snitna.com

19/01/2017 05:15 AM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

10ይ ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

ሸራፍ ስኒ መንፈስ ጽዋ፡ ሸራፍ ዕትሮ መንፈስ ስዋ!
ሸያብ ኣይትጸውዕ፡ ለባም ጸውዕ!
ሹመኛን ጡጥን እናሓደረ የንዘልሕጥ!
ሽመት ብተርታ፡ ብልዒ ብገበታ!
ሻራኻ በዀረ፡ ማሕበርካ ተሳዕረ ኣይበሉኻ!

'ሓደ መዓልቲ ካብ 10 እንበዝሕ ኤርትራውያን ኣብ እንዳ ሳልሕ ከክያ (ኣስመራ) ተኣኪብና ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ብሓፈሽኡ ነዕልል ነበርና፣ ኣብ መንጎ ዕላልና ድማ 'እሞ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ደኣ ዘይንዓዪ?' ብምባል ንናጽነት ኤርትራ ሰሚርና ክንሰርሕ ወሰንና፤ 'ቅድም ቀዳድም ግን ኣስላምና ክርስትያንና ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሓንቲ ሃገር፡ ደቂ ሓንቲ ዓዲ ምዃንና ንእመን፣ ደሓር ነዚ እምነት'ዚ መሰረት ዕዮና ጌርና ቃልስና ንጀምር!' ኣብ ዚብል ስምምዕ ድማ በጻሕና።

ኣስላም ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከይወድቁ ፍርሃት ኔሩዎም'ዩ! እዚ ድማ ግሉጽን ርኡዩን ዝኾነ ፍርሃት ነበረ። ምኽንያቱ፡ ማሕበር ሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብኣቡነ ማርቆስ (ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ) እትድገፍ ማሕበር'ያ ዝነበረት። ከምኡውን ናይ ካቶሊክን ከኒሻን ኣብያተ ክርስትያን ምንም'ኳ ከምዚ ናይ ተዋህዶ ብግልጺ ንህዝቢ እናሰበኻ ምጉስጓስ እንተዘይነበረ ደገፍቲ ሕብረት ምንባረን ግን ዘጠራጥር ኣይነበረን።

ኣቡነ ማርቆስ ባዕሎም ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሱ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣበርቲዖም ይስርሑ ነበሩ። ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ድማ መአከቢ ሰዓብቲ ሕብረት ኮይና ነበረት። በዚ ድማ ኣስላም ኤርትራ፡ 'ማሕበር ሕብረት ናይ ሃይማኖት ካብ ኮነት ንሕናውን ንጉዳይ ሃገርና ብሃይማኖት ንእተዎ' ኣብ ምባል በጽሑ። እታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 1946 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ከረን ዝተመስረተት "ማሕበር ኣልራቢጣ ኣልኢስላምያ" ነቲ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ብግልጺ ተሰማሚዖሙሉ ዝነበሩ ምምቃል ኤርትራ፡ ጸኒዓ እንተዘይትቃወም ኔራ ከኣ እዛ ሕጂ ንሪኣ ዘለና ኤርትራ ኣይምሃለወትን ኔራ!

ኣብቲ እዋንቲ ዝተፈላለየ ድሌትን ዕላማን ዝነበረን ብጠቕላላ ትሽዓተ ሰልፍታት ፖለቲካ ነበራ። እተን ሓሙሽተ ናጽነት ኤርትራ ዝደልያ፣ (ኤርትራ ንኤረትራውያን፡ ቀጽሪ ናጽነት፡ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ፡ ማሕበር ኢጣልያን ኤርትራን ከምኡውን ሓዳስ ኤርትራ) ደሓር ከኣ ንኹለን ዝጠርነፈት "ሰልፊ ናጽነት" ኤርትራ ትብሃል ሰልፊ ተመስረተት። ዕላማ እታ ብፕረዚደንትነት ኣቡበከር ሰይድ ኣልሙርቃኒን ብሰክረተሪ ጀነራል ኢብራሂም ሱልጣን ዓልን እትምራሕ ዝነበረት ማሕበር "ኣልራቢጣ ኣልኢስላምያ" ልክዕ ከምቲ፡ ናይታ ብፕረዚደንት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ብሰክረተሪ ጀነራል ኣቶ ፍስሓ ወልደማርያምን (ጋንዲ) እትምራሕ ዝነበረት "ማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን" ነበረ።

እተን ሰለስተ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንበራ ዝደልያ ከኣ (ማሕበር ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ ማሕበር ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ብውዕልን፡ ናይ መንእሰያት ማሕበር "ኣንድነትን" ነበራ።)፣ እታ ሓንቲ ድማ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተመቒላ ንሱዳንን ንኢትዮጵያን ክትወሃብ እትደሊ ነበረት። "ተቕሲም (ምምቃል)" ድማ ትብሃል። መስራቲኣን መራሒኣን ከኣ ድሕሪ'ቲ እንግሊዛውያን ኪዓስቡዎ ብዙሕ ጽዒሮምን ፈቲኖምን ዘቕበጾም ኢብራሂም ሱልጣን፡ ነብሱ ንኺዓሰብ ፍቓደኛ ዝኾነ ሰብ፡ ዓሊ መሓመድ ሙሳ ረድአይ ነበረ።

ማሕበር ሕብረት፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር ዚብል ዕላማኣ ንምዕዋት እተካይዶ ዝነበረት ቃልሲ፡ ካብቶም መራሒ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ዚነበሩ ጳጳስ ኣቡነ ማርቆስ ሓያል ደገፍ ትረክብ ነበረት። ንኣብነት፥ ናይ ኢትዮጵያ ሓሳብን ስምዒትን ካብ መንበረ ጵጵስናን መንበረ ታቦትን ናብ ምእመናን ከም ዚዝርጋሕ ገበሩ፣ ኣብቲ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ዘረባን ሰበኻን ብምምሕዳር እንግሊዝ ተኸልኪሉሉ ዝነበረሉ እዋን፡ ማለት ኣብ 1942 ዓ.ም. ንሶም ግን ኣብ በዓል ጥምቀት ንዝተኣከበ ህዝቢ፡ 'ኦ ህዝበይ ትሰምዑዶ ኣለኹም? ኣብ ሕጽና (ኣፍ ልባ) ሓቚፋ እተጥቡ ኣደ ኣላትኩም እሞ ከምቲ ንሳ ትደልየኩም ዘላ ንስኻትኩም ከኣ ፍለጡዋን ድለዩዋን' ብምባል መደረ ኣስምዑ።

'ኢትዮጵያ፡ ሓበሻ ዝነግሰላ፣ ኤውሮጳዊ ዝደነላ፣ ዓረብ ይኹን ኣስላማይ ካብ ቁጽጽር ዘይወጸላ፣ ሃገር'ያ!' እናበልካ ተዘመረን ኣብ ጎደናታት ተለጠፈን። ህዝቢ ገጠር ከበሳታት ኤርትራውን፡ ብስብከት ኣቕሽሽቲ፡ ኢትዮጵያ ወይ ሞት! ንኽብል ተቐሰበ። ነቶም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘይደገፉ ኣመንቲ ክርስትናውን ኣብ ቤተክርስትያን ተኻፋልነት ከይህሉዎምን ኣብ ቀብሪ ይኹን ኣብ ካልእ ውራያት ዘድሊ ኣገልግሎት ከምዘይውሃቦምን ተገብረ! ብሓጺሩ 'ኣርዮሳት!' እናበልካ ኣብ ምውጋዝ ተበጽሐ። ነዚ ኹሉ ብምግባር ከኣ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣደልዲላ ንኽትረግጽ ዘኽኣሉዋ ኤርትራውያን፡ ጳጳስ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፡ ኣቡነ ማርቆስ ነበሩ።

ኣቡነ ማርቆስ፡ ኣብ 1884 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ተወልዱ፤ ካብ 1932 ዓ.ም. ክሳዕ 1936 ኣብ ደብረ ቢዘን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ወሪራ ምስ ሓዘታ፡ እቲ ሻቡ ጠቕላላ ገዛኢ ኢትዮጵያ ዚነበረ ኢጣልያዊ ማርሻል ግራስያኒ፡ ንኣርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንምቁጽጻር ኢሉ ነቲ ናይ ጥንቲ ምስ ቤተ ክርስትያን ኣለክሳደርያ ዝነበረ ርክብ በቲኹ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ሲኖዶስ ተኸለ። እቶም መንግስቲ ጣልያን ዚሸሞም ሓድሽ ጳጳስ ኢትዮጵያ ድማ፡ ንኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ኤርትራን ትግራይን ኮይኖም ንኸገልግሉ ሸሙዎም። በዚ መሰረት ከኣ ጳጳስ ኣቡነ ማርቆስ ቀንዲ ደጋፍን ጸግዕን መንግስቲ ጣልያን ነበሩ።

ምስ ምምጻእ መንግስቲ እንግሊዝ ናብ ኤርትራ ድማ ገጽ ኣቡነ ማርቆስ ናብ ኢትዮጵያ ቀልጢፉ ቀንዐ። ምኽንያቱ፡ ኣቐዲማ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዚርከብ ልሙዕ ሕርሻዊ መሬት፡ ካብ ቤተ ክህነት መንጢላ ንሓረስቶት ኢጣልያውያን ዓዲላቶ ስለ ዝነበረት፡ እዚ መሬት'ዚ ናብ ቤት ክህነት ንኽምለስ ናብታ ንጣልያን ዝሰዓረት ሓዳስ መንግስቲ ብርጣንያ፡ ጥርዓን ኣቕሪቦም ሰማዒ እዝኒ ስለ ዚሰኣኑ፡ ገጾም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቕንዑ ተገደዱ። እቲ ፍታሕ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ዚርከብ ዚብል ተስፋን እምነትውን ነበሮም።

ኣቡነ ማርቆስ ካብቲ ሽዑ ዝነበረን ዘሎን ልምዲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣገባብ ወጻኢ፡ ስልጣኖም ብመንግስቲ ጣልያን ዚተዓደሉን ዚተሸሙን ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ውድቀት ኢጣልያ ሽመቶም ከይቅንጠጡ ይሰግኡ ነበሩ። መዓርጎም ብኣዲስ ኣበባን ኣለክሳንድርያን ንኺፍለጠሎምን ርክቦምን ደገፎምን ንፋሽሽቲ ኢጣልያ ገበን ከይቁጸሮሎምን ስግኣት ስለ ዝነበሮም ድማ'ዮም ካብ ጣልያን ናብ ኢትዮጵያ ዚሰለሉ። ጵጵስና ትግራይን ኤርትራን ሰፊሕ ስለ ዚነበረ ከኣ፡ ከም ዘለዎ ንኺዕቀበሎም ብርቱዕ ሃረርታን ድሌትን ነበሮም።

በዚ መሰረት ከኣ ኣቡነ ማርቆስ፡ ምስቶም ንሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንኪድግፉን ኤርትራውያን ንኺሓባብሉን፡ ኢትዮጵያ ብኹሉምሉ ሓባቢላ ዝለኣኸቶም ኤርትራውያን፡ ማለት ምስ ብዓል ሎሬንሶ ታእዛዝ፡ ብላቴን ጌታ ኤፍሬም ተወልደመድህን፡ ብላታ ዳዊት ዑቕባዝጊ፡ ደጃዝማች ገብረመስቀል ሃብተማርያም፡ ብላታ ክፍለእግዚእ ይሕደጎ፡ ፊተውራሪ ኣብርሃ ወልደታትዮስን ቢተወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ብምትሕብባር፡ ካብ 1941 ዓ.ም. ጀሚሮም ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣበርቲዖም ሰርሑ።' ካብ መጽሓፍ "ኣይንፋላለ" ገጽ 88-92 ዚተወስደ'ዩ።

'ኣብ መጀመርያ ጠላይን ናብ ኤርትራ ኪኣትዉ ከለዉ ተቓዉሞ ኣይተጓኖፎምን። ኣብ ክንዲ ተቓውሞ ከኣ ካብ ብዙሓት ሰባት ደኣ ደገፍ ይረኽቡ ነበሩ። ጀነራል ባልዲሰራ ኣብ 1889 ዓ.ም. ናብ ኣስመራ እትው ምስ በለ እዚ ዚስዕብ ኣዋጅ ኣወጀ፥ 'ሕረስ ሓረስታይ! ንገድ ነጋዳይ ኣይትፍራህ! ቅድሚ ሎሚ ዚቐተለን ዚዓመጸን ገበን ዚገበረን ብመንግስቲ ጣልያን ምሕረት ተጌሩሉ'ዩ! ብድሕሪ ሕጂ እንተዘመትካ ወይ እንተዓመጽካ ከምኡውን ሕጊ እንተዘይኣኽበርካ ግን ወይልኻ! ኣዝዩ ዚኸበደ መቕጻዕቲ ኪወርደካ'ዩ! ኣነ ክርስትያን'የ፡ ካህንን ዓለምን ናይ ኣቦታትካ ሃይማኖት አኽብርን ሓሉን! ኣነ ንሃገር ከልምዕን ክካላኸልን ደኣ'ምበር ከብርስ ወይ ከዕኑ ኣይመጻእኩን! ንመዓልቲ ሓሙስ ከኣ ናይ ጥርዓንን ናይ ዕዳጋን ክትከውን ወሲነያ ኣለኹ። ኣይትፍራህ! እንተተበደልካ ከኣ ናባይ ምጻእ! እዚ ዚብለካ ዘሎ ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ልኡኽ፡ ብዓል ምሉእ ስልጣን ኣብ ሓማሴን'ዩ!' ዚብል ኣዋጅ ነበረ፤ ቅልጡፍን ንጡፍን ሳይኮሎጂካዊ ዓወት ድማ ረኸበ።

ድሕሪ'ዚ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ቅድሚኡ ተራኣዩ ዘይፈልጥ ጸጥታን ሰላምን ሰፈነ! ብምኽንያት ውግእ ሕድሕድ ተሰዲዶም ዝነበሩ ስድራቤታት ነናብ ዓዶም ተኣኻኸቡ! ሓድሽ ህይወት ድማ ተጀመረ። ኣብቲ እዋን ዝኾነ ይኹን ተቓዉሞ ኣይነበረን! ሻቡ ድማ ሓርበኛ ደግያት ባህታ ሓጐስን በረምበራስ ክፍለ እየሱስን ናይ መጀምርያ ሰበስልጣን ኢጣልያ ኮይኖም ተሸሙ። በዚ መሰረት ከኣ፡ ደግያት ባህታ ሓጐስ ንጣልያን ንኣውራጃ ኣከለጉዛይ ሓዙሎም። ደግያት ባህታ ሓደ ካብቶም ብእምነትን ብኽብርን ካብ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ሓበሻ፡ ኣብ ቅድሚት ዚስርዑ ነበሩ! በረምበራስ ክፍለ እየሱስ ከኣ ኣብ ከረን ኮይኖም ንመታሕት ሓዙሎም። እንተኾነ ኣካይዳ መንግስቲ ጣልያን ስለ ዘየሐጐሶም ኪሽፍቱ ሓሰቡ'ሞ እዚ ሓሳብ'ዚ ናብ ሰበስልጣን መንግስቲ ጣልያን በጽሐ። 'ንዓብዪ ጉዳይ ትጽዋዕ ኣለኻ' ኢሎም ድማ ናብ ምጽዋዕ ወሰዱዎም፤ ካብኡ ናብ ዓሰብ ምስ ወሰዱዎም ከኣ ኣብኡ ሞቱ።

መንግስቲ ጣልያን ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከብ ስቡሕ መሬት፡ ብምኽንያት ዶሚናለ ካብ ደቀባት ኤርትራ እናኣሕደገ ኪዘምትን ንዕቀት ኣብ ሰባት ከርኢ ምስ ጀመረን፡ ደግያት ባህታ ሓጐስ ተቖጥዑ! በዚ ድማ ህዝቦምን መሬቶምን ንምኽባር ተበገሱ! ንጣላይን ሓግሒጎም ካብ ሃገሮም ከም ዘውጽኡዎም ድማ ዓው ኢሎም ፈከሩ! እምነቶም ድማ ኣብ ቅንዕና ዕላማኦምን ኣብ ህዝቦምን ነበረ። በዚ ድማ መሬት ናብ ዋናታቱ ንኺመልሱ ተማባጽዑ! ውግእ ምስ ሰራዊት ጣልያንን ዓሻክሮምን ብኡንብኡ ተጀመረ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ሰገነይቲ ኣብ ምሉእ ቁጽጽር ደግያት ባህታ ሓጐስ ኣተወት!

ሓርበኛ ደግያት ባህታ ሓጐስ ምስ ሰራዊቶም ኣብ 18 ታሕሳስ 1894 ዓ.ም. ንዕርዲ ሓላይ ከቢቦም ብተኹሲ ኣጨነቑዋ! ኪቆጻጸሩዋ ቊሩብ ምስ ተረፎም ድማ ጠላይን ብድሕሪት መጺኦም ድቦላ ወደቑዎም! ጅግና ናይ ጀጋኑ ደግያት ባህታ ሓጐስ ድማ ብጥይት ተወቒዖም ምእንቲ ህዝብን መሬትን ሃገሮም በጃ ሓለፉ! ኣስታት 1600 ዝኸውን ሰራዊቶም ግን ግመ ስለ ዚነበረ ከምልጥ ከኣለ። እዚ እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ ንመንግስቲ ጣልያን'ዩ ነይሩ።' ቃል ሓርበኛ ኣቦና ነፍሲሄር ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ወርሒ ሕዳር 1982 ዓ.ም. ሮማ ኢጣልያ።
ምንጪ ጽሟቕ ጽሑፍ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 25 ግንቦት 2005 ዓ.ም.

ብተመሳሳሊ መገዲ ከምዚ ኣብ 1889 ዓ.ም. ብመንግስቲ ጣልያን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዚቐረበ ኣጎምጃዊ መብጽዓ፡ ኣብ 1994 ዓ.ም እውን እዚ ዚስዕብ ልቢ ዚሰልብ መብጽዓ ብጉጅለ ህግደፍ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ ነበረ፥

'ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን፡ ራህዋን ቅሳነትን ኪሰፍን፣ ህዝቢ ኤርትራ ደረጃ ብደረጃ ካብ ስእነትን ድኽነትን ኪገላገል፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ኪሕሎ፣ ምሉእ ተሳታፊ ኣብ ምውሳን ጉዳይ ሃገሩ ኪኸውን፣ ደቅና ኲናትን ህውክውትን እንደገና ዘይርእዩላ፡ ማሚቖምን ቀሲኖምን ዝነብሩላን ዝሕበኑላን ሃገር ናጽነት፡ ከምኡውን ኤርትራ ብቁጠባን ብቴክኖሎጅን ኣብ ሓጺር ግዜ ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ብምስራዕ፡ ብሰላምን ራህዋን ከም ትነብር ክንገብራ ኢና!

ራኢና፡ ኤርትራ ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ራህዋ ዝሰፈና ሃገር ምግባር'ዩ! ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ሃገሩ ተሳታፊ ኮይኑ፡ መንግስቲ ከም ንገለ ዚቐርብ ንገለ ድማ ዚርሕቕ ኮይኑ ዘይረኣየሉ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ስምረትን ፍቕርን ዘስፍን ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት'ዩ! እቲ እንተኽሎ መንግስቲ ግን ናይ ዘይትግበር መብጽዓታት ኣዋጂ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብርን ብስራሕን ህይወት ዜጋታትን ሃገርን ዚቕይር ኪኸውን ኣለዎ!

ኣብ ናጻ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር፣ ሓድነትን ሰላምን ዚሕሉ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓራ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓልዩሉ፡ ህይወቱ ብቕሳነትን ባህታን ንምቕጻልን ንምምሕያሽን ዘኽእል ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ኪህነጽ መሰረታዊ ድሌትና'ዩ! ነዚ ድሌት'ዚ ኣብ ግብሪ ዚፍጽም እንኮ መገዲ ከኣ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ብምምስራት ጥራይ እዩ' ይብል።

እዚ ብ 16 የካቲት 1994 ዓ.ም. ዚወጸ መብጽዓታት ግን ከም ሓሙኽሽቲ በኒኑስ እቶም ነዚ ኪኸውን ዚነበሮ መብጽዓታትን ቅኑዕን ደሞክራስያውን ስርዓት ዘትክል ኣገባብ መርሓ ጽሑፍን ዚሓንጸጹ ሰባትውን September 18 victims ከምቲ ጽሑፎም ጠፊኦም ኣለዉ! ኤርትራ ሃገርና ኣብ ታሪኻ ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙዋ ዘይፈልጥ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማህበራዊ ቅልውላው ሰፊኑዋ፡ ህዝባ እግሩ ናብ ዘዝመረሖ ዝበታተነላን ሃገረ ምልክን ራዕድን ኮይና ኣላ!

ኣብያተ እምነታትና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣርባዓታት (1940 ዓ.ም)፡ ኣብ እዋን ኣቡነ ማርቆስ፡ ሎሚውን ቀንዲ መጎሳጎስትን ተጣበቕትን ስርዓት ህግደፍ ክኾና ንዕዘበን ኣለና። ነዚ ዚተቓወሙ ኣገልገልተን ድማ፡ ብዝተፈላለየ ዘይቅቡል ምኽንያታት እናኣጠመቕካ፡ ካብቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዚስጎጉ ኪግበር ንርእን ንሰምዕን ኣለና።

ብሰንኪ'ዚ፡ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ኣብ ክልተ ተገሚዑ፡ ኣብ መንጎ ሓደ ህዝቢ ፍልልያት ሰፊኑ ይርከብ። ብዓብይኡ፡ ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ካብ ቀኖናን ኣሰራርሓን ሲኖዶስ ወጻኢ፡ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ከም ዚወርዱ ብምግባር፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዳጒኑዎም ይርከብ ኣሎ! በዚ ኸኣ ክብርን ንቡር ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክቡር ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ እውን ተደፊሩ ይርከብ!

*   *   *

ኣብ መበል 11 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ምህርቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 19/1/2017



ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-