ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 18 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

13/05/2017 23:55 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 18 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 18 ክፋል   "ነዓቒ ኣይፍቶኻ፡ ደቃሲ ኣይሓሉኻ!
ነገር ከይፈለጥካ ምጒት፡ ገለ ዘይብልካ ትዕቢት!
ነገር ዚወዓሎ ዳኛ ይፈልጥ፡ ኣሓ ዝወፈርኦ ጓሳ ይፈልጥ!
ናትና ኢልናዶ ዘይናትክን ክንህበክን፡ ከም እሾኽ ዳንዴር መትሓዚ ዘይብልክን!
ናይ ተጻዋርነት ባህርያትና ብምዕባይ፡ ንናይ ካልኦት ሰባት ርእይቶን ሓሳባትን ምስ እነኽብር፡ ናይ ገዛእ ርእስና ክብሪ ንሕሉ ኣለና ማለት'ዩ!

መበል 18 ክፋል፥

ብዕለት 3 ነሓሰ 1944 ዓ.ም. ሓደ ስሙ ብግቡእ ዘየነጸረ እንግሊዛዊ ጸሓፊ፡ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ብእንግሊዝ ዚጸሓፋ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ፡ ንጣልያን፡ ንእንግሊዝ ወይውን ንኣመሪካ ክትውሃብ ከም ዘለዋ ዝእምት ጽሑፍ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ናብ ትግርኛ ተርጒሞም ምስ ኣቕረቡዎ፡ ንኣኡ መሰረት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዚነበሩ፡ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪብሉ ጸሓፉ'ሞ፡ ንኣኦም ተኸቲሎም ከኣ ብዓል ደጊያት ኣብርሃ ተሰማን ግራዝማች ተኽለሃይማኖት በዅሩን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርኡይቶኦምን ሓሳቦምን ኣካፊሎም ነበሩ።

'ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ ማለት ንሓደ ጡብ እኖኡ ዚጠቡ ቈልዓ ካብ ኣደኡ ፈሊኻ ምንባሩ መሲሉ'ዩ ዚርአ። ሓደ ሰብ ተኾርምዩ ዚነበረ ኣካሉ እንተዘርግሐ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ምዃኑ ኣይተርፎን'ዩ። ከምኡውን ካብቲ ዋና ኣካሉ ርሕቕ ቢሉ ዚነበረ ናይ ሰውነቱ ክፍሊ፡ እክብ እንተ ኣበሎ ሓደ ሰብ ምዃኑውን ኣይተርፎን'ዩ። ስለዚ፡ ኢትዮጵያ ነታ ኣካላ ዝኾነት ኤርትራ፡ ብርትዒ እንተኣከበት፡ ከም ምስፋሕ ኮይኑ ደኣ ይርአ'ምበር ከም ሓድሽ ግዝኣት ኮይኑ ዚርአ ኣይመስለንን።

ኣብ መታሕት ዚነብሩ ኣሕዋትና፡ ብሃይማኖት እስላም መፋጥርትና'ዮም። ቋንቋኦም ከኣ ዓረብ ዘይኮነስ ትግረ'ዩ። ኤርትራ ከኣ ሽሕ'ኳ ናብ ዓዲ ፈረንጂ ዚለኣኽ ስርናይ እንተዘይኣፍረየት፡ ሃገር ዘቕንዑ፡ ብኣጆኻ ጥራይ ደሞም ዘፍስሱ ቊጽሪ ዘይብሎም ጀጋኑ ትወልድን ተውፍርን ከም ዝነበረት ግን ክርሳዕ ኣይግባእን። ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብድምጺ ኩሉ ኤርትራዊ'ዩ ኪውሰን ዘለዎ' ብምባል ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ሓሳቦም ደምደሙ።

'ጭዋን ካህንን ብቓልን ብግብርን ምስ ኢጣልያውያን ኴንና፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ገጢምና ዘሕመቕናያ ደቂ ኤርትራ ኢና! በዚ ምኽንያት ድማ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ቂም ኣሕዲሮም'ዮም እሞ ብሰላም ኣይከንብሩናን'ዮም! ካብዚ ዚገደደ ግን ነቲ ኢጣልያ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ግዛኣታ ግዜ ዝሰራሓትሎም ትሕተ ቅርጺ፡ ኣብ ክንዲ ዚዕቅቡዎ ስለ ዘብረሱዎ ንኤርትራ ከማሓድሩውን ኣይክእሉን'ዮም።

ስለዚ፡ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን እቲ ኪኸውን ዘለዎን ከየስተውዓልካ፡ 'ንተሓወስ፡ ንተሓወስ' ብምባል፡ ሃገር ዘናብሩ መኮንናት ኣምሓራ ከም ዚመጹና ዘይተርፍ ነገር'ዩ እሞ ተመሊስና ናብ ዕግርግርን ናብ መርገምን ክንኣቱ ኢና! ከምቲ፡ "ኣታ ትማሊ ጾምካ ዚሓደርካ ጋሻ ሎሚውን ከም ትማሊኻ" ዚተባህለ ኪኾነና'ዩ። ምኽንያቱ፡ ትማሊ ቋንቋና ብዘይፈልጡ ስለ ዚተገዛእና ብትርጁማን ንነብር ኔርና፣ ሎሚውንዶ ቋንቋና ብዘይዛረቡ ኣምሓራ ብትርጁማንዶ ክንግዛእ ስለ ዚደለና ዲና 'ንሕበር' ንብል ዘለና!? "ኣሳኣንካን ይመስላ ኣብ ኣግርኻን ነይኣትዋ" ዚብሃል ናይ ኣቦታትና ምስላ ኣሎ። ስለዚ፡ ዓቕምናን ዘዋጻኣናን ንፍለጥ።

ምስ ካልእ ሃገር ምጽንባር እንተደኣ ኣድሊዩና ከኣ ምስታ ከብቲ፡ እኽሊ፡ ጠስሚ፡ መዓር፡ ቆርበት፡ ወዘተ. ኪትልውጠና እትኽእል ትግራይ ጥራይ ክንጽንበር ኣለና። በዚ መሰረት ከኣ መንግስቲ ትግራይ ትግርኚ መስሪትና፡ ብሓደ ክንነብር ንኽእል ኢና' ኢሎም ዚጸሓፉ ከኣ ደጊያት ኣብርሃ ተሰማ እዮም ነይሮም።

ንደጊያት ኣብርሃ 'ትግራይ ትግርኚ' ዚብል ኣምር ኪመጾም ዚኸኣለ፡ በቲ ኣብ 1935 ዓ.ም. ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ወሪራ ምስ ሓዘታ፡ ንትግራይን ንኤርትራን ኣብ ሓደ ብምጥማር፡ ብኣስመራ ከም ዝማሓደራ ብምግባራን፡ ኣብ 1943 ዓ.ም. ድማ ኣብ ትግራይ ብብላታ ሃይለማርያም ረዳ ዚምራሕ ናይ ወያነ ትግራይ ምንቅስቓስ ንኤርትራ ብምጽላውን ከም ዚኾነ'ዩ ዚንገር። በቲ ሓደ ሸነኽውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድንጋር ተባሂሉ፡ ማለት ዓይኒ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ትግራይውን ብምቁማት፡ ኣብ ክንዲ ኣጥቃዒት ተኸላኻሊት ንምግባራ ተሓሲቡ ኪኸውን ከም ዚኽእልውን ይዝረብ'ዩ።

'ሓደ ብመንግስቲ ዚተሸመን ብህዝቢ ዚተፈልጠን ዋዕላ ዓደቦ ኪቐውም ኣለዎ። እዚ ዋዕላ'ዚ ከየቖምናን ሓሳባት ናይ ህዝቢ ኣሪኻ እዚ'ዩ ድላይ ህዝቢ ከይበልናን፡ ውልቀ ሰባት ብጋዜጣ ሓሳባትና እንተገለጽናስ እቶም ዘይጸሓፉ ወይ ኪጽሕፉ ዘይከኣሉ ሓሳባቶም መን ይፈልጦ?' ዚበሉ ከኣ ግራዝማች ተኽለሃይማኖት በዅሩ እዮም ነይሮም። እዚ መልእኽቲ ወይ እዚ ዛዕባ'ዚ ከኣ ግዜኡ ክሳዕ ሎሚ ኣይሓለፈን። ሕጂውን ንኤርትራውያን ንሱ'ዩ ዘድልየና ዘሎ። ኢሂን ምሂን ንበሃሃለሉን ልቢ ንልቢ ንወሃሃበሉን ሃገራዊ ዋዕላ ግድን ኪግበር ኣለዎ።

'ኩሉ ግዜ ብዘይምኽሪ፡ በብድላይካ ምጽሓፍ ፍልልይ ከም ዚርከቦ ርጉጽ'ዩ። ድሕሪ ሕጂውን ንኤርትራ ዚጠቅም ብምኽሪ እንተተገብረ'ዩ እምበር በበድላዩ ሰብ እንተጸሓፈ ኣብ ብዙሕ ዓይነትን ኣብ ብዙሕ ክፍልን ከም ዚከፋፈል ፍሉጥ'ዩ። እዚ ከኣ ንኤርትራውያን መንዓቒናን መንቀፊናን'ዩ ዚኸውን። ስለዚ፡ ዓበይትን ለባማትን መሪጽናን መኺርናን ዝሕሸና ንምረጽ። ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት 15 ዚኾኑ ሰባት መሪጽና ነቑም እሞ ሻቡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገርና ንምከር' ዚበሉ ከኣ ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም እዮም ነይሮም።

ካብዚ ኣቐዲሙ ዚተጻሕፈ ርእይቶታት ወለድና እንምሃሮ ነገር ብዙሕ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ድሌት ህዝቢ ብቓልን ብጽሑፉን ሓደ ክልተ ሰባት ኪውሰን ከምዘይክኣልን ከምዘይግብኦን'ዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ እዞም ኣብዚ ሎሚ ታሪኽ ዚድገመሉ ዘሎ እዋን፡ ማለት ሃገርና ኤርትራ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣርብዓታት ብዘይመንግስቲ ኣብ ዘላትሉ ግዜን ህዝባ ብሓሳረ መከራን ብስደትን ኣብ ዚባታተነሉ ዘሎ እዋንን ከምቲ "ንመሸላ ዋላ፡ ንዓደቦ ዋዕላ!" ዚብሃል፡ ኣብ ክንዲ ብውልቂ: ብዓበይትን ብምሁራትን ከምኡውን ብመንእሰያትን ብደቂ ኣንስትዮን ዚተማእከለ፡ ናይ ሓባር ሃገራዊ ጉባኤ ኪዳሎን ብኡ መሰረት ከኣ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ዚግባእ ቃልሲ ከነካይድን: እዋኑ ዚጠልቦ ዘሎ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

ደቂ ሎሚ ኣብ ክንዲ ካብቲ ዘይሰርሐን ኣብ ስምምዕ ዘይኣብጽሐን ውልቀ ክትዕ ወለድና ተማሂርና፡ ካልእ ሓድሽን ዘስርሕን ኣጋባብ ንኽተል፡ ነቲ ብብዙሓት ተቐባልነት ዘይረኸበ ግጉይ ስጉምትን ኣካይዳን ቀዳሞት ወለድና ከም ዘለዎ ብምድጋም፡ ዘይእዋናዊ ኣጀንዳ፡ ማለት ጉዳይ ባንዴራ፡ ቋንቋን ሃይማኖትን ወዘተ. ብምልዓል መኘኽ ምባልና: ኣመና ዘሕፍር ነገር'ዩ! ከምዚ ምስ ተረኽበ ድማ'ዩ "ንዓሻ እንተ መዓድካዮ ኣብ ልማዱ፡ ንኣድጊ እንተ ሓጸብካዮ ናብ ሓመዱ!" ዚተባህለ።

ደመኛና ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ብውሕሉልን ምኩርን ናይ ተንኰል ስልቱ፡ ነዚ ዝነበነረን ዘሎን ዘይምርድዳእናን ዘይምስምማዕናን መዝሚዙ፡ ክሳዕ ግዜ ሕልፈቱ ኪጥቀመሉ'ዩ። ካብዘይ ምስናይናን ካብዘይምፍቕቓርናን ዚኸስብ እንኮ ኣካል ከኣ እቲ ደላይ ክፉእን ሕማቕን ኤርትራውያን ዚኾነ ፈረስ ሰይጣን (ክፉእ ግብሪ) ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራይ እዩ። ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ሓደ ሰብ ከምዚ ገይሩ ኪጻወተልና፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘነውርን'ዩ! ብሰንኪ'ዚ 'ኤርትራውያን ንሓደ ሰብ ምዃን ስለ ዚሰኣንኩምዶ ኣይኮንኩምን ቤትኩምን ሃገርኩምን ራሕሪሕኩም፡ ብጥይት ኣሕዋትኩም እናወደቕኩም ትስደዱ ዘለኹም!' ኢሎም ዚዋራዘዩልናን ዚንዕቑናን ኣካላት ተፈጢሮም ኣለዉ።

ነዚ ቁስሊ'ዚ ፈዊስና፡ ዚጸንሐ ክብርን ሓበንን እንመልስ ከኣ ነዚ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ዘውደቐና መዓተኛ ምስ ውሑዳት መጋበርያታቱ ካብ ሃገርና ኮስቲርና ምስ እንጸርግ ጥራይ እዩ! ሓደ ልቢ (ሕያዋይ፡ ገርሂ፡ ሄር) ምዃን ኣብዚ ዘለናዮ ኣስካሕካሒ ደረጃ ኣውዲቑና'ዩ! ካብ ጌጋና ኪንምሃር ክንክእል ኣለና።

ኣብ መበል 19 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 10/05/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-