ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 17 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/04/2017 21:22 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 17 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 17 ክፋል   ነቕናቒ ከሎ ተማቲ፡ መን ጽሩይ ማይ ኪሰቲ?
ነበረ'ምበር ይነብር ዚብሃል ፍጡር የለን!
ነብሪ ዓይኑ ሓመመ፡ ማሕስእ ክትመርሖ ለመነ!
ነዊሕ ሰብ ወይ ልቢ ይውሕዶ፡ ወይ ስረ ይሓጽሮ!
ነዊሕ ገረብ እንዳማቱ የጽልል፡ ዓሻ ሰብ ዘመዱ የቃልል!

*እዚ ካብ 1ይ ክፋል ዚፈለመ ጽሑፍ'ዚ ንምንታይ ኢና 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ደሚና? ንምንታይከ ድሕሪ ናጽነት ሰላምን ርግኣትን ረኺብና፡ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር ዘይከኣልና? ትምኒትናን ባህግናን ረኺብና፡ እፎይ ኢልና ኣብ ቤትና ብሰላም ንኽንነብርከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ወዘተ. ንዚብሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕ ስነ ጽሑፍ፡ ማለት ብመሳልል ቋንቋ (ሰዋስው)፡ ብግቡእ ስርዓተ ነጥቢ ኣጠቓቕማ፡ ብምስላ፡ ብስውያን (ትርጉሙ ኣብ ሓጹር ኣትዩ ዘሎ) ቁንቁኛን ቋንቋ ትግርኛ ማዕሪጉ፡ ብዚተኻእለ መጠን ምሉእ ትምህርትን ኣፍልጦን ዘስንቕ ጽሑፍ ኮይኑ ንኺቐርብ፡ ብዙሕ ዚተጻዕሮ ጽሑፍ'ዩ።

መበል 17 ክፋል፥

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብዕለት 05/05/1941 ዓ.ም. ብዓሰርተው ክልተ ሰባት፡ ማለት ብሽዱሽተ እስላምን ብሽዱሽተ ክርስትያንን ተመስረተት። ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ድማ ቀዳማይ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኮይኖም ተመርጹ። ሸኽ ዓብደል ቃድር ከቢረ ከኣ ምክትል ፕረዚደንት ኮኑ። ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ፈለማ ክትምስረት ከላ፡ 40 ዚኾኑ ኣባላት ከም ዝነበሩዋ ይፍለጥ።

ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ኣብ 1907 ዓ.ም. ኣብ ጸንዓደግለ (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ዚተወልዱን ኣብ ናይ ከረን ጀናዝዮ ቤት ትምርቲ ትምህርቶም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ሱዳንን ኢጣልያን ዚሰልጠኑ፡ ካብቶም ናይቲ ግዜ ፈላጣትን ሰብ ሰፊሕ ተመኵሮን ዚነበሩ ዜጋ እዮም። ብግርህናን ቅንዕናን'ምበር ብኽፍኣትን ብሓሶትን ስለ ዘይፍለጡ ድማ'ዮም ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ከም ፕረዚደንት ኮይኖም ንኺመርሑ ዚተመርጹ።

ሸኽ ዓብደል ቃድር ከቢረ፡ ኣብ 1902 ዓ.ም. ኣብ "ደሴት" እትብሃል ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ እትርከብ ደሴት (ኣውራጃ ሰምሃር) ተወሊዶም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ "ፈርዲናንዶ" ናይ መባእታ ትምህርቲ ዚቐሰሙ፡ ኣብ ምጽዋዕን ኣስመራን ከም ጸሓፋይ፡ ኣብ ሆደይዳ ከኣ ከም ትርጁማን ናይ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ የመን ዘገልገሉ ምሁር ዜጋ ነበሩ። ብሓያል ጻዕሪ ኣባላት እታ ማሕበር ከኣ ኤርትራውያን ደቀባት ክዳነይሉ ዚኽእሉ ናቶም ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከም ዚቐውም ብምግባር፡ ጉዳያቶም ብይግባይ ዚስመዓሉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲውን ብምምሕዳር ኬነዲ ኩክ ከም ዚምስረተሎም ገበሩ።

ምስረታን ዕላማን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ንመሰል ኤርትራውያን ንምጥባቕ'ዩ ነይሩ። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ማሕበር ነቲ መንግስቲ እንግሊዝ ንኹሉ መንግስታዊ ምሕደራን ስራሕን፡ ነቶም ብኲናት ዚሰዓሮም ኢጣልያውያንን ከምኡውን ንዜጋታቱ እንግሊዛውያንን ጥራይ ሓዚኡዎ ስለ ዚነበረ፡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ናይዝን ናይ ካልእን ጥርዓን ኣቕረበት'ሞ ከም ግብረ መልሲ ከኣ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ምምሕዳር ዚሕግዙዎ ሓደ ኤርትራውያን ዚኣባላቱ ቤት ምኽሪ ኣቘመ። በዚ መሰረት ከኣ ንኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ንደግያት ሓሰን ዓሊ፡ ንደግያት ኣብርሃ ተሰማ፡ ንደግያት በየነ በራኺ፡ ብሃገር ደረጃ ንኸማኽሩዎ ሓረዮም።

እታ ከም ብዓል ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ደግያት ሓሰን ዓሊ፡ ሸኽ ዓብደል ቃድር ከቢረ፡ ብላታ ደምሳስ ወልደሚካኤል፡ ሓጂ ኢማም ሙሳ፡ ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ካልኦትን ዚኣመሰሉ ዓበይቲ ሰባት ሓቚፋ፡ ንመሰል ኤርትራውያን ክትጣበቕ ኣብ 1941 ዓ.ም. ብስርዓት ዝቘመት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ብኸመይ ደኣ ደሓር ኣንጻር እቲ ዝተመስረተትሉ ዕላማ፡ ማለት ኣንጻር ድሌትን ባህግን ኤርትራውያን ንምኻድ በቕዐት? ሓርበኛ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን መልሲ ናይዚ ኣሎዎም።

ንኣባላት ሕብረት ካብ ፕረዚደንቶም ጀሚርካ ክሳብ ተራ ኣባላቶም ሓሳቦምን ዕላማኦምን ንኺቕይሩ ዚገበሩዎም፡ መራሒ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ዚነበሩ ኣቡነ ማርቆስ ከም ዚኾኑ'ዮም ዚገልጹ። ሓደ መዓልቲ ይብሉ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ 'ሓደ መዓልቲ ኣቡነ ማርቆስ ቅድሚ'ቲ ናይ ኣኼባ ሰዓት፡ ነቶም ክርስትያን ዘበሉ ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ጸዊዖም ብምዝርራብ፡ እታ ማሕበር ስማ ካብ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር" ናብ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ- ሓንቲ ኢትዮጵያ" ኪቕየር ከም ዚመኸሩዎምን፡ እዚ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ድማ ነቶም ኣመንቲ እስልምና ዚኾኑ ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኪጽንብሩዎም ከም ዚተገብረን፡ በዚ መሰረት ከኣ ሸኽ ዓብደል ቃድር ከቢረ፡ መሓመድ ኣበራ ሓጐስን ኣነን ነዚ ተቓዊምና ካብቲ ኣኼባ ወጺእና ከድና' ይብሉ።

ኣብቲ እዋን ምምሕዳር ብሪጣንያ፡ ነቲ ቅድሚኡ ጣልያን ዘካይዱዎ ዚነበሩ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብምድጋም፡ ንኤርትራውያን ብቑጠባ ይሕግዙ ከም ዚነበሩ ንምምሳል፡ 'ኤርትራ ብቑጠባ ነብሳ ኣይትኽእልን'ያ' ዚብል ናይ ሽርሒ ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ናጽነት ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጽኦም ኮይኑ ይስምዖም ስለ ዚነበረ፡ ነቲ ኣቡነ ማርቆስ ብጃንሆይ ተላኢኾም ዘቕረቡዎ ጠለብ ሕብረት፡ ቀልጢፎም ከም ዚተቐበሉዎ'ዩ ዚፍለጥ። ከመይሲ፡ 'ናጽነት እንተበልና መን ይህበና? እንተተዋሃብናኸ ምስ'ዚ ዘሎና ድኽነት ብኸመይ ንኽእሎ?' ዚብል ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዓብሊሉ ስለ ዚነበረ።

በዚ መሰረት ድማ እቶም ሻቡ ዓበይትን ምሁራትን ዚነበሩ ኤርትራውያን፡ ደገፍቲ ሕብረት ኮኑ። ሓደ ካብኣቶም ብላቴን ጌታ ሎረንሶ ታእዛዝ ነበሩ። ብላቴን ጌታ ሎረንሶ ታእዛዝ ኣብ ሰነ 1900 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ዚተወልዱ ኤርትራዊ እዮም። ብላቴን ጌታ ሎረንሶ ነቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዚህቦ ዚነበረ ውሑድ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምስ ወድኡ፡ ኣብ 1922 ዓ.ም. ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሃጸይ ሃይለስላሴ ተራኸቡ።

ሃጸይ ሃይለስላሴ በቲ ግዜ'ቲ ንኤርትራውያን ብጽቡቕ ይቕበሉ ስለ ዚነበሩ ከኣ ንሎረንሶ ታእዛዝ ተቐቢሎም፡ ናብ ዚለዓለ ትምህርቲ ናብ ሞንት ፖሊየ (ሃገረ ፈረንሳ) ብምልኣኽ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ከም ዚከታተሉ ገበሩዎም። ሎሬንሶ ካብ ፈረንሳ ምስ ተመልሱ፡ ሓደ ካብቶም ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣዝዮም ዚኣምኑዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን፡ ኣብ ዚተፈላለየ ጽፍሒ ብክብ ዚበለ ሓላፍነት ኣገልገሉ። 'ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ' ንዚብል ዛዕባ ኣብ ልቢ እንግሊዛውያን ይኹን ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ካብ ዘስረጹ ዜጋታት ኤርትራ ሓደ ምዃኖምውን ይንገር።

ማዕረ ማዕረ ብላቴን ጌታ ሎረንሶ ታእዛዝ መማህርቶምን መሳድድቶምን ዚነበሩ፡ ከም ብዓል ብላቴን ጌታ ኤፍሬም ተወልደመድህን፡ ብላታ ዳዊት ዑቕባዝጊ፡ ደጃዝማች ገብረመስቀል ሃብተማርያም፡ ብላታ ክፍለእግዚእ ይሕደጎ፡ ፊተውራሪ ኣብርሃ ወልደታትዮስን ቢተወደድ ኣስፋሃ ወልደሚካኤልን እውን ካብቶም ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ መርገጽ እግሪ ንኽትረክብ ባይታ ዘጣጥሑ ኤርትራውያን ነበሩ።

ከምኡውን እቶም መራሕትን ኣባላትን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዚነበሩ ከም ብዓል ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ደግያት ሓጐስ ገብረ፡ ፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ፡ ብላታ ደምሳስ ወልደሚካኤል፡ ፊተውራሪ ሓድጉ ጊላጋብርን ካልኦት ዓበይትን መራሕትን ኤርትራውያን እውን ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ስለ ዚደገፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ንምርካብ ዚነበረ ዕድሉ እናጸበበ ከደ። ኣብ 20/01/1944 ዓ.ም. ድማ ንመጀመርያ ግዜ በቶም ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴን ተኮላ ገ/መድህንን ዚተባህሉ መጀመርያ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ 1946 ዓ.ም. ናብ ኤርትራ ብምእታው ናይ ርክብ ቤት ጽሕፈት፡ ማለት ሊያዞን ኦፊስ ዚኸፈቱ ክልተ ኢትዮጵያውያን፡ በቶም ብምስጢር ምስኣቶም ዚዓዩ ዚነበሩ መንእሰያት ኣቢሎም፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ከም ተንበልብል ገበሩ።

ማዕረ ማዕረ'ዚ እቶም ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘንበልበሉ መንእሰያት፡ ንቕጽበታዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዚጠልብ ፌርማታት ብመንፈስ እናኣፈራርሑ፡ ማለት ነዚ ዘይፈረመ ሰብ ብመንፈስ ከም ዚሕተትን ከም ዚኾነንን እናሰበኹ፡ ካብ ኣስመራ ከተማ ጥራይ ክሳብ 5000 ዚበጽሕ ፌርማታት ኣከቡ። ብዕለት 28 ሓምለ 1946 ዓ.ም. እውን ፍቓድ ዘይተዋህቦም ቈልዓ ሰበይቲ ዚርከቡዎም 200 ዚኾኑ ደገፍትን ሰዓብትን ሕብረት፡ ባንዴራ ኢትዮጵያን ኣብ ዓለባ ዚተጻሕፈ ጭርሖታትን ሒዞም ናብ ቤት ጽሕፈት ኣማሓዳሪ ኤርትራ ቀረቡ።

ኣብቲ እዋን ኣስታት 1600 ዚበጽሑ ኤርትራውያን ኣብ ዚተፈላለየ ትካላት መንግስቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይሰርሑ ነበሩ። ነዚውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘረጋግጽ ጭብጢ'ዩ ብምባል ኪምጒተሉ ፈተነ። እዚ እናኾነ ከሎ ከኣ እቲ ብዕለት 10 የካቲት 1947 ዓ.ም. ኣብ ፓሪስ ዚተጋብአ ዋዕላ፡ ካብቲ ዕለት እቲ ጀሚራ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ብወግዒ ናጻ ከም ዝኾነትን መጻኢ ዕድላ መዓልቦ ክሳዕ ዚረክብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንያ ንኽትጸንሕን ወሰነ።

እዚ ውሳነ'ዚ ከኣ ነታ ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያ ንኣኣ ንኽትወሃብ ዝከኣላ ኹሉ፡ ማለት ብዲፕሎማሲ፡ ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብምጭዋይ፡ ብሸፋቱ ኣቢላ ህዝቢ ብምፍርራህን ብምህዋኽን ትቓለስ ንዝነበረት ኢትዮጵያ ዘሐጉስ ውሳነ ኣይነበረን። ኢትዮጵያ ግን በዚ ተስፋ ቈሪጻ ኣእዳዋ ከተጣምር ኣይመረጸትን። ብዝያዳ ዝሰፍሐን ዝዓበየን ስራሕ ይጽበያ ከም ዝነበረ'ያ ተገንዚባ። በዚ መሰረት ከኣ ንኤርትራ ንምውናን ዘለዋ ኩሉ ዓቕሚ ብምውህሃድ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ከምኡውን ጎነጻዊ ስጉምትታታ ኣሐየለት።

እቲ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ብዚተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ንሓድነቱ ብምዝራግ ከም ሓደ ጥሙር ሓው ህዝቢ ሓድነቱ ኣስሚሩ፡ ንተጻባእቱ ከይምክት ዚተዓመጸን ዚተረግጸን ኤርትራዊ፡ ድሕሪ'ዚ ኹሉ መዳርግቲ ኣልቦ እልበት፡ መቑሰልትን መስዋእትን ኣብ መወዳእታ ሳላ ዘርኣዮ ተኣምራታዊ ስምረትን ጥምረትን ኣብ 1991 ዓ.ም. ናጽነቱ ምስ ተጓናጸፈ፡ ድሕር ደጊም መከራን ሕስረትን ደሓን ወዓላ! ብምባል ኣብታ ክቡር ህይወት ከፊሉ ዚወነና ሃገሩ ከቢሩን ማሚቑን ይነብር በለ'ምበር ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ካብቲ 50 ዓመታት ዘሕለፎ ሕስረትን ውርደትን ንላዕሊ፡ ድሕሪ ናጽነቱ ዳግማይ ዝኸፍአ ሕስረትን ውርደትን ከጋጥመኒ'ዩ ኢሉ ብምንም ተኣምር ሓሲቡ ኣይፈልጥን።

ብልክዕ ንምዝራብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ናይ መግዛእቲ ዘበኑ፡ ግዙእ'ምበር ከምዚ ሎሚ ጊላ ኮይኑ ኣይፈልጥን'ዩ ነይሩ! ኣብ መንጎ ግዙእን ጊላን ዘሎ ፍልልይ መቸም ምግላጹ ዘድልየና ኣይመስለናን። ግዙእ ንኸብዱ'ዩ ዚሰርሕ፣ ጊላ ከኣ ንጎይታኡ'ዩ ዚሰርሕ። ግዙእ ናይ ግዝኣቱ ዓስቢ ይረክብ'ዩ፣ ጊላ ግን ምንም ዚረኽቦ ነገር የብሉን። ብናጻ'ዩ ዘገልግል። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ደቁ ጀነራላት ምልኪ ኣብ ዚውንኑዎን ዚግብቱዎን ትካላትን ሕርሻታትን'ዮም ብናጻ ዚሰርሑ ዘለዉ። እዚ ሃገራዊ ባርነት'ዚ ከኣ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ተሰምዩ ኣሎ።

ከምቲ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምቲ ስሙ ናይ ሃገር ስለ ዚኾነ፡ ጊላን ጎይታን ኪህሉዎ ኣይምተገብአን። ናይ ሃገር ወይ ድማ ናይ ህዝቢ ስለ ዘይኮነ ግን ፈቲኻ ዘይኮነስ ተገዲድካ እትኽድመሉ ምንም ፍረን ምህርትን ዘይሕፈሶ ሕሱርን ድሑርን ሸቕሊ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ! እዚ ንልዕሊ 22 ዓመት ኣቚጺሩ ዘሎ ሃገራዊ ባርነት፡ ኤርትራ ካብ ሎሚ እቲ ቅድሚ 22 ዓመት፡ ሃገራዊ ባርነት ኪእወጅ ከሎ ዚነበራ ቊጠባን ዕብየትን ይበልጽ። ስለዚ፡ እዚ ፍሹል ወፍሪ ጉጅለ ህግደፍ'ዚ፡ ንሃገርና ኤርትራ እቲ ቅድሚ ምእዋጁ ዚነበራ ትሕዝቶ ንዋይ ዘስኣና ከይኣክል፡ ኣእላፍ ብሉጻት ደቃን ገንዘባንውን ኣስኢኑዋ'ዩ። ከምኡውን ኣብ ሕሱም ድኽነትን ድሕረትን ሸሚሙዋ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ መበል 18 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 27/04/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-