ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 32 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

11/10/2018 19:57 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 32 ክፋል

ኣስካሕካሒ ዘለማ ህዝቢ ትግረን ኣመጻጽእኡን፥

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 32 ክፋል፥
ኣስካሕካሒ ዘለማ ህዝቢ ትግረን ኣመጻጽእኡን፥

እቲ ብድርብ መግዛእቲ ማለት ብዘቤታውን ግዳማውን ዝሳቐ ዝነበረ መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግረ፡ ኣብ 1920 ዓ.ም. ቤት ኣልመደ መንሳዕ፡ ናታብን ቤኒ ዓምርን ኣንጻር’ቲ ድርብ ዝኸፍሉዎ ዝነበሩ ግብሪ፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ዘለምቱ (ጨቈንቱ) መሳፍንቲ ቤት ኣስገደ፡ ናዕቢ ምስ ኣልዓሉ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ዚነበረ፡ ጋስፓሪኒ ዝተባህለ ኢጣልያዊ፡ ገለ ለውጥታት ገይሩሎም ነበረ። እቲ ምምሕያሽ ግብሪ ድማ ‘ነፍሲ ወከፍ ኣልመዳዊ ትግረ፡ ወትሩ ካብ 24 ኣሓ፡ ሓንቲ ትሕለብ ላም፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዒድ ሓጅ ድማ ሓንቲ ጤል፣ ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ሓንቲ ገመል ንቤት ኣስገደ ኪኸፍል’ ዝብል ነበረ።

ህዝቢ ትግረ ብልዑላን “ሽማግለ” ዝጽውዑ (ቤት ኣብርሀን ቤት እሽሓቀንን) በቲ ሓደ ወገን ድማ ትሑታንን ግዙኣንን ቤት ኣልመደ (ዓማዊልን ግዙኣትን ምስኣቶም ዝተሓወሱ ጓኖትን ጊላታትን) ተባሂሉ ክሳዕ ግዜ ጥልያን ጎይታን ጊላን ኮይኑ ኣብ ክልተ’ዩ ተመቒሉ ጸኒሑ። እዞም ብሽማግለ ዝፍለጡ ክልተ ልዑላን ስድራቤታት እዚኣቶም ድማ ቤት ኣብርሀ ዝብሃሉ ኣብ ዓዲ ኣሕፈሮም፡ ዓዲ ገብረየስ፡ ዓዲ ዓይላይ፡ ዓዲ ቡላን ዓዲ ዓበሳን ዝርከቡ ክኾኑ ከለዉ፣ ቤት እሽሓቐን ዝብሃሉ ድማ፥ ኣብ ዓዲ ሓሳማ፡ ዓዲ ሹም ትንሱእ፡ ዓዲ ዘርኢት፡ ዓዲ ሃብቱን ዓዲ ወርሒ ሰብን ዝርከቡ እዮም።

እዞም ኣዝዮም ጨካናት ዝኾኑ “ሽማግለ” ዝብሃሉ ገዛእቲ ትግረ ግን ብኸመይ ጎይቲቶም? ብቕድሚ 1600 ዓ.ም. እዞም ድሒሮም ኣብ ኣዝዩ ሕሱም መግዛእትን ዘለማን ዝኣተዉ ብሄራት ትግረ፡ ሓደ ነቲ እዋን’ቲ ዝሰማማዕ ሰላማዊ ምምሕዳር መስሪቶም ብሰላም ኣብ ሮራ ኣውራጃ ሳሕል ይነብሩ ነበሩ። መራሒ ናይዚ ምምሕዳር ድማ ሓደ ማሕሙድ ኣልመዳይ ዚብሃል ተንኰልን ክፍኣትን ዘይብሉ፡ ኣዝዩ ቅኑዕን ሓላልን፡ መሰል ወዲ ሰብ ኣኽቢሩ ዘመሓድርን ሓቂ ዘየጥፍእን ቅኑዕ ሰብ ነበረ’ሞ ብዙሓት ካብ ትግረ ዘይውለዱ ህዝብታትውን ነቲ ሰላማዊ ምምሕዳሩ ብሂጎም ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ እናመጹ ክጽንበሩዎም ጀመሩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ምምሕዳር ሰፊሑ ንብምብልኡ ኣውራጃ ሳሕል ኣብ ሓደ ምምሕዳር ጠቕለሎ።

ከንቲባ ድምበዛኖይ ወዲ ፋሉቕ ኣብ ዓንሰባ ኮይኑ ንዛኖይ ወለደ፡ ዛኖይ ናብ ኳንድባ ከይዱ ንሓደምበስ ወለደ፡ ሓደምበስ ንብእምነት ወለደ፡ ብእምነት ከኣ ኣብ ዓዲ ንፋስ ኮይኑ ንኣስገደ ወለደ። ሓደ ግዜ ከኣ ኣስገደ በቕሉ ጠፊኣቶ ንኣኣ ኪደሊ ኢሉ ካብ ዓዲ ንፋስ ናብ ሳሕል ገጹ ምስ ወረደ፡ ኣብ ሓደ ሮራ ዝተባህለ ልሙዕ ሸኻ ሳዕሪ ክትበልዕ ጸንሓቶ’ሞ ኣስገደ ነቲ ቦታ ፈተዎን ንምቕማጡ በሃጎን። ድሕሪ’ዚ በቕሉ ሒዙ ናብ ኣሕዋቱ ምስ ተመልሰ ድማ ናብቲ ንሱ ዚረኣዮ ልሙዕ ቦታ ከይዶም ንኽነብሩ ሓተቶም። በዚ መሰረት ከኣ ሰለስቲኦም፡ ማለት ፍሬመኻእ፡ ስሙርን ዘርኣብሩኽን ዝብሃሉ ኣሕዋቱ ድማ ብሓሳባቱ ተሰማሚዖም ምስኡ ናብ ሳሕል ተበገሱ።

ካብዞም ኣርባዕተ ኣሕዋት ዘርኣብሩኽ ብዓልቲ ቤቱ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝተታሕዘት ንሱ ኣብ ዓንሰባ ተረፈ። እቶም ሰለስተ ግን ጉዕዞኦም ብምቕጻል ናብቶም ንሳሕል ብሰላም ዘማሓድሩ ዝነበሩ ሰብ ኣልመዳ ብሰላም ኣተዉ። ኣስገደ ከኣ ምስቲ ብሩኽ መራሒ ህዝቢ ኣልመዳይ ተላለየ።

ኣልመዳይ ኣብ መሬት ይድቅስ ስለ ዚነበረ፡ ኣስገደ ዓራት ሰርሓሉ፡ ከምኡውን ኮፍ መበሊ መንበርን ቤትን ሰርሓሉ። ኣልመዳይ ከኣ ካብቲ ዚነብረሉ ዚነበረ በዓቲ ወጺኡ ናብ ቤት ምስ ኣተወን ኣብ ዓራት ኪድቅስ ምስ ጀመረን ንኣስገደ ፈተዎን ኣመስገኖን። ኣብ ትሕቲኡ ኮይኑ ከማሓድር ድማ ሸሞ። ህዝቢ ሳሕል እውን ንኣስገደን ኣሕዋቱን ክእዘዞምን ከኽብሮምን ጀመረ። ድሒሮም ግን ሰለስቲኦም ኣሕዋት ብስልጣን ስለ ዝተባኣሱ ነቲ ሰላምን ቅሳነትን ዝነበሮ ህዝቢ ኣውራጃ ሳሕል ሃወኹዎ።

ድሕሪ’ዚ ድማ ጨካናት መራሕቲ ኮይኖም ነቲ ደሞክራሲ ዝለመደ ህዝቢ ብጭቆና ገዝኡዎ። እዞም ካብ ሑሰን (ኣልመዳ) ሓሰን (ጻውራ) ዝውለዱ ክልተ ኣሕዋት ኣህዛብ ድማ ስልጣን በቶም ጨካናት ቤት ኣስገደ ምስ ተባሕተን ኣደራዕ መግዛኣቲ ምስ መረሮምን ብዙሓት ናብ ካልእ ኣውራጃታት ተበታተኑ። እቶም ዝተረፉ ድማ ጊላታት ሽማግለ ኮይኖም ተረፉ። ህዝቢ ትግረ ድማ ወትሩ ዘዝሓየለ ከም ጊላ ክገዝኦም ጀመረ። ስልጣን ገዛእቲ ትግረ “ሽማግለ” እምበኣር ካብዚ’ዩ ዝፍልም።

ግዙኣት ትግረ ኣብቲ ናይ ጎይቶቶም ኣኼባ ክዝትዩን ክዛረቡን ሓሳባቶም ከካፍሉን ይፍቀደሎም ኣይነበረን። ነፍሲ ወከፍ ግዙእ ድማ ነንጎይታኡ ነዚ ዝስዕብ ትእዛዛት ኪፍጹም ግዱድ ነበረ፥

1ይ. ናይ ዝሕረስ ግራት ክራይ፡ ማለት ሓደ ውሱን ዓቐን ዘሎዎ ጠስሚ ንጎይታኻ ምኽፋል፡

2ይ. ናብ ማሕረስን መጓሰን ንዝግበር ወፍርታት፡ ንስንቅን ኣቚሑን ንምጉዕዓዝ ሓደ ብዕራይ ህያብ ነቲ ጎይታ ምሃብ፡

3. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓንቲ እትሕለብ ላም ንጎይታኻ ምውፋይ፡

4. ብሃድን ይኹን ብዘመተ ዝተረኽበ ንብረት ይኹን ጥሪት ወይ ገንዘብ እቲ ዝበዝሕ ንጎይታኻ ምውፋይ፡

5. ሓደ ግዙእ ትግረ ናብ እንዳ ጎይታኡ ኣጋይሽ ምስ ዝመጹ ወይ ውራይ ምስ ዝግበር እኽልን ጥሪትን ምብርካት፡

6. ዝኾነ ጊላ ትግረ ካብ ጐይታኡ ኪሰናበትን ዓዲ ኪቕይርን እንተደልዩ ኣቐዲሙ ንጎይታኡ ሰለሰተ ላም ኪህብ ይግደድ፡

7. ነፍሲ ወከፍ ግዙእ ንጎይታኡ ከም መባድልቲ ህይወት ኪውፈን ኪሽየጥን ይኽእል።

ብኣንጻር’ዚ ድማ እቲ ጐይታ (ሽማግለ) ንግዙኡ ኪገብረሉ ዝግብኦ ግዴታ ነይሩዎ’ዩ። ንሱ ድማ፥

1. ግዙእ መሬት ወይ ጤሳ ዘይብሉ እንተኾይኑ ንኣኡ ዘገልግል መሬት ምሃብ፡

2. ኣብ ነፍሲ ወከፍ በዓሎም ግዙእ ዝደለዮ ህያባት ምሃብ፡

3. ኣብ ግዜ መርዓኦም ህያባት ምሃብ፡

4. ብገበን ኣብ ፍርዲ ምስ ዝቐርብ ምስናይን ምሕጋዝን ወዘተ. ክገብሩሉ ይግደዱ ነበሩ።

እቶም ሽማግለታት ዝብሃሉውን ብደረጃ ትሕዝቶኦም ክብረቶምን መዓርጎምን ይፋላለዩ እዮም ነይሮም። ሓደ ሽማግለ ብስንፍናኡ ይኹን ብምብዛሕ ስድራቤቱ ድኻ እንተኾይኑ፡ “ትሑት ሽማግለ” ይጽዋዕ። ኣንጻር ልዑል ሽማግለ ብገንዘብ ይኹን ብኻልእ ምስ ጓኖት ተሓባቢሩ እንተበዲሉ ከኣ ንዉሉድ ወለዶኡ ዝኸውን ዘይፍወስ ኣርማ ባርነትን ግዝኣትን ዝኾነ “ዳዳ” ዝብል መጸውዒ ይወሃቦ። ሓንሳብ እንተለጊባቶ ድማ ንዉሉድ ወለዶኡ ኪፍውሳ ዘይክእል፡ ከም ዘላታ ናብ ዘርኡ እትሓልፍ ናይ ሕስረት ስም’ያ ነይራ።

ቅድሚ መንግስቲ ጥልያን ኣብ 1920 ዓ.ም. ነቲ ሕጊ ምምሕያሹ ነፍሲ ወከፍ ትግረ ንሽማግለ ዚህቦ ዚነበረ ኣገልግሎት እዚ ዝስዕብ’ዩ ነይሩ፥

1.ሓደ ግዙእ ትግረ ዓመታዊ ሓደ መድሓና (8 ኣበሰንቲ/ሊትሮ) ጠስሚ ንጎይታኡ የቕርብ፡

2. ዓመታዊ ሓደ ገበታ (8 ርብዒት) እኽሊ፡ ንጎይታኡ የቕርብ፡

3. ሰሙናዊ ሓደ ደልሚ (ዝለፍዐ ቆርበት ዓባይ ጤል) ጸባ፡ ንጎይታኡ የቕርብ፡

4. ዓቕምኻ ዝፈቕዶ ህያብ ጥሪት ወይ ኣቕሓ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ንጎይታኻ ምብርካት፡

5. ተሃሪመን ወይ ጸዲፈን ዝተሓርዳ ጥሪት ስጋኣን ብምሉኡ ንጎይታኻ (ሽማግለ) ምርካብ፡

6. ብዝኾነ ምኽንያት ሕሩድ ምስ ዝሕረድ ፍርቂ ናይቲ ሕሩድ ንጎይታኻ ምውፋይ፡

7. መኻን ዘበላ ጥሪት ንሕሩድ ንክኾና ንጎይታ ምርካብ፡

8. ሓደ ቤተሰብ ናይቲ መራሒ፡ ማለት ናይቲ ርጋዝ ዝብሃል መራሒ ምስ ዝመውት ኩላቶም ትግረ ናይ ሓደ ጥሪት ህያብ ከቕርቡ ከለዉ፡ እቶም ግዙኣትን ግን ማዕረ ብዝሒ ቤተሰብ ናይቲ ብዓል ስልጣን ጥሪት የወፍዩ።

9. ሓደ ካብቶም ሽማግለ ንጊላ ናይ ካልኦት ሽማግለ ምስ ዚቐትል፡ እቲ ጊላኡ ዚተቐትሎ ሽማግለ ካብቶም ጊላታት ናይቲ ቀታሊ ሽማግለ ንኺቐትል ሕጊ የፍቅደሉ። በዚ ከኣ እቲ ጊላ ትግረ ብዘይወዓሎ ቅትለት ሕነ ይፍደየሉ!

10. እቶም ልዑላን ትግረ “ሽማግለ” ዘዘውትሩዎ ናይ ወርቅን ብሩርን ሽልማት፡ እቶም ግዙኣት ትግረ ንከየዘውትሩዎ ክልኩላት ነበሩ። ኣብ ክንዳኡ ኣስራዝን ነሓስን ክጥቀሙ ይፍቀደሎም ነበረ።

11. ሓደ ግዙእ ትግረ “ዳዳ” ዚብል ስም እንተዘይተለጢፉሉ ከኣ ካብ ሓደ ጎይታ ናብቲ ሓደ ጎይታ ኪዘዋወር ይፍቀደሉ ነበረ።

12. ዝኾነት ትኹን ጐርዞ ጓል ትግረ ካብ ልዑላን ትኹን ካብ ግዙኣት ካብ መርዓ ወጻኢ ምስ እትጠንስ ምስቲ መስሓቲኣ ንሞት ትፍረድ ነበረት፣ እቲ ካብኣቶም ዝውለድ ህጻን ድማ ሓኒቕካ ይቕተል ነበረ።

13. ሓደ ወዲ ልዑላን ንግዝእቲ ትግረ ምስ ዘጥንስ ድማ ክልቲኦም ይመሓሩ፡ እቲ ውላዶም ግን ይቕተል ነበረ።

14. እቶም ገዛእቲ ካብ ግዙኣት ትግረ ጽቡቓት መሪጾም ክምርዓዉ ክፈቀደሎም ከሎ፡ ብኣንጻሩ ግዙኣት ግን ወላ ክፍእቲ ትኹን ጓል ልዕልቲ ክመርዓዉ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። እዚ ክሉ ዘለማ (ጭቆና) ትግረ’ዚ ክሳዕ ምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን ከምኡ ኢሉ ይቕጽል ነበረ።

እዝን ወዲ ከምዝን ዝበለ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ግፍዕታትን ጎይተቶም ንምቅዋም ድማ’ዮም ህዝቢ ትግረ ኣብ 1946 ዓ.ም ሰፊሕ ተቓዉሞ ዘልዓሉ። ቅድሚ’ዚ ሰፊሕ ተቓውሞ’ዚ ግን ብሪጣንያዊ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ነበር ብዛዕብ’ዚ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ምስ ኣመተ ከም ትረቫስኪስ ዝኣመሰሉ ሰበ-ስልጣናትን ተመራመርትን መንግስቲ እንግሊዝ ንባህልን ልምድን ቀቢላ ትግረ ዝምልከት ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣካየዱ። ዕላማ ናይቲ መጽናዕቲ ከኣ ነቲ ሓያልን ድልዱልን ዝነበረ ኣቋዉማ ስልጣን “ሽማግለ” ንምብታን’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ እቶም ካብ ግዙኣን ትግረ ዚውለዱ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓቢ ግደ ከም ዝተጻወቱውን እንግሊዛዊ ተመራማሪ ትረቫስኪስ ይገልጽ።

ምምሕዳር ብሪጣንያ ንልምዳውያን ገዛእቲ (ሽማግለ) ብትምህርትን ተዛማዲ ብቕዓትን ብዝነበሮም ሰባት ክትከኦም ምስ ጀመረ፡ በዚ ኮርዮም ኣንጻሩ ንምስላፍ፡ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ኮኑ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ (ሳሕል) ኣብ መንጎ ብሄራት ቤኒ ዓምርን ሃደንደዋን ዝተላዕለ ግጭት ነቲ ኣውራጃ ሰላም ከልኦ። ኣብ 1946 ዓ.ም. ድማ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዝመራሒኡ ምጥርናፍ መላእ ትግረ ተጀመረ። ትግረ ሳሕልን ባርካን ጥራይ ዘይኮኑ ቀቢላታት ናራ ከምኡውን ኣብ ኣውራጃ ሰምሃር ብግዝኣት ናይባት ተዳኺሞም ዝነበሩ ትግረውን ነቲ ውዳበ ትግረ ተጸንበሩዎ’ሞ ዘይዕገት ሓይሊ ኮይኑ መሰሉ ኣረጋገጸ።

ኣብ መበል 33 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ 'ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ፡' ጸሓፊ ኣልበርቶ ፖለራ፡ ተርጓሚ፡ ኣባ ይስሓቕ ገ/እየሱስ፣ ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 10/10/2018


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ: