snitna.com

21/11/2016 07:48 AM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

ሻዱሻይ (6ይ) ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!"ሰላም መሰረታ ኣብ ሓቂ ደኣ'ምበር ኣብ ምድንጋር ኣይኮነን!
ሰማየ ሰማያትሲ ይትረፍካ፡ ምድሪ ይባርኸልካ!
ሰማይ ብመብረቕ ይሕረስ፡ ወላዲ ብሕጊ ይኽሰስ!
ሰበይቲ ዘይብሉ ቀሊል ጸጒሩ፡ ሓው ዘይብሉ ፈኲስ በትሩ!
ሰበይቲ ጸማም ብኾፉ ይጽውዑሉ፡ ሰበይቲ ዕዉር ብኾፉ ይስዕሙሉ!"

እቲ ካብ ምዕራባውያን ዚወረሶ ምዕቡል ደሞክርያስያዊ ምሕደራ ዚተኸተለ መንግስቲ ተድላ ባይሩ፡ ግዜ እናወሰደን ኩነታት እናጸንከሮን ምስ ከደ፡ ካብ ጎደና ደሞክራሲ ተኣልዩ፡ መገዲ ኣውቶክራነት (ውልቀ መላኽነት) ኪኽተል ስለ ዚጀመረ፡ እተን ሻቡ ዓንቢበን ዚነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ "ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ!" ከም ዚብሃል፡ እቲ በትረ ስልጣን ምልኪ ናብኣተን ከይበጽሐ ከሎ፡ እታ ልሳን ካተሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበረት "ቨሪታስ ኤት ቪታ" ዝተባህለት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ፡ ብዕለት 1 ለካቲት 1953 ዓ.ም. "ሕጂውን ብተስፋ ንነብር" ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዚስዕብ ናብ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዚቐንዐ መልእኽቲ ጸሓፈት፥

'ኩነታት ናይዚ ሃገር ናብ ዚኸፍአ ይቕየር ኣሎ! ንመን ከም እንጠርዕ ጠፊኡና፡ ብስቓይ ንነብር ኣለና! 'ጥሜትን ሓሳርን ዋጋ ናጽነት'ዩ!' ንብሃል ኣለና። ዋጋ ናጽነት እዚ እንተኾይኑስ ዘሰቅቕ ዋጋ'ዩ! ስራሕ ስኢንካ ስድራኻ ከተዕንግል ዘይምኽኣልስ ብኡነት ናጽነትድዩ? ንኹነታትና ኣብ ክንዲ ምምሕያሹ ኮነ ኢልካ ከም ዚገድድ ንምግባሩ ዘይተገብረ የለን ክንብል እንከለና ሓዘን እናተሰማዓና'ዩ! ሃገርና ሰብኣዊ ድሕነትን ስራሕን ዚተደብየላ መቓብር ኮይና ኣላ!' ብምባል ምረታ ኣቕረበት።

እታ ከም ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ተገልግል ዝነበረት 'ጋዜጣ ኢትዮጵያ' ከኣ ናይዚ መልሲ ንምሃብ፡ "ፈላስን መዋቐስን" ብዚብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዚስዕብ ወቐሳ ብቐጥታ ኣቕረበት፥

'ፈላሲስ ንህዝቢ ኣጆኹም እናበለ ከባራትዕ፡ ብትሕትና ድማ ምኽሩ እንተዚህብ ምተኣምነ'ምበር ዘይኮነ ነገር፡ 'ኩነታት ኤርትራ ካብ ጸድፊ ናብ ገደል'ዩ ዚኸይድ ዘሎ!' እናበለ ብጋዜጣ ምእዋዩስ ተግባር ገሊኣቶም ዓለማውያን ኣሕዋቱ ድኣ እምበር ተግባር ዚእመኑ ፈለስቲ ከምዘይኮነ ንሱ ንርእሱ ኣይስሕቶን'ዩ!

ኦ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መንግስትኻን ሰቲ ዚተነጽፎ ጉድጓድ ኪፍሕሩልካ እንተተረኽቡ፡ ንኣኻን ንመንግስትኻን ኣብኡ ቀቢሮም፡ ኣብ ልዕሌኻ ኪነብሩን ከናብሩን እንተዘይኮይኑ፡ ንኻልእ ኪጠቅም ከምዘይክእል ኣይትጠራጠር!' ብምባል ወቐሳዊ መልሲ ሃበት። እዚ ከኣ ልክዕ ነዚ ሎሚ እዛ ድሕሪ ናጽነትና ብህግደፍ ዚበቘለት ጋዜጣ ህግደፍ፡ "ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ" ትገብሮ ዘላ ነገር'ዩ ዘዘኻክረና። ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ኣብዘየለወሉ እዋን፡ ጽቡቕ ኣሎ ምባላ ታሪኽ'ዩ ዚድገም ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ እቲ ቀደም ዚነበረ መንግስቲ ይኹን እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ፈያት (ሸፋቱ)፡ ዕላጁ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ፤ ምኽንያቱ፡ እቲ ካብ መንግስቲ ዚደልን ምስ መንግስቲ ዚዋሳእን ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ እቲ ዚወሓደን ኣብ ከተማታት ዚነብርን ህዝቢ ጥራይ ብምዃኑ፤ እቲ ወዲ ገጠር ግን ዋላ በቲ ዚወሓደ ደረጃ'ኳ ብፖለቲካን መንግስታትን ዚግደስ ኣይኮነን። ዓዃይ ካብ ግራቱ ዘዕግብ ምህርቲ እንተረኺቡ፣ ላሙ ብተይ እንተወሊዳትሉ፣ ጤሉ ማሕስእ እንተወሊዳትሉ፣ በጊዑ ዕየት እንተወሊዳትሉ፣ ኣድጉ ዒሉ እንተወሊዳትሉ፣ ግመሉ ሕዋር እንተወሊዳትሉ፣ ጓሉ እንተተመርዒያትሉ፡ ሕጉስን ዕጉብን'ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ምስ መንግስቲ ዘለዎ ርክብ ኣዝዩ ድሩት'ዩ። ከምዚ ናይ ህግደፍ ወፊርካ ምእታው ዚኸልኦ ሽፍታ እንተ ኣጋጢሙዎ ግን ናይ ግድን'ዩ ብፖለቲካ ኪጽሎ!

እዚ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ'ዩ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ዋላ ኣብ ግዜ ጣልያን፡ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ንመንግስቲ ናይ ምቅዋም ባህርን ልምድን ኣይነበሮን። ሕግን ስርዓትን ኣኽቢርካ፡ ዋኒንካ ናይ ምክያድ ባህልን ልምድን'ዩ ዘለዎ፤ እንተመረሮ ከኣ ይሽፍት'ምበር ተወዲብካ ንመንግስቲ ናይ ምቅዋምን ምጽባእን ልምድን ተመክሮን የብሉን። ኣብ ከተማ ግን ብገለ ማሕበራትን ተማሃሮን እዚ ንመንግስቲ ናይ ምብዳህ ተርእዮ ሳሕቲ ይረአ ኔሩ'ዩ።

በቲ ኣብ በበይኑ ጋዜጣታት ዚጽሓፍ ዚነበረ ነቐፌታዊ ጽሑፋት፡ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ዓቕሉ ኣጽበበ። በዚ መሰረት ከኣ ብዕለት 22 ለካቲት 1953 ዓ.ም. ነዚ ዚስዕብ ኣዋጅ ኣውጽአ፥ 'መንነት ኤርትራ፡ ነቲ ገሊኦም ኤርትራውያን ብጋዜጣን ቤላቤለውን ዚገብሩዎ ዘለዉ፡ እናሓደረ ንጸጋም ዘዘንብል ሓሶት ዚመልኦ ፕርፖጋንዳ፡ ብዓብዪ ምግዳስ ተኸታቲሉዎ ኣሎ፤ ኤርትራውያን መሰል ከም ዘሎዎም ኪሓስቡ ከለዉ፡ ግቡእ ከም ዘሎዎምውን ኪርስዑ ኣይግብኦምን!' በለ። ድሕሪ'ዚ ኣዋጅ'ዚ ድማ ጋዜጣ ደሃይ ኤርትራ ከይትሕተም ተኣገደት። እቲ ኣብ 1942 ዓ.ም. ነቲ ብቕድሚኡ ዚነበረ እንግሊዛዊ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ነበር፡ ብሪጋዴር ኬነዲ ኩክ ዚተክአ እንግሊዛዊ ወተሃደራዊ ኣማሓዳሪ፡ ብሪጋዴር ስቲቨን ሎኒንግ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪብል ንድኽመት ኤርትራውያን ገሊጹ ነበረ፥

'ኣብ መንጎ'ዞም ብባህልን ብመበቈልን ዚተፈላላዩ ኤርትራውያን፡ ናይ ደቀባት ምምሕዳራዊ ስርዓት ኪስርቱ ዚኽእሉ ወይ ንክብ ዚበለ ሓላፍነት ንኺበቕዑ ኪምልመሉ ዚኽእሉ ሰባት የለውን! ኤርትራውያን ነቲ ብሓይሉ ዚተዓወተ ወገንን ነቲ ብገንዘብ ዚሃብተመ ሰብን ኪስዕቡ'ዮም ዚመርጹ! በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ዓሌታት ዝያዳ ምእዙዛትን ዚተሓተ ናይ ጐነጽ ልምዲ ዘሎዎምን'ዮም! ፖለቲካዊ ደረጃኦም ዘይምዕቡል ብምዃኑ ከኣ ንኣምላኽና ከነመስግን ይግባእ!

ኤርትራውያንውን ከም ካልኦት ኣፍሪቃውያን "Native" (ትውልዳዊ) ማለት ካብ ስልጣነ ዚረሓቑን ዘይርድኡን ኪምርሑ'ምበር ኪመርሑ ዘይክእሉን፣ ኣብ ድሑር እምነታት ጥሒሎም ግዜኦም ብከንቱ ዘባኽኑን ናይ ምምሃርን ምስጓምን ተኽእሎ ዚተሓረሞም እዮም' ብምባል ንልኡምነት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ብኸምዚ ገሊጹዎ ኔሩ'ዩ። እዚ ከም ህላላ ኣድጊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዚጋልብ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍውን ነዚ ዕድል'ዚ እዩ ዚጥቀመሉ ዘሎ።

እቲ ብቐዳም 14 መጋቢት 1953 ዓ.ም. ኣብ መበል 26 ሕታማ ጋዜጣኡ ዚተዓጽወቶ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ፡ "ደሃይ ኤርትራ" ነበር፡ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ማሕሙድ፡ ነቲ ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻኢ ስጉምቲ ዚወሰደ ኣካል ንኺትብድህ ወይ ንኺትምጉት ዘኽእል ሕገ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዓንቀጽ 90(3) መሰረት ብምግባር፡ ነቲ፡ ነታ ጋዜጣ ንኸይትሕተም ዚኣገደን ንኣኡን ንምኽትሉ ኣቶ ኤልያስ ተኽሉን ከኣ ከሲሱ ናብ ፍርዲ ዘቕረበን መንግስቲ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ጠሪዑ ከሰሶ።

እቲ ጥርዓን ጋዜጠኛ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ማሕሙድ፡ ዚሰምዐ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ውሳነኡ ሃበ፥ 'ኩሉ ነባሪ ኤርትራ ዚኾነ ሰብ፡ ርእይቶኡ ብዝኾነ መገዲ ንኺገልጽን ብኻልኦት ብዛዕባ ዚዝርጋሕ ርእይቶታት ንኺመሃርን ምሉእ መሰል ኣሎዎ' ዚብል ዓንቀጽ 30 ናይ መንግስቲ ይፈቅድ'ዩ፤ በዚ መሰረት ከኣ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ቅድሚ ይኹን ድሕሪ ምሕታመን ሰንሱር ክግበራ ወይ ብኢደ ዋኒናዊ ኣጋባብ ክጽቀጣ ከምዘይግባእ የነጽር' ምስ በለ፡ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ብምቕጻል፥ 'ውልቀ ዜጋታትውን ኣብ ጋዜጣታት ናይ ጽሑፍ መጥቃዕቲ ምስ ዚወርዶም፡ በቲ ዜጋታት ካብ ጸለመ ንኺከላኸሉ ዘኽእሎም፡ ኣንጻር ጸለመ ዚተሓገገ ዓንቀጻት ፍትሒ ኪሓቱ ይኽእሉ'ዮም፤ መንግስቲውን ንነብሱ ኮነ ንሕብረተሰብ ካብ ዚፈላሊ ተግባራት ንምክልኻል ዘኽእሎ ሕጊ ከም ዘሎዎ ይፈልጥ'ዩ' በለ። ላዕለዋይ ዳኛ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዘዳለዎ ክፉት መጋባእያ፡ ኣብ ቅድሚ ከሳሲ ጋዜጠኛ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ማሕሙድን ኣብ ቅድሚ ተኸሳሲ መንግስቲ ኤርትራን ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ተዓዛቢ ህዝብን መግለጺኡ ብምቕጻል:-

'ሰንሱር ወይ እገዳ ናይ ምሕታም ዚፍቀድ፡ ንህዝባዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፡ ሓደገኛ ዝኾነ ህጹጽ ኩነታት ምስ ዘጋጥም፡ ባይቶ ኣብ መጋባእያ ኣውሪዱ'ዩ ዚውስኖ፤ እዚውን እቲ ሓደገኛ ኩነታት ክሳዕ ዚእለ ጥራይ እዩ ዚፍቀድ። ሓደገኛ ኩነታት ምስ ተኣልየ ከኣ ብቐጥታ ኪለዓል ይግባእ' በለ። በዚ መሰረት ከኣ ላዕለዋይ ዳኛ ኤርትራ፡19 ነሓሰ 1953 ዓ.ም. ኣብ ዚወዓለ መጋባእያ፡ ነቲ ብትእዛ ኮምሽነር ፖሊስን ሰክረታሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን መንግስቲ ተድላ ባይሩ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚተገብረ ጋዜጣ ናይ ምእጋድ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ሰረዞ።

እታ ድሕሪ ፍትሓዊ ዓወት ዳግም ንኽትሕተም ልዕልና ሕጊ ዘፍቀደላ ጋዜጣ "ደሃይ ኤርትራ" ከኣ ብ 5 መጋቢት 1954 ዓ.ም. ኣብ ዚፈለመ ቀዳማይ ሕታማ "ደሃይ ተኸፊታ" ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዚስዕብ ጽሑፍ ኣስፈረት፥ 'ናጻ ጋዜጣ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ናጽነት ኣሎዎ ኪብሃል ኣይከኣልን'ዩ! ምኽንያቱ ከኣ ሓደ ህዝቢ ጥቕሙን ጉድኣቱን ብጽሑፍን ብቓሉን ንኸመልክት እንድሕሪ ዘይተፈቒዱሉ ኣየናይ ዓይነት ናጽነት ኣሎዎ ኪብሃል ይከኣል!? ህዝቢ ንዚተጓነፎ ሽግርን መከራን ብግልጺ ከመልክት እንተዘይኪኢሉኸ ኣብ ክንዲ ናጽነት ኣብ ባርነት'ዩ ዘሎ እንተበልናስ ካብ ሓቂ ኣይረሓቕናን። ስለዚ ድማ ነዚ ኣብ ዓለምና ነጊሱ ዘሎ ሕጊ ደሞክራስያ ዘናሽዉዎ ሰባት እንተልዮም፡ ጌጋኦም ኪእርሙ ንዕድም? ከመይሲ፡ ሕማም እንተዘይተሓከመ ሕሙም ከምዘይሕሾ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ!

ገለ ሰባት ኣብ መንግስቲ ዘሎ ጉድለትን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሽግርን እናፈለጡ፡ ንግዜኡ ኪፍተዉ ኪብሉ ውዳሰ ከንቱ እንተወደሱ፡ ክውንን ዘይኩውንን እንተጸሓፉን እንተተዛረቡን እዚ ንመንግስትን ህዝብን ጉድኣት'ምበር ጥቕሚ ከምዘይኮነ ኪፈልጡ ይግባእ። ስለዚ፡ ናጻ ጋዜጣ ኪብሃል ከሎ፡ ጥቕሙ ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዝያዳ ንመንግስቲ'ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ንመንግስቲ ዚስወሮ ነገርን ኩነታት ህዝብን ብዘይሓደ ድኻምን ጻዕርን ካብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ እናቐሰመ፡ ናብራ ህዝቢ ከመሓይሽን ሽግራት ኪፈትሕን ስለ ዚኽእል።' ብምባል ደሃይ ኤርትራ ዳግም ስራሓ ጀመረት።

*   *   *

እቲ ኣብ በረኻ ሳሕል ብዚለመዶ፡ ቀይድን ተሓታትነትን ከምኡውን ግሉጽነት ዘይብሉ፡ ብግበር ኣይትግበር ንተጋደልቱን ንውሑዳት በርጌሳትን ን 20 ዓመት ዚኣክል ኣብ በረኻ ዚመለኸ መራሒ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ግንቦት 24 1991 ዓ.ም. ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ክንዲ ንሱ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ዚቕየር፡ ብኣንጻሩ ነቲ ጽኑሕን ውርዙይን ባህሊ ዚነበሮ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ ከምቲ ናይ በረኻ ባህሉ፡ ብዘይግሉጽነትን ብዘይተሓታትነትን ንኺኸይድ ብወተሃደራዊ ምልኪ ከገድዶ ፈቲኑ።

እዚ ባዕሉ ኣብ ገደና ህዝቢ ኤርትራ ዚበቘለ ዕንደራ ዚልማዱ፡ ቀይዲ በተኽ እሾኽ መሮር'ዚ ከኣ ነቲ ቅድሚ 15 ዓመታት፡ ብ 18 መስከረም 2001 ዓ.ም. ዚወሰዶ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ምኽኑይ ንምግባር፡ ነዚ ዚስዕብ ሓጺር ኣዳናጋሪ መግለጺ፡ ብ 19 መስከረም 2001 ዓ.ም. ብምሃብን ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድን ዓቢ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ፈጸመ። እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ብሕጊ ከም ዚኣገደን ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ፈጺሞም ንዚበሎም ሰባት ከም ዚቐየደን ንዚወሰዶ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ንምምኽናይ ከኣ ከምዚ ኪብል ሓጺር መግለጺ ኣብ ጋዜጣኡ "ሓዳስ ኤርትራ" ኣስፊሩ ነበረ። 'መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኪፍጸም ብዚጸንሐ ገበን ዚሕተቱ ሰባት ቀይዱ! ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ንግዜኡ ተኣጊደን' (ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ናይ 19 መስከረም 2001 ዓ.ም. ተመልከት) ዚብል ሓጺር መግለጺ ብምሃብ፡ ሰበስልጣናት መንግስቲ ዚርከቡዎም ሓያለ ጋዜጣታት ብዘይሕግን ፍርድን ከካብ ቤቶም እናለቐመ ቀየደ!

እዚ ሓጺርን ዘይንጹርን መግለጺ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ'ዚ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ንግዜኡ ከም ዚተኣገዳን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ገበን ኪፍጽሙ ዚጸንሑ ሰባት ከም ዚቐየደን እዩ ኣርዲኡና። ኣብዚ ሕጂ ኣስተውዑሉ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ገበን ፈጺሞም ዚተባህሉ ሰባት፡ ገበኖም እንታይ ምዃኑ ኣብ ዚቕጽል ግዜ ንህዝቢ ከም ዚነግር ብምሕባር፡ እተን ናይ ብሓቲ ጋዜጣታት ድማ ንግዜኡ ከም ዝተኣገዳ'ዩ ዚሕብር ኔሩ። እዚ ዚተዋህበ ናይ ሓሶት መብጽዓ፡ መዓስ ከም ዚፍጸም ዚፈልጦ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ከምዘይፍጸም ግን ኩሉ ሰብ ይፈልጦ'ዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘጥፍኣላን ስልጣኑ ዚሕልወላን ኣጽዋር ውልቀ መላኺ ኩሉ ግዜ: ‘ብድሕነት ሃገር' ምሽቃጥ’ያ! ብስም ሃገር ሰብኣዊ መሰል ሃገራውያን ምግሃስ!

ኣብዚ ብንጹር ዘርእየና ነገር እንተሃልዩ፡ ወያነ ብ 13 ግንቦት 1998 ዓ.ም. ኲናት ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዚኣወጀሉ፡ ጃንዳ ምልኪ ከኣ ብ 19 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዚኣወጀ'ዩ። ክልቲኦም ከኣ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣዋጅ ኲናቶም ብወግዒ ኣየልዓሉን ዘለዉ!

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ልክዕ ከምዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ናይ 2001 ዓ.ም. ተግባራት፡ ኣቐዲሙ በቲ ኣብ 1952 ዓ.ም. ዚቖመ ናይ መጀመርያ መንግስቲ ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣጋጢሙ ኔሩ'ዩ። ፍልልዩ፡ እቲ ብመንግስቲ፡ እዚ ድማ ብሸፋቱ ምፍጻሙ ጥራይ እዩ። ኣየነኦም'ዮም ስራሕ መንግስቲ ሰሪሖም፡ ኣየንኦምከ ስራሕ ሸፋቱ ሰሪሖም ንምፍላጥ ከኣ ካብቲ ባዕሉ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2005 ዓ.ም. ዘሕተሞ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ዘርእስቱ መጽሓፍ ከም ዘለዎ ዚተወስደ ስጉምቲ መንግስቲ ኤርትራን ኣብታ ረቡዕ 19 መስከረም 2001 ዓ.ም. ዝተሓትመት ቀለም ህግደፍ ጋዜጣ "ሓዳስ ኤርትራን" ዚወጸ መግለጺ ህግደፍን ብምንጽጻር ንኺትርድኡን ፍርድኹም ንኺትህቡን'ዩ ክልቲኡ ቀሪቡልኩም ዘሎ።

ኣብ 7ይ ክፋል ይቕጽል...

ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/11/2016



Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-