ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 24 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

05/10/2017 21:20 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 24 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 24 ክፋል

 

•ወደብ ባጽዕ ብዕለት 8/4/1941 ዓ.ም. በቲ ንጣልያን ዝሰዓረ እንግሊዝ ተታሒዛ!
•ወደብ ዓሰብ ብዕለት 11/6/1941 ዓ.ም. በቲ ንጣልያን ዝሰዓረ እንግሊዝ ተታሒዛ!
•ኣብ ዕለት 1/7/1942 ዓ.ም. 58 ወታሃደራዊ መኰንናትን 911 ሲቪል ሰራሕተኛታትን ዝኾኑ ኣመሪካውያን ኣብ ኤርትራ ነይሮም።
•ብዕለት 21/6/1943 ዓ.ም. ብሪጣንያ ሓደ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ንምምቃል ዘጽንዕ መኰነን ናብ ኤርትራ ልኢኻ።
•ከተማ ኦምሓጀር ኣብ 1977 ዓ.ም. ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ወጺኣ!
•እዛ መሳርሒ ህግደፍ ኮይና ብሓሶት ህዝቢ ተዳናግር ዘላ “ድምጺ ሓፋሽ” ኣብ 1979 ዓ.ም እያ ኣብ ፋሕ ተመስሪታ።

መበል 24 ክፋል፥

‘ብዙሓት ካብቶም ኣባላት ባይቶ፡ ናብ ባይቶ ምእታው ማለት ንህዝቢ ምውካል ምዃኑ ኣይፈልጡን ዝነበሩ። ኣብ ባይቶ ምህላዎም ሽመት ወይ ጒትነት ኮይኑ’ዩ ዝረኣዮም ነይሩ። ሓድሽ ምርጫ እንተ ዝግበር ድማ፡ ኢትዮጵያ ብሰልዲ ዝግዝኡ ሽመት ዝደልዩ ዕሱባት ኣይምሰኣነትን። ሻቡ ሰልዲ ዘስድዖ መሊኡ’ዩ ዝነበረ።’ ቃል ኣባል ባይቶ ኤርትራ ነበር ኣቶ ዑመር ኣኪቶ

‘ኤርትራውያን ጉዳይ መጻኢ ዕድሎም የገድሶም ኣይነበረን። ልምዲ ኤርትራውያን ደድሕሪ ዝተዓወተን ደድሕሪ ሃብታምን ምጉያይ ጥራይ እዩ! ንዝኾነ ብገዛእቱ ዝተወሰነሉ ድማ ብልኡምነት ዝቕበል ህዝቢ’ዩ። ካብ ስልጣኔ ኤውሮጳ ዝረሓቐን ዘይርድኦን ከምኡውን ክምራሕ’ምበር ክመርሕ ዘይክእል፡ ኣብ ድሑር እምነታት ጥሒሉ፡ ግዜኡ ብኸንቱ ዘባኽን ናይ ምምሃርን ናይ ምስጓምን ተኽእሎ ዝተሓረሞ ህዝቢ’ዩ።’ ቃል እንግሊዛውያን ኣመሓደርቲ ኤርትራ ኣብ 1941 ዓ.ም.

‘ኣብ ኣርብዓታት ኤርትራውያን ህድእ ኢሎም ይማያየጡ ኣይነበሩን! ከበሳታት ኤርትራ ኣብ ክልተ፡ ማለት ብደልይቲ ሕብረትን ብደለይቲ ናጽነትን ተፈላልዩ ክራጸም ከሎ፡ ኣብ መታሕት ድማ በቲ ኣብ መንጎ ሽማግለን ትግረን ዝነበረ ናይ ገዛእን ተገዛእን ቃልሲ ከምኡውን ብውግእ በኒዓምርን ሃደንደዋን ተናዊጹ፡ ኣደዳ ሽፍትነትን ምትእትታው ኢትዮጵያን ኮይኑ ነበረ’ ቃል ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ

‘ንሰልፊ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ መንግስቲ ኣስላም እንተበልኩሙዋ ዝኣምነኩም ሰብ ኣይትረኽቡን ኢኹም። ምኽንያቱ፡ ንሕናስ ማሕበር ዳኢና ኣቚምና ዘለና’ምበር መንግስቲ ኣየቘምናን፣ ብዓረብ እንተጸሓፍና ድማ ትምህርትና ዓረብ ስለ ዝኾነ ጥራይ እዩ። ንኢትዮጵያ ዘይሰልጠነት ሃገር እንተበልናያውን ጋህዲ’ምበር ጸርፊ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ከመይ ከም ዝነብር ዘሎ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ’ዩ። እቲ ንሱዳን መሬት ኤርትራ ክዕድሉ ደልዮም ዝበልኩሞ ድማ መሰረት የብሉን። ኣይኮነንዶ መሬትና ክንዕድልስ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ መሬትናን ሰቡን ይመለሰልና ኢና ንብል’ ቃል ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን

‘ትነንያ እትብሃል እንስሳ፡ ክንፋ ተቘሪጹዋ እናተሳቐየት ትነብር ነበረት’ሞ ካብ ስቓያ ንምግልጋል ንኣምላኽ ለመነት። ኣምላኽ ከኣ ልማኖኣ ሰሚዑ፡ ‘ብዙሕ ሃብትን ወርቅንዶ ክህበኪ ወይስ እታ ዝተቘርጸት ክንፍኺ ክመልሰልኪ?’ ኢሉ ሓተታ። ንሳ ከኣ ብተሓጓስ ተሃዊኻ ‘እቲ ኹሉ ወርቅን ሃብትን ንኻልእ ሃቦ፡ ንኣይ ግን ነታ ካብ ኣካለይ እተቘርጸት ክንፈይ ደኣ ምለሰለይ?’ በለቶ ይብሃል። ኣብዙይ ግዜ’ዚ ዘለና ደቂ ኤርትራ ድማ ብዙሕ ሃብትን ሽመትን ካብ ምልማን ነዛ ብዓመጽ ካብ ኣካላታ ዝተቘርጸት ኤርትራ ሃገርና፡ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ጥንቲ መሰረታ ንኽትሕወስ ደኣ ምልማን ይበልጸና’ ቃል ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመሰቀል

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነጊሱ ብዝነበረ ሕማቕ መንፈስ ተገዛእነት፡ ንንጉስ ሃይለስላሴ ምውዳስን ንነፍስኻ ብደረጃ ጊላኦምን ኣማኒኦምን ኴንካ ምቕራብን ከም ዝለዓለ ሃገራውን መንፈሳውን ክብሪ ይውሰድ ከም ዝነበረ ናይ ታሪኽ ጽሑፋትን ስእልታትን ይምስክሩ። ኣብዚ ሎሚ እዋንውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምውዳስን ምምእዛዝን ከም ዝለዓለ ሃገራዊ ክብርን ፍቕርን ኮይኑ ይርአ ኣሎ።

*     *     *

እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ኣኼባ ስዱሕ ዔላ፡ ብሰንኪ ናይ ቦታ ምርጫ ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ዝነበሩ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ወገን ህ.ሓ.ሓ.ኤ፡ ኣብ እምባህራ ዝተባህለ ቦታ ከም እንደገና ተራኺቦም፡ ተመያይጦም ተሰማምዑ‘ሞ ‘በሉ መራሕቲ ንምረጽ’ ተባሃሂሎም ናብ ምርጫ ኣተዉ።

እቲ ኣቐዲሙ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ኣብ ክልተ ቅድሚ ምኽፋሎም ኣቦ መንበር ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዚነበረ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ቀልጢፉ ብምትንሳእ፡ ናብቲ ድሕሪ ምምቃሎም ኣቦ መንበር ናይታ ካልአይቲ ወገን ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዚነበረ ኣቡ ጥያራ ብምጥማት፡ ‘ኣቡ ጥያራ ኣነን ንስኻን ጠንቂ ናይ ምፍልላይ ናይዚ ሓይሊ መታን ከይንኸውንስ ክልቴና ኣብ ምርጫ ኣይንእቶ?’ ብምባል ተወከሶ’ሞ ኣቡ ጥያራ እውን በቲ ሓሳብ ስለ ዚተሰማምዐ ክልቲኦም ኣብ ውድድር ከይኣተዉ ተረፉ።

በቲ ኣብ ክልቲኦም ዓበይቲ መራሕቲ ዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ድማ ምርጫ ምስ ተገብረ፡ ዓሊ ዑስማን መራሒ ናይታ ጉጅለ ኮይኑ ተመርጸ’ሞ እዞም ዝስዕቡ ድማ በብደረጃኦም ኣባላት መሪሕነት ኮይኖም ተመርጹ፥

1. ሮሞዳን መሓመደኑር 2. ኣቡበከር መሓመድ ኣልሓሰን 3. ኣሕመድ ሂላል 4. ሳልሕ ጠጠው 5. ኣቡበከር መሓመድ ጅምዕ 6. ዓሊ ኢብሪሂም ነበሩ። ከምዚ ዓይነት ተባዕን ንኻልኦት ዕድል ናይ ምሃብን ናይ ምርጫ ውሳነ ድማ ኣብታ ብደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እትምራሕ ዝነበረት ሰልፊ ናጽነት ተንጸባሪቑ ኣይፈልጥን’ዩ ነይሩ!

ብስም ምርጫ ክሳዕ ግዜ ናጽነት ኣብ ክልቲአን ውድባት ማለት ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤን ኣብታ ንስልጣን ኢሳያስ ክትሕሉ ብኢሳያስ ዝቘመት ሕብእቲ ሰልፍን ናይ መራሕቲ ሕርያ’ምበር ምርጫ ተገይሩ ኣይፈልጥን’ዩ! እቲ ሕርያ ከኣ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራይ እዩ ይፍጸም ነይሩ። ብዘዋሪ መልእኽቲ ጌርካ ከኣ ንእከለን እከለን ምረጹ ተባሂሉ ንመረጽቲ ይንገሮም ነይሩ። ወይ ድማ ስም እቶም ኢሳያስ ዝደልዮም መራሕቲ ከም ዝወዓዋዕ ይግበር ነይሩ።

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣጋባብ ኣብ ኣኼባ ሩባ ተኽሊ ዝተሓርዩ መሪሕነት ውድብ ሰልፊ ናጽነት እምበኣር እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፥

1. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቦ መንበር 2. ተወልደ እዮብ (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) 3. ሰሎሞን ወልደማርያም (ኣውራጃ ሓማሴን) 4. ኣስመሮም ገብረእግዚኣብሄር (ኣውራጃ ሰራየ) 5. መስፍን ሓጐስ (ኣውራጃ ሓማሴን) ነበሩ። እዚ ህያው ምስክርነት ሕርያ ኢሳያስ እዩ። ንሰብ ብብቕዓቱ’ምበር ብኣውራጃኡ መሚኻ ዝካየድ ምርጫ፡ ምርጫ ዝጽዋዕ እንተኾይኑ ከኣ ንተዓዘብቲ ንገድፎ።

ዝኾነ ኮይኑ እዛ መሪሕነት እዚኣ ብኢሳያስ ተሓርያ ከም ዝቘመት መስፍን ሓጐስ እውን ተወሳኺ ዓቢ ምስክር’ዩ። ምኽንያቱ፡ መስፍን ሓጐስ ኣብ ሰልፊ ናጽነት ሓድሽ ስለ ዚነበረ ብመረጽቲ ፍሉጥ ኣይነበረን። ዘይፍለጥ ሰብ ደኣ ከመይ ጌሩ’ዩ ንመሪሕነት ተመሪጹ!? ኢልካ ምሕታት ከኣ ንቡር’ዩ። ኢሳያስ እንተ ደሊዩዎ ግን ኩሉ ይኸውን’ዩ! ‘ተመሪጹ’ ድማ ተባሂሉ። እቶም ምስኡ ዝመጹ ኣዝዮም ሓያላት ናይ ምምራሕ ብቕዓትውን ዝነበሮም ክልተ ገዳይም ተጋደልቲ ማለት፥ መዓሾ እንባየመሓሪ ደበሳይን ግን ንኢሳያስ ስለ ዘይተበርህዎ ኣይኮነንዶ ክምረጹስ ኣይተዘከሩንውን!

እቶም ብሕርያ ኢሳያስ ዝምረጹ መራሕቲውን ኣብ መንጎኦም ስምምዕ ከይህሉዎም ምእንቲ ኣበርቲዑ’ዩ ዚሰርሕ! ንኢሳያስ ንሓድሕዶም ዝተፋነኑን ዝተሃላለኹን መራሕቲ’ምበር ተሳንዮምን ተፋቒሮምን ዝሰርሑ መራሕቲ ቅሳነት ኣይህቡዎን’ዮም! ንኣብነት፥ ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ተወልደ እዮብሰሎሞን ወልደማርያምን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ከም ማና’ዩ ቈጺሩዎ። ካብቶም ባዕሉ ዝሓረዮም መራሕቲውን እንተኾነ ኣብ ዓይኒ ተጋደልቲ፡ ብሉጻትን ተጠመትን ክኾኑ እንተጀሚሮም፡ ኢሳያስ ቀልጢፉ መውደቒኦም ይምህዘሎም ከም ዚነበረ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ፡፡ ዝና ወትሩ ንኢሳያስ ጥራይ እዩ ዝግባእ!

‘ኣቡ ጥያራ፡ ኣነን ንስኻን ጠንቂ ናይ ምፍልላይ ናይዚ ሓይሊ መታን ከይንኸውንስ ክልቴና ኣብ ምርጫ ኣይንእቶ?’ ቃል ሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

ኣብ መበል 25 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 05/10/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmera dimsi bayto 14th session 2.2002 Tigrina audio. መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ለካቲት 2002)። (YouTube Channel: Aida Kidane):