snitna.com

20/10/2016 11፡29 AM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

2ይ ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! ""ሓጺር ሰብኣይሲ ኣቱም ከይተባህለ ይኣርግ!
ሕልና ቅኑዕ ሰብ ንኸንቱነት ተጃሃርቲ ይስሕቐሉ!
ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ዑና ዓዲ ኣርእዮ።
ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፡ ስርዓት ይሓልፍ ተዛዊሩ!
ሓጥያት ተናሲሕካ፡ በደል ኪሒስካ፡ መዓት ተማህሊልካ'ዩ ዚፍታሕ!""

 

ኣካይዳን ኣመራርሓን መንግስቲ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፥

 

እቶም ብወከልቲ ህዝቢ ተመሪጾም፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ዚኾኑ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ምንም'ኳ ስጉሚ ከይከዱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ብገለ ኤርትራውያንን ዕንቅፋትን ብድሆን እንተገጠሞም፡ መንግስታት ጣልያንን እንግሊዝን ኣውሪሶሞም ብዚኸዱ ስሩዕን ምዕቡልን መንግስታዊ ስርዓት ተሓጊዞም ግን ንሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኻ Ato Tedla Bayruንመጀመርያ ግዜ ብደሞክራያስያዊ መገዲ ብምምሕዳር፡ ናብ ዚለዓለ ዕብየትን ምዕባለን ኪመርሑዎ ጀሚሮም ከም ዚነበሩ ሰብ ታሪኽ ይምስክሩ። ኣብዚ ኪስትውዓል ዘለዋ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ፣ ሃብታን እትዋታን ብዘየገድስ፡ ኣብ ዓለም ዝኾነት ትኹን ብውልቀ መላኺ እትምራሕ ዝማዕበለት ሃገር የላን! ሃገርና ኤርትራ እውን ከምኡ፡ ብኢሳያስ ክትምዕብልን ክትብልጽግን ምጽባይ ሕልሚ'ዩ!

 

ኣብ መግስቲ ተድላ ፍሉጥን ስሩዕን ኣሰራርሓ፡ ጽፉፍ መዝገብን መወከስን ዘይነበሮ ክፍሊ ስራሕ ኣይነበረን። ንኣብነት፥ ይብል እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2005 ዓ.ም. ዚተሓትመ፡ ኣብ መጽሓፍ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ኣብ ገጽ 263 ዘሎ ጽሑፍ፥ 'ንኣብነት ኣመራርጻ ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ፥ መራሕ መንግስቲ ሰለስተ ብቑዓት ዚበሎም ሰባት ናብ ባይቶ ይልእኽ'ሞ ባይቶ ተቐቢሉ፡ ንሓደ ኣውጺኡ፡ ካብ ክልተ ንኺመርጽ ተመሊሱ ንመራሒ መንግስቲ ሕሩያቱ የቕርበሉ፤ ሻቡ መራሒ መንግስቲ፡ ሓደ ካብኣቶም ይመርጽ፤ ካብዚ ወጻኢ ዳኛ ዚስየመሉ ኣጋባብ ኣይነበረን።' ይብል።

 

ብተወሳኺ ብቕዓት ደያኑ ንምዕቃብን ልክዕነት ስራሖም ንምቁጽጻርን ንምኽኣል፡ እዚ ዚስዕብ ኣጋባብ መቈጻጸሪ ይፍጸም ነበረ፥ 'ፍርዱ ብተደጋጋሚ ብይግባይ ዚግልበጦ ዳኛ ንኣብነት፡ ዘይብቑዕ ወይ ጉቦኛ ከይከውን ስለ ዚጥርጠር፡ ብግቡእ ተመርሚሩ ካብ ስራሑ ከም ዚእለ ይግበር ነይሩ። ኣብ ኩሉ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ድማ ነዚ ዚመስል ኣጋባብ መቈጻጸሪ ይፍጸም ነበረ። ኩሉ ንነር ግልጽን ተሓታትነት ዘሎዎን ስለ ዚነበረ፡ ዋላ ሳንቲም ትኹን ትጠፍእን ትባኽንን ንብረት ህዝብን መንግስትን ኣይነበረትን!

 

ስሉጥ ኣሰራርሓ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩለን ኣውራጃታትውን በዚ ኣጋባብ ይካየድ ስለ ዚነበረ፡ ኣብ መላእ ሃገር ቅርዑይ፡ ጽፉፍን ስሉጥን ምሕደራ ነበረ። ዚኾነ ፋይል ንምርካብ ወይ ናይ ሕሳብ ጉድለት ንምልላይ ግዜ ይወስድ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰሙን ዚወስድ ዚነበረ ናይ ሕሳብ ቊጽጽር (audit) ስራሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ወርሒ ይወስድ ከም ዚነበረ ይዝንቶ።

 

ኣጠቓሊልካ ኪርአ እንከሎ፡ እቲ ብ 15 መስከረም 1952 ዓ.ም. ዚቖመ ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ መንግስቲ፡ ኩሉ'ቲ መንግስቲ ዚብሃል ከማልኦ ዚግብኦ ነገራት ኣብ ርእሲ ምምላኡ፡ ነተን መሰረታዊ ሰለስተ ዓንድታት መንግስትነትውን፡ ማለት ንሓጋጊ ኣካል፡ ንፈራዲ ኣካል፡ ንፈጻሚ ኣካል ብግቡእ ይፍጽመንን ይሰርሓለንን ስለ ዚነበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብጽፈቱ፡ ብግልጽነቱን ብስልጡንነቱን ካብተን ሽዑ ቅድሚኡ ናይ ነዊሕ ተመኩሮ መንግስትነት ዝነበረን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣጸቢቑ ይበልጽ ከም ዚነበረ'ዩ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚሕብር። ሃገርና ኤርትራውን ኣብቲ ግዜ'ቲ ብትሕተን ልዕለን ቅርጺ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።

 

* * *

 

ኣካይዳን ኣመራርሓን ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፥

እቲ 'ብዘይካኻ እዛ ሃገር ንምምራሕ ዚበቅዕ ሰብ የብላን!' ተባሂሉ ብዕለት 21 ግንቦት 1993 ዓ.ም. ስልጣን ህዝቢ፡ ብዓሻክሩ ዚተመጠወሉ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ድምጺ'ቲ ባዕሉ፡ 'ባይቶ' ኢሉ ዚሰመዮ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሃገርና፡ ብቕድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ 99% ምሉእ ደገፍ፡ ዚለዓለ ተቐባልነት ህዝቢ ኤርትራን ዚረኸበ መራሒ ንሙዃን በቒዑ ነበረ።

ከምቶም ብቕድሚኡ ዚነበሩ መራሕቲ ወይ ገዛእቲ ኤርትራ፡ ብሓውን ዓረርን ተኸቢቡ፡ ብርግሒት ህዝቢ እናተደሰቐን ብጎቦ ዓይኒ እናተራእየን ወይውን ከም መንግስቲ ተድላ ባይሩ ብጸቕጢ ንጉስ ሃይለስሴ እናተጎድአን ኣይኮነን ህዝብን ሃገርን ኪመርሕ ጀሚሩ። ንሱስ ከም ሓደ ኣምላኽ ደኣ ዘዝበሎ ዚኸውንን ዚምእዘዝን ህዝቢ፡ ኣብ ናጻን ሓራን ኤርትራ ቀሲኑ ንኪመርሕ'ዩ ኣብዛ ዓለምና ንማንም መራሒ ዘየጋጠሞ ኣዝዩ ዓቢ ዕድልን ክብርን ኣጋጢሙዎ ኔሩ።

 President Isaias Afewerki

እዚ ብቐሊል ዘይርከብ ዕድል'ዚ ግን ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ክንዲ መገዲ የማን መሪሑ ናብ ቅኑዕ ዚወስዶ፡ ናብ ጸጋም ተኣልዩ፡ ካብ መሳርሕቱ ጀሚሩ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እንስሳ ንታሕቲ ኣሕሲሩ ብምርኣይ፡ ብብድዐ ዘረባታትን ባጫታትን እናዘለፈ፡ ከም ዊንታ ህዝብን ሃገርን ዘይኮነስ ከም ውልቃዊ ዊንታኡ ብምኻድ፡ መን ኢኻ ዚብሎ ዘይብሉ፡ ዕሉል ደማሒ (መላኺ) ብምዃን፡ በቲ ዚተዋህቦ ስልጣን ልዕሊ ዓቐን ሰኸረ።

 

እቶም' እንተ ብግርህነቶም እንተ ብሕምቀቶም 'ንስኻ ምርሓና'ምበር ካልእ መን ኪመርሓና!' ኢሎም ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጒሪ ርእሱ ስልጣን ህዝቢ ብኢደ ወነኖም ዘሰከሙዎ መጋድልቱውን ነቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዚሓንጸጹዎ ሃገር እትምርሓሉ፡ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ብሉጽ ቻርተር ብምትግባር፡ ብቕዋም እትምራሕ ሃገር ምምስራት ዘአንፍት ዝኾነ ይኹን ቅርዑይ ዓይነት ኣካይዳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ነዚ ዚስዕብ ብ 16 ለካቲት 1994 ዓ.ም. ኣብ ናቕፋ ዚወጸ ቻርተር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከዘኻኽርዎ ፈተኑ፥

 

'ተሓታትነት ንህላወን ቀጻልነትን ምዕባለ፡ ሓላፍነታዊ ኣመራርሓ ወሳኒ ባእታ'ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓላፊ፡ ባዕሉ ናይ ዚፍጽሞ ይኹን ኣብቲ ንሱ ዚመርሖ ክፍሊ ናይ ዚርአ ጉድለት ሓላፍነት ኪስከም ኣለዎ። ከከም ደረጃ ናይቲ ጉድለት ድማ ስጉምቲ ማለት ነቐፌታ ምቕባል፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቕሬታ ምሕታት፡ ካብ ስልጣንካ ምውራድ፡ ወዘተ. ዚኣመሰሉ ስጉምታት ኪወስድ ይግብኦ። ነዚ ክውን ዘገብር ሕጊ ኣብ ሃገር ግድን ኪህሉ ኣለዎ። መሪሕነት ግቡእን ሓላፍነትን'ምበር ውርሻ ኪኸውን ኣይግባእን! ሓደ ሰብ ንመሪሕነት ዚምረጸሉ ግዜ ብቕዋም ኪውሰን ኣለዎ! ወዘተ.።' ብምባል ገለ ክፋል ካብቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዚጸደቐ ውድባዊ ቻርተር ኣዘኻኸሩዎ።

ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ኣንጻር ውጥናቱን ትምኒቱን ዚኸይድ ሕቶ፡ ንዚተፈላለዩ ሰበ ስልጣናቱ ብምድስካልን ቦታ ብምቅይያርን ኣፎም ኪዓጹ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። በቲ ዘይተጸበዩዎ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ኢሳያስ ድንግርግር ዚበሉ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ከኣ ኩነታቱ ሞት ሕጹይ ኮይኑዎም፡ መምስ ነብሶም ካብ ምዕርምራምን ምጥዓስን ሓሊፎም ምንም ኪገብሩ ኣይከኣሉን። ግዜ እናወሰደን ኩነታት እናበኣሰን ምስ ከደ ድማ ገለ ነገር ኪገብሩ ወሰኑ።

 

እቲ ነካስን ቂመኛን ክልተ ዚቘርበቱ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ግን ነዚ ብምግንዛብ፡ ንይምሰልን ግዜ ንምሽማትን ድሕሪ ገለ ግዝያት ሃገራዊ ቅዋም ንኺንደፍ ተሰማምዐ። ህዝቢውን ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ዚገጥሞ ዚነበረ ዘይውርዙይን ዘይጥቁውን ምሕደራዊ ኣገልግሎታት፡ ካብ ሓልዮትን ቅንዕናን ተበጊሱ፡ 'ኣይ ወሪዱዎም ደቅና! ኣብ በረኻ ኣብ ምትኳስ ዓረር ዚነበሩ፡ ምሕደራን ኣተኣላልያ ህዝብን ሃገርን ኣበይ ተመኲሮሞ! ወተሃደራት እንድዮም! ደሓን ዕድል ጥራይ ንሃቦም እምበር ከምቲ ኲናት ብተመኩሮ ዚመለኹዎ፡ ሃገር ምምራሕውን ቀስ ኢሎም ኪመልኩዎ እዮም!' ብምባል ንግዕዙይ ኣሰርራርሖኦምን ዘይውርዙይ ኣቀባብላኦምን ከመኽንየሎም ጀመረ። እዚ ከኣ ውርዝናን ልቦናን ክቡር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ ዘንጸባርቕ።

ምስኪናይ ህዝቢ፡ ጽፉፍ ምሕደራ ከምቲ ብዙሓት የዋሃት ዚብሉዎ ብዘይድሌትን ቆራጽ ተበግሶን ብግዜ ምንዋሕን ተመኩሮን ጥራይ ዚርከብ ስለ ዚመሰሎ፡ ነቲ ፈሊጡ ዚደቀሰ ደማሕን ስርዓቱን ኪጽበ፡ ኣብ ምሉእ ታሪኹ ርእዩዎ ናብ ዘይፈልጥ ደልሃመት ባርነት ኣትዩ ይርከብ። ከምቲ ሓደ ካብቶም ብስም መንካዕ ዚቐንጸሎም ገዳይም ተጋደልቲ ኤርትራ፡ 'ንስኻ ክሳዕ ኣብ ስልጣን ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ ኪደሚ ኪነብር'ዩ!' ዚበሎ፣ ንሕናውን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘሎ፡ ዋላ ካብ ሰማያት ኤርትራ ማና ይፍሰስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ምዕባለን ዕብየትን ከምዘይመጽእ 100% ርጉጽ ምዃኑ ክንዛረብ ንኽእል። ምኽንያቱ፡ ራህዋን ቅሳነትን ኣብ ኤርትራ ንኸይትግበር ዚዕንቅጽ ምልኪ'ምበር ንምዕባለ ዚድርኽ ሓይልን ገንዘብን ስለ ዘይተሳእነ!

 

ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ንሓንቲ ዘይትጠቅም ጉዳይ ንምስላጥ፡ ካብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ናብቲ ካልእ ቤት ጽሕፈት ኮለልን ኣብ ሪጋ ተገቲርካ ምውዓልን ልሙድን ንቡርን እናኾነ ስለ ዚመጸ፣ ጉዳይካ መንን ብመንን ከም ዚሳለጥ ኣብዘይትፈልጠሉን ኣብዘይትታኣማመነሉን ደረጃውን ስለ ዚተበጽሐ 'ትሰልጠኒዶ ትኸውን?' ኢልካ ምሽቓልን ምሽቑራርን ንቡር ተርእዮ ኮነ። ነዚ ዚተዓዘቡ ገለ ተመኩሮ ዚነበሮም ኣመሓደርትን ምሁራት ኤርትራውያን፡ ሞያዊ ሓገዞም ከበርክቱ እንተሓተቱ፡ 'ኣበይ ዚነበርኩም ኢኹም ንስኻትኩም ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይ ኪትዋራዘዩ ትፍትኑ!' ተባሂሎም ብጭጉራፍ ቃላትን ዘለፉን ኢሳያስ ተገጸቡ።

 

በቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዩዎ ተወፋይነትን ጅግንነትን ኲናት ኣዝዩ ሰኺሩ፡ ብትዕቢት መኣዝኑ ዘጥፍአ መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ በርጌሳውን ወተሃደራውን ምሕደራኡ መመሊሱ ፍጹም ኣደብ እናተሳእኖ ከደ! ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ፡ ኣብ መንጎ'ቲ ባዕላቶም ስልጣን ጠቕሊሎም ዘሰከሙዎ ዘላምን (ረጋጽን ጨቋንን) ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ መንጐ'ቲ ሓሳረ መከራኡ ዚርኢ ዚነበረ ውጹዕ ህዝቦምን ተቐርቂሮም ተዋጠሩ! ካብዚ መዋጥር'ዚ ንምንጋፍ ከኣ ካብቲ ካብ ፈለማኡ ዘይተማሓዘዉዎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃንደበታዊ ደገፍ ንኺረኽቡ ሓደ ነገር ኪፍትኑ ወሰኑ።

 

ኣብ 3ይ ክፋል ይቕጽል...


ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/10/2016



Share with friends፡-


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-