snitna.com

06/01/2017 23:17 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

9ይ ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

'ስምናን ክንዲ ላዕላይ ሰማይ፡ ንሕናን ወረድቲ ማይ!
ስሱዕ ክበልዕ ይሕነቕ፡ ሓሳዊ ክዛረብ ይስርነቕ።
ስኽራን ሰበይትን ናይ ሓጺር ኩርዓትን ኣይፍለጥን!
ስዋ ዓሻ ብትስኢቱ (ብመጽፋእቱ) ግራት ዓሻ ብሸዊቱ ይውዳእ!
ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካ ፈጽሚ!'

ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣኼባን ሰላማዊ ሰልፍን ከይገብር ተኸልኪሉ ክነሱ፡ ብእልበት (ብሓሳረ መከራ) ዓቕሉ ስለ ዚጸበቦ ግን ኣብ ወርሒ ግንቦት 1941 ዓ.ም. ኣብ እንዳ ሻሂ እንዳ'ቦይ ኣበራ ኣስመራ፡ ብቕድሚኡ ተጌሩ ዘይፈልጥ ፍሉይን ዓብይን ኣኼባ ገበረ። ድሕሪ ነዊሕን ሰፊሕን ምምይያጥ ከኣ እቲ ህዝቢ ንግዜኡ ኪገብሮ ዚኽእል ዝተባህለ ስጉምቲ ኪወስድ ወሰነ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዚወርድ ዚነበረ ግፍዕን ጸበባን (ቁጠባዊ ጸበባ) ብቕልጡፍ ናብ ዚምልከቶም ኣካላት፡ ማለት ናብ ሓደስቲ ሰበስልጣን እንግሊዝ ከም ዚበጽሕ ምግባር ነበረ። ነዚ ንምፍጻም ድማ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር (ማ.ፍ.ሃ.) ተመስረተት።

ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዚመርሑን ዘማሓድሩን ሽዱሽተ ካብ ኣስላም፡ ሽዱሽተ ድማ ካብ ክርስትያን ብጠቕላላ 12 ደቀባት ተመርጹ። ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣብ ፈለማ ክትምስረት ከላ ናይ ፖለቲካ ማሕበር ኣይነበረትን። መመስረቲኣ ምኽንያት፡ ጥሪትን ንብረትን ኤርትራውያን ምሕላው፣ ንህይወት ኤርትራውያን ዚጎድእ ነገር እንተተረኽበ ከኣ ብቕልጡፍ ናብ ዚምልከቶ ኣካል ምምልካት ጥራይ ነበረ። በዚ መሰረት ከኣ ማ.ፍ.ሃ. ክሳዕ መጀመርታ 1941 ዓ.ም. ብግልጺ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዕድል ኤርትራ ተዛሪባ ኣይትፈልጥን ነበረት። ዝኾነ ማሕበር ይኹን ውልቀሰብ ብዛዕባ'ዚ ኪዛረብ ክልኩል ስለ ዚነበረውን ክትዛረብ ኣይምከኣለትን።

ድሕሪ 1944 ዓ.ም ግን ብድፍኢትን ሽርሕን መንግስቲ ኢትዮጵያ "ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ዚብል ስም ብሃንደበት ተወሲኹዋ፤ ኣብ 1946 ዓ.ም. ከኣ "ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብዘይውዕል" ዚብል ስም ቀየረት፡ እንደገና "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ ብዘይውዕል" ተባህለት። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ዚጸደቐ "ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብውዕል" ዚብል ስምምዕ ንምቅዋም ነበረ። ምኽንያቱ፡ ኢትዮጵያ ሻቡ ንውዕል ቤትጊዮርጊስ፡ 'ካብ ብውዕል ምጽንባርስ ፈጺምካ ዘይምጽንባር ይሓይሽ' ብምባል ብትሪ ነጺጋቶ ኔራ'ያ። በዚ ድማ ንመራሕቲ ማ.ፍ.ሃ ብዛዕባ ውዕል ብሒም ኢሎም ከይዛረቡ ኣጠንቀቐቶም! ነዚ መጠንቀቕታ'ዚ ዚጠሓሱ ክልተ ኤርትራውያን ማለት፡ ኣቶ ገብረመስቀል ወልዱን ኣቶ ገብረመስቀል ሃብተማርያምን ከኣ በዚ ምኽንያት እዚ'ዮም ካብ ስልጣኖም ዚተገለፉ።

ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ ጥራይ ዝምህራ ኣርባዕተ ቤት ትምህርቲ ጥራይ እየን ኔረንኣ። ንሳተን ከኣ፥ 1. ስኮላ ሳን ጀርጆ ኣብ መንደፈራ፣ 2. ስኮላ ሳልቫጎራጂ ኣብ ከረን፣ 3. ስኮላ ቪተርዮ ኤማኑኤለ ኣብ ኣስመራ፣ 4. ሓንቲ ድማ ኣብ ሰገነይቲ ኔራ። ኣብዘን ቤት ትምህርታት እዚኣተን፡ ደቂ ዓበይትን ደቂ ሹማምንትን ጥራይ እዮም ዚማሃሩ ኔሮም። ተራ ህዝቢ ዚመሃረሉ ቤት ትምህርታት ግን ኣዝዩ ሒደትን ብግቡእ ዘይሰርሕን ነበረ። እቲ ዝርካቡ ትምህርቲ ከኣ ብቋንቋ ጣልያን እዩ ዚወሃብ ዚነበረ! መጻሕፍቲ ብቋንቋ ትግርኛ ፈጺሙ ኣይነበረን! ጋዜጣውን ከምኡ ኣይነበረን! ኣብ 1935 ዓ.ም. ድማ እቲ ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ ዚነበረ ትምህርቲ ንደቀባት ኤርትራ፡ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ከይልዕል ተኸልከለ!

እንግሊዛውያን ግን ኣብተን ምሳና ዘሕለፉወን ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመታት፡ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ተኣምራት ፈጺሞም'ዮም! ኣብዚ ከኣ ነቶም ነዚ ዕድል'ዚ ዚፈጠሩ እንግሊዛዊ መጀር ኪነስ ስኔል ዚተባህሉ ናይ ሽዑ ሓላፊ ትምህርቲ ኤርትራ ዚነበሩን ነቶም ምሰኦም ብምትሕብባር ህዝቦም ንኪምሃር ዚለዓለ ተራ ዚተጻወቱ ክቡር ኤርትራዊ፡ ኣቶ ይስሓቕ ተወልደመድህንን ዚለዓለ ምስጋናን ክብርን ይግብኦም እብል።

መጀር ኪነስ ስኔል ካብቲ መንግስቶም ዘፍቅደሎም ስራሕን ስልጣንን ወጻኢ፡ ብገዛእ ፍቓዶምን ድሌቶምን ናብ ገጠራት ኤርትራ እናኸዱ፡ 'ኣነ መምሃራንን መጻሕፍትን ካልእ ንትምህርቲ ዘድሊ ነገራትን ክህበኩም'የ፡ ንስኻትኩም ድማ ቤት ትምህርትን መንበሪ መምሃራንን ኣዳልዉ?' ብምባል ንዓበይቲ ዓዲ እናሓተቱ ኤርትራውያን ናብ ትምህርቲ ከቋምቱ ይጽዕቱ ከም ዚነበሩ ይፍለጥ። ናይ ትምህርቲ መሰረት ከኣ ከምቲ ናይ ጣልያን ቋንቋ ባዕዲ ዘይኮነስ ሓደ ካብ ቋንቋታት ኤርትራ፡ ቋንቋ ትግርኛ ነበረ፤ ብድሕሪኡ ድማ ብቋንቋ እንግሊዝ ይመሃሩ ነበሩ። በዚ ከኣ እንግሊዛውያን ኣብ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ሓዲጎም ሓሊፎም'ዮም፤ ንሳተን ከኣ ፍቕሪ ትምህርትን ፍቕሪ ሓርነትን እየን።

ጠላይን ንኤርትራ ንግዜኡ ዘይኮነትስ ናይ ሓዋሩ ርስቶምን ጉልቶምን ክትከውን'ዮም ይሓስቡ ኔሮም! በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከይተረፈ መወዳድርቲ ዘይርከባ፡ ኣዝያ ብልጽቲ ከተማ (ኣስመራ) ከምኡውን ካልእ ዝተፍላለየ ምዕቡልን ድሉዱልን ልዕለን ትሕተን ቅርጺ ሰሪሖሙላ'ዮም። ንኣብነት፥ ግሩም ዚኾነ ጽርግያታት፡ መስተንክር ዝኾኑ ድልድላት፡ ኣዝዩ ዚጸበቐ ኣባይትን ጎደናታትን፡ ካብ ኣውራጃ ናብ ኣውራጃ ዘራኽብ መንገዲ ባቡር፡ ብሰማይ ሰማይ ዚኸይድ ተለፈሪካን ዚተፈላለያ ብርክት ዝበላ ፋብሪካታትን ንኤርትራ ሃገርና ሰሪሖሙላ'ዮም። እዚ ከኣ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብን ጉልበትን ከም ዚፈሰሶ ክግመት ይከኣል'ዩ።

ኣብ ግዜ ግዝኣት ጣልያን ከምቲ ኪኾኖ ዚግብኦ ትርፍን ሕልፍን'ኳ እንተዘይተባህለ ጥምየትን ዕርቃንን ግን ኣይነበረን! ኣብ ግዜ እንግሊዝ ግን ብጥምየት ዚሕለቡን ዳርጋ ጥራሕ ነብሶም ዚኸዱን ደቀባት ኤርትራ ብዙሓት ኔሮም'ዮም! እዚ ኸኣ እኽልን ዓለባን ብምስኣኑ ዘይኮነስ ስራሕ ኮነ ገንዝብ ስለ ዘይነበረ'ዩ ተኸሲቱ! እቲ ዚርካቡ ሰሪሑ ዚነብርውን እቲ ንሱ ዚኽፈሎ ደሞዝ ኣዝዩ ውሑድ እቲ ኪገዝኦ ዚደሊ ኣቕሓ ከኣ ኣዝዩ ክቡር ነበረ!

ኣብ መዳይ ጸጥታ’ውን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን 'ዋላ ኣብ ቅሚጦ ሓሰር ዝወደቐት መርፍእ ትርከብ ነበረት!' ይብሃል። ሕግን ስርዓትን ኣማንን ሰላምን ውሑስ'ዩ ዚነበረ። ኣብ ግዜ እንግሊዝ ግን መንግስቲ ምንባሩውን የጠራጥር'ዩ ኔሩ! ኤርትራ ኣደዳ ሽፍትነትን ዘረፋን፡ ዓመጽን ግፍዕን ተቐይራ ትሳቐ ከም ዝነበረት ኣብ ዝኽሪ ነፍሲ ወከፍና ኣሎ! ኣብዚ 56 ዓመታት ግዝኣት ጣልያን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣስላምን ክርስትያንን ኤርትራውያን ናይ ሓድሕድ ውግእ ተራእዩ ኣይፈልጥን ነበረ! ኣብ ግዝኣት እንግሊዝ ግን ኣብ እዋን ሰላም፡ ካብ 21-27 የካቲት 1950 ዓ.ም. ኣብ መንጎ'ዞም ክልተ ኣሕዋት ብዝተገብረ ግጭት ብዙሕ ደም ፈሰሰ! ሽዑ፡ ህዝቢ ክልቲኡ እምነታት (ክርስትናን እስልምናን)፡ ነቲ ናይ ኣሕዋት ሕድሕዳዊ ምቅትታል ዝፈጠሮ ሳዕቤን፡ ናይ ሓባር ሓዘን ብምውዳብ ከህድኦ ከምዝኸኣለ ዓበይቲ ወለድና የዘንትዉ። ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ ነቶም ጸጥታን ሰላምን ዘየውሓሱ እንግሊዛውያን ንምቅዋም፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዚገበሮ ካልእ ነገር ኣይነበረን!

እታ ኣብ 1941 ዓ.ም. ዝተመስረተት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ኣብ ጥቅምቲ 1946 ዓ.ም. እያ ናይ ፖለቲካ ማሕበር ኮይና እተመዝገበት። ብቕድሚኡ ግን ጠበቓ ህዝቢ ኤርትራ'ያ ዝነበረት! እቲ ድሒሩ ዚመጸ ፖለቲካዊ ዕላማኣ ከኣ 'ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ' ዚብል ነበረ። ቀዳማይ መራሒኣ ከኣ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ነበረ፤ ድሕሪ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ግን ንሱ ካብ መዝነቱ ንኺወርድ ተገደደ! ደጃዝማች በየነ በራኺ ከኣ ተክኦ፣ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ከኣ ብትእዛዝ ንጉስ ሃይለስላሴ ሰክረታሪ ጀነራል ኮይኑ ተሾመ።

ብድሕሪ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ኣብ ታሕሳስ 1946 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ከረን ማሕበር "ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ኣልኤረትርያ" ማለት፡ "ምትእስሳር ኣስላም ኤርትራ" ተመስረተት። መራሒኣ ከኣ ኣቡበከር ሰይድ ኣልመርቃኒ ነበረ፣ ሰክረታሪ ጀነራል ድማ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ ነበረ። ፖለቲካዊ ዕላማኣ ከኣ 1ይ. ኤርትራ ንኸይትምቀል ምክልኻል፣ 2ይ. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንኸይትሕወስ ምሕላው፣ 3ይ. ኤርትራ ምሉእ ናጽነት ንኽወሃባ ምቅላስ ነበረ።

ኣብዚ ኪስመረሉ ዘለዎ ዓቢ ጉዳይ ኣሎ፤ ማሕበር ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ጸኒዓ እንተዘይትቃለስ ኔራ ኤርትራ ብርግጽ ከም ባህግን ድሌትን ኢትዮጵያውያንን እንግሊዛውያንን ኣብ ክልተ ምተመቕለት ኔራ'ያ! ነዚ ኣቐዲሞም እንግሊዝን ኢትዮጵያን ብግልጺ ተሰማሚዖሙሉ ኔሮም'ዮም። ኣስላም ደቂ ኤርትራ፡ ናብ ኢድ ኢትዮጵያ ከይወድቁ ዓብዪ ፍርሃት ኔሩዎም'ዩ! እዚ ኸኣ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን።' ቃል ሓርበኛ ኣቦና ነፍሲሄር ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ወርሒ ሕዳር 1982 ዓ.ም. ሮማ ኢጣልያ።
ምንጪ ጽሟቕ ጽሑፍ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 25 ግንቦት 2005

ከምቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ህግደፍ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ኪገብር ኮነ ንመሰሉ ኪቃዎም ኣይፍቀደሉን'ዩ! ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ዋላ ንዕላል ኣብ ኣፍደገ ገዛውቶም ዚተኣከቡ ቈልዑውን ከይተረፉ በቶም ብግዲ ዘዕጠቖም ኣቦታቶም ጌሩ'ዩ ዚብትኖም ዘሎ! በዚ ምኽንያት'ዚ ድማ'ዮም እቶም ብዘይካ ፋሕፋሕ ምባል ጥርናፈ ዘይፍቀደሎም መንእሰያት ኤርትራ፡ ነቶም ኪብትኑዎም ዚመጹ ኣቦታቶም፡ "ኣቦይ ዓቢ ሕራይ ፋሕ ክንብል ኢና ግን ሓንሳብ ነዛ ዝጀመርናያ ሕክያ ክንውድኣ ዕድል ሃቡና!?' ብምባል ዚልምንዎም ዘለዉ። እቶም ተገዲዶም ብቐትሪ እንጌራኦም ንምምእራር ኣብ ከልበትበት ውዒሎም፡ ለይቲ ድማ ከየዕርፉ፡ ብረት ህግደፍ ተሓንጊጦም ኣብ ጎደናታት ገዛውቶምን ዓዶምን ብቚሪ እናተሓልቡ ኣንጻር ድሌቶምን ድሌት ደቆምን ንኺገብሩ ዚተገደዱ መሳኪን ወለዲ፡ 'ኣታ እንታይ'ሞ ክንገብር ኢልኩሙና ኢኹም!? ትእዛዝ ኮይኑና'ምበር ንሕናስ ደቅና ከነሸግር መዓስ ፈቲና! ብምባል ከስተማስሉ ዚስምዑ ኣለዉ።

 

ፋሽሽታዊ ስርዓት መሶሊኒ ኣብ ግዝኣቱ ንሃገርና ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ካብ ማእከላይ ምብራቕን እታ ዝማዕበለትን ዝወቀበትን ጌሩዋ ከም ዝነበረ ሓርበኛታት ኣቦታትና ቃለ ምስክርነቶም ሂቦም ኣለዉ! ፈያት (ሸፋቱ) ህግደፍ ድማ ድሕሪ ናጽነት ንሃገርና ኤርትራ ካብ ምሉእ ዓለም እታ ዝደሓረት ሃገር ጌሮማ ከም ዘለዉ፡ ደቂ ግዜ ብዘይምግናን ቃል ምስክርነትና ንህብ ኣለና! ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ታሪኹ ርእዩዎ ዘይፈልጥ፡ ግዱድ ባርነትን ድኽነትን ኣብ ርእሲ ምሕላፋ፡ ከምኡውን ኣብ ምሉእ ታሪኹ ብቊጽርን ብዓይነትን ኣጋጢሙዎ ዘይፈልጥ ምብትታንን ሕስረትን ኣጓኒፉዎ ኣሎ! ኤርትራዊ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ከም ጥሪት ብምሻጥ፡ ንህይወቱ ብገንዘቡ ዚሸመተሉ እዋን (ኣብ ሲናይን ኣብ ሳህራን) ኣብ ግዜ ባርነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራይ እዩ!

ስርዓት ህግደፍ፡ ኮነ ኢሉ፡ ነቲ ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕሉፍን ህሉውን ታሪኹ ብግቡእ ፈሊጡ ምስዚ ህሉው ኩነታት ሃገር ንኸወዳድርን ዚግብኦ ዕድልን ናጽነትን ብምኽላእ፡ ነቲ ንሱ ዚደልዮ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምትግባርን ስልጣኑ ዘናውሓሉን ፕሮፓጋንዳን ታሪኽን ጥራይ ይነዝሕ። ነቲ ቀደም ዝነበረ ሐሕማቑ ጥራይ ኣራሪኻ ብምድላው፡ ኣብተን ሓንቲ እዝንን ሓንቲ ዓይንን ዘሎወን ናይ ፕሮፖጋንዳ ምልኪ፡ ናይ ዜና ማዕከናቱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብ ወጻኢ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ሕቡእ ቅጽላት-ስም እናጠመቐ መደበራትን ማዕከናትን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ፡ ንህዝብና ከደናግር ይርከብ።

ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ቃላትን ስእልን እናቐያየረ ብትሕዝቶን ግብሪን ለውጢ ዘይብሉ፡ ኣሰልቻዊ ዛንታ ብምንጋር፡ ህዝቢ ከም ዚድንቁርን ዘዝተባህሎ ጥራይ ኪኣምን ብምግዳድን ስርሐይ ኢሉ ኪሰርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። በዚ ከይተሓጽረ ድማ ነቲ መላእ ህዝቢ ዓለም ዚጥቀመሉ ሃብታም ሓበሬታን ትምህርትን ዚርከቦ፡ ኣብ ምዕባለ ዘመናዊ ትምህርቲ ዓለምና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዚገብር ዘሎ መርበብ ኢንተርነት፡ ዝለዓለ ስለያዊ ቁጽጽር ብምግባርን ዋሕዙ ብምድራትን፡ ስማዊ፡ ኣሎ መበሊ ጥራይ ከም ዝኸውን ገይሩዎ ኣሎ። እኩብ-ድምር ናይዚ ኹሉ ድማ፡ ሓደ ካብ ታሪኹን ታሪኽ ዓለምን ዚኣክል ፍልጠት ቀሲሙ፡ ብቕዓቱ ዘመስከረን ዚሓየለን ኤርትራዊ ወለዶ ንኸይፍጠር ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ።

 

*   *   *

ኣብ 10ይ ክፋል ይቕጽል...

ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 06/01/2017



ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-