ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 37 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

28/05/2019 21:26 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 37 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

መበል 37 ክፋል፥

ምንጪ ዕጥቅን ስንቅን ሰውራ ኤርትራ፡ ሰለስተ ኣካላት’ዮም ነይሮም። ንሳቶም ድማ፥ 1ይ. ተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ሰበ፡ 2ይ. ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ 3ይ. ገዛእቲ ኤርትራ እዮም ነይሮም።

ገለ ካብቲ ንሰውራ ኤርትራ ዘዐወተ ኣገዳሲ ነብጥብታት ድማ እዚ ዝስዕብ’ዩ ነይሩ፥ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ተፈንጪሎም ይኹኑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራን ዓለምን መጺኦም፡ ኣብ መስርዕ “ሰልፊ ናጽነት” ዝተሰለፉ ገዳይም ተጋደልቲ፡ መሰረት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣደልዲሎም ዝሰረቱ ውፉያት ብምንባሮም’ዩ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ብዓወት ክዛዘም ክኢሉ።

እዞም ገዳይም ተጋደልቲ’ዚኣቶም ካብ ፈለማኡ ንዝጸንከረ ቦታ ሰባት ልኢኾም ዘይኮነስ ባዕላቶም እናኣተዉ’ዮም ተወፍዮም ዘርህዉዎ ነይሮም። በዚ ኣጋባብ’ዚ ከኣ ተወፋይነት ብግብሪ ይምህሩ ስለ ዝነበሩ፡ ብድሕሪኦም ዝተሰለፈ ኩሉ ተጋዳላይውን ኣሰሮም ክስዕብን ባህሎም ክወርስን ክኢሉ’ዩ። ውግእ እንተደኣ ኣልዩ፡ መዝገብን ዕርድን ናይ ነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይ ከመይ ከም ዘሎን ከመይ ክኸውን ከም ዘሎዎን ይከታተሉን ኣስተምህሮ ይህቡን ነይሮም። እትትኩሶ ጠያይት ኣበይ ይወድቕ ከም ዘሎ ተኸታቲሎም፡ ኣንፈቱን ርሕቀቱን የስተኻኽሉልካ ነይሮም። ዓወት፡ ማለት ነብስኻ ዓቂብካ ጸላኢ ምስዓር’ምበር ነብስኻ ንሓደጋ ኣቃሊዕካ ንጸላኢ ምጉዳእ ማለት ከምዘይኮነ ደጋጊሞም ይምህሩ ነይሮም።

ምግቢ ኣብ ዝውሕደሉ እዋንውን ቊሩብ ጥዕም ኣቢሎም፡ ‘ኣነስ ይኣኽለኒ’ ብምባል ከብዲ ብጾቶም የዐንግሉ ነይሮም። ማይ ኣብ ምስታይውን ከም ገዳይምን ሓለፍትን መጠን ንቕድም ጎሮሮኦም ከርውዩ ዘይኮነስ ድሕሪ’ቲ ተራ ተጋዳላይ ተረፍ ብምጽንቃቕ’ዮም ጎረሮኦም የተርክሱ ነይሮም። እዚ ባህልን ተመኩሮን’ዚ ንዘዝመጸ ሓድሽ ተጋዳላይ እናውረሱዎ ስለ ዝሓለፉ ድማ ሰውራ ኤርትራ ክዕወት ክኢሉ ማለት’ዩ። እዞም በዚ ኣጋባብ’ዚ ንናእሽቱ ኣሕዋቶም ዝመሃሩ ገዳይም ተጋደልቲ’ዚኣቶም ግን መብዛሕትኦም ብኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዮም ጠፊኦም።

ከምኡውን እዞም መምሃራን ሰውራ ዝኾኑ ገዳይም ተጋደልቲ እዚኣቶም ኣብቲ ኣብ 1971 ዓ.ም. ኣብ ዓዲ ቢደል ጀሚሩ፡ ኣብ 1974 ኣብ ፋሕ ዝተባህለ ቦታ ሳሕል ሓይሉ ዝቐነሰ ውግእ ሕድሕድ ጠፊኦም’ዮም። ጠንቅን መበገስን እዚ ህይወት ክልተ ኣሕዋት ተጋደልቲ ዝቐዘፈ ኣዕናዊ ኲናት’ዚ ከኣ መሪሕነት ክልቲአን ውድባት እዩ ነይሩ። ካብኡ ናብኡ ከኣ እቲ ሻቡ ንህ.ሓ.ሓ.ኤ. ዚመርሕ ዚነበረ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ’ዩ ብኹሉ ዝግለጽ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ገይሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድመየ፡ ዘሳቐየን ዝበታተነን ዘዋረደን መራሒ ክሳዕ ሕጂ የለን!

በሉ’ስከ ካብዚ ቀጺልና ንጅግንነትን መስዋእትን እዞም ሰራሕቲ ቅያ ዝኾኑ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንገለ ወስ ከነብለልኩም፥

ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ብርሃነ ሃብተ፡ ኣብ ውግእ ዓላ፡ ጅግና ስውእ በራኺ ፈንቅል (ወዲ ፈንቅል) ምስ ተወግአ፡ ካብ ጹዕጹዕ ውግእ ተሰኪሙዎ ዚወጸ ጅግና’ዩ! ስውእ በራኺ ፈንቅል ጉልቡትን ድልዱልን’ዩ ነይሩ። ንጸብደል (ሓያል) በራኺ ፈንቅል ካብ ውግእ ምስ ዕጥቑ ተሰኪምካዮ ብጉያ ኪትወጽእ ድማ ክግመት ዘይከኣል ነገር’ዩ! ጅግና ስውእ ብርሃነ ሃብተ ግን ተግቢሩዎ! ብድሕሪ’ዚ ፍጻመ’ዚ ስውእ በራኺ ፈንቕል ክሳዕ ዚስዋእ፡ ብስም’ቲ ብቕድሚኡ ዚተሰውአ፡ ሓዚሉዎ ብምውጻእ ካብ ሞት ዘድሓኖ ብጻዩ፡ ስውእ ብርሃነ ሃብተ እዩ ይምሕል ነይሩ።

ስውእ ጅግና በራኺ ፈንቅል (ወዲ ፈንቅል)፡ ሓደ ግዜ ንሱን እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ንስኻ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ ክደሚ ክነብር’ዩ!” ዚበሎ ጅግና ስውእ ወልደሚካኤል ሃይለን ጸጋይ ቀሺ ዝተባህለ ብጻዮምን ብሓባር፡ ነተን ኣብቲ እዋን ኣብ ዛግር (ኣውራጃ ሓማሴን) ዓሪደን ዝነበራ ሓይልታት ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ኣስቤዛ ክሽምቱለን ኢሎም ናብ እንዳ ድኳን ምስ ከዱ፡ ጅግና ስውእ መልኣከ ተኽለ ዝርከቦም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ) ብግብቲ (ብሃንደበት) ውትፍ በሉዎም።

በራኺ ፈንቅልን ወልደሚካኤል ሃይለን ብቕጽበት ክሃድሙ ከለዉ፣ ጸጋይ ቀሺ ግን ኣጋጣሚ ኣብ ኢድ ምዑት መልኣከ ተኽለ ስለ ዚኣተወ፡ ኪሃድም ኣይከኣለን። ዚነበረቶ ኣማራጺት ከኣ ምቅላስ ስለ ዝነበረት፡ ጸጋይ ቀሺ ከይፈተወ ምስ ጸብደል መልኣከ ተኽለ ተጠማጠመ። ድሕሪ ክንደይ ቃልሲ ግን ጸጋይ ቀሺ ካብ ኢድ መልኣከ ተኽለ ብምምላጥ፡ ሃዲሙ ናብ ብጾቱ ተጸንበረ።

ጸጋይ ቀሺ ሓጺር፡ ዶጭዳጭን ደልዳላን’ዩ ነይሩ። ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣዝዩ ደፋርን ኣዝዩ ሓያልን ዚነበረ ጅግና ስውእ መልኣከ ተኽለ ግን ምንም ኪገብር ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ብሜላ ኣምሊጡ ብምህዳም፡ ነብሱ ኣድሓነ። በራኺ ፈንቅል እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ራድዮ ርክቡ ስለ ዘጥፍአ፡ መዓንጣ ከብዱ ሕርር በለ።

በራኺ ፈንቅል (ወዲ ፈንቅል) ራድዮ ውድብ ትኣክል ኣጥፊኡ ትም ኪብል ስለ ዘይክእል፡ ንኣ ንኸምልስ ወላ ንበይኑ እናተታኾሰ ንጀብሃ ኪኣትዎም’ዩ፡ ክቐትሉዎ’ዮም ከኣ! ስለዚ፡ ክሳዕ ዚዝሕል መሪሕነት ካብዚ ግንባር ክትኣልዮ ኣለዋ’ ብምባል ኩሉ ወረኡ ዝሰምዐ ተጋዳላይ እናተሻቐለ ከሎ፡ ካብታ ዝፈርሑዋ ከይወጹ ከኣ ወዲ ፈንቅል፡ ኣብታ ስዒባ ኣብ ዊና ዝተገብረት ውግእ ሕድሕድ፡ ብትብዓትን ብነድርን እናተዋግአ ከሎ ብጥይት ኣሕዋቱ (ጀብሃ) ተቖሊቡ ተሰውአ።

ስውእ ጅግና ኣፈወርቂ ተኽሉ፡ ሓደ ካብቶም ልዑል ፖለቲካዊ ፍልጠት ዝነበሮም ገዳይም ተጋደልቲ’ዩ ነይሩ። ንምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ተጋደልቲ ዝምልከት ዛዕባ ምስ ተላዕለ፡ ምስኡውን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንምሃብ መደብ ተሰርዐ’ሞ መሪሕነት ብዝመረጸቶም ምሁራት፡ ሓደ መምሃሪ ዝኸውን መጽሓፍ ንኽዳሎ ተወሲኑስ ኣብ ፍጻመ በጽሐ። ብድሕሪ’ዚ ነቲ ጽሑፍ ብምውካስ ተኸተልቲ ሜላ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንተጋደልቲ ንክምህሩ ትእዛዝ ተመሓላለፈ። እዚ ክኸውን ከሎ ግን ወላ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከለዉ፡ ኣፈወርቂ ተኽሉ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝህቦም ዚነበረ ተጋደልቲ፡ ኣፍልጦን ብቕዓትን ኣፈወርቂ ተኽሉ እናፈለጡ ከለዉ፡ ኣብቲ ዘዳልዉዎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ጽሑፍ ንኣፈወርቂ ተኽሉ ኣየሳተፉዎን።

ፖለቲካዊ ጽሑፋት ተዳልዩ፡ መጀመርያ ኣብ መስርዓት ክወሃብ ምስ ጀመረ ከኣ ተኸታሊ ሜላ ናይ መስርዕ ኣፈወርቂ ተኽሉ ዚነበረ፡ ስውእ ጅግና ወልደርፊኤል ስብሃቱ፡ ትምህርቲ ኪህብ ከሎ፡ ኣፈወርቂ ተኽሉ ብትዕግስቲ ኪሰምዖ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መንጎ፡ “እዚ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ቅኑዕ ኣይኮነን’ሞ ደው ኣብሎ! ከምኡውን ዘይቅኑዕ ትምህርቲ ኣብዚ ውድብ ክወሃብ ስለ ዘይብሉ፡ ኣብተን ካልኦት መስርዓት ዝወሃብ ዘሎ ፖለቲካዊ ትምህርቲውን ደው ይበል!” በሎ።

ብድሕሪ’ዚ ስውእ ወልደርፊኤል ስብሃቱ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከይዱ እቲ ኣፈወርቂ ተኽሉ ዚበሎ ነገሮ። ኢሳያስ ከኣ ምስ ስውእ ሙሴ ተስፋሚካኤል ኮይኑ ንኣፈወርቂ ተኽሉ ጸውዖ። ሰለስቲኦም ድማ ነዊሕ ግዜ ተዛራረቡ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ሓሳባትን መግለጽን ኣፈወርቂ ተኽሉ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዚተረድኦ ብድሕሪ’ዚ ኣፈወርቂ ተኽሉ ነቲ ብለይቲ ንተጋደልቲ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ኣፈወርቂ ተኽሉ ኣማሓይሹ ብቐትሪ ንከዳልዎ ሓላፍነት ሃቦ።

ብተወሳኺ ነታ ኣብቲ ግዜ’ቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝተሓትመት “ፊተውራሪ” ዘርእስታ መጽሄት ውድብ፡ ርእሲ ዓንቀጻ ኣፈወርቂ ተኽሉ ከም ዚጽሕፎ ተገብረ። ድሕሪኡውን ክፍሊ ዜና ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ስውእ ኣፈወርቂ ተኽሉ መስረቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚ በሊሕን ምሁርን ዝኾነ ብሉጽ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ናብ ገሃነም ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ሓለዋ ሰውራ) ተኣሲሩ ምስ ኣተወ፡ ብኣ ኣቢሉ ከም ጨው ሓቐቐ።

ሓደ ግዜውን ጀብሃ ነታ ኣብ ዛግር ዓስኪራ፡ ኣሳሰይቲ ዕርቂ ክልቲአን ውድባት ዝኾኑ ሽማግለታት ትቕበል ዝነበረት ሓይሊ ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ንምጥቃዕ፡ ኣቐዲማ ምስቶም ዓረቕቲ ሰለይቲ እናለኣኸት ኩነታታ ምስ ኣጽነዐት፡ ሓደ ግዜ ሰንበት ንግሆ እታ ሓይሊ ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ብቕድሚ ምስቶም ዓረቕቲ ሽማግለ ምርኻባ ኣጥቂዓ ደምሰሰታ! እታ ሓይሊ ናይ ዓብደልራሕማን መሓመድ ዓሊ ዚተባህለ ተጋዳላይ እያ ነይራ። እቲ ንኣታዓረቕቲ ኣጋይሽ ኪቕበል ዚቐነየ ኣባል መሪሕነት ዚነበረ ጅግና ሳልሕ ጠጠው እውን ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሰውአ።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ውግእ ናብ ኩሉ ግንባራት ስለ ዝለሓመ፡ ኢድ ብኢድ ጥምጥም ክሳዕ ዝኸውን ሓያል ውግእ ተኸፍተ። ኣብ ደፈረ ዚተባህለ ቦታ ከኣ ነታ ተዳኺማ ዝነበረት ሓይሊ መሓሪ ዑቚባዝጊ፡ ብሃንደበት ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ ተጸንበረታ። በርሀ ጻዕዳ ብቕድሚኡ ኢዱ ተሃሪሙ ስለ ዚነበረ፡ ቦንባ ኪድርብን ካዝና ኪመልእን ኣይክእልን’ዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ሓንቲ “ኤፍ ዋን” እትብሃል ቦምባ ‘ተስፋይ እንካ’ዛ ቦምባ ደርብዮሎም እሞ ብድሕሪኡ ክንኣትዎም ኢና’ ኢሉ ነቲ ኣብ ጎድኑ ኮይኑ ዚታኾስ ዚነበረ ጅግና ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ሃቦ።

ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ነታ ካብ ጅግና በርሀ ጻዕዳ ዚተቐበላ ቦምባ ንኺድርብያ ሽቦኣ ትኽ ምስ ኣበሎ፡ ምዑት በርሀ ጻዕዳ ብሃንደበት ብቕጽበት ናብታ ቦምባ ደርብየላ ዚበሎ ቦታ ቀዲሙ ዘሊሉ ኣተወ። ተስፋይ ተመነዎ ሻቡ ብተግባራት በርሀ ጻዕዳ ሰንቢዱ ከይተረድኦ ነታ ቦምባ ሽቦኣ ብዝርግሑ ናብ ጁባ ጃኬቱ ኣእትዩ ደድሕሪኡ ሰዓበ። ተጋ. ተስፋይ ተምነዎ እንደገና ኣብ ጎድኒ በርሀ ጻዕዳ ኮይኑ ኪታኾስ ጀመረ።

ሽዑ እቲ ኣብቲ ግንባራት ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ተ.ሓ.ኤ. ብቕጽበት ከንሳሕብ ጀመረ’ሞ ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ ኮነ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ድማ’ዩ ጅግና በርሀ ጻዕዳ ብረቱ ጥይት ስለ ዝወደአትን ብሰንኪ መውጋእቱውን ኪምልኣ ስለ ዘይከኣለን ብሃንደበት ብረት እቲ ኣብ ጎድኑ ኮይኑ ዚትኩስ ዚነበረ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ መንጢሉ፡ ብረቱ ደርቢዩሉ ደድሕር’ቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጀብሃ ዚጎየየ! ንጽባሒቱ እቲ ኲናት ምስ ሃድአ ድማ ኣብ ደቅ-ሰብ ዝተባህለ ቦታ ምስ ተስፋይ ተምነዎ ምስ ተራኸቡ፡ ብረቱ መለሰሉ።

ጅግና ተጋዳላይ በርሀ ጻዕዳ ኣዛዚ በጦሎኒ ሰለስተ እዩ ነይሩ። ነታ ካብ ወርሒ መስከረም 1976 ዓ.ም. ክሳዕ ወርሒ መጋቢት 1977 ዓ.ም. ብሰራዊት ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ተኸቢባ፡ ብዓሊ ሰይድ ዓብደላ ዚምርሑ በጦሎኒ 301ን 607ን ከምኡውን ከቢድ ብረት በጦሎኒ 500 ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ብለይቲ እናሃጀሙ ኣማእት ተጋደልቲ ዘጥፍኡላ ዝነበሩ ከተማ ናቕፋ፡ ሃምበል በርሀ ጻዕዳ ካብ ከበሳ ናብ ናቕፋ ብምኻድ፡ ነቲ ኩነታት ምስ ተዓዘቦ፡ ‘እዚ ናይ ለይቲ ውግእ ኪተርፍ ኣለዎ’ ብምባል፡ ሰራዊቱ መሪሑ ብቐትሪ ብሸነኽ ደቡብ ንናቕፋ ሃጀማ። በርሀ ጻዕዳ ከም መራሒ መጠን ኣብ ክንዲ ንሰራዊት ምእዛዝ ባዕሉ መሪሑ ናብ ውግእ ናይ ምእታው ልምዲ ስለ ዚነበሮ፡ ሻቡውን እናተኮሰ መሪሑዎም ኣተወ።

በርሀ ጻዕዳ፡ ሰራዊቱ መሪሑ ዚኣተዎ ህጁም ዓወት ተጓናጺፉ፡ ወተሃደራት ጸላኢ ዝመውት ሞይቱ፡ ዝሃድም ሃዲሙ ዝማረኽ ምስ ተማረኸ፡ መጥቃዕቱ ብምቕጻል፡ ናብታ “ብእንዳ ማሞ” ትፍለጥ ዝነበረት ኣዝያ ጽንዕቲ ዕርዲ ጸላኢ ቀጸለ። ኣብቲ ጥምጥም’ቲ ድማ’ዩ ጅግና በርሀ ጻዕዳ ብጥይት ጸላኢ ተወጊኡ ዚወደቐ። ሃምበል በርሀ ጻዕዳ ብጅግንነት ተሰዊኡ፣ ናቕፋ ከኣ ሻቡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ኮይና።

ጅግና ስውእ በርሀ ተኽለ (ካብ ምሒር ጽልሙ ‘በርሀ ጻዕዳ’ ዝብል ሳጓ ዚተዋህቦ ጅግና’ዩ ነይሩ) ካብ ኣቦኡ ተኽለ ደስታን ካብ ኣደኡ ሕጉሽ ገብረማርያምን ኣብ 1948 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጸሮና ኣውራጃ ኣከለጉዛይ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ዓ.ም. ድማ ንናጽነት ሃገሩን ንሓርነት ህዝቡን ንኺጋደል ናብ ሜዳ ኤርትራ ወጺኡ። ብትብዓትን ብጅግንነቱን ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ መራሒ በጦሎኒ ኪኸውን በቒዑ ነበረ። ብዕለት 22 መጋቢት 1977 ዓ.ም. ድማ ኣብታ ናጻ ዘውጽኣ ከተማ ናቕፋ ተሰዊኡ።

ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 1977 ዓ.ም. ኣብ ፋሕ ዚተባህለ ቦታ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ሃይለ ወልደትንሳኤን ዝመርሑዎ ዝነበሩ መድረኽ ብምእታው፡ እሱራት ሓለዋ ሰውራ ተጋዳላይ ኣፈወርቂ ተኽሉ፡ ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ስብሃቱን ተጋዳላይ ታረቀ ይህደጎን ንሞት ከም ዝተፈርዱ ንጉባኤኛታት ሓበረ።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተቐትሉ ተጋደልቲ ማእለያ የብሎምን። እቶም ክሳዕ ለይቲ ሎሚ መስዋእቲ ደቆም ዘይተነግሩ ስድራቤታት ኤርትራ ከኣ ደቆም ብኢሳያስ ዝተቐትሉ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ። “ሓለዋ ሰውራ” እትብሃል ገሃነም ኢሳያስ ኣሕቂቓቶ ዘላ ኤርትራዊ ዜጋ ቊጽሪ የብሉን! ኣብ ዝቕጽል መደብና ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ሰውራ ገለ ክንብል ኢና።

ኣብ መበል 38 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ “ን40 ዓመታት ዝተቐብረ ጉድ” ደራሲ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎን ካልእ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን።

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ንጉጅለ ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/05/2019


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:


Share with friends: