ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 22 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

21/08/2017 00:15 AM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 22 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 22 ክፋል

 

ንዑቕ ይንዕቐካ፡ ሃዛም ይስሕቐካ ከይትቕድሞ ኢሉ!
ንዓሻ መዓልቲ ኣንዋሕካሉ፡ ዕብዳን ወሰኽካሉ!
ንዓሻ እንተ መዓድካዮ ኣብ ልማዱ፡ ንኣድጊ እንተ ሓጸብካዮ ናብ ሓመዱ!
ንዛግራ፡ ስጋ እንተደሊኻ ሕረዳ፡ ጉያ እንተደሊኻ ስደዳ!
ንድሙ መጻወቲታ፡ ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ!

መበል 22 ክፋል፥

‘ንዮሴፍ ኣሕዋቱ’ዮም ናብ ጓኖት ንግብጺ ሸይጠሞ፡ ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ናብ ሃገሮም መሊሱዎም፤ ኣነውን ነዛ ምኒሊክ ናብ ጣልያን ዝሸጣ ኤርትራ ከም ሙሴ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ኣደኣ ኢትዮጵያ ክመልሳ’የ።’ ቃል ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል።

እቶም ካብ ዕለት 29/04/1952 ዓ.ም. ክሳዕ 28/08/1955 ዓ.ም. ቀዳማይ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም፡ ንሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ዘገልገሉ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ፡ ብዕለት 28/08/1955 ዓ.ም ካብ ስልጣኖም ተኣልዩ’ሞ ብሕርያ ኢትዮጵያ ብደጃዝማች ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ተተክኡ። ኣስፍሃ ኣብቲ 8 ነሓሰ 1955 ዓ.ም. ዝተገብረ ምርጫ ባይቶ ኤርትራ፡ ብ48 ደገፍ፡ ብ17 ተቓውሞን ብ2 ድምጺ ድማ ተዓቅቦን መራሒ መንግስቲ ንኺኾኑ ተመርጹ።

ብድሕሪ’ዚ ከኣ ኤርትራ ብኡ ንብኡ ካብ ሃገር ናብ መበል 14 ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ ስለ ዝተቐየረት፡ ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል መራሒ መንግስቲ ሃገረ ኤርትራ ዘይኮኑስ መራሒ መንግስቲ ክፍሊ ሃገር ኤርትራ ኮይኖም ተሸይሞም ማለት’ዩ። ኣብዚ ምርጫ’ዚ ሃጸይ ሃይለስላሴ ‘ኤርትራ ደኣ ብኢትዮጵያዊ ኤርትራዊ ዘይኮነስ ብኤርትራዊ ኢትዮጵያዊ ክትምራሕ’ዩ ዝግባእ’ ብምባል፡ ነቶም በቲ ንሃገረ ኢትዮጵያ ዚነበሮም ፍቕሪ ኣብ ዓይኖም ዚኣተዉ ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ መራሒ መንግስቲ ክፍሊ ሃገር ኤርትራ ንኸይኮኑ ርእይቶኦም ሂቦም ነይሮም’ዮም።

እቶም ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ዝዓረፉ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ቅድሚ ብጃንሆይ ደጃዝማችን ቢተወደድን ተባሂሎም ብኽብሪ ምጽውዖም፡ ብኢጣልያዊ ኣማሓዳሪ ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣመድዮ ዱካ ዳውስታ ናይ ፊተውራሪ መዓርግ ተዋሂቦም ነይሮም እዮም።

ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ኣብ 1914 ዓ.ም. ኣብ ሰገነይቲ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ እዮም ተወሊዶም። ወላዲኦም ኣዝማች ወልደሚካኤል ዘርኦም ኣብ ዓዲ ቀይሕ ከም ቱርጁማን ኮይኖም ይሰርሑ ስለ ዚነበሩ ከኣ ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ እዮም ዓብዮም። ኣብኡ ድማ ኣብ ቤት ትምርቲ ካቶሊክ ክሳብ ሳልስይ ክፍሊ ተማሂሮም።

ኣብቲ እዋን ማለት ኣብ ግዜ ግዝኣት ጣልያን ትምህርቲ ንኤርትራውያን ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ይፍቀድ ስለ ዘይነበረ፡ ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ናይ ራብዓይ ክፍሊ ትምህርቶም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ከረን እዮም ኣብ ጀናዝዮ ዝብሃል ቤት ትምህርቲ ናይ ክህነት ትምህርቲ ቀጺሎም።

ብድሕሪ’ዚ መንግስቲ ጣልያን ኣብ 1934 ዓ.ም. ኣብ ጎንደር-ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ክኸፍት ስለ ዝመደበ፡ ኣብኡ ከም ተርጓምን መምህር ቋንቋ ጣልያንን ንኺሰርሑ ተመዘዙ። ድሕሪ’ዚ ጣልያን ኣብ 1935 ዓ.ም. ንኢትዮጵያ ወሪሮም ምስ ሓዙዋ፡ ኣብ 1936 ዓ.ም. ከኣ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ቋንቋ ጣልያን ንኺትርጉሙ፡ ኣብ መበል 22 ዕድመኦም ናብ ሮማ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ተላእኩ።

ኣብ 1937 ዓ.ም. ኣብርሃ ደቦጭን መጐስ ኣስገዶምን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ጀጋኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኣማሓዳሪ ኢትዮጵያ ዚነበረ ኢጣልያዊ፡ ማርሻል ግራዝያኒ ናይ ቅትለት ፈተነ ስለ ዘካየዱ፡ መንግስቲ ኢጣልያ በዚ ኣሳቢቡ፡ 500 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣሲሩ፡ ኣብ ደሴት ሳርዲያ ዝርከብ ኣዚናራ ዝብሃል ደሴት ሓየሮም። ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ምስዞም እሱራት ንምዝርራብ ተርጓሚ ስለ ዘድልዮም ከኣ ንፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ኣስተርጓሚ ገይሮም መዘዙዎም።

ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ እቲ ሻቡ ምስቶም ዓበይትን ጀጋኑን ኢትዮጵያውያን እሱራት ዚገበሩዎ ርክብን እቶም እሱራት ዘርእዩዎ ዝነበሩ ጽንዓትን ጅግንነትን ኣዝዩ ከም ዚማረኾም’ዮም ዚገልጹ። እቲ ቈራጽነት እቲ ከኣ ሓያል ፍቕሪ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ከም ዘሕደረሎምውን ኣይሓብኡን።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ድማ’ዮም ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ንሓደ ደጃዝማች ወሰና ዚተባህለ ኦሮሞታይ እሱር ኣሰኒዮም እንደገና ናብ ኢጣልያ ብምኻድ፡ ቃል እቲ እሱር ኪትርጉሙ ኣብ ቅድሚ በኒቶ ሙሶሊኒ ዚቐረቡ። በዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሙሶሊኒ ካብ ዝቐረቡ ኤርትራውያን፡ ብድሕሪ ደጃዝማች ወልደዮውሃንስ ገብረእግዚእ ንሶም ካልኣይ ኮይኖም ማለት’ዩ! ኣስፍሃ ናይ ተርጓምነት ስራሖም ኣሳሊጦም፡ ካብ ኢጣልያ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሱ፡ እቲ ኣሰንዮሞ ዚተመልሱ’ሞ ነቲ ብቕድሚኡ ንኢትዮጵያ ዘመሓድር ዚነበረ ጨካን ግራዝያኒ ዚትክአ ኣማሓዳሪ ኣመድዮ ዱካ ዳውስታ ዚተባህለ ኢጣልያዊ እዩ ናይ ፊተውራሪ መዓርግ ሂቡዎም።

ኣብ መወዳእታ ኢጣልያ ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤርትራን ብሓይልታት እንግሊዝ ተሳዒራ ምስ ወጸት፡ እቶም ብመንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ደሴት ሳርዲያ ተሓይሮም ዝነበሩ’ሞ ብኣስተርጓምነት ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ቃሎም ዝህቡ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም፡ ኣብ መንግስቲ ጃንሆይ ስልጣን ምስ ሓዙ፡ ንፊተውራሪ ኣስፍሃ ጸዊዖም፡ ኣብ ቅድሚ ጃንሆይ ብምቕራብ፡ ውዕለቶም ብዝርዝር ኣዘንተዉሎም’ሞ ሃጸይ ሃይለስላሴ ከኣ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ‘ኣስፍሃ ደኣ ኢትዮጵያዊ ኤርትራዊ እምበር ኤርትራዊ ኢትዮጵያዊ ዘይነ!’ ብምባል ማዕረ’ቶም ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ልዑል ስልጣን ሃቡዎም። ደጃዝማች እውን ተባህሉ።

ጃንሆይ ኣብ 1952 ዓ.ም. ንደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ‘እግዚኣቢሄር ብዝሃበኒ ሰብ’የ ዝሰርሕ’ምበር ሕጂዶ ኣነ ሰብ ሰሪሐ!’ ብምባል፡ ምክትል እንደራሴኦም ገይሮም ናብታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ሃገሮም ኤርትራ መለሱዎም። ድሕሪ’ዚ ድማ ዋና ኣሳላጢ ስራሕ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኮኑ። ደጃዝማች ኣስፍሃ ነቲ ብጃንሆይ ዝተዋህቦም ስልጣን፡ ‘ህዝብና ካብ ወዲ ዓዱ ንጓና’ዩ ዝመርጽ’ሞ ኣነ ናብ ኤርትራ ምኻድ ይትረፈኒ!’ ብምባል ክሕሰሙዎ ፈቲኖም ነይሮም’ዮም፡ ትእዛዝ ንጉስ ስለ ዝኾኖም ግን ተቐቢሎሞ ደኣ ናብ ኤርትራ መጹ።

‘እቶም ደጊፍና ባዕልና ንኣቦ መንበርነት ማሕበር ኣንድነት ዘምረጽናዮም ደጃዝማች ተድላ ባይሩ፡ ከምቲ ዚተጸበናዮም ኣይኮኑን። ሻቡ እቶም ‘ዓደየ ዓደየ’ ዚብሉ ዚነበሩ ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ንኸይምረጹ’ዩ ዝነበረ ጻዕርና! ‘ምሁር ከሎስ ከመይሉ ሓረስታይ ይምረጽ!?’ ኢልና ኢና ድማ ዘትረፍናዮም።

እቶም መራሒ መንግስቲ ንምዃን ዚበቕዑ ደጃዝማች ተድላ ግን ንዕድሎም ኣይተጠቐሙሉን። በቃ ሰብ ኣይፈልጡ፡ ሰብ ኣይፈልጦም ሕቡእ ኮይኖም! ኣብ መወዳእታ ከኣ እቶም ኣዝዮም ሓያላትን በላሕትን ዝነበሩ ብዓል መልኣከ ዲመጥሮስ ናብ ጃንሆይ ጠሪዖም፡ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዶሞም!’ ብምባል፡ ንመስርሕ ምርጫ ባይቶ ኤርትራ ኣመልኪቶም ንደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብ 1996 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቃሎም ዝሃቡ፡ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል እዮም ነይሮም።

‘እቲ ቀንዲ መዋጽኦ ንህዝቢ ኤርትራ መራሒ ቃል ጃንሆይ ምኽባር’ዩ! ንኤርትራ ክጠቅም ዝኽእል ኩሉ ኣብ ኢድ እዞም ዝተቐደሱ ንጉሰ ነገስትና’ዩ ዘሎ! ንጉስና ‘ሃይማኖት ናይ ግሊ ሃገር ግን ናይ ሓባር!’ ቢሎም ኣለዉ። ብተወሳኺ ንዝሸሙዎም ሰባት ‘ንስኻትኩም ኢኹም ንህዝቢ ተዋሂብኩም ዘለኹም እምበር ህዝቢ ንኣኻትኩም ኣይተዋህበን’ ቢሎም ኣለዉ። እዚ መንስፈስ’ዚ ኣብ ልብና ክሓድር ኣለዎ።

ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ብዘይኣድሉዎን ብዘይ ፍልልይ ኣውራጃንን ወገንን ስለ ዚሰርሑ መጐስን ክብርን ይግብኦም’ዩ እሞ ንሕናውን ኣሰሮም ተኸቲልና ካብ ዝኾነ ድሑር ኣተሓሳስባን ኣድልዎን ናጻ ኴንና ንህዝብና ብቕንዕና ከነግልግል እላቦ?’ ብምባል ኣብ ባይቶ መደረኦም ዝፈለሙ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምልሓቕ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ምስ ነብሶም ቃል ኣተዉ።

እዚ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ተዓጢቐሙሉ ዚነበሩ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምጽንባር መስርሕ ግን ብናቶም ሓይሊ ወይ ጻዕሪ ዘይኮነስ ብስንፍና መራሕቲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፋትና ክንርእዮ ኢና። ስንፍና መራሕቲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣድህቦኦምን ጻዕሮምን ኣብ ስስዐ ስልጣን፡ ኣብ ወገንን ኣብ ሃይማኖትን ምፍልላይ ስለ ዘተኰረ’ዩ ተጋሂዱ።

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይን ካልእን

ኣብ መበል 23 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/08/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):