snitna.com

30/11/2016 12:38 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

ሻውዓይ ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! "ሰባት ከምቲ ክኾኑዎ ዝነበሮም ብዘይምዃኖም ኣይትሕረቕ፤ ምኽንያቱ፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ከምቲ ትደልዮ ስለ ዘይትኸውን!
ሰብ ብያታ፡ እኽሊ ብገበታ!
ሰብ ንሰብ ይሓምዮ፡ ናይ ባዕሉ ስለ ዘይርእዮ!
ሰብ ኣሓ ይሃድሙ፡ ሰብ ቈራብቲ ይዋግኡ!"

እቶም "ሓንቲ ኤርትራ" ብዚብል ኣርእስቲ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣዳልዮም፡ ንህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታን ምኽርን ዚልግሱ ዚነበሩ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ድሕሪ ሸውዓተ ግዜ ናይ ቅትለት ፈተነ፡ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ወጻኢ ኪገሹ ንዚሓተቱዎ ፍቓድ፡ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ፡ እንደራሴ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣንዳርጋቸው መሳይን ምክትሉ ቢተወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ምውጻእ ከም ዚኸልከልሉዎም ደራሲ ኣለም ሰገድ ተስፋይ ኣብታ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" እትብል ናይ ታሪኽ መጽሓፉ ገሊጹዎ'ሎ።

ድሒሩ ግን ብንጹር ብዘይተፈልጠ ምኽንያት፡ ንሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ንደገ ንኺወጹ ፍቓድ ተዋሂቡዎምስ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1953 ዓ.ም. ብኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣቢሎም ከም ዚተሰደዱ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ናብ ስደት ኪኸዱ እንከለዉ፡ ሳንጣኦም ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብጽኑዕ ኪፍተሽን ሓደ ብደጃዝማች ተድላ ባይሩ ዚተላእኩ፡ ገብረኣምላኽ ሃይለ ዚተባህሉ ሰብ ይዕዘቡዎም ከም ዚነበሩን ምስ ኣስተውዓሉ፡ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ናብ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ናብ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ዚቐንዐ መልእኽቲ ንምትሕላፍ፡ ከምዚ ኪብሉ ንበይኖም ተዛረቡ፥

'ኣነ ዕድመ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፓስፖርት ተዋሂቡኒ ብግቡእ ካብ ሃገረይ እወጽእ ኣለኹ፣ ድሕሪ ቊሩብ እዋን ግን ፓስፖርት ዘይብሉ፡ ተሓቢኡ ካብ ሃገሩ ዚወጽእ ሰብ ኪህሉ'ዩ!' ብምባል ትንቢታዊ ቃሎም ከም ዚሃቡ ይዝንቶ። ድሕሪ'ዚ ኹሉ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ብሰላም ናብ ነፋሪት ምስ ተሰቐሉ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም፡ ኣብ ምስትንታን ኣተዉ'ሞ፤ 'ካብ ሞት ስለ ዝደሓንኩ ሓደ ሰነፍ ዚኾነ ሓርነት ይስምዓኒ ኣሎ!' በሉ ብልቦም።

ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ካብቲ ብ 15 ነሓሰ 1951 ዓ.ም. ኣብ ፊት ሲነማ ኢምፔሮ ዚተፈተነሎም፡ ሻድሻይ ናይ ቅትለት ፈተነ ንስክላ ምስ ደሓኑ፡ ንጽባሒቱ ኣብታ ንሶም ዘዳለዉዋ ዚነበሩ ጋዜጣ፡ 'ሓንቲ ኤርትራ' ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ዚጸሓፉዎ ጽሑፍ ዘከሩ።

'ኣነ ብዘይካ ናይ ደቂ ኤርትራ ሓርነትን ጒይትነትን ብቑልጡፍ ምርኣይስ ካልእ ሃረርታን ዕላማን የብለይን! እታ ሃገር ኣቦታተይን ሃገረይን ብናጽነት ንኽትነብር፡ ብደሞክራሲ ኣጋባብ ከኣ ንኽትመሓደር፡ መሰታ እተን ዓበይትን ውርያትን ሃገራት ዓለምውን ክትከውን፡ ወርትግ ሃረር ምባል፡ ካባይ ኪፍለ ዘይክእል፡ ባህርያዊ ናፍቖት እዩ'ሞ ሓደ'ኳ ካብዚ ከምዚ ዚበለ ጸሎትን ሃረርታን ኪፈልየኒ ዚኽእል ኣካል የለን!

ክሳዕ ሎሚ ንዝኾነ ይኹን ንባዕዳዊ ገዛኢ፡ ንስልጣን ይኹን ንውልቃዊ ረብሓ ኣገልጊለን ተላኢኸን ኣይፈልጥን! ንባርነት ዘበለ ኩሉ ጸላኢኡ'የ! ዝኾነ ይኹን ሕብሩን መልክዑን ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣርዑት ባርነት ንምቚራን ኪግድደኒ ኣይክእልን'ዩ! ዝኾነ ይኹን ወገን ወይ ውልቀ ሰብ ዘይመሰለካን ዘይተሰምዓካን ነገር ግበር ኢሉ ንምቕታለይ ድፍረት እንተ ኣሕደረ ከኣ ኣነ ስለ ፖለቲካዊ እምነተይ፡ ስለ ናጽነት ሃገረይን ስለ ኡነተኛ ጥቕሚ ህዝበይን ንሙማት ትብዓት ኣሕዲረ ኣለኹ!' ኢሎም ኣብቲ እዋን ዚጸሓፉዎ ጽሑፍ ብምዝካር ኣስተንተኑ።

'ዝስምዓኒ ዘሎ ሓርነት፡ ሓርነት ኣይኮነን። ከመይሲ፡ ህይወተይ ምእንቲ ከድሕን'የ ንህዝበይን ንሃገረይን ጠሊመ ዝስደድድ ዘለኹ! ቃለይ ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን ሞት ኪመውት'ዩ ኔሩ፤ ግን ቃለይ ዓጺፈ፡ ህዝበይ ጠሊመ ካብ ሞት ይሃድም ኣለኹ!' ብምባልው ንነብሶም ከም ዚወቐሱ ይፍለጥ።

ብዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኣበራሽ እውን ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኪስደዱ ከለዉ፡ ከምዚ ኢሎም ከም ዚተላበውወን ይገልጻ፥ 'ኣጆኺ በርትዒ! ደቅና ብትምህርቶም ከም ዚነፍዑ ግበሪ! ንኤርትራ ከም ዚፈትዉን ቋንቋኦም ከም ዚፈልጡን ጌርኪ ኣዕብይዮም! ናይ መኣዲ ስነ ስርዓትውን መሃርዮም!' ብምባል ብናፍቖት ከም ዚተሳናበቱወን ይገልጻ። እቶም ብ 27 ሚያዝያ 1905 ዓ.ም. ኣብ ዓዶም፡ ዓዲ ዛርና ላዕላይ፡ ከባቢ መንደፈራ ዚተወልዱ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ብዕለት 15 ግንቦት 1995 ዓ.ም. ዓሪፎም፡ ብክብ ዚበለ ክብሪ ህዝቢ ኣብ ሃገሮም ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ከም ዚለበሱ ይፍለጥ።

*   *   *

ከምቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ኣብ ልዕሊ'ተን መከራን ቃንዛን ህዝቢ ዘቃልሓ ዝነበራ ጋዜጣትት ብሕቲ ዚግበር ዚነበረ ጸቕጥን ዓፈናን፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ካብኡ ብዝብኣስ ጸቕጥን ዓፈናን፡ ከምኡውን ጭውያን መቕዘፍትን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ከም ዚተፈጸመን ገና ይፍጸም ከም ዘሎን ንኹሉ ብሩህ'ዩ። እዚ ዓቢ ግህሰት መሰል ህዝብን ሃገርን እዚ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ፡ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ቅቡል ኪኸውን ኣይክእልን!

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ንሓደ ጋዜጠኛ፡ ማለት ንሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ሸውዓተ ግዜ ብዘይተፈልጡ ሰባት ናይ ቅትለት ፈተነ ከም ዚተኻየደሎም ብታሪኽ ፈሊጥና ኣለና! ኣብ ግዜ ናጽነት ግን ንልዕሊ 10 ጋዜጠኛታት ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ማሕዩር ቅንጸላ ከም ዚተገብረሎም ብኣዒንትና ርኢና ኣለና! ኣብ ግዜ ፈደረሽን ጋዜጣኛ ይኹን ህዝቢ ኣንጻር መንግስቲ ኮነ ኣንጻር ሰበ ስልጣናት ዓው ኢሉ ዚመስሎ ርእይቶ ኮነ ሓሳባት ኪገልጽ ይፈርሕን ይርዕድን ኣይነበረን፤ ኣብ ግዜ ናጽነት ግን ኣይኮነንዶ ንኺትዛረቦስ ንኺትሓስቦውን ዘፍርሕ'ዩ!

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ወናኒ ሃገሩ ኣይነበረን! ወናኒ ነብሱ ግን ኔሩ'ዩ! ድሕሪ ናጽነት ግን ወናኒ ሃገሩን ወናኒ ነብሱን ኣይኮነን! ኣብ ግዜ ኢሳያስ ንነብሱ ከም ድላዩ ዚገብራን ኣብ ሃገሩ ከም ድላዩ ዚነብርን ኤርትራዊ ዜጋ የለን! ኤርትራን ኤርትራውያንን ኩላቶም ናይ ህግደፍ'ዮም! ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ዋላ ብገዛእቱ ከይተረፈ ክቡርን ሕፉርን ህዝቢ'ዩ ኔሩ! ድሕሪ ናጽነት ግን እቲ ካብ ዓለም ዚሓሰረ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ!

ቅድሚ ናጽነት፡ ግህሰት መሰልን ክብርን፣ ጽምእን ጥምየትን፣ ክብርን ዋጋታትን ስእነትን፣ መጭወይትን ማእሰርትን፣ ቀይድን ስደትን 50% እንተኔሩ? ድሕሪ ናጽነት ግን 100% ኮይኑ ኣሎ! እቲ ነዚ ኹሉ ሓሳረ መከራ መግዛእቲ፡ ስውኣት ደቁ ኣብ ስንጭሮታት ቀቢሩ፡ ኣብ ግንቦት 1991 ዓ.ም. መስተርሆት ዚረኸበ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ድሌቱን ትጽቢቱን ዚነበረ፡ ነቲ ኣብ ናቕፋ ብዕለት 16 ጥቅምቲ 1994 ዓ.ም. ብደቀባት ሃገራውያን ዚተነድፈ፡ ብቑዕ መሳልል ዕብየትን ብልጽግናን ዚኾነ ሃገራዊ መርሓ፡ ኣብ ግብሪ ኪውዕ'ዩ ኔሩ፤ እንተኾነ ግን ደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቶም ንመርሓ ሃገራዊ ቻርተር ዚነደፉ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ቀይዱ፡ ንሓገራኦም (ንራኢኦም) ፍረ ኣልቦ ጌሩዎ'ሎ! ናይዚ ኹሉ ጥልመት ውጽኢት ከኣ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንርእዮ ዘለና ሓሰራ መከራን ስደትን'ዩ!


ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ዕላማታት ሃገራዊ ቻርተር 1994 ነዚ ዚስዕብ ይመስል፡-

ሃገራዊ ቻርተር 1994 1. ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፍነት ብዝንደፍን ዝጸድቕን ሃገራዊ ቅዋም፡ መሰራታዊ ሰብኣዊ ምሰላት ዘኽበር፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላቱ ኣብ ሓደሕዱ ዚቈጻጸርን ዚመዛዘንን፡ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ዘስፍን፡ ንሓድነትን ምዕባሌን ህዝቢ ኤርትራ ዚድርኽ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፣

2. ብመሰረት ቅዋም፡ ንምህናጽ ሃገር ዘቀላጥፍ ሃገራዊ ሓድነት ዘዉሕስ፡ ንቁጠባዊ ማሕበራዉን ምዕባሌን ምቹእ ባይታ ዚፈጥር፡ ኣብ ሰፊሕ ማሕበራዊ መሰረት፡ ከተማን ገጥርን ዚተሃነጸ፡ ንኹሎም ማሕበርዊ ጉጀለታት ክፉትን ኣሳታፍን ዝተመጣጠነ ምዕባሌ ዘርጋግጽ፡ መሰል ዜጋታቱ ዘኽብር፡ ካብ ብልሽዉና ናጻ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ረብሓ ዘቀድም፡ ሃገራዊ ናጽነት ዚሕሉ፡ ሃገራዊ ሓበራዊ መረዳእታ ዘማዕብል፡ ኣብኡ ዚተሰረተን ሓያል ሃገራዊ መንግስትን ሓያል ሕብረተሰብን ምህናጽ፣

3. ብመሰረት ቅዋም፡ ናይ እምነት፡ ጋዜጣን ጽሑፋትን፡ ርእይቶ፡ ፖለቲካዊ ምዉዳብ፡ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባን ምክያድ ዘፍቅድ፡ ሓበሬታ፡ ስራሕን ትምህርትን፡ ካብ ፍርሕን ግፍዕን ሓራ ምዃን፡ ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ፡ መሰረታዊ ሰብኣዉን ፖለቲካዉን መሰላት ንኺኽበርን ንኺምዕብልን ምቅላስ፣

4. እቲ ፖለቲካዊ ሰርዓት ፡ ሃገራዊ ዉህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ፡ ንኹሉ ትሕተ-ሃገራዊ ዉህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ፡ ንኹሉ ትሕተ-ሃገራዊ ዝምባሌታት ዚነጽግን ዘዳኽምን፡ ሃገርዊ ትካላት ዘማዕብል፡ ሃገራዉነት ዕላማዉን መሰረት ኩሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ትካላትን ምዃኑ ዘዉሕስ፡ ኣብ መትከል ምሉእን ምዕቡልን ሃገራውነት ዚተመስረተ ምዃኑ ምርግጋጽ፣

5. እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ኣብ ህዝቢ ዚተሰረተ፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ምውሳን ጉዳያት ከባቢኡን ሃገሩን ዘረጋግጽ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዚተሓንጸጸ፡ ብመትከላት ዘይምምእካል፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነት፡ ግሉጽነት፡ ምጽውዋር፡ ተሓታትነት፡ ዚመርሕ መሰረታዊ ናይ ፖለቲካ ምውዳብን ርእይቶ ምግላጽን መሰላት ዘኽብር፡ ደሞክርያስያውን ብዙሓውን ኣሳታፍን ምዃኑ ምርግጋጽ፣

6. እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ሃገራዉን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ብሕጊ ዚዋስኡሉን ኣብ ሕድሕደን ብሰላማውን ደሞክርያስያውን መገዲ ዚወዳደሩሉን ብዙሕ ሰልፋዊ ስርዓት ከም ዚኸውን ምግባር፣

7. ናጻን ሓያልን ፍርዳዊ ኣካል፡ ዚተፈላለዩ ህዝባዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ዚሓቈፈ፡ ንቑሕ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ ናጻን እሙንን፡ ነቐፈታውን ሓላፍነታውን ማዕከናት ዜና፡ ካልኦት ደሞክርስያዊ ትካላት ንኺምስረቱን ንኪምዕብሉን ምቅላስ'ዩ።' ብምባል ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዘጐምጁ መብጽዓታት ሒዙ'ዩ ተጓሒፉ ዘሎ!

እምበኣር፡ እቲ ሕመረት መትከላዊ ዕላማ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሒን (ህግደፍ) ዝኾነ፡ ኣብ ጉባኤኡ ናቕፋ ዘጸደቖ ሃገራዊ ቻርተር ካብ ተጓሕፈ፡ እቲ ሓጋጊን ፈጻሚን ኣካላቱ ድማ ከም ዚድስክልን ከም ዚበታተነን ካብ ተገብረ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምሕደራ፡ ብስም ህግደፍ’ን ህዝባዊ ግንባርን እናሸቀጠ፡ ህዝቢ ኣደናጊሩ፡ መንእሰያትና ዚድህኽን ዘጽንትን ናይ ውሑዳን ሰብ ረብሓ ጉጅለ ምዃኑ ብግብሪ ዘመስከረ መጥፍእ ህዝብን ሃገርን'ዩ!

*   *   *

ኣብ 8ይ ክፋል ይቕጽል...

ጉጅለ ህግደፍ: ማርሻ ድሕሪት'ምበር ማርሻ ቅድሚት የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 30/11/2016



Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-