ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 21 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/08/2017 22:15 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 21 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 21 ክፋል   "ንመሸላ ዋላ፡ ንዓደቦ ዋዕላ!
ንሰብ ብጥበብ፡ ንእኽሊ ብመሻበብ!
ንስሓ ንኣመንዝራ፡ ድንግል ይገብራ!
ንነገር መላኺኡ ደኣ'ምበር ፈላጢኡ ኣይትኹን!
ንነገር ኪኸውን'ምበር ንህውከት፡ ዳኛ ኪዘርየካዶ ይምጐት!"

መበል 21 ክፋል፥

ውዕዉዕ ክትዕን ዘተን ብዛዕባ ሃገራዊ ቋንቋን ባንዴራን ኤርትራ፡ ብባይቶ ኤርትራ፥

ኣብ 1869 ዓ.ም. ኤውሮጳውያንን ኣመሪካውያንን ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ወራር ከካዱ ምስ ጀመሩ፡ ኢጣልያዊ ስርዓት ሙሶሊኒ እውን ከም ሰቡ፡ ናብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰራዊቱ ብምልኣኽ፡ ንሊብያ፡ ንሶማልያን ንኤርትራን ወሪሩ ብምሓዝ፡ 'ብጽሒተይ ወይ ድማ ግዝኣተይ እየን' ኢሉ ኣወጀ። ንኤርትራ ሃገርና ድማ ኣብ 1 ጥሪ 1890 ዓ.ም. "ኤርትራ" ዚብል ስም ኣጠመቓ።

ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ምስ ጸንሐት፡ በቲ ኣብ ዕለት 3/9/1939 ዓ.ም. ዝተጀመረ 2ይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝ ተሳዒራ፡ ኣብ 11 መስከረም 1941 ዓ.ም. ኣብ ዓሰብ ናይ መወዳእታ ውግእ ኣካይዳ፡ ካብ ሃገርና ኤርትራ ጠቕሊላ ወጸት። ድሕሪ'ዚ እታ ኣብ ኢድ መንግስቲ እንግሊዝ ዝወደቐት ሃገርና ኤርትራ፡ ብዕለት 2/12/1950 ዓ.ም. ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ንኽትቁረን ተወሰነ። ብተዓዛብነትን ሓገዝን ግዝያዊ ኣመሓዳሪ መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ስርዓት ፈደረሽን ኣብ ኤርትራ ተተኽለ።

እቲ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ንኺነድፍ፡ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ተመሪጹ፡ ብዕለት 09/02/1951 ዓ.ም. ናብ ኤርትራ ዚተላእከ፡ ቦሊቭያዊ ኤድዋርዶ ኣንሰ ማቲየንሶ፡ ኣብ 27 ሕዳር 1951 ዓ.ም. ቅዋም ኤርትራ ነዲፉ ስለ ዚወድአ፡ ቅድሚ ንኽጸድቕ ናብ ባይቶ ኤርትራ ምቕራቡ፡ ምስ ክኢላታት ሕጊ ንኺዘራረብ፡ ናብ ጀኔባ ሃገረ ስዊዘርላንድ ሒዙዎ ከደ። ነቲ ዚነደፎ ቅዋም ብኽኢላታት ሕጊ ደገፍን ምትዕርራይን ምስ ተገብረሉ ከኣ ናይ መወዳእታ መልክዑ ስለ ዝሓዘ፡ ንኸጽድቖ ናብ ባይቶ ኤርትራ ኣቕረቦ።

ደሞክራስያዊ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ብኽኢላታት ሕጊ ተነዲፉ፡ ንኺጸድቕ ናብ ባይቶ ኤርትራ ምስ ቀረበ ድማ ባይቶ ኣብ መብዛሕትኡ'ኳ እንተተሰማምዓሉ ኣብ ሰለስተ ነገራት ግን ተፈላልዩ፡ ሓያል ክትዓት ኣካየደ። እተን ባይቶ ኤርትራ ብሓባር ዘይተሰማምዓለን ጉዳያት ድማ እዘን ዝስዕባ ነበራ፥ 1ይ. ጉዳይ ባንዴራ ኤርትራ፡ 2ይ ጉዳይ ሃገራዊ ማለት ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ፡ 3ይ ምህላው ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ማለት እንደራሴ ንጉሰ ነገስት ሃይለ ስላሴ ኣብ ኤርትራ ዝብላ ነበራ።

ኣብቲ ብዕለት 11 ሰነ 1952 ዓ.ም ዚተገብረ ኣኼባ ባይቶ ድማ ብመጀመርያ ርእይቶኦም ዚሃቡ፡ ቀኛዝማች ወልደዮውሃንስ ገብረእግዚእ ነበሩ። ከምዚ ድማ በሉ፥ 'ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ሓደ ቋንቋ፡ ሓንቲ ባንዴራን ሓንቲ ዘውድን እያ ዘላተን፤ ኣብ ኤርትራ እውን ከምኡ ኪህልወና ኢና ንደሊ። በዚ መሰረት ከኣ ንቋንቋ ትግርኛ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ስለ ዘየለ፡ ትግርኛ ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ይኹን። ዓረብ ናይ ሃይማኖት ቋንቋ ስለ ዚኾነ፡ ከም ናይ ባዕዲ ይርአ፣ ስለዚ፡ ኣብ ወግዓዊ ጉዳያት ኪዝውተር ኣይግባእን'ዩ' በሉ።

ድሕሪ ርእይቶ ቀኛዝማች ወልደዮውሃንስ፡ ኣቶ ብርሃኑ ኣሕመዲን ካብ ገዛ ብርሃኑ (ኣስመራ) ብቐጥታ ተንሲኦም፡ 'ከምዚ እንተኾይኑ እምበኣር ዓረብ ጥራይ ሃገራዊ ቋንቋ ኤርትራ ይኹን!' በሉ ብነድሪ። ኣቶ ናስር ኣቡበከር ፓሻ ኣባል ሰልፊ ኣልራቢጣ ካብ ኣከለጉዛይ ድማ ንኣቶ ብርሃኑ ኣሕመዲን ተኸቲሎም ከምዚ ዚስዕብ በሉ፥ 'ዓረብ ናይ ጥንቲ ቋንቋን ብዙሓት ሃገራት ዝዛረብኦን'ዩ፡ ትግርኛ ግን ቋንቋ ከበሳታት ኤርትራ ጥራይ እዩ! ግን ድሓን ከም መታዓረቒ ከም 2ይ ቋንቋ ንጠቐመሉ!' በሉ።

ኣቶ ሓድገምበስ ክፍሎም ኣባል ሕብረት ካብ ኣከለጉዛይ ብወገኖም፡ ነዚ ዚስዕብ ርእይቶ ሃቡ፥ 'ቋንቋ ዓረብ ምስ ሃይማኖት'ዩ መጺኡና፣ ዓረብ ዚቋንቋኡ ኤርትራዊ ከኣ የብልናን! ስለዚ፡ ትግርኛ ወግዓዊ ቋንቋ ይኹን። ምስ ኢትዮጵያ ንጽንበር ስለ ዘለና ከኣ ቋንቋ ኣምሓርኛ ካልኣይ ቋንቋና ይኹን፡ ማለት ትግርኛ ንውሽጣዊ ጉዳያት ከገልግል ከሎ፡ ኣምሓርኛ ድማ ንፈደራላዊ ጉዳያት የገልግል ማለት'ዩ፤ ዓረብ ግን ክሳዕ እዞም ኣሕዋትና ትግርኛ ዚመሃሩ ንውሱን እዋን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።' በሉ።

ኣቶ መሓመድ ዑመር ኣኪቶ ኣባል ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ ካብ ደንከል ብግደኦም ከምዚ በሉ፥ 'እዚ ንቋንቋ ዚምልከት ዓንቀጽ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዘለዎ እንተጸዲቑ፡ ኤርትራ ባቢሎን ክትከውን'ያ! ኣብ ኤርትራ ክልተ ቋንቋታት ኣሎ፣ ንሱ ከኣ ትግርኛን ዓረብን'ዩ። ስለዚ፡ ንኽልቲኡ ብማዕረ ንቀበል።' በሉ። ኣቶ እምባየ ሃብተ ኣባል ሰልፊ ሕብረት ካብ ከረን እውን ንኣቶ መሓመድ ዑመር ኣኪቶ ተኸቲሎም፡ ነዚ ዚስዕብ በሉ፥

'ሃይማኖታዊ ፍልልይ ንግደፎ! ረብሓ ህዝቢ ንርአ። ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ብእንግሊዝኛ፡ ብትግርኛን ብዓረብን ተነዲፉ ኣሎ። ስለዚ፡ ዓረብን ትግርኛን ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ይኹን። እቲ ካልእ ቋንቋታትውን ህዝቢ ምስ ሰበስልጣን ኣብ ዚራኸበሉ ይጠቐመሉ።' በሉ። 'ዓረብ ዝያዳ ትግርኛ ናይ ባዕዲ ኣይኮነን! መበቈል ክልቲኡ ቋንቋታት የመን'ዩ! ስለዚ፡ ክልቲኡ ብማዕረ ንጠቐመሉ። ከም ተወሳኺ ከኣ ቋንቋታት እንግሊዝን ጣልያንን እንተተጠቐምናውን ጸገም የብሉን።' ዚበሉ ድማ ኣቶ ቃዲ ዓሊ ዑመር ኣባል ደሞክራሲ ሰልፊ ኤርትራ ካብ ኣከለጉዛይ እዮም ነይሮም።

ብድሕሪ'ዚ ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ገብረማርያም ኣባል ሰልፊ ሕብረት ካብ ሰራየ ብድድ ኢሎም፡ 'ትግርኛ'ዩ ቀንዲ ቋንቋ! ግድን ካልእ ቋንቋ ይወሰኽ እንተተባህለ ድማ ቋንቋ ትግረ ይወሰኽ'ምበር ዓረብ ናይ ሃይማኖት እዩ'ሞ ብኡ መጠን ክብሪ ይወሃቦ። ከም ወግዓዊ ቋንቋ ግን ኣብዚ ሃገር ፍልልይ ከእትወልና ስለ ዚኽእል ክንጥቀመሉ የብልናን።' በሉ። ድሕሪ'ዚ እቲ፡ ነዚ ኹሉ ክትዓት ኪዕዘብ ዚጸንሐ ቦለቪያዊ ኣንሶ ማትየንሶ ነዚ ዚስዕብ ርእይቶን ውሳነን ሃበ፥

'ሕገ መንግስቲ ውህደት ከምጽእ'ዩ ዘለዎ'ምበር ኪፋላሊ የብሉን። ስራሕ ባይቶ ድማ ሕጊ ምርቃቕን ምጽዳቕን ጥራይ ኣይኮነን፣ ዕርቂውን ከምጽእ ይግባእ። እምበኣር ብመንፈስ ብምትዕራቕ ትግርኛን ዓረብን ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ይኹን ንዚብል መመሓየሺ እማመ ተቐቢለ ኣለኹ' በለ። በዚ ኣጋባብ'ዚ ድማ'የን ቋንቋ ትግርኛን ዓረብን ወግዓዊ ቋንቋታት ኤርትራ ንኽኾና ዝበቕዓ።

ባይቶ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ቋንቋ ኣብ ጉዳይ ባንዴራን እንደራሴንውን ስምምዕ ስለ ዚሰኣነ፡ ብዕለት 29 ግንቦት 1952 ዓ.ም. ጉዳይ ባንዴራን ኣርማታትን መንግስቲ ኤርትራ እተጽንዕ ኮሚቲ ኣቘመ። እታ ነዚ ከተጽንዕ ዚቘመት ኮሚቲ፡ 11 ግዜ ተኣኪባን ዘትያን ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ኣይከኣለትን። ነዚ ዘይስምምዓት'ዚ ዘስተውዓለ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንሶ ማቴንሶ እንደገና ኣብ ባይቶ ኤርትራ ተረኺቡ ነዚ ዝስዕብ ምኽሪ ሃበ፥

'ሓድሽ ህይወት ኢኹም ትጅምሩ ዘለኹም፣ ነዚ ኣብ ትሕቲ ኣርማ ሕቡራት ሃገራት ተዋሂቡኩም ዘሎ ክቡር ህያብ ኣይተማራስሑዎ! ኣብ ወረቐት ጥራይ ዘይኮነ ብልብኹም ብምትእምማን ተሰማምዑ! ናይ ህዝብኹም መጻኢ ሓይሊ ኣብ ኣሉታዊ ስምዒትን ኣብ ኣሉታዊ ኣተሓሕዛ ሽግራትን ዘይኮነስ ኣብ እምነት፡ ትስፋውነትን እወታዊ ኣረኣእያን'ዩ ዝያዳ ኪምርኰስ ዘለዎ!' ብምባል ብቑጥዐ ተዛረበ።

እንተኾነ እቶም ተረርቲ ኣባላት ሕብረት 'ባንዴራ ኢትዮጵያ እምበር ሓዳስ ባንዴራ ኤርትራ ክትህሉ ኣይንደልን ኢና!' ደኣ በሉ። ድሕሪ ክንደይ ኮለል ግን እታ ዝተመርጸት ኮሚተ ነዚ ዚስዕብ ውሳነ ሃበት፥ ወኪል ንጉሰ ነገስት ማለት እንደራሴ ኣብ ኤርትራ ኪህሉ፣ ሓዳስ ናይ ፈደራል ባንዴራ (ባንዴራ ኤርትራ) ኣብ መላእ ኤርትራ ክትንብልበል፣ ማሕተምን ኣርማታትን ናይ ኤርትራ ኪህሉ፡ ዚብላ ዝተማሓየሻ ዓንቀጻት ሕገ መግስቲ ኤርትራ 12ን 22ን ንክትዕ ናብ ባይቶ ቀረባ።

መሓመድ ዑመር ኣኪቶ ክልተ ዘንባባ ስርናይን ሸውዓተ ከዋኽብትን ዘሎዋ ምስሊ ባንዴራ ኤርትራ ስኢሎም ኣቕረቡ'ሞ፡ ትርጉማ ከኣ፥ እቲ ስርናይ ምልክት ሰላም፣ እቶም ሸውዓተ ከዋኽብቲ ከኣ ንሸውዓቲአን ኣውራጃታት ወይ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ዚውክል ኮይኑ፡ እታ ሻውዐይቲ ዝዓበየት ገይሮም ኣቕሪቦማ ነበሩ። 'ንምንታይ ነታ ሻውዐይቲ ኣውራጃ ዝዓበየት ጌርካያ?' ኢሎም ስለ ዚሓተቱዎም ከኣ 'ኣስመራ ዋና ከተማ ሃገር ስለ ዝኾነት'የ ኣዕብየያ' ኢሎም መለሱሎም። 'ኖኖ ኣስመራ ማዕረ ዓዲ ቀይሕን መንደፈራን ትኹን!' ኢሎም ድማ ተቓዎሙዎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ነታ ብኣባል ባይቶ ኤርትራ ዚነበሩ ደጊያት በየነ ዛህላይ ካብ ዓዲ ቀይሕ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ዝተነድፈት ምዃና ዝንገረላ፡ ሰማያዊ ዝምድራ፡ ቀጠልያ ኣውሊዕ ኣብ ማእከላ ዝተሳእላ ወግዓዊት ባንዴራ ኤርትራ ክትከውን ተሰማምዑ። ድሕሪ'ዚ ከኣ ባይቶ ኤርትራ ነቲ ኣንሶ ማቴንሶን ክኢላታት ሕጊ ስዊዘርላንድን ዚነደፉዎ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣማሓይሾምን ተሰማሚዖምን ብዕለት 10 ሓምለ 1952 ዓ.ም. ንህንጻ መንግስቲ ኤርትራ ኣጽደቑዎ። ነዛ ብክንደይ ክትዕን መጐተን ኣባላት ባይቶ ዘንበልበለት ፈደራልያዊት ባንዴራ ኤርትራ ካብ ሰንደቕ ዓላማ ንኸይትወርድ ዚተኽፍለ መስዋእቲ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክቐርብ'ዩ።

ኣብ መበል 22 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 03/08/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):