ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 31 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

05/09/2018 17:30 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 31 ክፋል


ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

 

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 31 ክፋል፥

ኣዝዩ ኣደናቒ መደረ ሓርበኛ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ መጋባእያ ው.ሕ.ሃ.

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፍና ከም ዝገለጽናዮ፡ ኣርባዕቲኦም ወከልቲ ፖለቲካውያን ማሕበራት ኤርትራ፡ ኣብ መጋባእያ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቦም ንምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ መደረ ምስ ኣስምዑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንናጽነት ኤርትራ ንኸይቅበል ድርኺት ፈጢሩ’ዩ፡ ኢልና ኔርና። ‘መደረን ትሕዝቶን ኣርባዕቲኦም መራሕቲ ሰልፍታት ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ ከም ነቕርብውን ቃል ኣቲና ኔርና’ እንሆ እምበኣር ንሎሚ መደረን ትሕዝቶን ወካሊ፡ ሰልፊ ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ ኣልኤረትርያ ሓርበኛ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ነቕርበልኩም፥

“ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብኣንነት ዚሰኸረ ሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ግን ከኣ ዘይንዓቕ ፖለቲካዊ ሓይሊ’ዩ! ካብ መጻብቦታት ናይ ምውጻእ ክእለቱ ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ!’ ብምባል ብእንግሊዛውያን ኣመሓደርቲ ኤርትራ ወትሩ ዚውቀሱን ዚድነቑን ዚነበሩ ዋና ጸሓፊ ሰልፊ ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ ዚኾኑ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ብዕለት 21/11/1950 ዓ.ም. ኣብ ኒው-ዮርክ ኣመሪካ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ው.ሕ.ሃ. ቀሪቦም ነዚ ዝስዕብ መደረ ኣስምዑ፥

ብቕድሚኡ ግን ሓርበኛ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ማለት ናብቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ኣኼባ ቅድሚ ምብጋሶም፡ ኣብቲ ካብ 31/01/1950 - 01/02/1950 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ደቀምሓረ (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ዝተኻየደ ዓቢ ዋዕላ ሰልፊ ቀ.ና.ኤ. (ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ) ተሳተፉ’ሞ እቲ ዋዕላ ምስ ተዛዘመ ከኣ ንመንእሰያት ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ኣኪቦም፡ ነዚ ዝስዕብ መደረ ኣስሚዖም ነበሩ፥

‘እቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ’ዚ ናይ ናጽነት ሰልፍና ክዛረቡ ከለዉ፡ ‘እዚ ሰልፊ (ቀ.ና.ኤ.) ናይ ወጻእተኛ’ዩ፡ ኣውራ ድማ ናይ መንግስቲ ጥልያን መሳርሒ’ዩ፡ ወዘተ.’ እናበሉ ከም ዘዕልሉ ከይሰማዕኩም ኣይትተርፉን ኢኹም። ከምዚ ዝበለ ዕላልን ወረን ግና መሰረት ዘይብሉ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምህዞ ከም ዝኾነ ንስኻትኩምውን ኣይትስሕቱዎን ኢኹም።

ንሕና ሰዓብቲ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ፡ ስለ ናጽነትናን ሓርነትናን ኢና ንጋደል ዘለና። ናጽነትና ከኣ ንኣናን ንደቅናን ንምሉእ ወለዶናን’ዩ እምበር ንኻልእ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ከኣ ነቲ ንናጽነት ኤርትራ ዚፈቱ ንፈትዎ፡ ነቲ ንናጽነት ኤርትራ ዘይፈቱ ግን ክንፈትዎ ኣይንኽእልን ኢና።

ኣቱም መንእሰያት ደቂ ኤርትራ፡ ናጽነት ኤርትራ ሃገርኩም ንኣኻትኩም’ዩ እምበር ንሕናስ ደጊም ሸምጊልና ስለ ዘለና ሓለፍቲ ኢና! ናጽነት ኤርትራ እንተተረኽበ ንኣኻትኩም ክሕሸኩም’ዩ! ኤርትራ ናጽነታ እንተዘይረኸበት ግን ንኣኻትኩም’ዩ ዝገደኩም! እምበኣርከስ ስለ ክብረትኩም፡ ስለ ናጽነትኩም፡ ስለ ርስትኹምን ዛንታ ኣቦታትኩምን ኢልኩም ናብዚ ገድሊ ናጽነት ክትጽንበሩ ነዘኻኽረኩም ኣለና።

ተንኰልን ቅጥፈትን ዝመልኦ ዕላል ጸላእቲ ኣይትስምዑዎ! ንዮው በሉዎ! ንሕና ንናጽነት ንቃለስ ኣለና፡ እዚ ቃልን ቃልስን’ዚ ከኣ ንድሕሪት ክምለስ ዘይክእል፡ ዘይሕባእ፡ ዘይሕሰን ዘይጥበርን ቃልን ተግባርን’ዩ! ስለዚ ድማ ጸላእቲ ብዛዕባኡ ዝበሉ እንተበሉ ኣይትስምዑዎም! ዕላሎም መባዀርን ዓንቃፍን ጥራይ እዩ። ናጻን ሓራን ደሞክራያሳዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!’ ብምባል መኸሩዎም። ድሕሪ’ዚ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ኣብ መጋባእያ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ቀሪቦም ከምዚ በሉ፥

‘መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብሰንኪ’ቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድገፉ ሸፋቱ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቀ.ና.ኤ. ዘካይዱዎ ዝነበሩ ጸቕጥን ምፍርራሕን ኣብ ሓቀኛ ገምጋም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣይበጸሐትን። ጠንቂ ናይዚ ድማ እታ ቀንዲ ኣዋፋሪትን ተቐባሊትን ሸፋቱ ብምዃን ንረብሓኣ ክትብል ሰላም ኤርትራ ትዘርግ ዘላ ኢትዮጵያ እያ።

ብሰንኪ’ዚ ጸረ ሰላም ተግባራት’ዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነት ድሌቱ ብዝግባእ ንኸይገልጽ ከም ዝተኸልከለ፡ ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ድማ መራሕቲ ቀ.ና.ኤ. ኣብ ቀጻሊ ምፍርራህን ቅትለትን ከም ዝነበሩ፡ ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳንን፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ደግያት ወልደጊዮርጊስን ወዶም ግራዝማች ኣሰመሮም ወልደጊዮርጊስን ድማ ናይዚ ገበን’ዚ ህያው ምስክር’ዮም’ በሉ። ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን መደረኦም ብምቕጻል ነዚ ዝስዕብ ጠለባት ኣቕረቡ፥

‘ድሌታት ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ’ዩ፥

1ይ. ግብራዊ ናጽነት

2ይ. ምምስራት ዴሞክርስያዊ መንግስቲ

3ይ. ምዕቃብ መሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ህሉው ዶባታ

4ይ. ምንጻግ ምምቃል ሃገረ ኤርትራ ናብ ዝኾነ ይኹን ወገን

5ይ. ምእባይ ምስ ኢትዮጵያ ዘሕብር ይኹን ፈደራል ዘቕዉም ውዕል

6ይ. ምቅዋም ንኹሉ ምድንጓይ ኣብ ፍታሕ ኤርትራ እዩ’ በሉ’ሞ መደረኦም ብምቕጻል፥

‘ኤርትራ ሃገርና ጥንቲ እንተኾነውን ግዝእቲ ኢትዮጵያ ኮይና ኣይትፈልጥን’ያ። ብኣንጻሩ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኤርትራውያን ነቲ ኢትዮጵያውያን ንስርቅን ንዘመተን ዘካይዱዎ ዝነበሩ ናይ መሳፍንቲ ወራር ኣብ ምምካትን ዓመጻቶም ኣብ ምብዳህን’ዮም ኣሕሊፎሞ።

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽና እንተርኢናውን ሃገርና ብንኣሽቱ ምምሕዳራት ዝቘመት ከም ዝነበረትን ጸኒሓ ድማ ብኦቶማን ቱርክን ብግብጻውያንን ተገዚኣ ከም ዝነበረትን ብድሕሪኡ ድማ ብኢጣልያውያን ንነዊሕ ዓመታት ከም ዝተገዝአት እምበር ከምቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዚበሎ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብዓመጽ ከምዘይተወስደት ታሪኽ ጽቡቕ ጌሩ ይምስክር’ዩ።’ ብምባል፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ከምዘይትፈልጥ ኣስመሩሉ።

ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን መደረኦም ብምቕጻል ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቶምውን ከምዚ በሉ፥

‘ኣበየናይ ክፋል ናይ ታሪኽና ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን መርኣያታት ናይ ሃገራዊ ምፍልላይን ግጭትን ከም ዝተራኣየ ክንፈልጥ ምደለና? እዚ ንምፍልላይናን ንምምቕቓልናን ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ውዲት’ዩ። እዚ ውዲት’ዚ ከኣ እንኮላይ በቶም ምስ ኢትዮጵያ ንሕበር ዝብሉ ዘለዉ ሰልፍታት ንጹግ’ዩ! ኤርትራ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ፍርቃ ንኢትዮጵያ፡ ፍርቃ ድማ ንሱዳን ኣይትምቀልን’ያ!

ፈደራል ምስ ኢትዮጵያውን ህዝቢ ኤርትራ ኣይቅበሎን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ንሕና እንርድኦ ፈደራል ሕብረት ክብሃል ከሎ ብድሌት ናይ ክልተ ማዕረ ልኡላዊ መሰላት ዘሎወን ናጻ ሃገራት’ምበር ኣብ መንጎ ሓንቲ ናጻን ሓንቲ ካልእ ናጽነት ዝተነፍጋን ሃገር ዝፍጸም ኣይኮነን። ከምዚ ዝበለ ኣንጻር ድሌትና ዝኾነ ውሳነ ንኽንቅበል ዝግድደና ኣካል እንተተረኺቡ ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ከምዘይህሉ ኣቐዲምኩም ክትግንዘቡ ይግባእ።

ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያንን ንዘሎ ገለ ቁጠባዊ ምትእስሳራት ክሒድና ኣይንፈልጥን። ሎሚ መላእ ዓለም ብቑጠባ ዝተዋሰበ’ዩ። ስለዚ፡ ኢትዮጵያ ብቁጠባ ትደልየና፡ ንሕናውን ንደልያ ኢና። እንተ’ዚ ‘ኤርትራ ድኻ እያ’ሞ ካብ መሬት ኢትዮጵያ እያ ትቕለብ’ ዝብል ዘረባ ግን ንሕና ቅሉዕ ሃለውለው ኢና ንብሎ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ንህዝባ ዝኸውን መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ተመርኲሳ ስለ ዘይትፈልጥ።

ንመሰረታዊ ጠለባታ ዘድልያ ናይ ገዛእ ርእሳ እኹል ሕርሻዊ ምህርቲ ኣሎዋ። ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ምስ ረኸበት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እተካይደሉ ቊሩብ ደገፍ እንተረኺባ ንህዝባ ኣይኮነን ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትቅልብ እትኽእል ሃብታምን እስትራተጂካዊትን ሃገር’ያ። ስለዚ፡ ስለምንታይ ኢና ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ባህርያዊ መሰል ህዝብታት ዓለም ዝኾነ ናጽነት ንኽላእ ዘለና!? ሕብረት ምስ ጓኖት ዝምነ ንእሽቶ ጉጅለ ስለ ዘሎድዩ!?’ ብምባል ናብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ቀሪቦም ተሪር መደረኦም ኣስምዑ።

ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን እንደገና ብዕለት 27/11/1950 ዓ.ም. ‘ኣብ ሰልፊ ቀ.ና.ኤ. ተጠርኒፉ ዘሎ ቊጽሪ ህዝቢ ክንደይ ይኸውን? ቁጠባዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ትገልጾ?’ ዝብላ ክልተ ሕቶታት ኣባላት ው.ሕ.ሃ. ንኺምልሱ ናብ መጋባእያ ተጸውዑ። ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኪምልሱ፡ ‘ሰልፊ ቀ.ና.ኤ....’ ኢሎም ጀመሩ።

‘ሰልፊ ቀ.ና.ኤ. 80% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ጠርኒፉ ዘሎ ዓቢ ሰልፊ’ዩ። ብዛዕባ ቁጠባዊ ዝምድና ዝምልከት ከኣ ሃገርና ጐረቤት ናይ ሓንቲ ኣንጻር ድሌት ህዝብና ክትጐብጠና እትደሊ ዘላ ዓባይ ሃገር’ያ። ንሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ምምሕዳር እንግሊዝውን ንሃገርና ናብ ክልተ መቓቒሉ ንምብታና’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ! እዞም ክልተ ነንረብሓኦም ዝሰርሑ ዘለዉ መንግስታት እዚኣቶም ከኣ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝድግፉ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት ከኣ ንዕንወት ቁጠባ ኤርትራ ክሰርሑ ንቡር’ዩ። ስለምንታይ እዩ ግን እቲ ንሊብያን ንሶማልያን ተዋሂቡ ዘሎ መሰል ወይ ዕድል ንኣና ንኤርትራውያን ዝንፈገና ዘሎ!?

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ግን እንተደኣ ሕጂ ግጉይ ውሳነ ተወሲዱ፡ ንኣኡ ንምቅዋምን ናጽነትና ንምርካብን ንምዕቃብን ከምኡውን ህላወና ንምርግጋጽ ክንገብሮ ብእንግደድ ተቓውሞ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክፍጠር ንዝኽእል ግጭትን ምልዕዓላትን ኣባላት እዚ ኮሚተ’ዚ ተሓተቲ ኽኮኑ’ዮም! ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሃገርና መታን ሰላምን ስርዓትን ክዕቀብን እዚ ኮሚተ’ዚ ድማ ፍትሕን ዘይሻራውን ኣመለኻኽታ ንባህርያዊ መሰላትናን ክህሉዎ’ዩ ብዝብል ተስፋ፡ ኣዝዩ ብዙሕን ከቢድን ሽግርን ጸበባን ክንጻወር ጸኒሕና ኢና። ስለዚ፡ እዚ ኮሚተ፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ቅኑዕ ውሳነ ክውስን እምሕጸን?’ ብምባል ዘረባኦም ደምደሙ።

ኣብ መበል 32 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተክአ በየነ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 04/09/2018


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ: