snitna.com

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

26/01/2017 23:23 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 11 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

"ቀልቀል እትጸልኦስ. ከይወጸ ይጨንወካ!
ቀሺ ዚበለካ ግበር፡ ቀሺ ዚገበሮ ግን ኣይትግበር!
ቀሺ ኣይስረቕ፡ ነዊሕ ኣይዕረቕ፡ ሰበይቲ ኣይትድረቕ፡ ምድረ ሰማይ ከይንቕነቕ!
ቀትሪ ዘይተሓለነ፡ ለይቲ ነይሕለም!
ቀዲሙ ዚሰወተ ዑፍ ትበልዖ፡ ቀዲሙ ዚተዛረበ ሰብ ይጸልኦ!"

*ኣብዚ ካብ 1ይ ክፋል ዚፈለመ ጽሑፍ'ዚ ንምንታይ ኢና 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ደሚና? ንምንታይከ ድሕሪ ናጽነትና ሰላምን ርግኣትን ረኺብና፡ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር ዘይከኣልና? ትምኒትናን ባህግናን ረኺብና፡ እፎይ ኢልና ኣብ ቤትና ብሰላም ንኽንነብርከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወዘተ. ንዚብል ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕ ስነ ጽሑፍ፡ ማለት ብመሳልል ቋንቋ (ሰዋስው)፡ ብግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ኣጠቓቕማ፡ ብምስላ፡ ብስውያን ቁንቁኛን ቋንቋ ትግርኛ ማዕሪጉ፡ ብዚተኻእለ መጠን ምሉእ ትምህርትን ኣፍልጦን ዘስንቕ ጽሑፍ ኮይኑ ንኺቐርብ፡ ብዙሕ ተጻዒሩዎ'ዩ።

መበል 11 ክፋል፥

'ንጸዓዱ ዚፈጠረ፡ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሓናፍጽ ዚፈጠረ ሰይጣን እዩ፣ ንጸለምቲ ዚፈጠረ ግን መን ምዃኑ ኣይፍለጥን!' እዚ ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ ሓንቲ መጽሔት ኢጣልያ ዚወጸ ጽሑፍ'ዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን ኤርትራ ሃገርና ንክልተ ዓይነት ሰባት ተአንግድ ነበረት፡ "ኢንደጂኒ" ከምኡውን "ናሲዮናሊ" ድማ ይብሃል ነበረ። እንደጂኒ ማለት ወደባት ወይ ወዲ ዓዲ ኮይኑ፡ ግዙእ፡ ሃገር ዘይብሉ፡ መንግስቲ ዘይብሉ፡ ዘይተማህረ ወይ ዘይሰልጠነ ሰብ ማለት'ዩ ዚነበረ። ናሲዮናሊ ማለት ከኣ ሃገርን መንግስትን ዚውንን፡ ገዛኢ ወይውን ጎይታ ማለት'ዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዚነበረ ርክብ ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ገዛእን ተገዛእን፡ ጎይታን ጊላን ዘሎ ፍልልይ ነበረ።

ሓደ ኢንደጂኖ ከኣ ዚኾነ ይኹን መዓርጉ ብዘየገድስ ንብጥቓኡ ዚሓልፍ ናሲዮናለ ሰላምታ ከቕርበሉ እዙዝ ነበረ! ከምኡውን ቅኑዕ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ ሓደ ኢንደጂኖ ምስ ናሲዮናለ ኪታረኽ ክልኩል ነበረ። በዚ መሰረት ከኣ ኣስመራ ከተማ ኣብ ግዜ ግዝኣት ጣልያን ኣብ ክልተ ሰፈር ተኸፊላ ነበረት። ሰፈር ጸዓዱ (ወጻእተኛታት)፣ ሰፈር ጸለምቲ (ደቀባት) ዚብሃል ክልተ ቦታታት ነበረ። ጠላይን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ርእይቶ፡ ምኽሪ፡ ይኹን ፍቓድ ይግድሶም ኣይነበረን! ኤርትራውያን ይሕጐሱልና'ዮም ወይውን ይጉህዩልና'ዮም ዚብል ስክፍታ ወይ ሓልዮትውን ኣይነበሮምን። ኤርትራውያን ኩነታት ዓለም ዚፈልጡሉ ናይ ግሊ ማዕከናት ዜና ኣይነበሮምን። እተን ዝነበራ ናይ ጣልያን ማዕከናት ዜና፡ ፕሮፖጋንዳ ጣልያን ጥራይ እየን ይፍኑዋ ኔረን።

እንግሊዛውያውን ንኤርትራ ንምድካይ ኮነ ኢሎም ተዓጢቖም ስለ ዚነበሩ ብዙሕ ንብረት ዘሚቶም፡ ኣዕኒዮምን ሸይጦምን'ዮም። ንኣብነት፥ ሲሚንቶ ዚሰርሓ ዓበይቲ መካይን፡ ዓበይቲ ባቡራት ባሕሪ ዚዕረያሉ፡ ብእንግሊዝኛ "ዶክ" ዚብሃል መዐሸጊ፡ ተለፈሪካ እትብሃል ኣብ ገመድ ተንጠልጢልካ እትጓዓዘላ ማሽን፡ ከምኡውን ካልእ ኣዝዩ ዚኸበረ ኣቑሑ፡ ገሊኡ ናብ ሱዳን ገሊኡ ድማ ናብ ፓኪስታን ይሸጡ ኔሮም። ስራሕን ዚኽፈል ገንዘብን ስለ ዘይነበረ ክኣ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ዳርጋ ንኸብዶም ጥራይ ይሽቅሉ ነበሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ድማ'ዩ ፈለማ ስደት ኤርትራውያን ዚጀመረ።

እንግሊዛውያን ንኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሰልሰተ ወርሒ'ዮም ካብ ኢጣልያውያን መንዚዖማ! ምኽንያቱ፡ ልዕሊ ብረት ፕሮፖጋንዳ ስለ ዘሐየሉ፡ ብኡ ቅልጡፍ ዓወት ኪረኽቡ ኪኢሎም'ዮም። እቲ ናብ ኤርትራውያን ዚፍኖ ዚነበረ ናይ ሓሶት ኣጎምጃዊ መብጽዓታት እልብን ዓቐንን ኣይነበሮን! እንተኾነ ድሕሪ'ዚ ኩሉ መብጽዓታት እንግሊዛውያን ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ፡ ኣብተን ሽዱሽተ ሸውዓተ ንኤርትራ ናይ ምምሕዳሮም ዓመታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዚሓለፈ 50 ዓመታት ግዝኣት ጣልያን እኳ ከም ናይ ሽዑ ጌሩ መሪሩዎን ሓሲሙዎን ኣይፈልጥን ነበረ!
መቐጸልታ ናይተን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበራ ሰልፍታት ወይ ማሕበራት ፖለቲካ፡ ኣብ 1958 ዓ.ም. እውን ሓንቲ "ሓራካ" እትብሃል ማሕበር ኣብ ሱዳን ተመስሪታ ኔራ'ያ። መስራቲኣ ከኣ መሓመድ ስዒድ ናውድ ይብሃል ነበረ። ሓራካ ዋላ እቶም ውሑዳት ኣባላታ ዚፈልጡዎ ናይ ፖለቲካ መደብ ኣይነበራን። ንኺትፈልጥ እንተሓተትካውን 'ኣይትሕተት ምስጢር'ዩ' ዚብል መልሲ'ዩ ዚወሃብ ዚነበረ። እታ ስልጣንን እታ ሰልፍን ብምልእታ ናይ መሓመድ ስዒድ ናውድ ናይ በይኑ'ያ ዝነበረት።

እዛ ደሓር "ማሕበር ሽውዓተ" እተሰምየት ማሕበር ግን ፈለማ ብገለ ውልቀ ሰባት ኣብ ገዛ ብርሃኑ ኣስመራ፡ ኣብ እንዳ ወይዘሮ ምሕረት መብራህቱ እያ ምትእኽኻብ ጀሚራ። ሓራካ ምስ ማሕበር ሸውዓተ ዚነበራ ርክብ ብልክዕ ኣይፈልጥን፤ ሓራካ ጀብሃ ኣልታሓሪር ጌራቶ ኢላ 20 ወይ 30 ኣቢሎም ዚኾኑ ዕጡቓት ናብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ኣእተወት ግን ጀብሃ ሰዳድ ወረ ዘይብሎም ከም ዘጥፍኣቶምን በዚ ድማ መኸተምታ ናይ ማሕበር ሓራካ ከም ዚኾነን እፈልጥ።

ኣነ ኣብ ግብጺ ፈነወ ራድዮ ብቋንቋ ትግርኛ ንኽጅምር፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ ግብጺ ዚነበሩ፡ ፈታው ኤርትራ ዚኾኑ መሓመድ ፋይቕ ዚትባህሉ ግብጻዊ፡ ንኣይን ንሓደ ኮሌነል ተስፋይ ዚብሃል ኢትዮጵያውን ጸዊዖም 'በብቛንቋኹም ፈነወ ራድዮ ኪትጅምሩ ኢኹም' ከም ዘበሰሩና እዝክር። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን መንግስቲ ግብጺ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዚገበሮ ምዝሕነት ምኽንያት እታ ራድዮ ንኽዓጽዋ ብሃንደበት ተነግረኒ። ኢምፐርያሊዝም ይዕበ ይንኣስ፡ ይጻዕዱ ይጸልም ኩሉ ግዜ ሓደ'ዩ፤ ሓርነት፡ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት ወዘተ. ዚብላ ምቁራት ቃላት ብመልሓሱ ይሰብኽ ብውሽጡ ግን ተዅላ እዩ!

ኣብ 25 ነሓሰ 1953 ዓ.ም. ከይፈተኹ፡ ዘፍቅሮም ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከምኡውን ኣዕሩኽተይን ፈተውተይን ገዲፈ ናብ ስደት ዚኸድኩሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሃይለስላሴ ቀሪብካ ብምንብርካኽን ከምኡውን ብሞራላውን ፖለቲካውን መገዲ ነብሰይ ክቐትል ስለ ዘይደለኹን'የ ናብ ስደት ክወጽእ ዝመረጽኩ። ናይ መጀመርያ ዝረገጽኩዋ ዓዲ ጓና ድማ ሃገረ ሱዳን ነበረት። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1954 ዓ.ም. ድማ ብመገዲ ወደብ ሸላል ኣቢለ ናብ ሃገረ ምስሪ፡ ናብ ከተማ ካይሮ ኣትየ።

ኣብ 25 ነሓሰ 1953 ዓ.ም. ካብ ኣስመራ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ኣብ መጀመርታ ሓምለ ናብ ቢተወደድን ናብ ኣንድኣርጋቸው መሳይን ነዚ ዚስዕብ ደብደቤ ጽሒፈ፥ 'ኣነ ወርትግ ኣብ ድንገት ሞት እነብር ኣለኹ፡ ስለዚ ኣማንን ሰላምን ናብ ዝረኽበሉ ሃገር ክስደድ ፍቐዱለይ? እንተዘይፈቐድኩሙለይ'ሞ ተቐቲለ እንተሞትኩ ግን ሓላፍነት ተሰከምቲ ምዃንኩም ከዘኻኽረኩም እደሊ' እትብል ጽሕፍት ናብኣቶም ሰዲደ፡ ቅዳሕ ድማ ናብ ቈንስላት ኣመሪካ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ሱዳንን ጣልያንን ሰደድኩ። ብቕድሚኡ ኣብዘን ዝስዕባ ዕለታት ሸውዓተ ግዜ ናይ ቅትለት ፈተነ ተጌሩለይ ኔሩ'ዩ፥

1ይ ፈተነ ቅትለት፡ ኣብ ሰነ 1947 ዓ.ም. ብዳርባ ቦምባ፣ 2ይ. ኣብ ዕለት 6/7 1947 ዓ.ም. ብዳርባ ቦምባ፣ 3ይ. ብዕለት 4/2/ 1950 ዓ.ም. ብዳርባ ቦምባ፣ 4ይ. ዕለት 1/4/1950 ዓ.ም. ብሽጉጥ፣ 5ይ. ብዕለት 23/11/1950 ዓ.ም. ብምስታይ ስሚ፣ 6ይ. ብዕለት 15/8/1951 ዓ.ም. ብሽጉጥ፣ 7ይ. ብዕለት 15/1/1953 ዓ.ም. ብሽጉጥ ነበረ። ድሕሪ'ዚ ኹሉ ፈተነ ብሳላ ኣምላኽ ድሒነ ድማ መልሲ ናይቲ ዘቕረብኩዎ ናይ ስደት ሕቶ ንሽዱሽተ ወርሒ ናብ ሃገረ ሱዳን ጥራይ ንኽገይሽ ስለ ዚፈቐዱለይ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ፡ ማለት ብዕለት 25 ነሓሰ 1953 ዓ.ም. ካብ ኣስመራ ወጻእኩ።

ንኽወጽእ ፍቓድ ምስ ተዋሃበኒ ግን ነብሰይ ባዶ ኮይኑ ይስምዓኒ ነበረ! እንታይ ሓዲገ እንታይከ ሒዘ እወጽእ ኣለኹ? ዚብል ሕቶ ዓቕለይ ኣጽበበለይ! ዝኸበረት ብዓልቲ ቤተይ፡ ደቀይ፡ ደመይ፡ ጥዕናይ፡ ንእስነተይ፡ ኣዕሩኽተይ፡ ብዓብይኡ ድማ ለጋስ ህዝቢ ኤርትራ ምስታ ገነትን ቅድስትን መሬት ንድሕሪት ሓዲገ ክወጽእ ኣዝዩ ኣሸጊሩኒ ነበረ! "ሓዊ ኣብ ዚሓለፎ ቦታ ሳዕሪ ኣይርከብን!" ከም ዚብሃል ግን ሓውን ሓሰርን ኣብ ሓደ ቤት ኣይሰፍሩን'ዮም! መንግስቲ ኢትዮጵያን ናጽነትን ድማ ብሓደ ከነብሩ ኣይኾነሎምን ነበረ። ብኣጋጣሚ እንተተራኸቡ ከኣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ቦታ ኪሓድግ ግዲ ይኾኖ ነበረ። ጃንሆይ ሩባ መረብ ጥሒሶም ብ 4 ጥቅምቲ 1952 ዓ.ም. መሬት ኤርትራ ኣብ ዝረገጹላ ዕለት ናጽነትን ሓርነትን በሪረን ጠፍኣ!

ፖለቲካ ማለት ፍቕሪ ህዝቢ፡ ፍቕሪ ሃገር፡ ፍቕሪ ናጽነት፡ ፍቕሪ ሓርነት፡ ፍቕሪ ትምህርቲ፡ ፍቕሪ መንፈሳዊ ዕብየት፡ ማለት እንተደኣ ኮይኑ ኣነ ኣብ ፖለቲካ ዕኩኽ'የ ማለት'ዩ። ፖለቲካ ማለት ናይ ዘረባን ኣዘራርባን ጥበብ፡ ብልሓት፡ ክእለት ምሕሳውን ማለት እንተደኣ ኮይኑ ግን ፖለቲካ ኣይተማሃርኩን'ሞ ናብኡውን ኣይኣተኹን! ኣብቲ እዋን ናይ ጣልያን ሃንደበታዊ ምውዳቕ፡ ናይ እንግሊዝ ሃንደበታዊ ምእታውን ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነትን ንሓሳብን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝብርቕርቕ ኣቢሉዎ ነበረ።

ኤርትራውያን እንታይ ከም ዚደልዩ፡ ናብምንታይ ከም ዘማዕድዉ፡ ስጉምትታቶም ናበይ ኣቢሎም ኪመርሑ ከም ዘለዎም ምምዳብ ኣይከኣሉን! ምምዳብ ምስ ከኣሉ ድማ ምስማር ወይ ምስምማዕ ኣይከኣሉን'ሞ ፋሕ ጭንግራሕ ዚበለ ድሌታት ሒዞም ናብ ቅድሚ ዓለም ቀረቡ! እቶም ዘይሰመሩን ዘይተሰማምዑን ግን እቲ ገርሂ፡ ቅኑዕን እሙንን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ እቶም መራሕቲ ዚብሃሉ ግን ከኣ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንኢትዮጵያ ዚወግኡዋን ዝበደሉዋን'ሞ ይቕሬታ ኪሓቱ ዚደልዩ፣ እቶም ኣብ ዋልታ ዘውዲ ኢትዮጵያ ተጸጊዖም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዚነበሮም ጒይትነት ኪቕጽሉ ዚደልዩ፣ እቶም ናይ ንግድን ካልእ ውልቃዊ ረብሓታትን ዚነበሮምን እቶም ፖለቲካዊ ቅድድም ወይ ጉያ ኪኸፍቱ ተስፋ ዚነበሮምን'ዮም። እዚኣቶ'ዮም ንኤርትራ ኣጥፊኦም ንህዝባ ከም ዚደሚ ዚገበሩዎ!

ቤት ትምህርቲ ማለት እቲ ናይ ብሓቂ ደቂ ሰባት ዚስርሑሉ፡ ማለት ጠባይ፡ ደቂ ሰብ ዚቕረጸሉ፡ ዚውቀረሉን ዚትበዓሉን ኣዝዩ ዚዓበየ ቤት ዕዮ እዩ! ሞያ ምምህርና ድማ ካብ ኩሉ ዕዮታት እቲ ዚዓበየን ዚኸበረን ኮይኑ ይስምዓኒ።

ኣነ ኣብ 1943 ዓ.ም. ተመርዕየ፣ ብዓልቲ ቤተይ ወይዘሮ ኣበራሽ ይሕደጎ ትብሃል፡ ኣርባዕተ ውሉድ፡ ማለት ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ከኣ ኣሎውና።' ቃል ሓርበኛ ኣቦና ነፍሲሄር ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ወርሒ ሕዳር 1982 ዓ.ም. ሮማ ኢጣልያ።
ምንጪ ጽሟቕ ጽሑፍ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 25 ግንቦት 2005 ዓ.ም.

*   *   *

ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋጠሞ፡ ስራሕን ገንዘብን ናይ ምስኣን ኩነታት፡ ኣብ ግዜ ህግደፍውን እንሆ ብዚኸፍአ መልክዑ ኣጋጢሙዎ ይርከብ ኣሎ! እዚ ናይ ህግደፍ ካብቲ ናይ ምምሕዳር እንግሊዝ ዚኸፍአ ዚገብሮ ከኣ፥ ምምሕዳር እንግሊዝ ገንዘቡ ደኣሉ ዓቂቡ'ምበር ገንዘብ ህዝቢ መንዚዑ ቁማር ኣይበሎን ወይ ድማ ብገዛእ ገንዘቡ ብመቑነን ኣይዓደሎን! ህግደፍ ግን ገንዘብ ህዝቢ ገቢቱስ፡ ካብ ጅባኡ ከም ዚኸፍሎ፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ሽሕ እናበለ ብመቑነን'ዩ ዚዕድሎ ዘሎ!

ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ስራሕ ስእነትን ገንዘብን ኣብ ኣርብዓታት ንፈለማ ግዜ ብውሑድ ዓቐን ናብ ስደት ከማዕዱ ከም ዚጀመረን እዚ ከኣ ከም ዘጉሃዮምን ገሊጾም ኔሮም። ነዚ ሎሚ ኣብ ዘበን ኢሳያስ ዚስደድ ዘሎ ህዝቢ እንቋዕ ኣይርእይዎ! ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ከም ኣብ ግዜ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌሩ ተበታቲኑ ከምዘይፈልጥ ምግላጽ መቸም ንቀባሪ ምርዳእ'ዩ! ንምንታይ ግን ኤርትራዊ ድሕሪ ናጽነቱ ይበታተን ኣሎ!? ኣብዚ ሕቶ'ዚ ብዘይካ ጉጅለ ኢሳያስን ጊላታቶምን መልሲ ዘሎዎ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን!

ንኹሉ፡ ማለት ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽናን ተመኩሮናን እንተተዓዘብና ከኣ እዚ ኹሉ ክሳዕ ሕጂ ንፍደዮ ዘለና ሕማቕ ጽዋ፡ ጠንቁ ሓደን ሓደን ምዃኑ ኢና ንግንዘብ። ንሱ ከኣ ኣብ መንጎና ስምምዕን ፍቕርን ዘይምህላዉ'ዩ! ኩላቶም ገዛእቲ ሓይልታት በዛ ብኮ'ዚኣ ወይ ድማ በዛ ቁስሊ እዚኣ እዮም ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ሓመድ ድፋጫና ኣስቲዮሙና! ሎሚውን ኢሳያስ ብራዕድን ሽበራን ብሓለንጊ ምልክን በታቲኑ ዘጥፍኣና ዘሎ በዛ ናይ ወትሩ ቁስልና'ዩ! ንሕና እንተንሰምር፡ ጎረቤትና ኪብደል ከሎ ኣቤት እንተንብል፡ ሕግን ርትዕን ኪገዝኡና ብሓደ እንተንምክት ኣብዚ ዘለናዮ ውድቀትን ሓሳረ መከራን ኣይምበጽሓናን!

ወለድና ካብ ዘበነ ቱርክን ግብጽን ጀሚሮም ብራእሲ፡ ብከንቲባ፡ ብምስሌነ ወዘተ. ተኸፋፊሎም ንሓድሕዶም ምትህልላኽ ሓዲጎም፡ ሓደ ናይ ኩሎም መራሒ ፈጢሮም፡ ነቶም ቀዳሞት ወረርቲ ብሓባር ሰሚሮም እንተ ዚምክቱ ኔሮም፡ እቶም ዳሕረዎት ዚኸፍኡ ገዛእቲውን ናብ ሃገርና ኪኣትውን ብሓሳረ መከራ ኪገዝኡናን ኣይምኸኣሉን ኔሮም! ስምረትን ሓድነት ዋሕስና ምዃነን እናፈለጥና ግን ወትሩ ኣብ ምትግባረን ድኹማት ኢና! ሰሪ ድኽመትና ከኣ ኣብታ እንፈትዋ ሃገርና ቀሲንና ከም ዓለምና፡ ዋላ ብጥሙይ ከብድና ብሰላም ክንነብር ኣይከኣልናን! ካብ ርጉማት ገዛእቲ ናብ ዚኸፍአ መላኺ ተሰጋጊርና፡ ካብቲ ዝሓለፈ ብዕጽፊ ንጠፍእን ንሳቐን ኣለና! ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሂወት ክሳዕ ዘሎ ከኣ ካብዚ ዘለናዮ እልበት (ሓሰረ መከራ) ክንገላገል ማለት ሕልሚ'ዩ!

ኣብ ሜዳ ሓደ ካብቶም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘሕቀቖም ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመላኺ ኢሳያስ ከምዚ ኪብል ተዛሪቡዎ ኔሩ፥ 'ንስኻ ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ ኪደሚ ኪነብር'ዩ!' ኢሉ ንኽፍኣቱ ኣብ ኣፉ ነጊሩዎ ኔሩ! እዚ ሻቡ ትንቢት ወይ ሕልሚ ይመስል ኔሩ ይኸውን ሕጂ ግን ጋህዲ ኮይኑስ ህዝቢ ኤርትራ እንሆ ብኢሳያስ ብቐጻሊ ይደምን ይመውትን ኣሎ! ከምቲ፡ እቲ ስውእ ጅግና ዚበሎ ከኣ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘሎ ሞትን ጥፍኣትን ኤርትራውያን ኣይከቋርጽን'ዩ! ኣሶት (ፈውሲ) ናይዚ ዓቢ ቁስሊ'ዚ ከኣ ሕጂውን ስምምዕ'ያ! ንድሕነት ነብስና ክንብል ንሰማማዕ?

ሓደ ግዜውን ኣብ ኣውራጃታት ሓማሴን፡ ሰራየን ኣከለጉዛይን ኣማሕዳሪ ኮይኑ ዘገልገለ እንግሊዛዊ ከምዚ ኪብል ትዕዝብቱ ገሊጹ ኔሩ፥ 'ኤርትራውያን ጐራሓት፡ ፈላጣት፡ ኪኢላታት'ዮም፣ በዚ መገዲ'ዝስ ካብቶም ካልኦት ዓሌታት ኣፍሪቃ ዋላውን ካብ ኤውሮጳውያን ከይተረፈ ብኹሉ ድሕር ኪብሉ ኣይምኸኣሉን፤ እንተኾነ ሓደ ኪሕደግ ዘይክእል፡ ቊንቊነ (ብርሰት ዘኸትል ባልዕ) ነፍስን ስጋን ኣሎዎም! ንሱ ከኣ ናይ ሓድሕድ ምትህልላኽን ምንቀኝነትን'ዩ! እዚ ከምዚ ዚበለ ኣረጊትን ድሑርን ኣተሓሳስባ'ዚ ካብ ልቢ ኤርትራውያን እንተዘይርሒቑ ወይ እንተዘይኣልጊሱ ከኣ ኤርትራውያን ወትሩ ብጓና ኪግዝኡ፡ ብዘላሚ (ብዓማጺ) ኪርገጹን ኪእዘዙን ኪነብሩ'ዮም!' ኪብል ንጠባይን ባህርን ሕድሕድ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኔሩ።

እወ፡ እዚ ግናይ ናይ ምትህልላኽን ናይ ምንቀኝነትን ቊንቊነ'ዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኪኖ ሓጹር ደርቢና፡ ኩልና ኤርትራውያን ደቂ ሓደ ህዝብን ደቂ ሓንቲ ሃገርን ምዃንና ኣሚንና፡ ብፍቕርን ስኒትን ኣንጻር ዘለምትና ንለዓል!

ኣብ መበል 12 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 25/01/2017


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-
See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-