ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 30 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

05/08/2018 00:25 AM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 30 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

 

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 30 ክፋል፥

ታሪኽና ብግቡእ እንተፈሊጥና፡ ዘለናዮን ናይ መጻእን ኩነታትና ብግቡእ ከነመዓራሪ ንኽእል ኢና። ሰኣን ታሪኽና ብግቡእ ምፍላጥን ምግንዛብን ግን ኩሉ ግዜ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ንኣታቶም በብዝጥዕሞም መገዲ ጠምዚዞም ብዝህቡና ግጉይ ሓበሬታ፡ ወትሩ ግዳያቶም ኴንና ክንቅጽል ንግደድ ኣለና! ስለዚ፡ ሓቀኛ ታሪኽናን ምዕባለታቱን ንምፍላጥን ንምምርማርን ንጽዓር? ጠንቂ ኩሉ ሕሰምናን ጸገምናን ታሪኽና ብግቡእ ዘይምፍላጥናን ዘይምንቃሕናን ምዃኑ ብግብሪ ንምእማን ከኣ ታሪኽና ብግቡእ ንምፍለጥ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ንፈትሽ።

ኣበርክቶ ዝኾነ ይኹን ፈላጥ ታሪኽ ወይውን ምሁር ከምኡውን ፖለቲከኛ፡ ዕላማኡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምዕባለን ዕብየትን ብሰላም ቀሲኖም ዝነብሩሉ ሃውሃው ንምፍጣር እንተዘይኮይኑ ከንቱ’ዩ ማለት’ዩ። ትምህርትኻን ፍልጠትካን ህዝብኻን ሃገርካን ንምህናጽን ንምምዕባልን ብኡ መሰረት ድማ ህዝብኻ ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎ ቅሱን ህይወት ንኸሕልፍ ዝሕግዝ ጥራይ ክኸውን ይግባእ።

‘ኤርትራ ድሕሪ ሓደ ናይ መጒዚትነት እዋን ናጻ ክትወጽእ ደኣ’ምበር ንሓንቲ ነቲ ኤርትራ ድሮ ፈቲሓቶ ዘላ ጸገማት ንክትፈትሕ እትጽዕር ዘላ ሃገረ ኢትዮጵያ ክትወሃብ ኣይግባእን’ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ነበር፡ ኮንተ ስፎርሳ።

‘ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝባ ሓድነት ስለ ዘየለ ንናጽነት ድልውቲ ኣይኮነትን!’ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር፡ ጆን ፎስተር ዳላስ።

‘ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት የብሉን። እታ ሃገር ናይ ሓባር ቋንቋ፡ ናይ ዘርኢ ሓድነት፡ ጆግራፍያዊ ጥምረት የብላን። በዚ ምኽንያት ኤርትራ ርእሳ ኣመሓዲራ ንምኻድ ብቕዓት የብላን።’ ቃል ጆርጅ ክላተን እንግሊዛዊ ብዓል ስልጣን ናይቲ እዋን ነበር።

‘ኣብ ኤርትራ ንብሪጣንያ ዘጋጠመ ናይ 6 ዓመት ክሳራ 1.3 ሚልዮን ፓውንድ ስተርሊንግ ክኸውን ከሎ፡ ብሪጣንያ ግን ካብ ኤርትራ ዋጋ 85 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ንብረት ዘሚታ’ያ።’ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ሶብየት ነበር፡ ኣንድሬ ግረሚኮ።

‘ኢትዮጵያ ምስ ሓንቲ ናጻ ኮይና ዘይትፈልጥን መበል 1/20 ዘይትኾናን ሃገር ብፈደረሽን ክትሓብር ክትብል ክብረታን ህላወኣን ከተጥፍእ ኣይኮነት!’ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣኽሊሉ ሃብተወልድ።

ድሕሪ ምኽታም 2ይ ውግእ ዓለም ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ገዛእተን ሃገራት ማለት ካብ ምዕራባውያን ናጽነተን ዝረኻበሉ እዋን፡ ኤርትራ ሃገርና ከም ኣሕዋታ፡ ሻቡ ናጽነታ ዘይረኸበትሉ ምኽንያትን ድሕሪ ናጽነትውን ብሰላምን ራህዋን ደቃ ሓቊፋ ክትምዕብል ዘይከኣለትንስ ከምቲ ዝብሃል ‘ኤርትራውያን ብማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዝተዘረናድዩ ዋላስ ሰኣን ስምምዕና’ዩ? መልሱ ቀጺልና ንንበብ፥

መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 12 ሕዳር 1947 ዓ.ም. ናብ ኣስመራ ኣተወት። በዞም ካብ ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝተዋጽኡ ኣርባዕተ ሰባት ዝምራሕ ጉጅለ፡ ኣብቲ ክሳዕ 3 ጥሪ 1948 ዓ.ም. ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ፡ ንመራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ኤርትራ፡ ወከልቲ ህዝቢ ሽማግለታትን ካልኦትን ረኺቦም ኣዘራረቡ። እንተኾነ እቶም ብዘይካ ሰልፊ ሕብረት ካልኦት ብርክት ዝበሉ ንናጽነት ዝጠልቡ ዝነበሩ ሰልፍታት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ሰሚሮም ብሓደ ቃልን ግብርን ዝቐርቡ በብውልቆምን ዝተፈላለየ ድሌትን ጠለብን ሒዞም ኣብ ቅድሚ እቲ ኮሚሽን ቀረቡ።

ዋላ እተን ሓደ ዓይነት ጠለብ ዝነበረን ክልተ ዓበይትን ጸለውትን ሰልፍታት፡ ማለት ኣል ራቢጣን ኤርትራ ንኤርትራውያንን ከይተረፋ ኣይሰመራን። ኣብ ውሽጢ ኣልራቢጣውን እንተኾነ ኣብቲ እዋን ምፍንጫል ኣጋጠመ። በዚ መሰረት ከኣ ገለ ሰባት “ናይ ምጽዋዕ እስላምዊ ሃገራዊ ሰልፊ” ዝብል ሓድሽ ማሕበር ብምስያም ተፈንጨሉ። ብኣንጻሩ ማሕበር ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ሰሚሩን ጸኒዑን ናብ መርማሪት ኮሚሽን ቀረበ። መርማሪት ኮሚሽን ከኣ ንኹሎም መራሕቲ ሰልፍታት ሕቶ ኣቕረበትሎም።

በዚ መሰረት ድማ ንደጃዝማች ተድላ ባይሩ (መራሒ ሰልፊ ሕብረት)፡ ንራእሲ ተሰማ (መራሒ ኤርትራ ንኤርትራውያን)፡ ምስ ኣሰነይቶም ወዶም ደግያት ኣብርሃን ኣባል’ቲ ሰልፊ ደግያት ስብሓቱ ዮውሃንስን፡ ንሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን (መራሒ ኣልራቢጣ ኣል እስላምያ) ምስ ኣሰነይቶም ዓብደል ቃድር ከቢረ፡ መሓመድ ዑስማን ሓዮቲ፡ ቃዲ ሙሳን ደግያት ሓሰን ዓሊን ወዘተ. ዝኣመሰሉ መራሕቲ ካብ መርማሪት ኮሚሽን ሕቶታት ቀሪብሎም፡ መለሱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባላት ሕብረት፡ መንእሰያት እናወደቡ ንሰልፍታት ደለይቲ ናጽነት ኣኼባታተን ብሸብሮ እናዘረጉ ምስራሕ ከልኡወን። በዚ መሰረት ከኣ ብዕለት 30/11/1947 ዓ.ም. ኣብ ተራእምኒ (ኣውራጃ ሰራየ) ንኣኼባ ሰልፊ ሻራ ኢጣልያ ብምብታን፡ ንኣዝማች ኣስመሮም ዓጽመጊዮርጊስ ዚተባህሉ ናይ ኤርትራ ንኤራውያን ናይ ዓዲ ዃላ መራሒ ሃሪሞም ኣቚሰሉዎም።

እዚ ኹሉ ዕግርግር እናተገብረ ከሎ ድማ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕታ ወዲኣ ናይ ክልተ ወርሒ ጸብጻባ ኣቕረበት፥ 44.8% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ደጋፊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ምዃኑ፣ 40.5% ደጋፊ ኣልራቢጣ ናጽነት ከም ዝጠልብ፣ 4.4% ናይ ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን እውን ናጽነት ከም ዝጠልብ፣ 9.2% ደጋፊ ሻራ ኢጣልያ መጒዚትነት ኢጣልያ ዝደሊ ምዃኑ ኣረጋገጸት። ድሕሪ’ዚ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣርባዕተ ሓያላት ሃገራት፡ ማለት ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ሕብረት ሶብየትን እንግሊዝን ብዕለት 15/09/1948 ዓ.ም. ኣብ ፓሪስ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ተራኺቦም ነዚ ዝስዕብ ዝተፈላለየ ውሳነ ኣሕለፉ፥

ውሳነ ፈረንሳ፡ ‘ካብ ዙላ ንደቡብ፡ ማለት ደንካልያ ብምልእታ ንኢትዮጵያ ተዋሂባ፡ እቲ ዝተረፈ መሬት ኤርትራ ድማ ኣብ ትሕቲ መጒዚትነት ኢጣልያ ክጸንሕ ወሰነት፣ ውሳነ ብሪጣንያ፡ ‘ኤርትራ ን10 ዓመታት ብኢትዮጵያ ክትመሓደር፡ ነዚ እትቈጻጸር ኮሚሽን ግን ክትቀውም’ ጠለበት፣ ውሳነ ሕብረት ሶብየት፡ ‘ኤርትራ ብናይ ኣርባዕተና መጒዚትነት ንግዜኡ ክትመሓደር’ሞ ኣብ መወዳእታ ከኣ ናጽነታ ክትወሃብ’ በለት፣
ውሳነ ኣመሪካ፡ ‘ኣውራጃታት ሰራየ፡ ኣከለጉዛይን ደንከልን ንኢትዮጵያ ክወሃብ፡ እቲ ዝተረፈ ክፋል ኤርትራ ግን ንሓደ ዓመት ከይተወሰነ ክጸንሕ’ ጠለበት። ኣርባዕተ ሓያላን ሃገራት መምስ ጥቕመን ዝተተሓሓዘ ዝተፈላለየ ውሳነታት ብምሃብ ስለ ዘይተሰማምዓ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ናብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ይሕለፍ’ሞ ኣብኡ ናይ ሓባር ውሳነ ይወሃበሉ ተባህለ።

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ግዙኣት ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1949 ዓ.ም. ንኽርእዮ ምስ ወሰነ፡ ኢጣልያ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያታ፡ ኮንተ ስፎርሳ ኣቢላ ከምዚ ዝስዕብ በለት፥ ‘ኤርትራ ድሕሪ ሓደ ናይ መጒዚትነት እዋን ናጻ ክትወጽእ ደኣ’ምበር ንሓንቲ ነቲ ኤርትራ ድሮ ፈቲሓቶ ዘላ ጸገማት ንክትፈትሕ እትጽዕር ዘላ ሃገር ክትወሃብ ኣይግባእን’ በለ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ፎስተር ዳላስ ብወገኑ ከምዚ ክብል ውሳነኡ ሃበ፥ ‘ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝባ ሓድነት ስለ ዘየለ ንናጽነት ድልውቲ ኣይኮነትን። ኣብ መጻኢ ኣንጻር ኢትዮጵያ ንዝብገስ መጥቃዕቲ ደጀን ንከይትኸውንን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ መታን ክትረክብን ድማ ምብራቓዊ ክፋል ኤርትራ እንኮላይ ወደብ ምጽዋዕን ከተማ ኣስመራን ናብ ኢትዮጵያ ክጽንበር፡ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ድማ ብዝያዳ ምስ ጎረቤቱ ሱዳን ስለ ዝዛመድ ፍልይ ዝበለ ፍታሕ ይናየደየሉ’ በለ።

ክትዕ ሓያላን ሃገራት ምስ ረብሓታተን ብምዝማድ እናቐጸለ ከሎ፡ ወኪል ስዑዲ ዓረብ ከምዚ ኪብል ርእይቶኡ ሃበ፥ ‘እዘን ሓያላት ሃገራት ስለ ዘይተሰማምዓ እዚ ጉዳይ ክዓርፍ ኣይክእልን’ዩ ማለት ኣይኮነን። እዚ ኮሚተ ሓድነት ኤርትራ ብምዕቃብ፡ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከቐድም ይግባእ፡ ናብ ናጽነት ከብጽሕ ዝኽእል መጒዚትነትውን ይሃብ’ በለ።

ወካሊ ፊሊፕኒስ እውን ብወገኑ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተሪር ነቐፌታ ኣቕረበ፥ ‘እዘን ሃገራትስ በቃ ከም ኣቕሓ መሸጣ ድየን ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ክመቓቐላ!? ብዘይካ ኣብ ኣንታርክቲካ ከምዚ ዝበለ ምምቕቓል ናይ መሬት ግዜኡ ከም ዝሓለፎ ክቚጸር ምተገብአ። ‘ግዝኣታት ኢጣልያ ምውጋን’ ዝብሃል ኣዘራርባ ብመሰረቱ ጌጋ’ዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ክኸውን ዘለዎ ሕቶ መጻኢ ናይቶም ህዝብታት ትዕድልቲ ናይ ደቂ ሰብ’ዩ! ድሌቶም ክረጋገጽ ክሳብ ዘይተኻእለ ከኣ ክሕተቱ’ዩ ዝግባእ።’ በለ።

ኣንድሬ ግረሚኮ ዚተባህለ ወካሊ ሕብረት ሶብየት እውን ነቲ ‘ኤርትራ ብቑጠባ ነብሳ ኣይትኽእልን’ያ’ ዝብል ዛዕባ ንምብዳህ ክመስል ነዚ ዝስዕብ መደረ ኣቕረበ፥ ‘ኣብ ኤርትራ ንብሪጣንያ ዘጋጠመ ናይ 6 ዓመት ክሳራ 1.3 ሚልዮን ፓውንድ ስተርሊንግ ክኸውን ከሎ፡ ብሪጣንያ ግን ካብ ኤርትራ ዋጋ 85 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ንብረት ዘሚታ’ያ’ ክብል ወቐሰ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ርእይቶን ክትዓትን እቲ ዕድል ንወከልቲ ኤርትራ ተዋህበ’ሞ፡ ብመጀመርያ መደረ ዘስምዑ ወኪል ሰልፊ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ነበሩ። ቀጺሎም ዕድል ዝተዋህቡ ወካሊ ሰልፊ ሓዳስ ኤርትራ-ሻራ ኢጣልያ ብላታ መሓመድ ዓብደላ ነበሩ። ብድሕሪኦም መደረ ዘስምዑ ከኣ ወካሊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ መደረ ዘስምዑ ወካሊ ኢጣለ-ኤርትራውያን ሲኞር ካሻኒ እዩ ነይሩ።

ኣርባዕቲኦም ወከልቲ ፖለቲካውያን ማሕበራት ኤርትራ ንምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ መደረ ምስ ኣስምዑ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ንናጽነት ኤርትራ ንኸይቅበል ድርኺት ፈጠረ። መደረን ትሕዝቶን ኣርባዕቲኦም መራሕቲ ሰልፍታት ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ ከነቕርቦ ኢና።

ኣብ መበል 31 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተክአ በየነ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 04/08/2018


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ: