snitna.com

02/11/2016 15:22 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

ራብዓይ ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!"ምስ መሰረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዚኾነካ፡ ኣብ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ!
ምብላዕካ ዝለመደስ፡ እናኽርእየካ የምባሁቕ!
ምኽሪ ንዚሰምዑ፡ ማይ ንዚጸምኡ።
ሞት ንዘይፈልጥ መቓብር ኣርእዮ!
ሞት ኣሎ'ሞ ኣብ መንጎኡ፡ ፍርሓትን ንስሓን ተማልኡ!"

ኣብ 1952 ዓ.ም. ንመሰላትን ግቡኣትን ሰራሕተኛታት ዚምልከት ኣዋጅ፡ ብመግስቲ ኤርትራ ወጺኡ ነይሩ'ዩ። ከምዚ ድማ ይብል ነበረ፥ 'ሰሙናዊ ናይ ስራሕ ሰዓታት 48 ጥራይ ኪኸውን፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዚውሰኸሉ ኣጋባባትን ቅጥዕን ኪጸድቕ፣ ናይ ትርፊ ግዜ ስራሕ ክፍሊት ኪግበር፣ እናተኸፈልካ ዕረፍትን ናይ ሕማም ብኲራትን ኪፍቀድ፣ ወዘተ.' ዚብል መሰል ሰራሕተኛታት ዚሕሉን ዘኽብርን ነበረ።

እዚ ሕግታት ዕዮ'ዚ ግን ነቶም ኣብ መንግስቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ዚነበሩ ኤርትራውያን፡ ጣልያን ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ንኹሎም ኣብ ስራሕ ኣእትዩ፡ ነቲ ዘውጽኦ ሕጊ ዕዮ ተግባራዊ ንኺገብሮ እምብዛ ኣጸጊሙዎ ነበረ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ተዛማዲ ሰላም ስለ ዚፈነ፡ ህዝቢ ኤርትራ 'ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ' ብምባል ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ኪነብር ስለ ዚጀመረ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዚርካቡ መሬት ሕርሻ ኤርትራ፡ ሓያል ጸቕጢ ፈጢሩ ነበረ። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኣስመራ ጥራይ'ኳ ልዕሊ 18 ፋብሪካታት እንተነበራ፡ እዚኣተን ግን ነቲ ስደት ይኹን ኲናትን ሞትን ዘይነበሮ ውሑድ ህዝቢ ኤርትራ፡ እኹል ኣይነበረን። ምምሕዳር ብሪጣንያ ነዚ ሽግር'ዚ ንምቅላል፡ ዚተፈላለዩ ስጉምታት'ኳ እንተ ወሰደ፡ ከቕልሎ ግን ኣይከኣለን። ሓያለ ዚተፈላለየ ፈተነታት ግን ጌሩ'ዩ፡-

ንኣብነት፥ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣሕምልቲ ብዘመናዊ ኣጋባብ ኣፍርዮም ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ሰፊሕ ዕድል ፈጢሩ፣ ኣብ ዘራእቲ ሓረስቶት ሃገርና ጸረ ባልዕ መድሃኒት ብምንስናስ፡ ምህርቶም ከም ዚዓቢ ገይሩ፣ ንምግፋፍ ዓሳ ከም ኢንዱስትሪ ኣማዕቢሉ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 5500 ቶን ዓሳ ናብ ወጻኢ ከም ዚልኣኽ ብምግባር፡ ብርክት ዚበሉ ጻዕርታት ከም ዘካየደ ታሪኻውያን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቀንዲ ጸገም መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ካብ ናይ ወጻኢ መንግስታት ወይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ኪሓትት ይፍቀደሉ ብዘይምንባሩ፡ ኣብ እግሪ ተኽሉ ነብሱ ንኺኽእል ኣመና ምሽጋሩ ነበረ። ኩሉ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብመገዲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ይግበር ስለ ዚነበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ርክብ ኣይነበሮን።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ንኪጸንሕ ዚተመደበሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ገዲፉዎ ዚኸይድ ዚነበረ ዘይደልደለ ስርዓት ፈደረሽን፡ በየናይ ኣጋባብ ከም ዚኽበር ዘረድእ፡ ዚኾነ ይኹን መገዲ ኣይሓበረን፤ ሓደ ውሕስነት ዘይተገብረሉ ውልዶ ስርዓት ጥራይ ገዲፉ ከኣ ምስታ ንዓሰርተው ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዘማሓደራ ሃገርና ኤርትራ፡ ዚኾነ ይኹን ርክብ ከምዘይህልዎ ብምግባር፡ ብ 17 መስከረም 1952 ዓ.ም. ጠቕሊሉ ካብ ኤርትራ ወጸ። እቲ ብ 9 ለካቲት 1951 ዓ.ም. ሕጊ መንግስቲ ኤርትራ ኪነድፍ ናብ ኤርትራ ዚኣተወ፡ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮምሽነር ኣንሰ ማቲየንሶ (ኣንዞ ማቴንዞ) እውን ኣብቲ ቅንያት እቲ ካብ ኤርትራ ወጸ።

ድሕሪ'ዚ መንግስቲ ተድላ ባይሩ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ ወደቐ። ጃንሆይ’ውን ብዕለት 6/10/1952 ዓ.ም. ኣብ መረብ ፈትሊ ሃሪ ቈሪጾም፡ ካብ ሃገሮም ናብ ሃገርና ኤርትራ ኣተዉ። ኣብ ጉዕዞኦም ብመንግስቲ ኤርትራን ብህዝቢ ኤርትራን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገብረሎም። ከምኡውን እቲ ቅድሚኦም ብዕለት 13/09/1952 ዓ.ም. ናብ ኤርትራ ዚኣተወ እንደራሴ (ወካሊ ንጉስን ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ክልልን) ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኣንዳርጋቸው መሳይ፡ ኣብቲ ጽንብል ምቕባል ንጉስ፡ ዋና ኣባጓይላ ኮይኑ ተረኽበ።

ንጉስ ሃይለስላሰ ተፈሪ (ጃንሆይ) ነቲ ኣብ ዶብ ትግራይን ኤርትራን ተገቲሩ ዚነበረ ፈትሊ ሃሪ በቲኾም፡ እግሮም ኣብ ሃገርና ድሕሪ ምርጋጽ ከምዚ ዚስዕብ በሉ፡- 'ካብዚ ሰዓት'ዚ ዚጅምር ናብ ኤርትራ ምእታው ጉዕዞና፡ ኣብ መንጐ'ዞም ክልተ ኣሕዋት ዚኾኑ ህዝብታት እነቑሞ መራኸቢ፡ ዘልዓለማዊ፡ ዚተቐደሰን ዘይድምሰስን ምዃኑ ንምሉእ ዓለም ገሊጹ የርኢ ኣሎ!' በሉ።

ድምቀት ጽንብል ኣቀባብላ ጃንሆይ፡ ብቕድሚኡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ተራእዩ ከምዘይፍልጥ ይንገረሉ። ካብ መረብ ጀሚርካ ክሳብ ኣስመራ ዚኣትዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ኣብ ወሰን ጽርግያ ብምስላፍ፡ ብዕልልታን ደበላን፡ ጣቕዒትን ከበሮን ከም ዚተቐበሎምን ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተው ከኣ ንኽብሮም ተባሂሉ፡ 101 ግዜ መዳፍዕ ከም ዚተተኰሰን ደወላት ኣብያተ ክርስትያንውን ብኹሉ ሸነኽ እናደወላን ብክብ ዚበለ መዓርግ ተቐበሉዎም። ድሕሪ'ዚ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ናይ ክልተ ሰሙን ዑዶቶም ኣብ ኤርትራ ፈጺሞም፡ ብ 18 ጥቅምቲ 1952 ዓ.ም. ብኣከለጉዛይ ኣቢሎም ናብ ሃገሮም ተመልሱ።

*   *   *

እቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ብህግደፍ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዚጀመረ ናጻ ጉልበት ናይ ምምዝማዝ ሸቕሊ፡ ብዘይሕግን ቅጥዕን ትም ኢልካ፡ ክሳዕ ህግደፍ ዘጣይሰካ ወይ ድማ ክሳዕ ግዜ ሕልፈትካ ብናጻ ንህግደፍ ንኸተገልግል'ዩ ዚእዝዝ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ግቡእ'ምበር መሰል ዚብሃል ነገር የለን! እትሰርሖ ስራሕ፡ ትምህርትን ሞያን ስለ ዘይሓትትን ዘይፈልን ከኣ ሓረስታይ ኩን መምህር ብዘየገድስ፡ ብሓንሳብ ኢኻ ኣብ ጎቦታት ኤርትራ፡ ንጥቕሚ ዘይውዕል ደንጎላ፡ ብሞደሻ ኪትጨድድ ትውዕል! ውሱንን ቀዋምን ሰዓታት ስራሕ ይኹን ደሞዝ የብልካን፤ ከም ባርያ፡ ንኸብድኻን ብቑንጣሮ ናይ ጁባ መሻርፍን ኢኻ ትሽቅል!

ኣብቲ ፈለማ ግዜ፡ ሃብታማት ኤርትራውያንን ገለ ከይተዓደሙ ሓዳስ ሃገር ኢሎም ከውፉሩ ዚመጹ ወጻእተኛታትን፡ ብቕጽበት ንቑጠባ ሃገር ከደንፍዕ ዚኽእል፡ ንኣሽቱን ዓባይትን ትካላት መስሪቶም፡ ገለ ኪገብሩ'ኳ ፈቲኖም እንተነበሩ፡ እቲ ኩሉ ንሱ ዘይባረኾን ዘይቋጻጸሮን ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ተበግሶ፡ ከም ሕልሚ ዘባህርሮን ከም ስግኣት ስልጣን ዚርእዮን ውልቀ መላኺ ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቀልጢፉ ስለ ዚቖጸዮ፡ ሃገር ኣውፋሪ ይኹን ወፍሪ ዘይብላ፡ ብሃንደበት ገረውረው በለት።
እቲ ኹሉ ንሓዳስ ሃገሩ ንምምዕባልን ህዝቡ ንምኽሓስን ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፡ ንብረቱን ንዋዩን ሒዙ ካብ ስደት ናብ ዓዱ ዚኣተወ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ክሳራ ንኽሳራ ኮይኑ፡ ገሊኡ ጥራይ ኢዱ፣ ገሊኡ ከኣ ዚሓዘ ሒዙ፡ ብውሕዱ ናብተን ብሸፋቱ ዘይኮናስ ብሰነፋት መንግስታት ዝምርሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ገጹ ዘንበየ። በዚ ምኽንያት'ዚ ከኣ ናብ ሃገር ዚኣቱ'ምበር ካብ ሃገር ዚወጽእ ዚኾነ ይኹን ፍርያት ስለ ዘየለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሸርፊ ወጻኢ ንምርካብ ኣዝዩ ተሸጊሩ ይርከብ!

እቲ ድሕሪ ኣስታት ናይ ፍርቂ ዘመን ቃልሲ ብቕልጽሙ ናጽነቱ ዚጨበጠ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ካብ ኮነስ ናትና መንግስቲ ተኺልና፡ ነተን መንግስቲ ጣልያን ገዲፉወን ዚኸደ ውሑዳት ዘይኮና ዓበይትን ንኣሽቱን እንዱስትሪታት፡ ኣብ ዘዘለዎኦ ሓደስቲ ማሽናት ጥራይ ብምትካል፡ ከም ቀደመን ስረሐን ኣጀሚርና፡ ኣብ ምህናጽ ሓዳስ ሃገርና ዓቢ እጃም ኣብ ርእሲ ምብርካተን ኣብ መነባብሮ ህዝብናውን ርኡይ ለውጢ ዘምጽእ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥራ'የን ኢሉ ኣዝዩ ተሃንጥዩ እናተጸበየ ከሎ፡ ፈንጊ (ጉጅለ) ህግደፍ ግን ነተን ሓሚመን ዝጸንሐኦ ህይወት ኪዘርእስ ይትረፍ ነተን ብድኻም ትልኽ እናበላ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐኦ ኣዝየን ውሑዳት ፋብሪካታትውን እንተኾነ ቀቲሉ ደኣ ቀበረን'ምበር ዳግም ህይወት ኪዘርኣለንስ ኣይተራእየን!

ድሕሪ'ዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፍጹም ሕሱም ምልኪ ከም ዚወደቐ ስለ ዘስተብሃለ፡ ተስፋ ቆሪጹ፡ በብዚጥዕሞ ናብ ስደት ኪበታተን ጀመረ። እቲ ዕንደራ ዚለመደ ቀይዲ-በተኽ ህግደፍውን ዕንደራኡ ኣብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዚኣተወ፡ ኣደዳ እገዳን ክስን ኮነ! እቲ ብህልኽን ቂምን ዚልለ፡ ብውልቁ'ምበር ብህዝብን ሃገርን ዘይሓስብን ዘይግደስን ደማሒ ከኣ ኣብ ክንዲ ካብ ጌጋኡ ተኣሪሙ ብሰላምን ፍቕርን፡ በሰላ ህዝብን ሃገርን ከሐዊ ዚፍትን፡ ሕንሕነ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ከም ብወለዱ ዚኾረየ ቈልዓ፡ ብህልኽ፡ ኣሎ ዚብሃል ዓለም ዚፈንፈነቶ ነገራት ብምትግባር፡ ህዝቡን ሃገሩን ንምብዳል ተዋፋረ። እንተኾነ እዚውን ተወሳኺ ክሳራን እገዳን'ምበር ካልእ ዘምጽኣሉ ፋይዳ ኣይነበረን! ናይዚ ኹሉ ጸገምን ሕሰምን ተሰካሚ ከኣ ጃንዳ ህግደፍ ዘይኮነስ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓዳስ ሃገሩን ኮኑ።

ጃንዳ ህግደፍ ድሕሪ'ዚ ኹሉ ውርደትን ፍሽለትን ዚገበሮ ነገር እንተሎ፡ ከም ቀደሙ ብህልኽ ነቲ "ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፣ ዝባንካ ጓና ኣይርኣዮ!' ዚብል ምስላ ብምኽታል፡ ነቲ ብሰሪ ህግደፍ ዚመጾ ጥምየትን ጽምኣትን ኪጸውር ኣብ ምቅላስ ዚርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግዲ! ጭራዋጣን ከበሮን ኣትሒዙ፡ 'ጸላእትና መታን ከይሕጐሱ፡ ጽቡቕ ኣለና! ኢልካ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ዚለል!' ብምባል፡ እተን ዚርካበን ሃገራዊ እቶት፡ ዓመት ምሉእ ኣብ ዘየቋርጽ ጽንብላት ከጥፍአን ጀመረ። ከበሮ ቀጻሊ ተደሰቐ፤ ደቀይ ኣጥምየ ንጓይላን ዳንኬራን ገንዘብ ኣይከፍልን ዚበለ ድኻ ከኣ ብማሕለኻ ኩፖን ተቐጽዐ! ምፍርራህን ጨዊኻ ማእሰርትን መግቢ ዕለቱ ኮነ!

"ኣውደኣመት የጥፍእ ቀለብ ዓመት!" ከም ዚብሃል፡ ጅር ህግደፍ ቊጽሪ ዘይብሉ በዓላት እናኣምጽአ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ኣብ ዲቕ ዚበለ ናይ ጥፍኣት ዕንደራ ጸመዶ! ዳርጋ ኹሉ ውርዙይን ክቡርን ናይ ስራሕ ባህሉ በሪዙ፡ ጓይላን ዳንኬራን ጥራይ ገበሮ! ሓው ንሓው ብምክሳስ ኣብ ቤት ፍርዲ ምውዓል፡ ጥልመትን ስሰዐን ከም ዚነግስን ኣጨኻኻን ከም ዚስስንን ገበሮ! ሕሉፍ ሓሊፉ ደቁ ብጃምላ ብኣማእት ኣብ ባሕሪ እናጠሓሉ፡ ኣብ ምድረ በዳ ብስሕለት እናተሓርዱን ከም ጥሪት ተዘሪዖም ብገንዘብ እናተሸጡን ከለዉ እውን እንተኾነ ጓይላ ካብ ምግባር ኣየቋረጸን!

ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዚበለ ናይ ሃልክን ጥፍኣትን ስራሕ ተጸሚዱ ከሎ፡ ውልቀ መላኺ ህግደፍውን ብኽልተ ዕላማታት ካብ ከተማታት ኤርትራ ናብ በረኻታት ኤርትራ ብቐጻሊ ኪወፍር ጀመረ፤ እቲ ዕላማ ድማ፡- 1ይ. ብህዝቢ 'ፕረዚደንት ኣብ ስራሕ'ዩ ዘሎ' ንኪብሃል። 2ይ. ድማ ናፍቖትን ዝኽርን ናይቲ ን 20 ዓመታት ዚተሓጸነሉ በረኻታት ኤርትራ ስለ ዘሎዎ፡ ናብኡ እናወፈረ ምዝንጋዕ፡ ብቐጻሊ ኣዘውተረ።

ሓደ መራሕ ሃገር፡ ሰብ ሞያን ሚኒሰራትን ኪሰርሑዎ ዚግባእ ስራሕ፡ ባዕሉ ኪሰርሖ ዚፍትን እንተኾይኑ፡ ንዕብየት ህዝብን ሃገርን ዘይኮነስ ንጥፍኣትን ንዕንወትን ከም ዘንቀደ እዩ። ነዚ ህያው ምስክር ዝኸውን ድማ፡ ፕረዚደንት ህግደፍ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዚገርም ድማ ደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መራሕ ሃገር እናተባህለ ንቡር ከይገብር፡ ነቲ እምብዛ ዚንዕቆ ህዝቢ ንምድንጋር ኢሉ፡ ብግቡእ ዘይተስታረረ ክዳን ጨበረር (ስካቡሊ) ዚመስል ሳርያን ለቢሱ፡ ከም ዘራዓይ ግራት እናዳማቱ ኪኾልል ጀመረ። ነዚ ድራማ'ዚ ኪሰርሕ ዚረኣዩዎ ገለ የዋሃት ድማ 'ረኣዩዎ በሉ ፕረዚደንት፡ ነዛ ክዳኑ ዚኸውን ገንዘብ'ኳ የብሉን! ከም ህዝቡ ድኻ'ዩ!' ኢሎም ኪዛረቡ ኪትሰምዕ ከለኻ፡ እምበረመጠን ይድንጽወካ! ምኽንያቱ ንሱ ገንዘብ መላእ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ዚውንንስ ህይወት መላእ ህዝቢውን ከም ዚውንኖ ዘይምርዳኦም ዚገርም ነገር'ዩ! ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዚነብር ኤርትራዊ ዜጋ፡ ነብሱ ዚውንን የለን! ምኽንያቱ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ህግደፍ ስለ ዚኾነ!


ኣብ 5ይ ክፋል ይቕጽል...


ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 02/11/2016



Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-