ኣብዛ ሃገር ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዚግበር፡ ንሰራሕተኛታት ዋሕስ፡ ዑቑባ፡ ዋልታ፡ ጸግዒ፡ ወዘተ. ዚኸውን ሕግን ስርዓትን የለን! በዚ ምኽንያት'ዚ ከኣ ሰራሕተኛታት ደቀባት ጓሳ ከምዘይብለን ኣባጊዕ ኮይኖም፡ ኣብ ለውሃት ወይ ኣብ ጭካነ ናይቶም ስራሕ ዚህቡ ሰባት ወዲቖም ይርከቡ ስለ ዘለዉ፡ ኣእምሮ ዘሎዎ ኤርትራዊ በዚ ከስቈርቁር ይነብር ኣሎ።

እቲ ተኸፊሉ ዚብሃልውን እንተኾነ፡ ደሞዙ ሓደ ሰብ ኪነብረሉ ዘይክእል ስትዮ-ጥምዮ (ዘይረብሕ ኣታዊ) ስለ ዝኾነ ፋይዳ የብሉን። ሓደ ኤርትራዊ ስራሕ ክኣቱ ከሎ፡ ወሃብቲ ስራሕ ብዘይሕግን ስርዓትን ስለ ዚቘጽሩዎ፡ ካብ ስራሕ ከውጽኡዎ ከለዉ እውን ከምኡ ብዘይሕግን ስርዓትን'ዮም ዘባርሩዎ! ዚብጽሖን ዚግብኦን እስትሕጋግ ኣይወሃቦን'ዩ! ሓደ ሰራሕተኛ ብዘይፍቓዱን ብዘይበደልን ካብ ስራሕ ኪባረር ከሎ፡ ሕጋዊ ካሕሳውን ኣይወሃቦን'ዩ! ስለዚ፡ ንሰራሕተኛታት ዚምልከት ፍሉጥ ሕጊ ኪወጽእን ኣብ ግብሪ ኪውዕልን ንጠልብ ኣለና!' ብምባል ስምዕታኡ ኣቕሪቡ ነበረ። ድሕሪ'ዚ ሓደ ካብቶም ሽዑ ኣስራሒ ዚነበሩ ደጊያት ሓረጐት ኣባይ፡ ነቲ ጠለብ ብምሉእ ልቦምን ሓይሎምን ከም ዚድግፉዎ ገለጹ።

እዚ ኣቐዲምና ዚረኣናዮ ኩነታት ሰራሕተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ እዩ ኔሩ። ፈደረሽን ፍርዲ ለበስ (ሕግን ልምድን) ዚኽተል ስርዓት ከም ዚነበረ ከኣ በዚ ነረጋግጽ። ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ግዜ ህግደፍከ ኩነታት ሰራሕተኛታት ኤርትራውያን ከመይ ኣሎ? ብዝኾነ ይኹን መልክዒ ምስ ናይ ግዜ ፈደረሽን ኪነጻጸር ኣይክእልን'ዩ! ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ናይ ስራሕ መሰል ዘይነበሮ ኤርትራዊ፡ ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ምንባር መሰል የብሉን! እቲ ኣብ ዘበነ ፈደረሽን ንመሰሉ ኣኼባታት ዚገብር፡ ዚዛረብን ዚጣበቕን ዚነበረ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ኪእከብን ኪዛረብን ይትረፍ ዋላ ደሞዝ ይትረፈኒ ኣይሰርሕን'የ ኪብልውን መሰል የብሉን! ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰይጣን በዓቲ (ኣርዓዲ) ዚኾነ ስርዓት ዚላቐቐሉ ግዜ የምጽኣሉ።

ብዛዕባ ማሕበር መንእሰያት ካብ ኣልዓልና፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ኣርብዓታት ኣዝዩ ንደለይቲ ናጽነት ኣሸጊሩ ዚነበረ ማሕበር መንእሰያት እምበእር ኪንጠቅስ። ከምዚ ሎሚ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) ተመስሪቱ፡ ንህደፍ ዚተቛወሙ ሰባት ዚሃድንን ዚጻባእን ዘሎ፡ ሻቡውን "ኣንድነት" ዚብሃል ማሕበር መንእሰያት ጨንፈር ናይ ሰልፊ ሕብረት ኮይኑ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ተመስሪቱ ነበረ። ማሕበር ኣንድነት መንእሰያት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብ 9 መስከረም 1945 ዓ.ም. እዩ ኣብ ማይ ኣንበሳ፡ ኣብ ኣስመራ ተመስሪቱ። ሓላፊኡ ኮይኑ ዚተመርጸ ከኣ ኣቶ ሃይለ ኣብርሃ ይብሃል ነበረ።

እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ከኣ ብሓደ ኣብ 1946 ዓ.ም. ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዚኣተወ ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ ዚተባህለ ኢትዮጵያዊ ተደጊፎም፡ ኣብ ልዕሊ ጠለብቲ ናጽነት ናይ ቅትለት ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዚነበሩ ይንገር። ናይዚ ህያው ኣብነት ከኣ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ሓርበኛ ዓብደል ቃድር ከቢረ፡ ከምኡውን ደግያት ሓሰን ዓሊን ካልኦትን ይርከቡዎም።

ንኣብነት፥ ነቶም ኣብ 2ይ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ደንጒዮም ዚመጹ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ብላታ ደምሳስን ደጊያት ሓጐስን ተዛረቡ ምስ በሉዎም፡ 'ኣስላም ኣይመጹን'ዮም ዘለዉ፡ ኣነ ንመን ወኪለ ኪዛረብ? ስለዚ፡ ነዚ ጉባኤ'ዚ ዓጺኹም ካልእ ጉባኤ ግበሩ'ሞ ኩላትና ክንመጽእ፡ ሽዑ ከኣ ክንዛረብ' ኢሎም ምስ መለሱሎም፡ ሓደ ካብቶም ንማሕበር ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዓጂቦም ዚመጹ መንእሰያት ኣንድነት ብድድ ኢሉ፡

'ዋይ ወድ ሱልጣን ፌሰርያ! ክንደይ ኣስላም ክንብል ኢና ንሕና? ክንደይ ጓሳ ከብቲ፡ ክንደይ ሰሓብ ገመል፡ ክንደይ በደዉ ክንብል ኢና!? ኣስላም ነቲ ንሕና ንውስኖ ነገር ብኣፍንጭኦም ይቀበሉዎ! ንሕና ዚበልናዮ ይኹን! ንኣና ይከተሉ!' ብምባል ኣጒባዕቢዑሎም ከም ዚነበረ፡ ባዕሎም ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ቃል ምስክርነቶም ሂቦምሉ'ዮም። በቃ ስራሕ ማሕበር ኣንድነት፡ ናጽነት ንዚደልዩ ሰባት፡ ማለት ምስ ኢትዮጵያ ኪሓብሩ ንዘይደልዩ ሰባት ምቕጻዕ'ዩ ኔሩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ከኣ ዕላማን ስራሕን እዞም ሎሚ ብየማነ ማንኪ ዚምርሑን ዚምልመሉን ዘለዉ መንእሰያት ህግደፍውን ንሱ'ዩ ስራሖም። ንሓደ ሓቀኛ ንሃገሩን ንህዝቡን ሓልዩ፡ ንበደላት ህግደፍ ዓገብ ዚበለ ሰብ፡ 'ወያነ፡ ዓጋመ፡ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ከዳዕ፡ ዕሱብ፡ ወዘተ.' እናበልካ ብምፍርራህን ብምድሃልን ካብ ህዝቡ ምንጻልን'ዩ ስራሖም። ስለዚ፡ ብፋእሙን ቅጥኑን (ብኹሉምሉ) ጠሚትና ንህግደፍ እንተፈተሽናዮ፡ ዋላ ሓንቲ ፍሉይ ህግደፍ ዘምጽኦ ሓድሽ ነገር የለን! ልላይ (ተናዒቑ ዚተወገነ) ታሪኽ ጥራይ እዩ ካብቲ ዚነበሮ ብዚሓየለ ጭካነ ኣሕዲሱ ዚደግም ዘሎ! ስለዚ፡ ኩልና ኤርትራውያን ነዚ ዘርኢ ምድሪ ዚገብረና ዘሎ (ዚበታትነና ዘሎ) ሕሱም ጉጅለ፡ ብሓደ ቃል ሓመድ ብላዕ (ዕድሜኻ ይሕጸር) ክንብሎ ክንክእል ኣለና።

ኣብ መበል 15 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለ ክርዳድ'ዩ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 03/03/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-