ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 19 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

29/06/2017 18:34 PM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 19 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 19 ክፋል   "ነዓቒ ኣይፍቶኻ፡ ደቃሲ ኣይሓሉኻ!
ነገር ከይፈለጥካ ምጒት፡ ገለ ዘይብልካ ትዕቢት!
ነገር ዚወዓሎ ዳኛ ይፈልጥ፡ ኣሓ ዝወፈርኦ ጓሳ ይፈልጥ!
ናትና ኢልናዶ ዘይናትክን ክንህበክን፡ ከም እሾኽ ዳንዴር መትሓዚ ዘይብልክን!

ናይ ተጻዋርነት ባህርያትና ብምዕባይ፡ ንናይ ካልኦት ሰባት ርእይቶን ሓሳባትን ምስ እነኽብር፡ ናይ ገዛእ ርእስና ክብሪ ንሕሉ ኣለና ማለት'ዩ!"

መበል 19 ክፋል፥

እዚ ሕጂ ብሰንኪ ሓደ ሰብ ከም ድኻን ድሑርን ተቘጺሩ፡ ተሰዲዱ ኣብ ዘዝኣተወን ሃገራት፡ ብሕስረት ዚካላበት ዘሎ ሰራሕ ተኣምር ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ 1942 ዓ.ም. ብኹሉ ምዕባለ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ'ዩ ዚስራዕ ነይሩ፤ ክሳዕ ግዜ ህግደፍ ከኣ ክብሩን ሓበኑን ዓቂቡ ይነብር ነይሩ። ሎሚ ግን ብሰንኪ ኢሳያስ መስሓቕ ሃዛማት (ሸራፋት) ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ!

ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዕለት 08/05/1945 ዓ.ም. ከም ዘብቕዐ'ዩ ዚፍለጥ። ኣብቲ እዋን መራሕቲ ሰለስተ ሃገራት፡ ማለት ቸርችል፡ ስታሊንን ትሩማንን ካብ 17 ሓምለ ክሳዕ 02 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሓንቲ ፖትስዳም እትብሃል ጀርመናዊት ከተማ ብምግባእ፡ ንቻይናን ፈረንሳን ሓዊሶም፡ ቤት ምኽሪ ናይ ሓሙሽቲአን ሃገራት ኪምስረት ተሰማምዑ። ካብ ሽዑ ጀሚረን ድማ እዘን ሓሙሽተ ሃገራት ክሳዕ ሎሚ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቀውፊ (ቪቶ) ስልጣን ሒዘን ኣለዋ። ሓንቲ ካብዘን ሓሙሽተ ኣባላት ከኣ ሻቡ ንኤርትራ ሃገርና ከመይ ጌራ ከም ዘዕነወታ ቀጺልና ክንርኢ ኢና፥

ኣብ 1945 ዓ.ም. እቲ ንመግዛእቲ ጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ዚተቘጻጸረ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ነተን ኣብ ኤርትራ ዚነበራ ብመንግስቲ ጣልያን ዚተደኮና ኢንዱስትሪታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብተን ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥራይ ዝነበራ 18 ዝበጽሓ ፋብሪካታት ከኣ ብፍላይ ፍጹም ዕንወት ከም ዚፈጸመ ሰነዳት ታሪኽ ምስ ስእላዊ ምስክርነት ይሕብሩ። ንኣብነት፥ ኣብ ምጽዋዕ ዚነበረ ንመንበርን መቐበል ኣጋይሽን ተባሂሉ ዚተዳለወ 75 ህንጻታት፡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓኑ ተገብረ። ዚንጎታቱን ናይ ኣቻዮ ኣዕኑዱን ከኣ መመዝሒቕካ ናብ ካልኦት ሃገራት ተሸጠ። ኣብ ጉራዕ፡ ኣብ ዓሰብን ኣብ ዙላን ተሰሪሑ ዚነበረ መዓርፎ ነፈርቲውን ብተመሳሳሊ ዓነወ። እቲ ካብ ኣስመራ ናብ ምጽዋዕ ተዘርጊሑ ዚነበረ ካብ ዓለም ዚነውሐ ተሌፌሪካ እውን ብእንግሊዛውያን ዓነወን ኣቑሑቱ መመዝሒቕካ ናብ ደገ ተሸጠን።

ብተወሳኺ ካብቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ጊንዳዕ፡ ኣብ ጉራዕ፡ ኣብ ማይ ሓባርን ኣብ ምጽዋዕን ብኣመሪካውያን ተሃኒጹ ዚነበረ መኻዚኖታትን ትካላትን ጥራይ ከኣ 20 ሚልዮን ዶላር ዚግመት ጽፍጻፍ ሓጺንን ዚንጎን ናብ ነጋዶ ኣዕራብ፡ ናብ መንግስታት ፓኪስታንን የመንን ከምኡውን ናብ ኢጣልያውያን ነጋዶን ተሸጠ። እዚ ኹሉ ዕንወትን ዘረፋን ትካላትን ኢንዱስሪን ኤርትራ ምስ ተፈጸመ ከኣ 'ኤርትራ ነብሳ ዘይትኽእል ድኻ ሃገር'ያ! ስለዚ፡ ናብ ካልእ ሃገር ክትጽጋዕ ኣለዋ' ክብሃል ጀመረ።

ማዕረ ማዕረ'ዚ ኢትዮጵያ፡ 560.000 ኪሎ ሜተር ትርብዒት ዝስፍሓቱ ናይ በንዚንን ላምባን መሬት ከም ዘሎዋን መላእ ኢትዮጵያ ብመገዲ ባቡር ክትራኸብ ምዃናን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ ዚተባህሉ ክኢላ ጸሓፋይ እውን ነዚ ዚስዕብ በሉ፥ 'ንንጉሱ ዚኸሓደ ንፈጣሪኡ ከም ዚኸሓደ'ዩ! ከምዚ ዓይነት ሰብ ከኣ ኣይኮነንዶ ካብ ማሕበር ህዝብስ ንሸውዓተ ትውልዱውን ዚተወገደ ከም ዚኾነ መጽሓፈ ታሪኽ ይምህረና'ዩ' በሉ። ብተወሳኺ ኣብቲ ግዜ ዚነበረ ዝና ንጉስ ሃይለስላሴን ዝና ኢትዮጵያን ኣይኮነንዶ ነቲ ኣብ ጎረቤት ኮይኑ ብፋሽሽታዊ መግዛእቲ ዚሳቐ ዚነበረ ህዝቢ ኤርትራስ ንኽፍሊ ዓለም ኣፍሪቃን ንባሕርን ውቅያኖስን ሰጊሩውን ኣብ ጀማይካን ኣመሪካን ከይተረፈ ኣድነቕትን ሰዓብትን ኣጥርዩ ነይሩ'ዩ።

እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋገዮ ግን ከምቲ ወትሩ ዚብሃል ዝርያ መጋባእያታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይኮነስ፡ ናይ ሽዕኡ መራሕቲ ህዝብን ፖለቲካዊ ማሕበራትን ኤርትራ፡ ምስቲ እዋንን ኩነታትን ዚዳረግ ብሱልን ስልጡንን ኣጋባብ ቃልስን ውደባን ከተኣታትዉ ብዘይምኽኣሎም'ዩ። እዚ ከኣ ኮነ ኢሎም ብፍላጥ ዘይኮነስ ልዕሊ ዓቕሞምን ልዕሊ ደረጃ ንቕሓቶምን ስለ ዝነበረ'ዩ።

ኣብቲ እዋን ዚነበሩ መራሕቲ ሰልፍታት፡ ንህዝቢ ብሓሳብን ብመትከልን ኣብ ክንዲ ምጥማር፡ ብወገን፡ ብኣውራጃ፡ ብሃይማኖትን ብቐቢላን ከም ዚስዕቦም ብምግባር፡ ንኢትዮጵያን ንእንግሊዝን መዝርኢ እከይ ግብሮም ዚኸውን ሃጓፋት ይፈጥሩ ነበሩ። እቲ ዚገርም ከኣ ንብስለትን ልቦናን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ኤርትራዊ መራሒ ሻቡ ይኹን ሕጂ ዘይምርካቡ'ዩ! ካብዚ ተበጊሱ ድማ'ዩ ኣብቲ እዋን ኣማሓዳሪ ኤርትራ ዚነበረ፡ ብርጋዴር ድሩ 'ኩሎም መራሕቲ ሰልፍታት ኤርትራ ናብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪኸዱ ይፈቐደሎም እሞ ኣብኡ ዚተፈላለየን ተጋራጫውን ሓሳባት ምስ ኣቕረቡ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናጽነት ከምዘይግብኦም ኪግንዘብ'ዩ!' ዚበለ።

ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣቑርደት፡ ከረን፡ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ መንደፈራን ዓዲ ቀይሕን ዝማእከለን ሽዱሽተ ዞባታት ኣቘመ። ብዘይካ'ዚ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ዘበን ጣልያን ፈጺሙ ዘይነበረ ካብ መባእታ ደረጃ ዚልዕል ትምህርቲ ብስሩዕ ኣተኣታተወ። ኤርትራያውያን ብናጻ ርእይቶታቶምን ሓሳባቶምን ከስፍሩለን ዚኽእሉ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትውን ንኽኽፈታ ፈቐደ።

ብኣንጻር'ዚ እቲ ካብ 10-16 ለካቲት 1994 ዓ.ም. ኣብ ናቕፋ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ፡ ዚነደፈ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከኣ ምምሕዳር እንግሊዝ ትምህርትን ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሳትን ከም ዘፍቀደ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ንብዙሓት ቁጠባዊ ትካላትን ትሕተ ቅርጽን ኤርትራ ግን ከም ዘዕነወ ብምግላጽ ይኸስስ። እቲ ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንረብሓኡ መስዋእቲ ዚኸፈለ ምምሕዳር እንግሊዝ ከምዚ ዚተገልጸ እንተ ገይሩ፡ እቲ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ'የ ተቓሊሰ ዚብለና መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርከ እንታይ ገበረ ኢልካ ምሕታት ባህርያዊ እዩ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሻቡ እዚ ዚስዕብ እዩ ኢሉ፥ 'ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ እንወስዶ ስጉምታት፡ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ስለ ዚውስን ዘይድገም ታሪኻዊ ዕድል'ዩ። ነዚ ዕድል'ዚ ብግቡእ ምጥቃም ከኣ ረዚን ሓላፍነት ስለ ዚኾነ ዓቢ ታሪኻዊ ብድሆ'ዩ። ህዝባዊ ግንባር ተልእኾኡ ኣፋሪቑ ደኣ'ምበር ኣይፈጸመን። ስለዚ፡ ንኤርትራ ከም ናጻን ስልጥንትን ሃገር ገይሩ ብምህናጻ ኪዛዝሞ ኣለዎ። እዚ ሕድሪ ሃገርና'ዩ፣ ሕድሪ ህዝብና'ዩ፡ ሕድሪ ስውኣትና'ዩ!' ይብል።

እዚ ኣቐዲሙ ዚተጠቕሰ ዓቢ ትንቢትን መብጽዓን ግን ንምንታይ እዩ ዘይተፈጸመ? እዚ ኣብ ናቕፋ ተጋቢኡ ዚተመጻብዐ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንምንታይ እዩ መብጽዓ ህዝቢ፡ ሃገርን ስውኣትንስ ይትረፍ፡ ነቲ ገዛእቲ ዚፈጸሙዎ ሓደ ሓደ መሰላትን ዕድላትን ከማን ኪፍጽም ዘይከኣለ? ባዕሉ ከም ዚገለጾ፡ ምምሕዳር እንግሊዝ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ብናጻ ሓሳብካ ንምግላጽን ብዙሓት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መጺሄታትን ኣብ ርእሲ ምፍቃዱ፡ ብርክት ዝበላ ፖለቲካዊ ማህበራት ንኽቖማውን ኣተባቢዑ ነይሩ'ዩ። መልሲ ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተሓተ ሕቶ ንጹር'ዩ።

ኣብ ናቕፋ ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዚነበሮ ክልተ ዓይነት ዕላማን ሓገራን (ራእን) ዚነበሮ መሪሕነት'ዩ ተጋቢኡ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ፡ እቲ ካብ ፈለማ ንንብሱ ዚተቓለሰን ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ቅንጣብ ሰሃሮ (ሓልዮት) ዘይብሉ ወገን ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ህዝብን ሃገርን ተጸቒጡ፡ ንኹሉ ክፉእ ተግባራት እቲ ተመንን መሳሪሒታቱን ተጻዊሩ፡ ንገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓወት ዘብጽሐን ቅዱስ ራእን ዕላማን ዚነበሮ ወገን'ዩ። እዚ ወገን'ዚ ካብ ጥንቱ ጥቅምቱ ውፉይን ተገዛእን ስለ ዚነበረ፡ ዋላ ኣብ መወዳእታውን ይኹን ኣብ ልዕሊ'ቲ ተበላጽን ገዛእን ከድምዕ ኣይከኣለን። ይትረፍ ንሃገሩን ንህዝቡን ንነብሱውን ካብ መዓት እቲ ጋኔን ከድሕና ኣይከኣለን።

ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ በረኻ፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ድማ ኣብ ዓዲ፡ ኤርትራውያን እናኣሳቐየን እናቐተለን ኣብ ደም ንጹሃት ዚተኣልከ ገበልን ቀዘፍቲ መሓውራቱን፡ ንምዕጋትን ንምጽራግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓቕሚ ኣብ ዘይረኽበሉ ደረጃ ኣብጺሑዎ ኣሎ። ወግሐ ጸብሐ ብማእሰርትን ሞትን ዋይዋይ ገይሩዎ ሓዳሩ! እታ እንኮ ካብዚ ሓደጋ'ዚ እተውጽኦ ኣጽዋር ከኣ ቅንዕናን ምትእምማን ሕድሕድን'ያ። እዚኣ ከኣ ልባዊ ሕድገታትን እምነትን ጌርካ ከይተወፈኻ ትም ኢላ ይትርከብን'ያ። ስለዚ፡ እቲ ቀዳማይ ኪኽፈል ዘለዎ መስዋእቲ ንጽህናን ትብዓትን ልቢ'ዩ!

ኣብ መበል 20 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 29/06/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-