ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 20 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

21/07/2017 01:38 AM

ትርጉምን እንታይነትን

መንግስትን ባንዴራን!

መበል 20 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 20 ክፋል   "ናይ ደንቆሮ ሕማም ድንቁርናኡ ዘይምፍላጡ እዩ!
ናይ ነገር ጣዕሙ ዝግታ፡ ናይ ፈላጥ ጣዕሙ ስቕታ!
ንሓርማዝ ኣይትምከል (ሳዕሪ ኣይትዕጸድ) ንዘይጸግበልካ፡ ንዓሻ ኣይትምከር ንዘይሰምዓካ!
ንመን ትመጾ፡ መን ይመጻ ትመጾ!
ንመኸተ ዋልታ፡ ንዘረባ ናዕታ!"

ናይ ተጻዋርነት ባህርያትና ብምዕባይ፡ ንናይ ካልኦት ሰባት ርእይቶን ሓሳባትን ምስ እነኽብር፡ ናይ ገዛእ ርእስና ክብሪ ንሕሉ ኣለና ማለት'ዩ!"

መበል 20 ክፋል፥

ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዚነበሩ ኣብ ዚሓለፈ ጽሑፋትና ኣውሲእና ኔርና ኢና። እቶም ናይ መጀመርያ ብሃገር ደረጃ ንኤርትራ ዚመርሑ፡ ናይ መጀመርያ መራሒ ወዲ ሃገር፡ 28 ሓምለ 1955 ዓ.ም. ድማ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ስልጣኖም ከም ዝነበረት ይፍለጥ።

ሓደ ግዜ ኣብ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ምስ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ዚመላለሱሉ ዚነበሩ እዋን፡ ነዚ ዚስዕብ ብምባል፡ ንሶም ንሃገሮም ብልብን ብቕንዕናን ይሰርሑ ከም ዚነበሩ ኣተንብሁ። 'ንኣይ ህዝበይ እዩ ዚፈልጠኒ'ምበር ኣቶ ወልደኣብስ ኣይትፈልጡንን ኢኹም። ኣነ ንጉድኣት ህዝበይ ከምዘይሰርሕ መረብ ምላሽ ጥራይ ዘይኮነስ ክንየው መረብ ዘሎ ህዝቢውን ካብቲ ኣብ ዓድዋ መምህር ኮይነ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ግዜ ጀሚሩ ይፈልጠኒ'ዩ። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎምስ እግዚኣቢሄር ንድሕሪ ሕጂ ይግበረለይ። ምእንቲ ሃገረይ ዝደኸምኩዎ ፍሬኡ ኣብ ቅድመይን ኣብ ቅድሚ ደቀይን ይጽናሕ!' ብምባል፡ ንህዝቦምን ንሃገሮምን ብቕንዕና የገልግሉ ከም ዝነበሩ ኣገንዘቡ።

ደጃዝማች ተድላ ባይሩ፡ በዚ ቀጺልና እንገልጾ ዚተፈላለየ ምኽንያታት፡ በትረ ስልጣኖም ንፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ምስ ኣረከቡ፡ ኣብ 1966 ዓ.ም. ድማ ብሃገረ ግብጺ ኣቢሎም፡ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንበሩ'ሞ ኣንጻር'ቲ ን 20 ዓመታት ዚደኸሙሉ ዕላማ፡ ማለት ኣንጻር ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኖም ንናጽነት ተቓለሱ።

ደጃዝማች ተድላ ባይሩ፡ በታ ኣብ 1965 ዓ.ም. ኣብ ግብጺ ዝቖመት፡ ዚለዓለ ባይቶ (ሱፕሪም ኮንስል) ዝተባህለት ጉጅለ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1967 ዓ.ም. ምክትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ተመርጹ። ከምኡውን እታ ጉጅለ ንኢድሪስ መሓመድ ኣደም ኣቦ መንበር፡ ንኢድሪስ ዑስማን ግላውዴዮዎስ ጸሓፊ፡ ንዑስማን ሳልሕ ሳበ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ከምኡውን ንመሓመድ ሳልሕ ሑመድ ናይ ዜና ሓላፊ ገይራ ሸመቶም።

ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ኣብ 1914 ዓ.ም. ኣብ ገረሚ እትብሃል ዓዲ ኣውራጃ ሓማሴን ተወሊዶም፡ ኣብ ናይ ሽወደን ምስዮን ትምህርቶም ምስ ወድኡ፡ ቀጺሎም ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ፍሎረንስ ኣብ እትብሃል ከተማ፡ ንሸውዓተ ዓመት ብምምሃር፡ ብምልከት ቋንቋታት ጣልያንን እንግሊዝን ካብቶም ኣብቲ እዋን ጸብለል ዚበሉ ምሁራት ኤርትራውያን ሓደ ብምዃን፡ ብዚተራቐቐ ኣተሓሳስባን ብዘመናዊ ኣካይዳን ይፍለጡ ከም ዚነበሩ ብሰፊሑ ይንገረሎም።

ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ዕቁብን ምስጢረኛን ስለ ዚነበሩ፡ ናይ ውልቆም ርእይቶ ወይ መግለጺ ንምርካብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከም ዚነበረ'ዩ ዚዝንቶ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ድማ'ዩ እንግሊዛዊ ዎርድል ስሚዝ፡ 'ህዝቢ ኤርትራ መራሒ ኣይረኸበን፤ መደባትን ስራሓትን መንግስቲ ስለ ዘይንገሮ ከኣ ምንም ነገር ከምዘይፈልጥን እቲ ናተይ ዚብሎ መንግስቱ ድማ ብኢትዮጵያውያን ኣማሓደርቲ ከም ዚተዓብለለን ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ትም ኪብል ክሳዕ ዚመረጸን ከኣ እቲ ኩነታት ከምዘይመሓየሽን ንፕረዚደንት ተድላ ዚገለጸሎም።

ኣባላት ባይቶ ኤርትራውን ሕቶታቶም ብመራሒ መንግስቲ ስለ ዘይተመለሰ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 1955 ዓ.ም. ጀሚሮም ጥርዓንን ተቓዉሞን ኣብ ልዕሊ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ኣርኣዩ። 'መንግስቲ ንባይቶ መልሲ እንተዘይሂቡ ከኣ ብመሰረት ቅዋም ኤርትራ ዓንቀጽ 75፡ መንግስቲ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ከም ዘለዎ ሓበሩ። ወሲኾምውን፥ 'ህዝቢ ንባይቶ ካብ መረጸ፡ ባይቶ ከኣ ፈጻሚ ኣካል ወይ መንግስቲ ካብ መረጸ፡ ስለዚ፡ ፈጻሚ ኣካል ወይ መራሕ መንግስቲ ንባይቶ ዘየኽብረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ!?' በሉ።

'እምበኣርከስ' ይብሉ እቶም ኣባላት ባይቶ ኣብ መወዳእታ፤ 'ኣምበኣርከስ መንግስቲ ንኣባላት ባይቶ ካብዘየኽብርን ካብዘይሰምዕንሲ እዚ ንዕቀት ህዝቢ'ዩ ኪብሃል ኣይከኣልንዶ? ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ምሉእ ስልጣን ከም ዘሎዎኸ ይዝንግዖዶ ይኸውን? ስለምንታይ ደኣ'ዩ እሞ መንግስቲ ኤርትራ መሰሉ ተመንዚዑ፡ ኣብ ዓቢ ሽግር ወዲቑ ከሎ እናረኣዮ ብኣኡ ዘይግደስ?' ብምባል ሓተቱ። እዚ መልሲ ምስ ሰኣነውን ብዕለት 21 ሰነ 1955 ዓ.ም. 12 ዚኾኑ ኣባላት ባይቶ፡ ናብ ፕረዚደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ብምቕራብ፡ ደግያት በርሀ ኣስመሮምን ቃዲ ዓሊ ዑመርን ዚርከቡዎም ሰበስልጣን ዚፈረሙሉ ክሲ ኣቕረቡሉ።

'መንግስቲ ፍሉይ ኣኼባ ንኺጽውዕ ንዚቐረበሉ ጠለብ መልሲ ስለ ዘይሃበን ድኹምን ዘይስሉጥን ኣሰራርሓ ይፍጽም ስለ ዘሎን ኪሕተት ኣለዎ' በሉ። እንተኾነ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንኽሶም ስለ ዘይተቐበሎ ካልእ ኣማራጺ ወሰዱ።

በሉ ድማ፥ 'ተድላ ሓውናን ባዕልና ዚሸምናዮን ስለ ዚኾነ፡ ጌጋ ጌርና ኢልና ንለምኖ፡ ባይቶ ይኽፈተልና'ሞ ናብ ንቡር ስራሕና ንመለስ። እዚ እንተ ኣቢዩና ከኣ ንህዝብና ዚሸምናዮ ሰብኣይ ምስማዕ ኣብዩና ኢልና ነፍልጦ። ነቲ ዚለኣኽካና ስራሕ ኪንፍጽም ኣይከኣልናን ኢልና ንነገሮ'ሞ ሓላፍነትና ነውርድ፡ እንተዘይኮይኑ ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዚፈጸምናዮ ቃለ-ማሕላ ብምጥላምና ብመሬትን ብሰማይን ክንክሰስ ኢና!' በሉ።

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ባይቶ ኤርትራ ኪምረጽ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ እናበል'ዩ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ነይሩ፥

'ኣነ ከም መጠን ምሩጽ ኣባል ባይቶ ኤርትራ ኮይነ፡ ንዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድመይ ዚቐርብ ነገራት፡ ከምቲ ኣብ ሕልናይ ዝስምዓኒ፡ ብፍላይ ድማ ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ብእምነትን ብቕንዕናን ንኸገልግል፡ ብስም ልዑል ፈጣሪ እምሕል ኣለኹ፣ ቃለይ ንምፍጻም ከኣ እግዚኣቢሄር ይሓግዘኒ' ብምባል'ዮም ቃለ-ማሕላ ፈጺሞም ነይሮም።

እዚ ኣቐዲምና ክንነቦ ዚጸናሕና ታሪኽ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዚተፈጸመ'ዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ኤርትራ ሃገርና ዋላ'ኳ ኣማስይኡ ብድኽመት ደቃ (እቶም መራሕቲ)፡ ብተጻብኦን ተንኰላትን ኢትዮጵያ፡ ከምኡውን ብሽርሕታት እንግሊዝን ኣመሪካን ቃልሲ ንናጽነታ እንተፈሸለ፡ እቲ ዚነበረ መንግስቲ፡ ሕግን ደንብን፡ ቅርጽን ስርዓትን ዚነበሮ መንግስቲ ከም ዚነበረ ግን ሰነዳቱ ብግልጺ የረድኡ'ዮም።

እዚ ዋላ'ኳ ብንቡርን ብወግዓዊ መገድን ኣይኹን'ምበር፡ ድሕሪ ናጽነትውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ተፈጺሙ'ዩ። እቲ ፍልልይ፡ ተድላ ባይሩ መራሒ መንግስትን ብቅዋም ዚሰርሑን ዚምርሑን ስለ ዚነበሩ፡ ብኢደወነኖም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣይቀየዱን፣ ከምኡውን ጋዜጣታት ብሕቲ ዓጽዮም፡ ልሳን ህዝቢ ኣይዓበሱን። እቲ ምሉእ መዋእሉ ብዊንታኡ'ምበር ብሕግን ስርዓትን ዘይከይድን መራሒ ናይ ሕዳጥ (ውሑድ) ጉጅለን ዚኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ንዚቐረበሉ ተመሳሳሊ ጠለብ፡ ሰባት ጨውዩ ብምሕቃቕ'ዩ ፈቲሑዎ! ድሕሪ'ዚ ድማ'ዩ ነቲ ተዘሪኡ ምስ በቘለ፡ ኣብ ፍረ ዘይበጽሐ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከምኡውን ሕልምን ትምኒትን ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታቱን ዘብነኖ!

እዚ ጉጅለ'ዚ (ጉጅለ ኢሳያስ) ከምቲ ጀብሃ ዚነበረቶ፡ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ብዙሕ ምንቅስቓስ ብምግባር፡ ከምዚ ሎሚ ህዝቢ እንታይነቱ ኪፈልጦ እንተዚገብር ነይሩ፡ ሰውራ ኪዕወትስ ይትረፍ ንገዛእ ርእሱውን ኣይምሰረረን ነይሩ! እቲ ጽቡቑ፡ ህዝቢ ብማዕዶ፡ ከይፈለጦ ይድግፎ ብምንባሩ'ዩ ኣብ ዓወት በጺሑ! እምበር ስርዓት ኢሳያስ ብጭካነኡ፡ ብግስርጥና ምምሕዳሩን ምልኩን ከምኡውን ዘይደሞክርያስያዊ ኣሰራርሓኡን ወሲኽካ ካብ ጀብሃ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ኩሎም ብቕድሚኡ ዚነበሩ ገዛእቲ ኤርትራ ብዓሰርተ ዕጽፊ ይኸፍእን ይሓስምን'ዩ!

ኣብ ግዜ ኢሳያስ (ህግደፍ)፡ ንኤርትራዊ ዘይወረዶ ሕሰምን መከራን ወይውን ዘይረኸቦ ሕማቕ ነገር'ሞ እንታይ ኣሎ? ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብዘይሕግን ፍርድን ይእሰርን ይቕተልን እንተ ነይሩ፣ ሎሚውን ብዝኸፍአ ምልክዑ ይቕጽል ኣሎ! ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብውሑድ ዓቀን ይስደድ እንተነይሩ ነይሩ፣ ሕጂውን ብዓሰረተ ዕጽፉ ይጠፍእ ኣሎ! ኣብ ግዜ መግዛእቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐስ ይኽልከል እንተ ነይሩ፡ ኣብ ግዜ ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ከተማውን ብዘይፍቓድ ከይንቀሳቐስ ይኽልከል ኣሎ! ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከም ድላዩ ዘሪኡ ምህርቱ ኪሓፍስን ድላዩ ኪነግድን ይፍቀድ እንተ ነይሩ! ኣብ ግዜ ባርነት ህግደፍ ግን እዚ ኹሉ ክልኩል'ዩ! ቤቱ ምስራሕውን ክልኩል'ዩ! ብዘይፍቓድ ኢሳያስ ሰሪሖም ዘጽለሉ ስድራቤታት ከኣ ብጭካነ፡ ብዶዘር ገዛውቶም ኣፍሪሱሎም'ዩ!

ምናልባት፡ ዘይተገልጸ ከይከውን'ምበር ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈጸሞ ግፍዕን ኣደራዕንስ የለን! ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ገንዘቡ ዘሪፉ፡ ብዓቐን ይዕድሎ ኣሎ! ማይ ከይተረፈ ብኩፖን ይዕደል ኣሎ! ወለዱ ከየተስክር፣ መቓብር ስድራኡ ከየንድቕ፡ ኣብ መርዓኡ ጓይላ ከይገብርን ካብ ፍርቂ ለይቲ ንላዕሊ ከይጻወትን ከልኪሉዎ ኣሎ! እታ ሓንቲ ንጉጅለ ህግደፍ ተሪፋቶ ዘላ፡ ምዝራብ ከሊኡስ ምትንፋስውን ምኽላእ'ያ! ነዚኣውን ዕድመ እንተሂቡዎስ ሓንቲ መዓልቲ ኪፍጽማ ኪፍትን'ዩ!

ኣብ መበል 21 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/07/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):