snitna.com

12/10/2016 23፡59 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

1ይ ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! "ለባም ካብ ባይቶ፡ ሃብታም ካብ ዓዲ ኣይኽልኣና።
ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፡ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት።
ላም እሳት ወለደት፡ ከይትልሕሶ ነደደት፡ ከይትገድፎ ወለደት ብኹሉ ተገደደት።
ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባስ፡ ብእግራ ትሓክኽ።
ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ።"

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሃበስቀደስ ሳምንታት፡ ከም ሰበይ ብዙሕ'የ ክሰምዕን ክዕዘብን ቀንየ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፥ ብዙሓት ብምቅጻል ባንዴራ ልቦም ዚተቓጸሉን ካብ ደለይቲ ፍትሒ ተስፋ ዚቖረጹን የዋሃት ደለይቲ ሓርነት፣ ከምኡውን ገለ ሃዚላት ደገፍቲ ምልኪ፡ 'ተቓወምቲ ባንዴራ ሃገር ኣቃጺሎም!' ብምባል፡ ተደናገጽቲ ንምርካብ፡ ደገፎም ንምልኪ ክብሪ ንምሃብን ስረ ደለይቲ ፍትሒ ንምፍታሕን ሓያል ወፍሪ ጭደራን ሓለይቲ ህዝብን ሃገርን ተመሲልካ ናይ ዓዘርቈዘር ተግባራትን ከካይዱ ከም ዚቐነዩ ብጽሞና ክንዕዘብ ቀኒና ኣለና። "ህውኽ ኣዳጉራስ ኣብ ቁራዕ ከሎ የጥርጥ!" ዚበሉዎ ወለድና ከምዚ ምስ ረኸቡ'ዮም! ናበይ እዩ እዚ ኩሉ ጉያን ሕሜታን ደገፍቲ ምልኪ!?

 

ሰለስተ ገዛ ኤርትራውያን ማለት፡ ደምበ ላንግላንጋ፡ ደምበ ተንበርከኽትን ደምበ ኣይንብርከኽን በሃልትን ብሓባር፡ ቅድሚ ብዛዕባ ምቛም ባንዴራን ካልእን ምዝራብና፡ ብዛዕባ ምቛም እቲ ንህላወናን ንህላወ ሃገርናን ዘገድስን ዘውሕስን መንግስትን ስርዓትን ምትካል፡ ቅድሚ ኩሉ ክንዛረበሉን ክንሰርሓሉን ከም ዝግብኣናስ ይርደኣናዶ ይኸውን?

 

መንግስቲ ማለት እንታይ ማለትድዩ? ባንዴራኸ ንምንታይድያ ተገልግል? ባንዴራን ትርጉሙንከ ካብ ምንታይ እዩ መጺኡ? ወዘተ. ንዚብል ሕቶታት ዚምልከት፡ 'ሰፊሕን ዝርዝራውን ሓባሬታ ብዛዕባ እንታይነት መንግስትን ርያን (ባንዴራን) ብተኸታታሊ ኣብ ቀረባ ግዜ' ኢልና፡ ኣቐዲምና ቃል ኣቲና ኔርና ኢና፡ እምበኣርከስ ሎሚ ብቘጸራና መሰረት፡ እንሆ ቀዳማይ ክፋሉ ነቕርበልኩም፥ ሰናይ ንባብ!

 

ቅድም ቀዳድም ኤርትራውያን ብዛዕባ ሃገርን ርያን ክንሓምምን ክንሓልን እንተኴንና ኣብ ሃገርና መንግስቲ ክህልወና ብኹሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ይግባእ።

 

ኤርትራ ሃገርና ኣብ ታሪኻ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ እንኮ ኤርትራዊ መንግስቲ ጥራይ እያ ርእያ ዘላ። Ato Tedla Bayruንሱ ከኣ እቲ ኣብ 1952 ዓ.ም. ብወግዒ፡ ብድሌትን ምርጫን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1952 ዓ.ም. ተመሪጹ፡ ብዕለት 10-07-1952 ዓ.ም. ዚጸደቐ ናይ መጀምርያ ባይቶ ኤርትራ ዚቖመን ቀልጢፉ ብጎበጣ ኢትዮጵያ ዚተዓልወን መንግስቲ ኣቦና ተድላ ባይሩ እዩ።

 

እዚ መንግስቲ'ዚ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ኤርትራዊ መንግስቲ'ዩ። ነዚ ናይ ፈለማ ኤርትራዊ መንግስቲ'ዚ ምስ'ዚ ሕጂ ንሃገርና ብጥበቡ ገዚኡ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎ ንብዙሓት መንግስቲ ተመሲሉ ዘታለለ ናይ ሓደ ሰብ ጉጅለ ሸፋቱ እናኣነጻጸርና እምበኣር ብዝርዝር እንታይነት መንግስቲ ተድላ ባይሩን ዘይመንግስትነት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ክንርኢ ኢና።

 

እቶም ናይ መጀምርያ ኤርትራዊ መንግስቲ ኣቚሞም ህዝብን ሃገርን ብብቕዓት ንምምራሕ ዚኸኣሉን ኣብ መወዳእታ ብሸርሕን ጎበጣን ኢትዮጵያ መንግስቶም ዚፈረሰን እንኮ ኤርትራዊ ዜጋ ኣቶ ተድላ ባይሩ ዕቑቢት ይብሃሉ። ንሶም ብ 27 መጋቢት 1914 ኣብ ዓዶም ገረሚ፡ ኣብታ ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ዝሃብተመት ወረዳ ካርነሽም፡ ካብ ከንሻዊ ቤተሰብ ዚተወልዱ እዮም። ቅድሚ'ቲ ኣብ 1946 ብወተሃደራት መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣስመራ ዚተፈጸመ ህልቂት ህዝቦም ሓሪኖም፡ ብቕጽበት ናብ ፖለቲካ ኤርትራ ምእታዎም ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ፡ ከምኡውን ኣብ ዓድዋ (ኢትዮጵያ) ብስራሕ ምምህርና የገልግሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ከም ወላዲኦም ኣቶ ባይሩ ዑቕቢት፡ ኪኢላን ተጣባቕን ቋንቋ ትግርኛ ከም ዝነበሩውን ይንገር።

 

*     *     *

 

ብመንጽር'ዚ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብድሕሪ መሪር ቃልስን መስዋእትን ምሉእ ናጽነቱ ዚጨበጠ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ናጻን ላኡላዊትን ሃገሩ ናይ መጀመርያ ስም እምበር ግብራውነት ዘይብሉ፡ ስም መንግስቲ ዚተጠመቐ ጉጅለ፡ ኣብ ናቕፋ ብዕለት 16 ለካቲት 1994 ተኣኪቡ 'መንግስቲ' ብዚብል ስም President Isaias Afewerkiስርዓት ሸፋቱ ዘቘመ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ንርአ፥ ኣብዚ ኪስትውዓልን ኪነጽርን ዘለዎ ጉዳይ ግን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ዚመርሐ ይምራሓዮ 'ሽፍትነት'ዩ ኔሩ' ምባል ንዕቀትን ዘለፋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስውኣቱን ምዃኑ ኪስመረሉ ይግባእ።

 

መራሒ'ዚ ብስም 'መንግስቲ ኤርትራ' ብኤርትራውያን ዚላገጽ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብ 2 ለካቲት 1946 እዩ ተወሊዱ ተባሂሉ'ኳ ዚፍለጥ እንተኾነ፡ እቲ ልክዕነት ዕለተ ልደቱ ብርግጸኝነት እዚ'ዩ ኪትብል ኣጸጋሚ'ዩ። ሓቀኛ ወለዶኡ ግን ብመሰረት እታ ብኣቶ ሰሎሞን ተክአ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ታሪኽ 'መሰረት ዓሌት ህዝቢ ኤርትራ፡' ከምኡውን ካብ ኢንተርነት ብዚተረኽበ ዚተፈላለየ ጽሑፋት፡ ነዚ ዚስዕብ ይመስል፥ እምሄውኡ (ኣባሓጎኡ) ኣብርሃ ወዲ ልጅ ሓጐስ ወዲ ሹም ተምቤን ምርጫ ኣብ 1897 ዓ.ም. ካብ ተምቤን-ትግራይ ናብ ኤርትራ ተሰዲዶም፡ ኣብ ጸሎት ዝተባህለት ዓዲ፡ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ከም ዚሰፈሩ ይፍለጥ። ምሉእ ወለዶኡ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ'ዩ፥ ሹም ተምቤን ምርጫ ንወይዘሮ ስላስ ጓል ደጊያት ድምጹ ተመርዕዩ ሓሙሽተ ወለደ፤ ንሳቶም ድማ፥ ንጉሰ ነገስት ሃጼ ዮውሃንስ (ካሕሳይ)፡ ልጅ ጉብሳ፡ ደጊያት ማሩ፡ ልጅ ሓጐስን እቴገ ድንቅነሽን ይብሃሉ፤ ዘርኦም ድማ ኣብ ምሉእ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣለዉ፤ እዚኣቶም 'ሓሙሽተ ደቂ ሹም ተምቤን ምርጫ' ተባሂሎም ይጽውዑ። እወ፡ እዚ ሕጂ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ዘጽንት ዘሎ ሓባእ መንነቱ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብዞም ስድራ'ዚኣቶም'ዩ ዚውለድ። ብእንዳ ኣቦኡ ካብ ተምቤንን ዓድዋን፣ ብእንዳ ኣደኡ ድማ ካብ እንድርታን ዓጋመን'ዩ።

 

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ብመርበብ ሓበሬታ ስለያ ኣመሪካ፡ ብጃንሆይን ብሓዎቦኡ ደጃዝማች ሰሎሞን ኣብርሃን ተሓርዩ ነታ ምስ ሃገራት ዓዕራብ ብዝነበራ ዝምድናን ርክባትን 'ዓረባዊት' ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ንምብታን፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ብሱዳን ኣቢሉ፡ ኣብ 1966 ዓ.ም. ናብ ሜዳ ኤርትራ ቅድሚ ምልኣኹ፡ ኣብ ወሎ ምስ ሓወቦኡ ደጃዝማች ሰሎሞን ኣብርሃ፡ ቅድሚኡ ድማ ኣብ ኣስመራ ከተማ፡ ምስ ዓባዩ ወ/ሮ መድህን ፊተውራሪ መሰለ ዓድዋ (መድህን በራድ) ከም ዚዓበየ እዩ ዝንገር።

 *     *     *

ምቛም መንግስቲ ተድላ ባይሩ፥ እቶም ኣባል ሰልፊ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ካብ ገረሚ ሓማሴን ምስቶም ኣባል ሰልፊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ ዝነበሩ ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ካብ ማዕረባ ኣከለጉዛይ፡ ንምምራሕ መንግስቲ ተወዳዲሮም፡ 39 ብ 28 ድምጺ ብልጫ ስለ ዚሰዓሩ፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ንምዃን በቕዑ። ብመሰረት ዓንቀጽ 68(1) ሕጊ ህንጻ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ መራሒ መንግስቲ ዚኸውን ሰብ፡ ብኽልተ ሲሶ ናይቶም ምልኣት ጉባኤ ዘቑሙ ኣባላት ባይቶ ኪምረጽ ስለ ዚነበሮ፡ በዚ መሰረት ኣቶ ተድላ ባይሩ ብ 42 ደገፈቲ፡ ብ 21 ተቓወምቲ፡ ሕጊ መሊኦም ስለ ዚተዓወቱ፡ መንግስቲ ንኺመርሑ ብባይቶ ኤርትራ ተረቑሑ።

 

እቶም ኣዝዩ በሊሕ ኣእምሮ ዚነበሮም ከምኡውን ብዘበን ጣልያን፡ ማለት ኣብ 1933 ናብ ኢጣልያ ከተማ ፊረንሰ ተላኢኾም፡ ዚኣክል ትምህርቲ ዚቐስሙን ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱውን ብምምህርና ተመኩሮን ኣፍልጦን ዚጸገቡ፡ ተሓጋጋዚ ሲቪላዊ ጉዳያት ብዓል ስልጣን ብሪጣንያ ብምዃን ኣብ ምሕደራ ህዝቢ እኹል ተመኩሮ ዚቐሰሙን ዚደለቡን ክኢላ ሰብ ዝነበሩ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ኣብ 4 መስከረም 1952 ዓ.ም. ብኸምዚ ዚስዕብ ማሕላ ንመንግስቲ ኤርትራ ምምራሕ ጀመሩ፡-

 

'ሃይማኖት ወገንን ብዘይምፍልላይ ንኤርትራን ንህዝቢ ኤርትራን ብቕንዕና ንኸገልግል እመባጻዕ ኣለኹ'ሞ እግዚኣቢሄር ይሓግዘኒ' ብምባል ቃለ ማሕላ ምምራሕ መንግስቲ ፈጸሙ።

 

ብዕለት 8/9/1952 ዓ.ም. ድማ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ ነዞም ዚስዕቡ ሚኒስተራት መረጹ፡- ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሸኽ መሓምድ ፈኪ ዓሊ፣ ጸሓፊ ፋይናንስ፡ ግራዝማች ተኽለሃይማኖት በዂሩ፣ ጸሓፊ ቁጠባዊ ጉዳያት፡ ኣቶ ፍስሓጽዮን ሃይለ፣ ጸሓፊ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሸኽ መሓመድ ኑር ሓሰን ናይብ ነበሩ። በዚ ኣጋባብ'ዚ ከኣ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምምራሕ ጀመሩ። ኣብዚ ሓደ ነገር ነስተውዕል፡ ነቶም ኣብ ምርጫ ምምራሕ መንግስቲ ተቓናቓኒኦም ዝነበሩ፡ ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ምስ ሚኒስተራቶም ዘይምምራጾም፡ ብዓይኒ ደሞክራሲያ ንኣቶ ተድላ ባይሩ ከም ጉድለት ከም ዚተሓሰበሎም ምግንዛብ የድሊ።

 

*     *     *

 

ምቛም ጉጅለ ኢሳያስ፡- ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፥ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር፡ ብዘይዝኾነ ተወዳዳሪ፡ ብምሉእ ድምጺ ዓሻክሩ፡ 'ንስኻ ከለኻ ደኣ መን ኪመርሓና? ባዕልኻ ምርሓና'ምበር' ተባሂሉ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቁ ዘምጽኦ ስልጣን ጠቕሊልካ ምስ ተመጠወሉ፡ ንህግደፍን ኣባላቱን ተቖጻጺሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዊንታኡ ንኺገብሮ በትረ ስልጣን ጨበጠ።

 

እቲ ወትሩ ብውሽጢ ተዅላ፡ ብደጊኡ ድማ በጊዕ ዚመስል ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣቚሙ ንኺምርሕ ዚተመጠወሉ እዋን፡ ነዚ ዚስዕብ ኪኢላታት ሕግን ስርዓትን ዚነደፉዎ ኣጐምጃዊ ጽሑፍ ብምንባብ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቢ ለዋህ ከም ዘረስረሰ ዚከሓድ ኣይኮነን። እቲ ኪኸውን ዚነበሮ መብጽዓ'ሞ ብኢሳያስ ኪኖ ሓጹር ዚተደርበየ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ዚስዕብ ሓገራ (ራኢ) ነበረ፡-

 

"ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር፡ ሓድነትን ሰላምን ዚሕሉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓራ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መስላቱ ተሓልዩሉ፡ ህይወቱ ብቕሳነትን ሓጐስን ንምቕጻልን ንምምሕያሽን ዘኽእል፡ ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ኪህነጽ፡ መሰረታዊ ድሌትና'ዩ። እዚ ዕላማታት እዚ ከኣ እንትርፎ ንኣኡ ብዘገልግል ሕግታትን ብሕጊ ዚቘመ ትካላትን ብኻልእ ኪረጋገጽ ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ግድን ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክንምስርት ኣለና!' ይብል ነበረ።

 

እቲ ብኽፍኣትን ተንኰልን ኣዝዩ በሊሕ ዚኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ብምትፍናን ብምግጫው፡ ኣብ መንጎኦም ዘይምትእምማን ብምፍጣርን ውልቃዊ ዝና ንምርካብ፡ ብኸመይ ትዋሳእን'ምበር ንሰራዊት ይኹን ንህዝቢ ንምምራሕ ተመኩሮን ብቕዓትን ዘይብሉ፡ ኣብ ውልቀ ዝና ጥራይ ዘተኩር፡ ንዚበድሁዎን ደፊሮም ንዚጠመቱዎን ዓሻክሩ ቦታ ብምቅይያርን ብምድስካልን እናቐጸዐ ልዕለ ኹሉ ኤርትራዊ ብምዃን፡ ሃብትን ስልጣንን ህዝብን ሃገርን ገቢቱ፡ ንህዝብን ሃገርን ብመስተን ጓይላን፡ ብዘይሕግን ስርዓትን ናብ ጥፍኣት ኪመርሕ ጀመረ። ብኻልእ ኣዘራርባ ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ስርዓት ሶሻሊዝም ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ድማ ስርዓት ኣርኮሊዝም ኣሎ!

 

ከምቲ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብቕንዕናን ብፍትሕን ንምምራሕ፡ ኣብ ቅድሚ ባይቶን ህዝብን ኤርትራ ደው ኢሎም፡ 'ንህዝብን ሃገርን ብቕንዕና ንክመርሕ እዝጊኣቢሄር ይሓግዘኒ' ኢሎም ዚመሓሉዎ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ነቲ ብዓሻክሩ ዚተዋህቦ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምምራሕ ክብሪ፡ ብቕንዕናን ብተኣማንነትን ንምፍጻም ዝኾነ ይኹን ቃለ ማሕላ ኣይፈጸመን። ብኣንጻሩ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ ዚገብሮ ቃለ-መሕተት፡ 'ንኣይ ህዝብን ሃገርን ንክመርሕ ኩንትራት ዚሃበኒ ኣካል የለን! ' ኪብል ተሰሚዑ ከም ዚነበረ ይዝከር።

ኣብ 2ይ ክፋል ይቕጽል...


ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 12/10/2016



Share with friends፡-


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-