ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 26 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

05/02/2018 20:58 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 26 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 26 ክፋል

 

*ብዕለት 8/3/1947 ዓ.ም. ቤት ጽሕፈት ሰልፊ “ኤርትራ ንኤርትራውያን” ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኸፊቱ።
*ብዕለት 21/6/1943 ዓ.ም. ሓደ እንግሊዛዊ ብዓል ስልጣን፡ ንምምቃል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከጽንዕ ናብ ኣስመራ ኣተወ።
*ኣብ ዕለት 19/11/1941 ዓ.ም. ኣመሪካ ኣብ ጉራዕ (ኤርትራ) መዓርፎ ነፈርቲ ክትሰርሕ ወሰነት።
*ኣመሪካ ንመዓርፎ ንፈርቲ ንምስራሕ፡ 120 መሃንድሳት፡ 20 ሓኻይም፡ 24 ነርሳት፡ ብልክዕ ቊጽሮም ዘይተፈልጠ ናይ ስኒ ሓካይም፡ ኣቕሽሽቲ፡ ቀምቅምቲ ጸጒሪ፡ ሰፈይቲ ክዳን፡ ሰንከትቲ ሕብስትን ከሸንቲ መግብን ናብ ኤርትራ ለኣኸት።
*ኣብቲ ብኣመሪካውያን ዝስራሕ ዝነበረ ሓድሽ መዓርፎ ነፈርቲ ጉራዕ 5010 ደቀባት ኤርትራውያን ናይ ስራሕ ዕድል ረኺቦም ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

መበል 26 ክፋል፥

ንምንታይ እያ ኤርትራ ንኹልና ኤርትራውያን ዘረዳድእ ሃገራዊ ቋንቋ ዘይብላ!?

ኣቶ እምባየ ሃብተ ኣባል ሰልፊ ሕብረት ካብ ከረን ንሃገራዊ ቋንቋ ኤርትራ ብዝምልከት ከምዚ በሉ፥ 'ሃይማኖታዊ ፍልልይ ንግደፎ! ረብሓ ህዝቢ ንርአ። ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ብእንግሊዝኛ፡ ብትግርኛን ብዓረብን ተነዲፉ ኣሎ። ስለዚ፡ ዓረብን ትግርኛን ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ይኹን። እቲ ካልእ ቋንቋታትውን ህዝቢ ምስ ሰበስልጣን ኣብ ዚራኸበሉ ይጠቐመሉ።' በሉ።

ብድሕሪ'ዚ ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ገብረማርያም ኣባል ሰልፊ ሕብረት ካብ ሰራየ ብድድ ኢሎም፡ 'ትግርኛ'ዩ ቀንዲ ቋንቋ! ግድን ካልእ ቋንቋ ይወሰኽ እንተተባህለ ድማ ቋንቋ ትግረ ይወሰኽ'ምበር ዓረብ ናይ ሃይማኖት እዩ'ሞ ብኡ መጠን ክብሪ ይወሃቦ። ከም ወግዓዊ ቋንቋ ግን ኣብዚ ሃገር ፍልልይ ከእትወልና'ዩ።' በሉ። ድሕሪ'ዚ እቲ፡ ነዚ ኹሉ ክትዓት ኪዕዘብ ዚጸንሐ ንሕገ መንግስቲ ኤርትራ ዚነደፈ ቦለቪያዊ ኣንሶ ማትየንሶ ነዚ ዚስዕብ ርእይቶን ውሳነን ሃበ፥

'ሕገ መንግስቲ ውህደት ከምጽእ'ዩ ዘለዎ'ምበር ክፈላሊ የብሉን። ስራሕ ባይቶ ድማ ሕጊ ምርቃቕን ምጽዳቕን ጥራይ ኣይኮነን፣ ዕርቂውን ከምጽእ ይግባእ። እምበኣር ብመንፈስ ብምትዕራቕ ‘ትግርኛን ዓረብን ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ይኹን’ ንዚብል መመሓየሺ እማመ ተቐቢለ ኣለኹ' በለ። በዚ ኣጋባብ'ዚ ድማ'የን ቋንቋ ትግርኛን ዓረብን ወግዓዊ ቋንቋታት ኤርትራ ንኽኾና ዝበቕዓ። ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ።

ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ዘሰክፍ ጉዳይ፡ እዞም ሕጂ ዘለዉ ኣብ ቋንቋናን ባህልናን ሰፊሕ ፍልጠት ዘሎዎም ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ ኣፍልጦኦም ከየውረሱናን ከይሰነዱልናን ይሓልፉ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ንምድላው ከቢድ ብድሆ ከጋጥመና ምዃኑ’ዩ። ብዓብይኡ ግን እቲ ሃስያ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ምዝርዛሩ ከይነውሓና ናብ ዝርዝሩ ኣይኣቱን’የ። ብሓጺሩ ግን እዞም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝዛረቡዎ ቃላትን ዝጽሕፉዎ ጽሑፋትን ብምስትውዓል እኹል ጭብጢ ክርከብ ስለ ዝኽእል ንኣኡ ምውካስ እኹል’ዩ እመስለኒ። ሓንቲ ናይ መወዳእታ ኣብነት ክጠቕሰልኩም ግን ፍቐዱለይ?

ኣብታ መንእሰይ ዘርእስታ ብድምጻዊ ቴድሮስ ሓጐስ እተዜመት ደርፊን ኣብታ ኣባኻ’ዩ ዘርእስታ ብድምጻዊት ሄለን መለስ ዝቐረበት ደርፊን ዘላ ቃል ገለ ክብለኩም። ክልቲአን ኣብ ፈስቲቫል ሳዋ’የን ተደሪፈን። ምናልባትውን ብሓደ ሰብ ዝተደርሳ ክኾና ይኽእላ’የን። ኣብ ክልቲአን ሓንቲ ጌጋ ትርጉም ዝተዋህባ ቃል ኣላ። ስነ ጥበበኛታት ረቢናት (መምህራን) ህዝቢ’ዮም። ብጌጋ እንተ ምሂሮም ድማ ወለዶ ብምልኡ ጠፊኡ ማለት’ዩ። እታ ብጌጋ ተተርጒማ ዘላ ቃል “ኣፍላ” እያ ትብል።

ከምዚ ኢሎም ድማ’ዮም በብወገኖም ዘዚሙዋ፥ “ኣፍላየ ኣፍላየ መንእሰይ ኣፍላ፣ ሳላ ብርክኻ’ወ እዛ ሃገር ደው ኢላ!” ይብል እርሩ። ሄለን መለስ እውን ብተመሳሳሊ፥ “ስለዚ ጎበዛይ ብርኪ ከይጠለመ፣ ዳምዳም ደኣ በል ኣፍላ ከሎ ዕድመ” ኢላ ተዝይም። እዞም ድምጻውያን እዚኣቶም ኣብ ቋንቋና ዘሎዎም ኣፍልጦ ድሩት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኩሉ ብዘይምፍላጦምውን ከም በደል ክቚጸረሎም ኣይግባእን። ንነገሩ እዚ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት’ዩ። ጉድለት ዝፍጽሙ ስነ ጥበበኛታት ግን እዚኣቶም ጥራይ ኣይኮኑን። ኣነውን ኣብ ብቋንቋ ትግርኛ ክግደስ ቅድሚ ምጅማረይ ተመሳሳሊ ጌጋ ፈጺመ’የ።

እቲ ኣብ ዝባን ፎርቶ ኮፍ ኢሉ ንዝመጸቶ ጽሕፍቲ ሓደ ብሓደ ቃላታ ብምቑማል፡ ከም ገለ እንብዓል መ-መንግስቲ ፐ-ፖሊስ ሰ-ሰራዊት፡ ህ-ህግደፍ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ቃላት እናለቐመ ስነ-ጥበበኛታት ከከላብት ዝውዕል መማሪ ወይ ነቓፊ (censure) ግን እዚ ቃላት’ዚ ጌጋ’ዩ ተተርጒሙ ዘሎ ኢሉ ዋላ ንእግረ መገዱ ኪእርም ኣይክእልንድዩ? ወይስ ኣይፍቀዶንዩ? ብዝኾነ ኣፍላ ማለት ፈለማ ማለት ክኸውን ከሎ፣ ኣፍለ ማለት ከኣ ጎበዝ ወይ በጽሒ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብዘን ቃላት ናይ ትርጉም ፍልልይ ኣሎ፣ ነዝን ወዲ ከምዝን ከነስተውዕለሉ ይግባእ። ኣብዚኣ ብዛዕባ ደረፍቲ ካብ ኣልዓልኩ ንእግረ መገደይ ክሓታ ዝደሊ ነገር ኣላ። ናይ ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ ጉዳይ እያ።

እዚ ወናም ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ሓያል ኣበርክቶ ዚገብር ዘሎ ድምጻዊ’ዚ፡ ብኣስሉ (ብትውልዱ) ኢትዮጵያዊ (ትግራዋይ) ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ስለ ዝዓበየ ግን ኩሉ ደርፍታቱ ብቋንቋና፡ ብጽሩይ ትግርኛ’ዩ። ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ግን ኣብ ተሌቪጅን ህግደፍ ተራእዩ ኣይፈልጥን! ስለምንታይ!? ብኣንጻሩ እቲ ናይ ሳሚ ብርሃነ ንቓላት እናሰባበረ ደጊሙ ዚደርፍ ሱዳናዊ፡ ብቐጻሊ ይርአ!

ጽልኢ ህግደፍ ምስ ወያነድዩ ምስ ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ? ወይስ ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ ናብ ሳዋ ወሪዱ ስለ ዘይተዓለመ’ዩ? ቋንቋኻ ንዚደርፍ ወጻእተኛ ዝያዳ ወዲ ዓዲ ከተተባብዖ እኮ’ዩ ዝግባእ ይመስለኒ። ጉጅለ ምልኪ ግን ስነ ሓሳቡ’ምበር ቋንቋን ባህልን ኤርትራ ስለ ዘየገድሶ፡ ኩሉ ድሌቱ ዘይፈጸመ ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኤርትራዊ ወይውን ሰብ ኣይኮነን።

እቲ ሳልሳይ ድማ እምነት’ዩ። ናይ ሎሚ ወለዶ ኩሉ ብሳዋ ይሓልፍ ስለ ዘሎ፡ ሳዋ ማለት ከኣ ቀታሊትን ቀባሪትን እምነትን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነት፡ እምነት ዘሎዎ ወተሃደር ንምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን’ዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ ብሰንኪ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ሃይማኖት ዘይብሉ ጉጅለ’ዚ፡ እምነት ኣብ ኤርትራ ይበርስ ከም ዘሎ፡ ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ንኽእል ኢና።

ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣነ ልክዕ ከም ሰበይ ኣፍልጦይ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ድሩት’ዩ። ካብ ካልእ ሰብ ዝፈልየኒ ነገር እንተሎ ግን ነዚ ኩሉ ኣነ ዝጽሕፎ ርእይቶ ይኹን ዘንብቦ መጻሕፍቲ ንቋንቋና መታን ከማዕብል ትግርኛ’የ ዝጥቀም። ተገዳስነተይ ንምዕቃቡውን ኣዝዩ ልዑል’ዩ። ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ነገር ከኣ ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ፡ እተን መሰረታውያን መትከላት ጸሓፊ ማለት፡ ቀዳማይ ንዘይፍለጡ ወይ ድማ ዘይዝውቱራት ቃላት ምስ ህዝቢ ምልላይ ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ከኣ ንዝተረስዑ ኣዝዮም ገለጽትን ቆጠብትን ቃላት፡ ንኣብነት፥ ሮሶብ (ጸሊም ደበና)፣ ስልንስል (ክልተ ልቢ ምዃን) ወዘተ. ዝኣመሰሉ ገለጽትን ቆጠብትን ቃላት ዳግም ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓሎም ንህዝቢ ምዝኽኻር’ዩ።

ስነ-ጥበበኛ ግን እዘን ክልተ ነገራት ጥራይ ኣይኮነን ክገብር ዘለዎ፡ ስርዓተ ሰዋስውን ግቡእ ስርዓተ ነጥብን ዘማልአ ስነ ሓሳብን ኣዘራርባንውን ከዘውትር ኣለዎ። ቅኑዕ ስነ-ሓሳብ ወይ ድማ ሕጊ ሰዋስው ከኣ መጀመርያ ብብዓል ቤት’ዩ ዝፍልም፡ ድሕሪኡ ተሳሓቢ ይስዕብ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ግሲ ይመጽእ። ዝኾነ ጽሑፍ ብኸምዚ ኪቐውም ኣለዎ። ንኣብነት፥ “መሲናስ ትግርኛ ጽሒፉ።” እንተኢልና፡ መሲናስ ብዓል ቤት፣ ትግርኛ ተሳሓቢ፣ ጽሒፉ ድማ ግሲ ማለት’ዩ። በዚ ኢና ድማ ክንምራሕ ዘለና። ሓሳበይ ጥራይ ይረዳኣዮም እምበር እንታይ ሕጊ ሰዋስው ዘኸትል ኣለኒ ብምባል፡ ቋንቋና ኣይነባላሹ ሓደራ?

ኣብ መበል 27 ክፋል ይቕጽል...

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 04/02/2018

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ኣባኻ'ምበር ኣብ መን ደኣ'ሞ?: