ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 28 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/04/2018 23:85 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 28 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 28 ክፋል

 

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

*ቀታሊ ሓርበኛ ዓብደል ቃድር ከቢረ፡ ገብረመድህን ኣብርሃ ዚተባህለ ትግራዋይ ከም ዚነበረ መዛግብቲ ብሪጣንያ ይሕብሩ፣

*ኣባል ሰልፊ ናጽነትን ምስሌነ ደቡብን ደቂ ድግናን ኣውራጃ ሰራየ ዚነበሩ ሓርበኛ ኣዝማች በርሀ ገ/ኪዳን ብዕለት 16/5/1950 ዓ.ም. 70 ብዝኾኑ ሸፋቱ ተኸቢቦም፡ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ተቐቲሎም፣

*ብዕለት 15/6/1950 ዓ.ም. መንነቶም ብንጹር ዘይተፈልጡ ሸፋቱ ናብ መንበሪ ገዛ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ ዚነበሩ ሓርበኛ ኣዝማች ዓብደልቃድር ጃብር ብምእታው ቀተሉዎም፣

*ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1973 ዓ.ም. ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትሕተም ዝነበረት “ጥሕሻ” እትብሃል መጽሄት ገድሊ ዚነበረ ጅግና ስውእ ተመስገን ሃይለ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ፈሊጠሞ ክሕዙዎ ምስ መጹ፡ ብፍኒስትራ ዘሊሉ ተሰዊኡ፣

*ዶክተር ብእምነት ኣሕመድ ጁምዓን ኣብ ኣመሪካ ዶክተረይት ኣቢሉ፡ ናብ ሜዳ ኪጋደል ምስ ኣተወ ናይ ቅድመ ግንባር ሓላፊ ሕክምና ኮይኑ’ዩ ተመዲቡ። ኣብ ስራሕ እንከሎ ድማ ከም ኩሉ ምሁር ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዓይኒ ጥርጠራ ስለ ዝተራእየ፡ ኣብ ኣኼባ ብሓንቲ መሳርሕቱ ኢትዮጵያ ዝስማ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ፡ ብመልክዕ ነቐፌታ ‘ኣብ ሕክምና ሰብ ቀቲልካ ምስ ተባህለ’ ከም መቕጻዕቲ መሸላ ክጎንእን ጽርግያ ክጸርግን ተፈሪዱ። ነቲ ጠቐነ ኪጻዎሮ ስለ ዘይከኣለ ከኣ ኣእምሮኡ ስሒቱ፡ ሂወቱ ብቦምባ ኢድ ኣጥፊኡ ዚተሰውአ ጅግና ኤርትራዊ እዩ። (እዚ ጽሑፍ ኣብ ቀጻሊ ብሰፊሑ ከነቕርቦ ኢና።)

መበል 28 ክፋል፥

ምስጢራት ቃኘው ብጭብጢ፥

ኣብ 26 ጥሪ 1943 ዓ.ም. ሓደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ ኤርትራ (ኣስመራ) ሓደ ናይ መራኸቢታት ራድዮ ንምትካል ዘጽንዕ ጉጅለ፡ ናብ ኤርትራ ኣተወ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1943 ዓ.ም. ድማ ሸውዓተ ዝኾኑ ክኢላታት ኣብቲ ኣቐዲሙ ብመንግስቲ ጣልያን ተተኺሉ ዝነበረ ራድዮ ማሪና (ራድዮ መሪናዮ) ሰፊሮም፡ መጽናዕቶምን ፈተነታቶምን ኣካየዱ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይቲ ዓመት ድማ ናይ መጀመርያ ግዜ ናይ ራድዮ ርክብ ምስ ዋሽግቶን ፈተኑ።

እዚ፡ ካብታ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 7600 ጫማ ክብ ኢላ ዝተደኰነት፡ ሰሜን ካብ ቅናት ምድሪ እትርከብ ከተማ ኣስመራ ዝተፈነወ ማዕበል፡ ኣዝዩ ንጹር ናይ ርክብ መስመር ስለ ዝፈጠረ፡ ኣመሪካውያን ተሓጐሱ። በዚ ተተባቢዖም ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 1943 ዓ.ም. ኣርባዕተ መኰንናትን 50 ዕሉማት ወተሃደራትን ተወሰኽቲ ናብ ኤርትራ ብምስዳድ፡ ንራድዮ ማሪናዮ ብምስፋሕን ከምኡውን ሓድሽ መዓስከር ኣብ ቃኘው ብምኽፋትን ናይ ኣስመራ ርክባቶም ናብ ዓቢ መደበር ቀየሩዎ። ክሳዕ 1977 ዓ.ም. ድማ ብብቕዓት ኣገልገለ።

ኣመሪካውያን ኣብዚ ቦታ’ዚ ኮይኖም ድማ’ዮም ነቲ ንናጽነት ኤርትራ ኪቃለስ’የ ኢሉ ብንጉስ ሃይለ ስላሴን ሓወቦኡ ደጃዝማች ሰሎሞን ኣብርሃን ተላኢኹ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዚኣተወ’ሞ ካብታ ብቕንዕና ናብ ቻይና ልኢኻ ዘምሃረቶ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ) ተፈንጪሉ፡ መራሒ ሰልፊ ናጽነት ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ኣስመራ ዘአቱ ናይ ይሕለፍ ወረቐት፡ ምስ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ነበር ኣስራተ ካሳ ብምትሕብባር፡ ንውድብ ጀብሃ ንምጥፋእ፡ ዝከኣሎም ዝሰርሑን ዝተዓወቱን።

ብመሰረት ምስክርነት ሰነዳት እቲ ድሕሪ ናጽነት ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚተቐንጸለ ስውእ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ድማ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ክሳዕ ዕለት 30 ሰነ 1970 ዓ.ም. ዘገልግሎ፡ ናብ ከተማ ኣስመራ ዘእቱ ናይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ካብ መደበር ቃኘው ተሰርሓሉ። በዚ መሰረትውን ኢሳያስ ናብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1969 ዓ.ም. ምስ ኣመሪካውያን ኣብ ቃኘው ዝተገብረ ርክባት ንምስታፍ፡ ስውእ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ካብ ደቀምሓረ ናብቲ ኢሳያስ ዚነበሮ ዓላ ዝተባህለ ቦታ ብምኻድ፡ ብማኪና ገይሩ ናብ ኣስመራ ሒዙዎ ኣተወ። መደበር ቃኘው እምበኣር ብዘይካ’ቲ ብደገ ኩልና እንፈልጦ ናይ ፈነወ ራድዮ ስራሓታ ነዚ ምስጢር እዚውን ኣቃኒዓ’ያ።

ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕለት 18/04/1943 ዓ.ም. ናብ መንግስቲ እንግሊዝ ዘቕረቦ ኤርትራ ትብጽሓኒ’ያ ዝብል ጠለብ ንምምላስ፡ ሓደ ንኤርትራ ናብ ክልተ፡ ማለት ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን ዝመቅል ኮሚተ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ብዕለት 18/05/1943 ዓ.ም. ኣቚሙ ተጋብአ። እዚ ብምክትል ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ሚስተር ሎርድ ሞይኒ፣ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ነበር፡ ሚስተር ስቲቨን ሎንግሪግ፣ ኣምበሳደር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ሃውን ከምኡውን እቲ ንኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዚሰዓረ እንግሊዛዊ ጀነራል ፕላትን ዝኣባላቱ ኮሚተ ተኣኪቡ ነዚ ዝስዕብ እማመ ኣጽደቐ፥

1. ምምሕዳር ብሪጣንያ ንምጽዋዕን ጎላጉል ኣስመራን ሒዙ፡ ምስ ሱዳን ናጻ መስመር መጓዓዝያ ክህሉዎ፣

2. ኢትዮጵያ ንደንካልያን ዝተረፈ ክፋላት ደቡባዊ ኤርትራን ክትወስድ፣

3. እቲ ዝተረፈ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ከኣ ናብ ሱዳን ክሕወስ፡ ወዘተ. ዝብል ነበረ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ነዚ ናይ ምምቕቓል ውጥናት’ዚ ኣንቂሉ ገና እናኣሰላሰለ ከሎ ግን ብዕለት 28/08/1946 ዓ.ም. ካብቲ ብቕድሚኡ ማለት ብዕለት 08/01/1943 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሱዳንን ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዝተኻየደ፡ 15 ሰባት ዝቐተለ ሓያል ግጭት ዝዓቢ ኣብ ከተማ ኣስመራ እውን ዳግም ተኻየደ። ኣብዚ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝተገብረ ቅትለት’ዚ ሰለስተ ወተሃደራት ሱዳን ክሞቱን 13 ድማ ክቖስሉን ከለው፣ 46 ሰላማውያን ኤርትራውያን ድማ ሞቱ፤ ኣስታት 70 ዝኾኑውን ብኸቢድ ቆሰሉ።

ሱዳናውያን ወተሃደራት ኮነ ኢሎም መዐመምያ ዘይገበሩን ማዕተብ ዚኣሰሩን ሰባት ጥራይ ፈልዮም ስለ ዘጥቅዑ፡ ህሱያት ክርስትያን ጥራይ ነበሩ’ሞ እዚ ተግባር’ዚ ኣብ ደግፍቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ሓያል ቁጠዐን ነድርን ፈጠረ’ሞ ሕነ ንምፍዳይ ተፋጠጥ ኮነ። በዚ ዝሰገአ ኣማሓዳሪ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ድማ ናይ ሰላም ዕርቂ ንኽግበር ንፓትሪያርክ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቡነ ማርቆስ፡ ሙፍቲ ኤርትራ ደግያት ሓሰን ዓሊ ከምኡውን ኣማኻሪ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ኤርትራዊ ደግያት በየነ በራኺ ዝርከቡዎም ዓበይቲ ሰባት ብምእካብ ከህድኦ ፈተነ።

እቲ ዕርቂ ንግዳያት ካሕሳ ብምኽፋል ንኽፍጸም ኢሉውን ናይቲ እዋን እንግሊዛዊ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ዚነበረ ብርጋዴር ቤኖይ ዘቕረቦ ናይ ካሕሳ ጠለብ፡ ኣቡነ ማርቆስ ‘ካብ ቀተልትና ካሕሳ ኣይንቕበልን ኢና!’ ኢሎም ስለ ዚነጸጉዎ፡ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ተረፈ። ደሓር ግን ንጉስ ሃይለስላሴ ደበስ ንግዳያት ኢሎም 40.000 ሽልን ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ ሰደዱ ናብ ግዳያት ከም ዝካፋፈል ተገብረ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምድንጋጽ ኤርትራውያን ዝረኽበሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ስለ ዝረኸበ ከኣ ሽዑ ንሽዑ 130 ኣዕራብ ተቐመጥቲ ኢትዮጵያ ‘ንጸጥታ ሃገር ኣስጋእቲ’ዮም!’ ብምባል ናብ ኤርትራ ጠረዞም። እንደገና ብ19 ሓምለ 1946 ዓ.ም. 92 ኢጣልያውያንን 145 የመናውያንን ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ ኤርትራ ጠረዞም። እዚ ተግባራት’ዚ ግን ክልተ መልእኽታት ከም ዝነበሮ’ዩ ዝንገር፡ ቀዳማይ፡ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ንምርኣይ፣ ካልኣይ ድማ ሕነ ኤርትራውያን ንምፍዳይ ከም ዝተገብረ ንምምሳል ነበረ። ናይዚ ግብረ መልሲውን ብቐጥታ ገለ 200 ዝኾኑ ደገፍቲ ሕብረት፡ ፍቓድ መንግስቲ ብሪጣንያ ከይሓተቱ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናንበልበሉ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካያዱ።

ምምሕዳር እንግሊዝ ጸኒሑ ‘ደገፍቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ 85% ካብ ህዝቢ ኣውራጃ ሰራየ፣ 75% ካብ ህዝቢ ኣውራጃ ሓማሴን፣ 20% ድማ ካብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ምዃኖም ኣፍለጠ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ካብ 957,000 ድማ ካብዚኣቶም 50.000 ዝኾኑ ጠላይን ኣውጺእካ እቲ ዝተረፈ 538,100 ደላዪ ናጽነት፣ 418.900 ድማ ደላዪ ሕብረት ከም ዝኾኑ ጸብጻቡ ኣቕረበ። ህዝቢ ኤርትራ ብኸምዚ ኣብ ክልተ ስለ ዝተኸፍለ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ኤርትራ ንምውሳን ኣጸገሞ።

እዚ ከኣ ኤርትራውያን ን30 ዓመታት ተዋጊእና ደም ዝኸፍልናሉ ቃልሲ ንናጽነት፡ መምጻእቱን ጠንቁን ባዕልና ከም ዝኾንና ህያው ምስክር’ዩ። እዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ስኑድ ምክፍፋል ከሎ፡ ጉድለትናን ሕማምናን ከይንእርምን ከይንፍውስን ምእንቲ፡ ከምኡውን ካብ ኣሶትና (መድሃኒትና) ክንሃድምን ስለ ዝተደልየ፡ ጠንቂ ጸገምና ኣለሊና ከይንሰምርን ምእንቲ ንገዛእትን ዓመጽትን ሓይልታት ከይንብድህን ከይንቃወምን ተባሂሉ፡ ሽግርና ናይ ደገ ሓይልታት ከም ዝኾኑ ከእምኑና ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለዉ።

በዚ መሰረት ከኣ ትማሊ ኢትዮጵያውያን ‘ጠንቂ ሽግር ኤርትራ ኣዕራብ’ዮም’ ይብሉና ነይሮም፡ ሕጂ ድማ ጉጅለ ኢሳያስ ‘ጠንቂ ሕሰም ኤርትራውያን ኣመሪካውያን እዮም’ ይብሉና ኣለው።እዚ ግን ኩሉ ሓሶት’ዩ። ጠንቂ ናይቲ ዝሓለፈ ህልቂት ይኹን ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዘለናዮ ደልሃመት ምልኪ ከም ቀደምና ንሕና ባዕልና ኢና’ምበር ናይ ደገ ሓይሊ ወይ ካልእ ኣይኮነን። ትማሊ ስለ ዘይተሰማማዕና መፍቶ ተበለጽቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኴንና፣ ሕጂውን ስለ ዘይሰመርናን ዘይተሓቋቖፍናን መፍቶ መላኽን ተበለጽትን ኴንና ኣለና። ክሳዕ ነዚ ኩልና ፈሊጥናዮ ዘለና ድኽመትናን ሕማምናን ንፍውስ ከኣ ግዳይ ዝኾነ ዘላሚ (ረጋጺ/ጨቋኒ) ኴንና ከም ንቕጽል ጥርጥር የብሉን። ስለዚ፡ ምእንቲ ድሕነት ነብስና፡ ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ክንብል ብንጽህናን ብእምነትን ንቃራረብን ንተሓቋቖፍን።

ኣብ 29 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 27/04/2018

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ: