ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 29 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/06/2018 20:25 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 29 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

 

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 29 ክፋል፥

“ተመሃራይ ምእሳር ንመንግስቲ ዘነውር’ዩ! ንሕናውን ንደቅና ክንማጐት መሰል ኣለና።”

ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ንመንግስቲ ዘርዓደ ኣድማ ኣደታት ኤርትራ! ብዕለት 22/05/1957 ዓ.ም.

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ፈደረሽን፡ ዋላ’ኳ ከምዚ ናይ ሎሚ ብዘይሕጊ መሰሉን ክብሩን ዝረግጽ ምልካዊ ስርዓት ኣይንበሮ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ነጊሱ፡ መነባብሮኡ ንድኽነት ስለ ዝወደቐን ከም ሳዕቤኑ ድማ ንስደትን ንስድራቤታዊ ምብትታንን ስለ ዝተቓልዐን ግን ዝሓሸ ግዜ ዝምነየሉን ነቲ ዝሓለፈ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝናፍቐሉን ኣጋጣሚ ተኸሲቱ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ሻቡ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ዝናፈቐ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብዚ ሎሚ እዋን ንኹሎም ዝሓለፉ መግዛእትታት እንኮላይ ነቲ ኣዝዩ ሕሱም ምንባሩ ዝንገረሉ መግዛእቲ ደርጊ ከይተረፈ ይናፍቕ ምህላዉ፡ ኣብ መንጎ መግዛእትን ባርነትን ዓቢ ፍልልይ ስለ ዘሎ ዘገርም ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ከምዚ ናይ ህግደፍ እልበትን መጠኑ ዝሓለፈ ውርደትን ንዕቀትን ኣጋጢሙዎ ኣይፈልጥን’ዩ!

ኣብቲ 842,736 ብር ወጻኢ ተጌሩሉ፡ ብ9 ጥሪ 1956 ዓ.ም. ብንጉስ ሃይለስላሴ ተሰሪሑ፡ ብእኦም ዝተመረቐ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ (ቀ.ሃ.ስ) ፈላሚ ኣድማ ተማሃሮ ጸረ ጎበጣ ኢትዮያ ብዕለት 12/03/1957 ዓ.ም. ተኻየደ። ኣብቲ ዕለት፡ ማለት ሰሉስ ንግሆ ተማሃሮ ከምቲ ልሙድ ተሰሪዖም፡ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሮም፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ብመዝሙር ክሰቕሉ ምስ ተዳለዉ፡ ብሃንደበት ሓደ ዝወከሉዎ ተመሃራይ ኣብ ቅድሚት ወጺኡ፡ “ባንዴራችን ኣይደለችም” (ባንዴራና ኣይኮነትን) ብምባል፡ ተመሃሮ ከምዘይዝምሩ ኣፍለጠ።

እቲ፡ ኣብቲ እዋን ዚነበረ መጠኑ ዝሓለፈ ጥብቂ ቊጽጽር ዚገብርን ክብሪ ኤርትራውያን ዚደፍርን ህንዳዊ ዳይረክተር ሚስተር ሲንግን ኣመሓዳሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ብዙነህን ኣብ ቅድሚ ተማሃሮ ደው ኢሎም ከረድኡዎም ፈተኑ። እንተኾነ ተማሃሮ ንመደረኦም ነጺጎም ብስሩዓቶም ኣብ ክንዲ ናብ ክፍሊ ናብ ግዳም ብምውጻእ ተቓውሞኦም ቀጸሉ። ተመላለስቲ ተመሃሮ ናብ ክፍሊ ምእታው ኣብዮም ነናብ ቤቶም ምስ ተበታተኑ፡ እቶም ሓደርቲ ተመሃሮ ድማ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ትምህርቲ ተንኰበት ኣንጺፎም ክድቅሱ ጀመሩ።

ንሰክረታሪ ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ፡ ደጃዝማች ኣርኣያ ዋሴ ሓዊስካ ድማ ብዙሓት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ለሚኖምን ኣፈራሪሖምን ከእትዉዎም ፈተኑ። ተመሃሮ ብወገኖም ጠለባቶም እተቕርብ ኮሚተ ብምቛም፡ ክሳብ መራሕ መንግስቲ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል በጽሑ። ድሕሪ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊ ፖሊስ እናለቐመ ክኣስሮም ጀመረ። እዚ ምስ ተገብረ ገለ ተመሃሮ፡ ማለት ሓደርትን ደቂ ፖሊስን ትምህርቶም ብሰላም ክቕጽሉ ወሰኑ። እቶም ዝተረፉ ኣድመኛታት ነዚ ምስ ሰምዑ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ውዕል ኣፍሪሶም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝተመልሱ ተመሃሮ ስጉምቲ ክወስዱ ወሰኑ።

ኣድመኛታት ተመሃሮ ሓደ መዓልቲ፡ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ተኣኻኸቡ’ሞ ካብኡ ብቐጥታ ናብ ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ብምኻድ፡ ነቶም ኣብኡ ዝረኸቡዎም ተመሃሮ ብኣባትር ከይተረፈ ሃሪሞምን ኣዋሪዶምን ምስ ኣጥቅዑዎም ነናብ ቤቶም ፋሕ በሉ። ድሕሪ’ዚ ፖሊስ ኤርትራ ብቐጥታ መጺኦም ነቶም ህሩማት ብምውካስ፡ መንነት 12 ተመሃሮ ክፈልጡ ከኣሉ’ሞ ሽዑ ምሸትን ንጽባሒቱን ካብ ገገዛኦም እናለቐሙ ኣሰሩዎም።

ድሕሪ ወርሒ፡ ማለት 7 ግንቦት 1957 ዓ.ም. ድማ እቶም ከይተኣስሩ ዝተረፉ ተመሃሮ እንደገና ብምትእኽኻብ፡ ትኽ ኢሎም ናብቲ ብጾቶም ዝተኣሰሩሉ ካርሸሊ ብምኻድ፡ ምስ ብጾቶም ንኽእሰሩ ጠለቡ። እንተኾነ ኣዛዚ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ዝፈጸሙዎ ገበን ክሳብ ዘይሃለወ ክኣስሮም ከምዘይክእል ነጊሩ ፋሕ ንኽብሉ መኸሮም። ድሕሪ’ዚ ተመሃሮ ከእስሮም ዝኽእል ገበን ንምፍጻም ናብ ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ተበገሱ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ተመሃሮ መጥቃዕቲ፡ ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ብፖሊስ ይሕሎ ስለ ዝነበረ ከኣ ውሑዳት ካብቶም ብዙሓት ተመሃሮ፡ ሽዱድድ ኢሎም ናብቲ መእተዊ ማዕጾ ጎየዩ’ሞ ዘሎ ሓይሊ ፖሊስ ንኣኣቶም ንምዕጋት ደድሕሪኦም ናብቲ መእተዊ ምስ ጎየየ፡ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ተሓቢኦም ዝነበሩ ተመሃሮ ብጉያ ብምውራድ፡ በቲ ሕጽር ዝበለ መካበብያ ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ነጢሮም ናብቲ ካንሸሎ ኣተዉ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ውሑድ ሓይሊ ፖሊስ ክዓግቶም ብዘይምኽኣሉ ከኣ ኣብ መእተዊ’ቲ ክፍልታት ንዝነበረ ስእሊ ጃንሆይ ረጊጾም ብምስብባር፡ መሳኹቲ ቤት ትምህርታትውን ኣዕነዉ።

ብድሕሪ’ዚ ተመሃሮ ኩላቶም ተጠርኒፎም፡ ናብዚ ሎሚ ሓርነት ዘይብሉ ክነሱ “ጎደና ሓርነት” ዝጽዋዕ ዘሎ፡ ሻቡ ግን ጐደና ቀደማዊ ሃይለ ስላሴ ዝብሃል ዝነበረ ገፊሕ ጐደና ኣምርሑ። ኣብ ከባቢ ፖስታ ቤት ምስ በጽሑ ድማ ብሓይሊ ፖሊስ ተኸበቡ። ድሕሪ’ዚ ኣብ ናይ ፖሊስ ዓበይቲ መኻይን ተተጻዒኖም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዃላ ተወስዱ። ጠለቦም ስለ ዝተፈጸመሎም ድማ ኣስታት 110 ዝኾኑ ተመሃሮ “ሆ” እናበሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተዉ።

እዚ ኹሉ ምስ ኮነ እቲ ብስቕታ ክዕዘብ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣስመራ ብፍላይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ሕቶታት ከለዓዕል ጀመረ። ‘ተመሃሮ ገበኖም ተራእዩ ናብ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ’ ድማ በለ። ሰንበታ ገኖ ዚተባህለ ምክትል ዓቃብ ሕጊ ናይ ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ‘ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ብፈደራል መንግስቲ ስለ ዝተሰርሐን ንኣኡ ስለ ዘዕነዉን ጉዳዮም ኣብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ይቕረብ’ በለ። ጠበቓ ናይ ተመሃሮ ንኺኾኑ ባዕሎም ዚሓተቱ ኣባል ባይቶ ኤርትራ ነበር፡ ጠበቓ ብላታ ህብትዝጊ ዑቚባዝጊ ድማ ‘ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ኣብያተ ቤት ፍርዲ ኤርትራ እዮም ዝፍረዱ’ ዝብል ምጒት ኣቕረቡ።

ኩነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ ወዲ ንጉስ ሃይለ ስላሴ፡ ልኡል መኰነን ብሓደጋ ስለ ዚሞተ ኣብያተ ፍርድን ካልእ መንግስታዊ ትካላትን ተዓጽው’ሞ ጉዳዮም ኣቓልቦ ስኢኑ ክሳዕ 16 ግንቦት 1957 ዓ.ም ተንጠልጢሉ ጸንሐ። ድሕሪ’ዚ ፈደራል ቤት ፍርዲ ግድን ኣነ’የ ዝዳንዮም ስለ ዝበለ፡ ጉዳይ ተመሃሮ ናብኡ ቀረበ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ብ17 ግንቦት ተመሃሮ መንደፈራ እውን ኣድማ ኣልዓሉ። እዚ ምስ ኮነ ኩነታት ተመሃሮ ኣዝዩ ዘስግኦም መራሕ መንግስቲ፡ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወለደሚካኤል፡ ሽዑ መዓልቲ ንኣስታት 390 ዝኾኑ ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ኣኪቦም፡ ነዚ ዝስዕብ መደረ ኣስምዑ፥

‘እቶም ብሰናይ ፍቓድ ግርማዊ ንጉሰ ነገስት ዝተሃንጸ ቤት ትምህርቲ ረኺቦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮስ ነቲ ቤት ትምህርቲ ብምስብባርን ብምብልሻውን ንርእሳቶም በዓለገታት ኣቢሉ ዘጽርፍ፡ ንለባማት ድማ ዘጉህን ዘሕዝንን ግብሪ ብምግባሮም ንህዝቢ ኣጉህዮም ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ዚበለዓሉ ጻሕሊ ዚሰብር፡ ዚሰፍረሉ ቤትውን ዘዐኑ ወይ ዘበላሹ ሰብ፡ ብኹሉ እተናዕቀን እተዋረደን ኮይኑ’ዩ ዚነብር’ሞ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ንጽቡቕ ዝገበረትሎም ኢድ ክፉእ ዝፈድዩ ቈልዑስ ምኹናኖምን ምግንሖምን’ዩ ዝግባእ። እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሕፍርን ዘጉህን ብዕሉግን እንስሳውን ግብሪ’ዩ!’ በሉ። እዚ ድሕሪ ምባል መራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ደጃዝማች ኣስፍሃ ኣብ ቤት ትምህርታት ተግባረ እድን (point IV) ኣብ መሰልጠኒ መምሃራንን (TTC) እውን ተመሳሳሊ መደረ ኣስምዑ።

እቲ ኣብ ናይ ዕለት 18/05/1957 ዓ.ም. ሕታም ጋዜጣ ዘመን ዝወጸ ውገዛን ማዕዳን መራሕ መንግስቲ ቀለሙ ከይነቐጸ እንከሎ ድማ ብዕለት 21/05/1957 ዓ.ም. 350 ዝኾኑ ተመሃሮ በነቮለንተ (ዕዳጋ ሓሙስ) ትምህርቶም ኣቋሪጾም፡ ኣብ እምባ ጋልያኖ ተኣኻኸቡ’ሞ ብሰበ-ስልጣን መንግስትን ክፍሊ ትምህርትን ንዝተዋህቦም ምኽርን ማዕዳን ነጺጎም፡ ‘ዝተኣስሩ ኣሕዋትና ከይወጹ ኣይንመሃርን ኢና!’ በሉ። ሓይሊ ፖሊስ ድማ መገድታት ብምዕጻው ኣኽቢቡዎም ወዓለ። ንጽባሒቱ 22/05/1957 ዓ.ም. እውን ተመሃሮ ቪላጆ ጀንዮ (ቤት ትምህርቲ ሕብረት) ነቲ ኣድማ ተሓወሱዎ። ቤት ትምህርቲ ጎዳይፍ፡ ቤት ትምህርቲ ቤት ጊዮርጊስ፡ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ (እንዳ ሴታ) ገዛ ከንሻ ወዘተ. እውን ንኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ትምህርቲ ኣቋረጹ።

ኣብቲ ዕለት እቲ ብተወሳኺ ካልእ ሓድሽ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣዝዩ ዘሻቐለ ኣድማ ተላዕለ። ብዕለት 22/05/1957 ዓ.ም. ብንግሆኡ ብኣማእት ዝቚጸራ ኣደታት ናይ ገዛእ ርእሰን ውዳበታት ብምግባር ተኣኪበን፡ እሱራት ደቀን ንኸፍትሓ ናብ መራሕ መንግስቲ ከዳ። ‘ተመሃራይ ምእሳር ንመንግስቲ ዘንውር’ዩ! ንሕናውን ንደቅና ክንማጐት መሰል ኣለና!’ ብምባል ድማ ምስ ደጃዝማች ኣስፋ ተራኺበን ተፋጠጣ! ኣብ መንጎኦም ኣዝዩ ሓያል ክትዕ ተኻየደ። ደጃዝማች ኣስፍሃ ግን ሓይልን ምፍርራህን ከምዘየዋጽእ ተገንዚቦም፡ ብልዝብን ብልስሉስ ዘረባን ከዐጉሱወን ፈተኑ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ በሉወን፥

‘እቲ ብተመሃሮ ዝተሰባበረ ቤት ትምህርቲ፡ ይትርፍዶ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃውን ዘይርከብ’ዩ! እዚ ከኣ ነቶም ብሞት ውላዶም ኣብ መሪር ሓዘን ዘለዉ ንጉስና ዘጉሂ እዩ! ስለዚ፡ ደቅኽን ምዒድክን ብሰላም ንኽመሃሩ ናብ ትምህርቶም ለኣኸኦም! መንግስቲ ከኣ ንዝተኣስሩ መኺሩን ምዒዱን ምሕረት ሂቡ ክፈትሖም’ዩ’ ብምባል ደቀን ከም ዝፍትሑ ቃል ኣትዮም ኣፋነዉወን። ወሃቢት ቃል መንግስቲ ጋዜጣ ዘመን እውን ንመደረ ደጃዛማች ኣስፍሃ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ወሰኸትሉ፥

‘ዓገበኛ ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ እንተዘይተቐጺዑ ደኣ ንብረት ጭውነትን ሕግን ከመይ ኢልካ’ዩ ዝኽበር!? ኣውራ ኣውራ’ኳ ንእሽቶይ ክብድል ከሎ ዝእርም መቕጻዕትን መግናሕትን እንተዘይረኺቡ ብምንታይ እዩ ስሩዕን እሩምን መዕበያ ረኺቡ ጥዑይ ሰብ ክኸውን? ጉዳይ’ቶም ቤት ትምህርቲ ዝሰባበሩ ቈልዑ ድማ ናብ መሓርን ሓዳግን ልቢ ግርማዊ ጃንሆይ፡ ብመራሕ መንግስቲ ኣቢሉ ሓሊፉ ኣሎ። ውላዱ እናጸየቐ ስቕ ዚብል ወላዲ ድማ ከምታ ብኣምዑት ደቃ እትጻወት ደርሆ እዩ ዝቚጸር’ ብምባል ተመሃሮ ብወለዶም ክቕጽዑ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሰበት።

ድሕሪ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ‘መንግስቲ ተመሃሮን ቈልዑን ኣሲሩ’ ተባሂሉ ንኸይካዓብ፡ እቲ ጉዳይ ብፈደራል ቤት ፍርዲ (ብመንግስቲ ኢትዮጵያ) እዩ ተፈጺሙ ንክብሃል፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ተመሃሮ ዚርኢ ዚነበረ፡ ደባስ ዚተባህለ ሊባኖሳዊ ዳኛ፡ ጸቕጢ ብምግባር ካብቲ መስርሕ ዳንነት ከም ዚወጽእ ገበሮ። ኣብ ዕለት 23/05/1957 ዓ.ም. 25 እሱራት ተመሃሮ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ ድማ ደባስ፡ ካቫሌረ ኢድሪስ፡ ልጃምን ደነቀን ዝተባህሉ ሰለስተ ዳያኑ ኣብቲ መጋባእያ ተቐመጡ። እንተኾነ ምክትል ፕረሲደንት ናይቲ ቤት ፍርዲ ዳኛ ደባስ፡ ‘ኣብ ልዕሊ’ዚ መጋባእያ ጸቕጢ ይግበር ስለ ዘሎ ክስራሕ ኣይከኣልን’ዩ’ ብምባል፡ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ከም ዘወንዘፎ ኣፍሊጡ፡ ቈጸራ ከይሃበ ምስ ብጾቱ ካብቲ መጋባእያ ወጸ።

ብዕለት 27/05/1957 ዓ.ም. ድማ ኣብ ኣፍ ደገ’ቲ ኣብ ፊት ሲነማ ሮማ ዘሎ ቤት ፍርዲ፡ እተን ብቅድሚኡ ናብ መራሕ መንግስቲ ጥርዓነን ዘቕረባ ኣደታት ተመሃሮን ንኣኣተን ዝሕልዉ ብርክት ዝበሉ ፖሊስን ኣብቲ ጐደና ዓሰሉ። ኣብ ውሽጢ ድማ 21 እሱራት ተመሃሮ፡ ጠበቓ ተመሃሮን ዓቃብ ሕግን ከምኡውን ሰለስተ ደያኑ ተረኽቡ። እቶም ኣብቲ መጋባእያ መጀመርያ ዚተዛረቡ ጠበቓ ተመሃሮ ብላታ ህዝብትዝጊ ዑቚባዝጊ ድማ ከምዚ በሉ፥

‘ብመጀመርያ እዞም 21 እሱራት ብዋሕስ ንኽልቀቑ ንሓትት? ብምቕጻል፡ ዳኛ ደባስ እዞም ተመሃሮ ንኽእሰሩ ስለ ዚኣዘዘን ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ክሱሳት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ስለ ዘይገበረን ካብዚ መጋባእያ ነፍሱ ንኺስሕብ ንሓትት። ብተወሳኺ ተመሃሮ ገበኖም ከይተረጋገጸ ከም ገበነኛታት ስለ ዝተቘጽሩ፡ ዓንቀጽ 53 ናይቲ ሕገ መንግስቲ ስለ ዚጠሓሰውን ኣብ ልዕሊ ዳኛ ደባስ እምነት የብልናን’ በሉ።

ዳኛ ደባስ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ሰንበደ’ሞ፡ ‘እስከ ተረዲአካ እንተኾይነስ ድገመለይ? ኣነ ንዓንቀጻት 51,53 ናይ ሕገ መንግስቲ ስለ ዝጠሓስኩስ ኣነ ምክትል ፕረሲደንት ናይዚ ቤት ፍርዲ ተኣልየ፡ ቦታይ ብፕረሲደንት ክትካእ ዲኻ ትጠልብ ዘለኻ?’ ኪብል ተወከሶም። ብላታ ህዝብትዝጊ ‘እወ’ ምስ በሉዎ ድማ ንዓቃብ ሕጊ ርይቶ እንተሎዎ ሓተቶ። ዓቃብ ሕጊ ተቐቢሉ፡ ካብቶም 21 ክሱሳት እቶም 13 ብዋሕስ እንተወጹ ከምዝይቃወም ኣፍለጠ’ሞ ሰለስቲኦም ዳያኑ ንምይይጥ ካብቲ መጋባእያ ወጹ።

ድሕሪ 10 ደቂቕ ሰልስቲኦም ዳያኑ ናብ መጋባእያ ምስ ተመልሱ ከኣ ዳኛ ደባስ ኩላቶም ክሱሳት ወለዶም ወይ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝፈረሙሉ ናይ 100 ቅርሺ ውሕስነት ኣትሒዞም ንኽወጹ ኣዘዘ። ቀጺሉ ዳኛ ደባስ እቶም ኣብ ዓዲ ዃላ ተኣሲሮም ዘለዉ 109 ተመሃሮውን ነነፍሲ ወከፎም ብናይ 50 ቅርሺ ዋሕስ ንኽልቀቑ ውሳነ ሃበ። በዚ ድማ ኣድማ ተመሃሮ ብእኩብ ኣብቀዐ። ኣደታትውን ደቀን ምስ ተፈትሑ ትም ሕትም በላ።

ኣብ መበል 30 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተክአ በየነ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 18/06/2018

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ: