ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 27 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/02/2018 21:38 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 27 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 27 ክፋል

 

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

*’እዚ ሕጂ ገዛ ገዛ እናኣተኻን ኣርማድዮን ትሕቲ ዓራትን ከይገደፍካ እናፈተሽካ ዝካየድ ዘሎ መንእሰያት ኤርትራውያን ናይ ምግፋፍ መስርሕ፡ ኣብ 1972 ዓ.ም. ብሓደ ፎቶ ዚብሃል ኣብ ዓዜን (ኣውራጃ ሓማሴን) ዚዓዱ ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ’ዩ ጀሚሩ። ፎቶ ሓደ ቀለተ ዚብሃል ዓቢ ሓው ብረት ሒዙ ናብ ጸላኢ ኢዱ ስለ ዚሃበ’ዩ፡ ኣምሳያኡ ንሱን እተን ዝጓስየን ዚነበረ ጥሪቶምን ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ተጨውዮም ተወሲዶም።’ (ቃል ተ/ጋ ተስፋይ ተምነዎ)

*’ሓደ ካብ መስረትን ፕረሲደንትን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ነበር ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሌታ ምስ ረኸበት ካብ ዝደርበየቶም ሓደ ካብቶም ሰሓብትን ትኩራትን ኤርትራውያን መራሕቲ ናይ ግዜ ፈደረሽን ከም ዚነበሩን ኣብ መወዳእታ ድማ ብብስጭትን ብመስተን ነብሶም ከም ዝጎድኡን ዝፈልጡዎም ሰባት የዘንትዉ።’ (ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ንጸላኢ ወይ ድማ ንመራሕቲ ንምሕጐስ ኢልካ ንህዝቢ ምብዳል እዚ’ዩ ትርፉ።

*’ኣብ 1952 ዓ.ም. ዝተሓንጸጸ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ከበሳን ቆላን ኢሉ ኣብ ክልተ ብምኽፋል፡ ኣብ ሽዱሽተ ኣውራጃታት መቓቒሉ’ዩ ከማሓድራ ፈቲኑ፤ ኣብ ድሮ ምፍራስ ፈደረሽን ግን ኤርትራ እንደገና ካብተን ዝጸንሓ ሽዱሽተ ኣውራጃታት፡ ማለት ሰራየ፡ ሓማሴን፡ ኣከለጉዛይ፡ ባርካ፡ ሰንሒትን ሰምሃርን ካልኦት ክልተ ማለት ንሳሕልን ንደንከልን ብምውሳኽ ናብ ሸሞንተ ኣውራጃታት ክብ ኢሉ ነይሩ፣ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽንውን ንኣውራጃ ባርካ ኣብ ክልተ ብምምቃል፡ ከተማ ባረንቱ ዝመዲናኡ ጋሽ-ሰቲት ዚብሃል ኣውራጃ ብምስማይ፡ ኤርትራ ብትሽዓተ ኣውራጃ ብምክፍፋል ክሳዕ ግዜ ናጽነት የማሓድራ ነይሩ።’ (ቃል ተ/ጋ ተስፋይ ተምነዎ)

*’ብ6 ሓምለ 1947 ዓ.ም. ሰንበት መዓልቲ፡ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ናብ ገዛኦም ብማኪና እናኸዱ ከለዉ፡ ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ይስሓቕ ተወልደመንድህን (ገዛ ከኒሻ) ምስ በጽሑ፡ ብዝተደርበየሎም ቦምባ ኢድ ተወቒዖም ከም ዚቖሰሉ ይፍለጥ።’ (ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ)

*’ተበለጽትን ረገጽትን ሓይልታት ንንቕሓት ሕብረተሰብና ብምምዝማዝ፡ ሓንሳብ ንገለ ደቂ ኣውራጃ ፈልዮም ቊሩብ ሓለፋታት ብምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ደቂ ካልእ ኣውራጃ በደል ከም ዝፍጽሙ ብምግባር፤ ጽንሕ ኢሎም ድማ ነቲ ሓደ ብተመሳሳሊ መገዲ ብምግጋይ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ቅርሕንትን ዘይምስናይን ክፈጥሩ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ብምልኪ ዚገዝእ ዘሎ ግዝያዊ ሓይሊውን ፍጥር ካብ ዚብል ኣትሒዙ ነዚ ኣጋባብ እዚ’ዩ ይኽተል ነይሩ። ሎሚውን ብዝሓየለ መልክዑ ብምጥቃም፡ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ኣሎ።’ (ቃል ተ/ጋ ተስፋይ ተምነዎ)

መበል 27 ክፋል፥

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ይኹን ብቕድሚኡ እቲ ተራ ኣባል ብዙሕ ግዜ ንሰብ እምበር ንመትከል ወይ ንዕላማ ተኸቲሉ ይቃለስ ኣይነበረን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ዝኽተሎ ሰብ ኪጋገ ወይ ኪስወር ከሎ ቀልጢፉ ይጠፍእን ብቐሊሉ ብኻልኦት ተበለጽቲ ይህሰን ይዝወርን ነበረ። እዚ ኣካይዳ’ዚ ከኣ ነቲ፡ “መራሒ እንተዘየለ ሰዓቢ ኣይህሉን’ዩ” ንዝብል ኣምር ዘረጋግጽ ይመስል።

ሓደ ማሕበር ወይ ጥርናፈ ፍኑውን ብጽኑዕ መትከላትን ውሽጣዊ ሕጋጋትን ዘይተኣስረ እንተኾይኑ፡ ሰባት ካብ ሓደ ናብ ሓደ ከም ጸባ ክጋማድሑ ንቡር’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ማሕበር ክንጽንበር ከለና ምእንቲ እቲ ዚዕድመና ዘሎ ሰብ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ኣንቂሉዎ ዘሎ ዕላማ ክንብገስ ኣለና። ሻቡ እቲ ዓዳሚ ይሃሉ ኣይሃሉ እቲ ቅኑዕ ዝበልናዮ ዕላማ ስለ ዘሎ ግን ወትሩ ናብኡ እናኣቛመትና ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ሓደ ዕላማን መትከልን ጸኒዕና ክንምርሽ ንኽእል ማለት’ዩ።

ንኣብነት ነዚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዓወት ዝበጽሐ ዕላማታትን መትከላትን ማሕበር መንእሰያት ኣንድነት ንመልከት፥ ብዕለት 24/10/1948 ዓ.ም. እቲ ማሕበር ነዘን ዝስዕባ የዐውታኒ’የን ዝበለን ዕላማታትትን መትከላትን ሓንጺጹ ስለ ዝተበገሰ፡ እቶም ድሕሪ ቅትለት ሓርበኛ ዓብደልቃድር ከቢረ ብምምሕዳር እንግሊዝ ዝተኣሰሩዎ ገብረስላሴ ጋርዛን ሃብቶም ኣርኣያን ዝተባህሉ መራሕቱ ምስ ሰኣነ ተስፋ ቈሪጹ ኣይተበታተነን። ነተን በቲ ማሕበር ኣቐዲመን ዝተሓንጸጻ ዕላማታት ንምፍጻም’ዩ ከም ቀደሙ ቃልሱ ቀጺሉ።

‘ዕላማታት ማሕበር መንእሰያት ኣንድነት፥
1. በበግዜኡ ነቶም ኣንጻር ጸላኢ ኣድላዪ ስጉምቲ ዝወስዱ ወይ ዝፍጽሙ ውልቀ ሰባት ሞሳ ወይ ክፍሊት ምሃብ፣
2. ንሓለፍትን ፖለቲካውያን መራሕትን ምቕንጻል፣
3. ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ንዘገልግሉ ሰባት ብምዕሳብን ጉቦ ብምሃብን ናይ ጸላኢ ምስጢራትን ኣካይዳን ምፍላጥ፣
4. ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ጸላኢ ሰለይቲ ምምልማል፣
5. ኣብ ካላኦት ሰልፍታት ዘለዉ መንእሰያት ብሓያል ጐስጓስ ይኹን ብምሕባል ናባና ከም ዝጽንበሩ ምግባር፣
6. ንኣሽቱን ዓበይትን ብረት ከም ዝህልወና ምግባር፣
7. ዓቕሚ እንተ ኣፍቂዱ ድማ ወርሓዊ ክፍሊት ክግበረልና ምጽዓር።’ ይብል።

ማሕበር መንእሰያት ኣንድነት ካብዚ ዕላማታት’ዚ ብምብጋስ እምበኣር’ዩ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ሸውዓተ ግዜ ናይ ቅትለት ፈተነ፣ ኣብ ልዕሊ ምስሌነ ገዛ ብርሃኑ ነበር ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባል ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ነበር ደግያት ሓሰን ዓሊ ፍሹል፡ ብዕለት 27 መጋቢት 1949 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሓርበኛ ዓብደልቃድር ከቢረን ብዕለት 12 የካቲት 1949 ዓ.ም. ድማ ኣብ ልዕሊ ምስሌነ ጽልማ ነበር፡ ብላታ ካሕሳይ ማሉ ዕውት ናይ ቅትለት ፈተነ ከም ዘካየደ’ዩ ዝንገረሉ።

እዚ ኣቐዲምና ዝነበብናዮ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ቤቱ ዘጋጥሞ ዝነበረ ናይ ምርዓድን ናይ ምጽናትን ስልቲ’ዩ። ብተመሳሳሊ ዕላማ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ግዳም ኣብቲ ብስም ሓለዋ ሰውራ ዘቘሞ ስልጣኑ ዝሕሉ ቤት ማእሰርቲ ገሃነም ዝምድቦም ሰባት ብዘይካ ሓደ ሓደ እሱራት ብከቢድ ማህረምትን ጸቕጥን ዝተናዘዙዎ ቃላት ዝምዝግብ ሰብ እቶም ዝተረፉ ማለት መርመርትን ሓለውትን ግን ብምሉኦም ዝተባህሎም ጥራይ ዝፍጽሙ ዘይተማህሩን ዘየኣገናዝቡን ሰባት’ዩ ዝምድበሉ ነይሩ።

‘ሓደ ግዜ ሓደ ኣብ መስርዕና ዚነበረ ተጫራቓይ ተጋዳላይ ‘ሰላዪ እዩ’ ተባሂሉ ካባና ተወሲዱ ምስ ተኣስረ፡ ካብቶም መርመርቲ ዝብሃሉ ሓደ ሓርስታይ ወዲ መስርዕና ነይሩ፤ ኪምርምር ሓዲሩ ንግሆ ምስ መጸ ከኣ ‘ኣንታ ዘርእሰናይሲ ናይ ብሓቂድዩ ሰላይ ኮይኑ?’ ኢለ ይሓቶ’ሞ፡ ‘ክላእ! ንሳስ ኣይትጠቅምን’ያ! ሓንሳብ ምስ ዘበጥናያ ከይተለፋለፈት መይታ!’ ክብል እናሰሓቐ መሊሱለይ።

“ዘረባኡ ኣሰንቢዱኒ! ‘ብምንታይ ዲኹም ትወቕዑዎም?’ ኢለ ሓቲተዮ። ‘ካብዚ ገረብ ሰራው ስልዕ ኣቢልካ’ምበር እንታይ ደኣ ደሊኻ!’ ኢሉኒ። መሳኪን ተጋደልቲ፡ ከከንዲ እምባ ዝኾኑ እንስሳታት ብጥሉል በትሪ ሰራው ማይኩሊቶም ምስ ዘበጡዎም፡ ኣብኣ ከለዉ ክምብል ይብሉ! ነቲ መውቃዕቲ ጠላዓት ኣጓብዝ ኪጻወሮ ዘይከኣለ ሰብ ከኣ ‘ኣይጠቅምን’ዩ!’ ይብሉዎ።’ ቃል ሓርበኛ ተገዳላይ ተስፋይ ተምነዎ። ብኸምዚ ኣጋባብ ዝጠፍኡን ገና ሕጂውን ዝጠፍኡ ዘለውን ኤርትራውያን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዋላ ድሕሪ ሞቱ ኪሕተተሎም’ዩ!

ኣብ 28 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 30/03/2018

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ: