snitna.com

28/10/2016 23፡24 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

3ይ ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! "መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምን ኣይኽላእካ!
መሰሎም ዘይረኸቡ ጓሶት፡ የምጽኡ ኣሶት!?
መሰታኻ ኣይኹራዓልካ፡ ኣቦኻ ኣይብላዓልካ!
መደረ ወዲ ሰብ መንነቱ ይገልጽ!
ምሃብ ዘይፈልጦስ ምቕባል መን ኣልመዶ?"

 

መጋባእያታት ባይቶን መንግስትን ኤርትራ፡ ንህዝቢ ክፉትን ግሉጽን ስለ ዚነበረ፡ ኣባላት ባይቶን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተድላ ባይሩን ተኣኪቦም፡ ብቐጥታን ብግልጽን ብጉዳይ ህዝቢ ኪካትዑን ኪዛተዩን ይረኣዩ ስለ ዚነበሩ፡ ህዝቢ ብድሕሪ ኣኼባ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ እናተጸበየ፡ ነቶም ጸገማቱ ኣልዒሎም ኪጣበቑሉ ዚወዓሉ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኪውድስን ከመስግንን ስለ ዚጀመረ፡ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ጸግዒ ህዝቢ ናይ ምሓዝ ውድድር ተራእየ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ብግልጺን ዓው ኢሎምን፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣማረሩ፥ 'ህዝቢ ይመውት፡ ይኸፍኦን ይጸቦን ኣሎ! ዋጋታት ቀረብ ኣዝዩ ይንህር ኣሎ! ጨው ከይተረፈ ኤርትራዊ ፍርያት ክነሱ ሰማይ ተሰቒሉ! ባጤራ ብር እውን ብመንጽር ሽሊንግ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሕሱር ስለ ዚኾነ፡ ነቲ ብር ዚጥቀም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣመና ሃሲዩዎ ኣሎ። ዋጋ ነዳድን ካልእንውን እናነሃረ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ መንግስቲ ብኣጋኡ ፍታሕ ከምጽእ ሓላፍነት ኣሎዎ! መራሕ መንግስቲ'ኮ ኪምረጽ ከሎ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዚፍጸም በደል ኪከላኸልን ኪሕሉን'ዩ! ' ብምባል ስለ ዚመጎቱ፡ ከም ብዓል ኣቶ ሳልሕ ኣሕመድ ኬኪያ ፓሻ ዚኣመሰሉ ኣባላት ባይቶ፡ ዝለዓለ ክብሪ ህዝቢ ረኺቦም ተመጐሱ።

ከምኡውን ጋዜጣታትን መጽሔታትን ብሕቲ፡ ባህግን ድምጽን ህዝቢ እናኣቃልሓ ንመንግስቲ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ ኣጨነቐኦ። በላ ድማ፡- 'እዞም ብቕዓት ዘይብሎም ኣባላት ባይቶን መንግስትን ይተኣለዩ! ሽመት ብፍልጠትን ብፈሪሓ እግዚኣቢሄርን'ምበር ወዲ ዓብዪ እዩ ወይ ከኣ ጸግዐይ እዩ ቢልካ ከይወሃብ ነጠንቅቕን ነማኽርን ኣለና። እቶም ዚሽየሙልና ሰባት ከኣ ነዚ ዘለናዮ ግዜያዊ ኩነት ዚፈልጡ'ምበር ናይ ቀደም ዚፈልጡን ኣብኡ ዚነብሩን ኣይንደልን ኢና! ዕድመን ጥዕናን ነቶም ጸገም ህዝቢ ዚተረድኡን ስለኡ ዚመጎቱን ኣቶ ኬኪያን ሰዓብቶምን!' ብምባል ልቢ ህዝቢ ኣረሳሰና። ከምኡውን ናይ ቀረባ ዘመድ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ ዝነበሩ፡ ኣቶ መስፍን ገብሪሂወት ነቲ ዚለዓለ ቦታ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ብምሓዞም፡ ንፕረዚደንት ተድላ ብዓይኒ ወገናውነት ዘሕምዮም ጉዳይ ኮነ! እታ ልሳን መንግስቲ ኮይና ተገልግል ዝነበረት ጋዜጣ 'ኢትዮጵያ' ምስታ ምስ ህዝቢ ወጊና ትጽሕፍ ዝነበረት ጋዜጣ 'ዳሃይ ኤርትራ፡' ጸኒሓ 'ሓንቲ ኤርትራ' ዚተባህለት ጋዜጣ ህዝቢ፡ ኣብ ውድድርን ህልኽን ኣተዋ። ምፍርራህን ታህዲድን ይሕወሶ ስለ ዚነበረ ከኣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ደሞክርያሳዊ መሰል ዚግህስ ቃላት ይሕወሶ ነበረ። እዚ ህልኽ ዚተሓወሶ ምልልስ ንነዊሕ ምስ ቀጸለ ከኣ ብዕለት 07/02/1953 ዚወጸ ሕታም ጋዜጣ 'ዳሃይ ኤርትራ' ኣባላት ቤት ጽሕፈት ናይቲ እታ ጋዜጣን እትሕተመሉ ቦታን፡ ኣዳለውታን ኩሎም ተሓጋገዝታን ብፖሊስ ተጸዊዖም ከም ዚተሓተቱን ከም ዚተመርመሩን ንህዝቢ ኣፍለጠት።

እታ ጋዜጣ ብምውሳኽ ከምዚ ዚስዕብ በለት፡- እዚ ስጉምቲ'ዚስ ኣንጻር ሕጊ ደሞክክርያስያን ኣንጻር ናጽነታዊ መሰል ህዝብንዶ ኣይኮነን? ጋዜጣ 'ደሃይ ኤርትራ' ዘይግቡእ እናጸሓፈት ሕጊ ጥሒሳ እንተትኸውን ክፍሊ ናይ ፍርድን ሓለዋ ሕግን ዚኾነ ቤት ጽሕፈት ስለ ዘሎስ ከም በዳሊት ክትፍረድን ክትቅጻዕንዶ ኣይምተገብአን? ካብዚ ወጻኢ ምፍጻምከ ናይ ምልኪን ዓፈናን ኣፍደገ ምርሓውዶ ኣይመስልን?' ብምባል ጥርዓና ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣቕረበት።

ኣብቲ ግዜ ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ገለ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኢድ ዘይነበሮምን ቅድሚኡ ዘይተራእዩን ከም ብዓል ኤፍሬም ኣማኑኤል፡ ኣብርሃ ገብረስላሰ  ወዘተ. ዚኣመሰሉ ኣመንቲ ሃይማኖት ፕሮተስታንት ሓደስቲ ሰባት ብሃንደበት ናብ ስልጣን ከምጽኡ ስለ ዚተራእዩ፡ ገለ ኣባላት ሕብረት ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ተድላ ቂምን ኲራን ከም ዘርኣዩ ይንገር። ብዘይካ'ዚ እቲ ንመንግስቲ ተድላ ባይሩ ሰላም ከሊኡዎ ዚነበረ ጉዳይ ከኣ እቲ ኣብታ ብኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ትዳሎ ዝነበረት 'ደሃይ' ዝስማ ጋዜጣ ብሕቲ፡ ብቐጻሊ ዚጸሓፍ ዚነበረ ነቐፌታን ሕሜታን ነበረ። ድሕሪ'ዚ ድማ ብዙሕ ከይጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዚምልከት ሰንበት 22 ለካቲት 1953 ኣዋጅ ኣውጽአ።

'መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ገሊኦም ኤርትራውያን ብጋዜጣ፡ ብዕላል ዚገብሩዎ ዘለዉ እናሓደረ ንጸጋም ዘዘንብል ሓሶት ዚመልኦ ፕሮፖጋንዳ፡ ብዓብዪ ምግዳስ ተኸታቲሉዎ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ዕላማኡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ኪኸውን ከሎ፡ ኣውራ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንኢትዮጵያውያንን ንምጉዳእ'ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዘይምስምማዕን ፖለቲካዊ ጸገምን ኪፈጥር ዚኽእል፡ ከምኡ ድማ ንናይ ሃገር ቁጠባ ትንሳኤን ምዕባለን ኪዕንቅፍ ዚኽእል ኩነት ስለ ዚኾነ፡ ዓቢ ግምት ሂቡ ይሓስበሉ ኣሎ፣ ወዘተ.' ብምባል ዛዘመ።

ድሕሪ'ዚ ናይ መወዳእታ ሕታም ጋዜጣ 'ደሃይ ኤርትራ' ዕለት 14 ለካቲት 1953 ኮነ። ኣዳለውታ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት መሓመድ ሳልሕ ማሕሙድን መሳርሕቱ ጋዜጠኛ ኤልያስ ተኽሉን ከኣ ተኸሲሶም ናብ ቤት ፍርዲ ቀረቡ። እታ ጎብለል ዓመጽ ኮይና ንበይና፡ ናጽነት ዝበሓተት ጋዜጣ ኢትዮጵያ ከኣ 'በትር ያጽንዕ ሓይለ መንግስት' ብዚብል ኣርእስቲ፡ 'ድሕር ደጊም ብዕላል ኮነ ብስብከት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘነኣእስ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ መሰረቱ ዚነቅልን ንህዝቢ ብሓሶት ዘርዕድን ዘባእስን ሓሳዊ፡ ንሕስያ ከይግበረሉ ሓደራ ህዝብን ሃገርን'ዩ!' ዚብል ጽሑፍ ኣቕረበት።

*     *     *

መጋባእያታት መንግስቲ ህግደፍ ወትሩ ንህዝቢ ዕጹውን ምስጡርን ስለ ዚኾነ፡ መን ንመን ይብድህ፡ ወይ ድማ መን ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ይሕለቕን ይምጉትን ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። መን ብቕዓት ዘሎዎን ዘይብሉንውን ስለ ዘይፈለጥ፡ ህዝቢ እከለ ካብ እከለ ይሓይሽ ኪብል ኣይከኣለን። እቶም 'ካቢነ' ዚጽውዑ ዓሻክር ምልኪውን ንሽግር ህዝቢ ኣልዕሊሎም ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዚካትዕሉ ሓቦ ስለ ዘይብሎም፡ ወትሩ ዘዝተባህሎም ሰሚዖምን ተኣዚዞምን ኪኸዱ'ዮም ዚመርጹ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ክብርን ፍቕርን የብሎምን። መሰል ግህሰት ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ከኣ ካብዚ'ዩ ዚፍልም! እቲ ግህሰት ግን፡ ቅድሚ ንህዝቢ በቶም ኣባላት ባይቶን መንግስትን ህግደፍ'ዩ ጀሚሩ። እቲ ካብ ህዝቢ ሓቢኡ ዚገንሖምን ዚልእኾምን ፕረዚደንቶም ከኣ ከምቲ ንሳቶም ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዚሰቐሉዎ፡ ንሱውን ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ'ዩ ካብ ስልጣን ዘባርሮም።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዚኾነ ይኹን ዘመድ ወይ ቤተስብ ዘይብሉ ፕረዚደንት ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ቀረባ ዘመዱ ናብ ስልጣን ከደይብ ስለ ዘይተራእየ፡ ከም ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ ነበር፣ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ብወገንነት ይኹን ብሃይማኖት ኣይተሓምየን ወይ ኣይተኸሰሰን። ኩሉ ኣብ ምዕቃብ ስልጣኑ ዚሰርሕ ሰብ፡ ዜግነቱ ብዘየገድስ ዘመዱ'ዩ!

ፕረዚደንት ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ልክዕ ከምቲ ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ዚገበሩዎ፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ወሳኒ ተራ ዘይነበሮም፡ ከም ብዓል የማነ ገብርኣብ (ማንኪ)፡ ሓጐስ ገብረሂወት (ክሻ) የማነ ገብረመስቀልን (ቻርሊ) ወዘተ. ዚኣመሰሉ ሰባት፡ ዚለዓለ ስልጣን ኪህብ ምስ ጀመረ፡ እዚ ተግባር'ዚ ኣብ ልቢ'ቶም ምስ ኢሳያስ ተጋዲሎም፡ ኣብ ግንቦት 1991 ናብ ኣስመራ ዚኣተዉ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዘሐጉስ ስምዒት ኣይፈጠረን።

ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሃይማኖት ይኹን ወገን ስለ ዘይብሉ ብርግጽ ከም ኣቶ ተድላ ባይሩ ብወገንን ብሃይማኖትን ኣይተኸሰሰን። Eritrea Independent Newspapersእቶም ብተግባራቱ ዘይተሓጐሱ መራሕቲ መንግስቲ ህግደፍ ግን ኣብተን ሽዑ ዚነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ነቐፌታኦም ኣብ ልዕሊ መንግስቶምን ጠለባት ምስረታ ቅዋማውን ደሞክርያሳውን መንግስቲ ብግልጺ ከቕርቡ ጀመሩ። እዚ ከኣ ነቲ ዘዝበሎ ተፈጻምነት'ምበር ነቐፌታን ርእይቶን ዘይለመደ ደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፍጹም ሰላም ከልኦ።

እተን ንሓጺር ግዜ ዕድል ረኺበን ጉድለታት መግስቲ ህግደፍን ጸገማት ህዝብን ከቃልሓ ዝጀመራ ብርክት ዚበላ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ነታ 'ሓዳስ ኤርትራ' ዝስማ እንኮ ንመንግስቲ ህግደፍ ዘይመልክዑን ዘይናቱን እናሃበት እትኰሓሕልን፡ ኩሉ ጸገማትን በደላትን ህዝቢ ናብ ብሕታውያን ነጋዶ እናጸገዐት፡ 'መንግስቲ ሕጹብ ከም ጲላጦስ'ዩ!' ጥራይ እትብልን ጋዜጣ ህግደፍ- ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብህዝቢ ከም ትፍንፈን ገይረናኣ ነበራ።

ጋዜጣ ህግደፍ (ሓዳስ ኤርትራ) ነተን ድምጺ ህዝቢ ዘቃልሓ ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ ኪትምክተን'ኳ እንተፈተነት ሓቂ ብሓሶት ስለ ዘይትሰዓር ግን ሓሶታ ብዘይካ ክሳራ፡ Hadas Eritra September 18, 2001 ሕስረትን ንዕቀትን ኣብ ህዝቢ ካልእ ምንም ፋይዳ ከምጽኣላ ስለ ዘይከኣለ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንፈት ደሞክራሲ ኣርእየን፡ ህዝቢ ክምህራን ከንቅሓን ጀሚረን ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ብ18 መስከረም 2001 ብዘየዳግም 'ጋዜጣታት ብሕቲ ንግዜኡ ተኣጊደን' ብዚብል ኣርእስቲ ንኹለን ዓጸወን።

ጉጅለ ኢሳያስ፡ ዝኾነ ይኹን ሕግን ስርዓትን ወይውን ህንጻ መንግስትነትን ስለ ዘይብሉ፡ ነተን ጋዜጣታት ዓጽዩ፡ ንኣደላውተንን ተሓጋገዝቶምን ድማ ከምቲ መንግስቲ ተድላ ብቕድሚኡ ዚገበሮ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይኮነስ ብቐጥታ ናብ ጎዳጉዲ ንምእታው፡ ብዘይሕግን ፍርድን ከካብ ቤቶም ጨውዩ ምስ ወሰዶም፡ ኣብዚኣ ኣትዮም ዘይብሉ፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ደሃዮም ኣጥፊኡዎም ይርከብ! ነቶም ጌጋኦም ተረዲኡዎም ኣካይዳ ፕረዚደንቶም ዚተቓወሙ ብርክት ዚበሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ህግደፍውን ከም ሰቦም ከካብ ቤቶም ተተለቒሞም፡ ናብ ዘይተፈልጠ መዓሙቕ ተወሲዶም ብኣ ኣቢሎም ሓቐቑ!

እዚ ኹሉ ኪኸውን ከሎ ከኣ ህዝቢ ይዕዘብ ስለ ዚነበረ፡ መታን ጽቡቕን ሕማቕን ከይዛረብን ስለምንታይ ዚብል ሕቶ ከየልዕልን ተባሂሉ፡ ብቕጽበት ኣፉ ንምዕባስ፡ ኣቐዲሙ ሓደ ተንኰል'ዩ ተኣሊሙ ጸኒሑ። እቲ ቀደም ኣብ ሜዳ ብስም መንካዕን የሚንን ብሃንደበት ተጨውዮም ንዚጠፍኡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ብጾቶም 'እንታይ ጌሮም?' ኢሎም ከይሓቱን ስማቶም ከየልዕሉን ምእንቲ፡ ብወገንን ብክሕደት ውድብን ቀልጢፉ ጸለሎ ብምቕባእ፡ ኣፎም ዚዓጸወ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሻቡውን ነቲ ኣብ ህዳሰ ሃገሩ ክቱር ፍቕሪ ዚነበሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልቡ እትሰልብ ምኽኒት ብምምሃዝ፡ 'ብኽድዓት ሃገር ንወያነን ንኣመሪካን ' ጠቂኑ ኣፍ ኩሉ ሓታቲ ዓጸወ። ድሕሪ'ዚ ከኣ ጋዜጣ ህግደፍ 'ሓዳስ ኤርትራ' ተወዳዳሪ ኣብ ዘይብሉ ሜዳ፡ ጉያ ሓሶትን ምትላልን ብምዕጣቕ፡ ኣብ መላእ ኤርትራን ኣብ ዓለምን ዘሎ ኣዒንትን ኣእዛንን ኤርትራዊ ንበይና በሓተቶ።

ኣብዚ ኪስትውዓለሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ፣ መንግስቲ ተድላ ባይሩ፡ ምኽንያት እተን ዚዓጸወን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ እቲ ሓቂ'ዩ ገሊጹ፡ ማለት ንመንግስቲ ከም ዚተጻረራ ብንጹር ገሊጹ'ዩ ሕጋዊ ክሲ መስሪቱ፤ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ኣብ ታሪኹ ከምዚ ጌሩ ኣይፈልጥን'ዩ። ወትሩ እቲ በደል ንህዝብን ሃገርን'ምበር ንነብሱን ንውድቡን ወይ ንመንግስቱ ከም ዚኾነ ዚገለጸሉ ኣጋጣሚ ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን የላን!

ኩሉ ግዜ ዋላ ብንጹር ቃላት ዝኾነ ሰብ ይኹን ጉጅለ ናብ መንግስቱ ኣነጺሩ ዘቕርቦ ክስን መጥቃዕትን ናብ ህዝብን ሃገርን ከም ዚቐረበ ጌሩ'ዩ ዚገልጾ። እዚ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ተሓላቒ ነብሱ ዘይኮነስ ተሓላቒ ህዝብን ሃገርን ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ሰባት፡ ህግደፍ ማለት፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ማለት ምዃኑ ንምእማንን ንምድንጋርን ብመትከል ዚሰርሓሉ ጉዳይ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ኣብዚ ሎሚ እዋን በቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዚፍጽሞ ዘሎ ስውርን ግሁድን ህልቂት ተደሪኾም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ናይ ዘውረድዎ ክሲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዚወረደ ጌሩ ኪላገጽ ተሰሚዑ'ዩ። ኩሉ መልስታት ህግደፍ ብዛዕባ'ዚ እንተ ተዓዘብና ከኣ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ'ምበር መንግስቲ ከምዘየለ'ዩ ዚእምት፡ እዚ ከኣ ኣብ ግብርስ 100% ሓቂ'ዩ። ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኣብዚ ሎሚ እዋን ህዝቢ'ምበር መንግስቲ የለን።

*     *     *

ኣብ 4ይ ክፋል ይቕጽል...


ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 28/10/2016



Share with friends፡-


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-