ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 35 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

10/03/2019 14:05 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 35 ክፋል
ታሪኽ ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ፥

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

መበል 35 ክፋል፥
ታሪኽ ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ፥

ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ ነዊሕ’ዩ ታሪኹ። ኣብ ሰበ-ስልጣናት ጥራይ እንተረኣና’ኳ ብዘይካ ደግያት ሃይሉ ተወልደምድህን ካብ ጸዓዘጋ (ኣውራጃ ሓማሴን) ካልእ ብዓደቦኡ (ህዝቢ ጸዓዘጋ) ተመሪጹን ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡን ንህዝቢ ኤርትራ ዘመሓደረ ብዓል ስልጣን ኣይነበረን። እዞም ኩሎም ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ገለ ብሽፍትነት ገለ ድማ ብውርሻ ካብ ወላዲ ዝረኸቡዎ ስልጣን ተጠቒሞም እምበር ህዝቢ ኣሚኑሎምን ፈትዩዎምን ኣብ ስልጣን ዝደየቡ ኣይነበሩን። (ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ኣብ ታሪኽ ደግያት ሃይሉ ብሰፊሑ ከነቅርበልኩም ኢና።)

ስለዚ፡ ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ጥልያን ወይ ድማ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ከም ዝተጀመረ ጌርካ ምዝንታውን ምዕላልን ቅቡል ኣይኮነን። መብዛሕትኦም እቶም ካብ መንግስቲ ኢጣልያ ሸፊቶም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታትውን ውልቃዊ ጥቕሞምን ባህጎምን ንምርዋይ’ምበር ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኢሎም ከምዘይሸፈቱ ዘጠራጥር ነገር የብሉን። ንኣብነት፥ እዞም ዝስዕቡ ኤርትራውያን ንመንግስቲ ኢጣልያ ከገልግሉ ጸኒሖም ክንሶም፡ ካብቲ እተፈቐደሎም ንላዕሊ ስልጣንን ሃብትን ተመኒዮም ምስ ሰኣኑ፡ ውልቃዊ ታፍላኦም (ክቱር ድሌቶም) ንምርዋይ ዝሸፈቱ’ዮም ነይሮም፥

ደግያት ሓድገምበስ፡ ደግያት ኣበራ፡ ኣሕመድኑሪ፡ ዑስማንቡሪ፡ ደግያት ማሕራይ፡ ዘማት ወዲ እኩድ፡ ያሲን ሓይሰማ፡ ደግያት ባህታ፡ በላምበራስ ካፍል፡ ደግያት ንጉሰ፡ ደግያት መንገሻ፡ ልጅ በየነ ብሩ፡ ፊተውራሪ ስብሓት፡ ከንቲባ ሓየሎም፡ ደግያት ኪዳነማርያም፡ በላምበራስ ጊለ፡ ከንቲባ ሰመረ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። እዚ ክንብል ከልና ግን ብኣንጻር’ዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም፡ ከም ብዓል ሹምባሽ ዓንዶም ተስፋጽዮን ዚኣመሰሉ ውሑዳት ሓርበኛታት ንመሰል ኤርትራውያን ዚተቓለሱ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን።

ሹምባሽ ዓንዶም ተፋጽዮን ኣብ ውግእ ተምቤን ዝሞቱ ኢጣልያውያን ክቕበሩ ከለዉ ኤርትራውያን ግን ከይቅበሩ ምስ ተኸልከሉ፡ ነዚ ብምቅዋም ዚሸፈተ ኤርትራዊ ሓርበኛ’ዩ ነይሩ። ከምኡውን ከንቲባ መሓመድ ሹኩር ካብ መጀመርያኡ ንስልጣን ኢጣልያውያን ነጺጉ ንወራሩ ዚተቓወመ ሓርበኛ’ዩ ነይሩ።

ድሕሪ ስዕረት መንግስቲ ኢጣልያ፡ ማለት ካብ 1941-1962 ዓ.ም. ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሽፍትነት ግን ፍሉይ ሽፍትነት’ዩ ነይሩ። ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ ናይ ሽዑ ፈያት (ሸፋቱ) ኤርትራ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይድገፉ ስለ ዝነበሩ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ሓይልን ብዝሕን ስለ ዝነበሮም ንመንግስቲ ኤርትራ ኣዝዮም ኣሸጊሮሞ ነበሩ።

‘እቲ ዝቃወመና ዘሎ ማሕበር (ማሕበር ኣንድነት) ካብ ሕጊ ዓደቦን ካብ ሕጊ እግዚኣብሄርን ብዝወጸ መሳርያ ገይሩ ይዓዪ ስለ ዘሎ ብዙሕ የሕዝነና! እዚ ንኤርትራ ንጥቕሚ ከምዘይከውን ከኣ ኣቐዲምና ከነስምዕ ንደሊ። ንሕና ብወገንና ንኣኡ ዝቃወም መደብ ክንገብር ምኸኣልና፡ ግንከ ንሕና ነዚ ናጽነት ንምርካብ እንገብሮ ዘለና ገድሊ ብሕጊ ዓደቦ፡ ብሕጊ ሕቡራት መንግስታትን ብሕጊ እግዚኣብሄርን ኢና ክንፍጽሞ እንደሊ’ምበር ኣብዛ እነፍቅራ ሃገርና ናይ ደም ምፍሳስ ህውከት ከነአቱ ኣይደልን ኢና!

ናጻን ሓራን ዝኾነት፡ ብምሁራት ደቀባት እትመሓደር፡ ኣድልዎን ዓመጽን ዘይብላ ሃገረ ኤርትራ ንምምስራት ኢና ንቃለስ ዘለና! ኣነ ንገዛእርእሰይ ብዕድመ ዝሸምገልኩ (ወዲ 80 ዓመት) ስለ ዝኾንኩ ንዝተረፈ መዋእለይ ብጸሎትን ምህልላን ከሕልፎ’የ ዝትምነ ዘለኹ’ምበር ብድሕሪ ሕጂ ዝትምነዮ ሽመት የብለይን።’ ቃል ኣቦ መንበር ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን ነበር ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም 31/01/1950 ዓ.ም. ኣብ ደቀምሓረ።

ወላ’ኳ ራእሲ ተሰማን ካልኦት ዓበይቲ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነትን ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት (ደለይቲ ሕብረትን ደለቲ ናጽነትን) ዝካየድ ዝነበረ ናይ ጎነጽ ቁርቁስ እንተወገዙዎ እቲ ሕድሕድ ምትፍናን ግን ኣይሃደአን። ከም መቐጸልታኡ ድማ ብዕለት 21-02-1950 ዓ.ም. ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ኣንድነትን መንእሰያት ኣልራቢጣን ኣብ ዝተገብረ ዕግርግር፡ 31 ሰባት ካብ መንእሰያት ሽባን (ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ) 16 ሰባት ድማ ካብ መንእሰያት ኣንድነት (ሰልፊ ሕብረት) ሞቱ። ከምኡውን 34 መንእሰያት ካብ ኣንድነት 39 መንእሰያት ድማ ካብ ሽባን ብኸቢድ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ኣተዉ።

ማሕበር መንእሰያት ኣንድነት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብ9 መስከረም 1945 ዓ.ም. ብ10 ሰባት ኣብ ማይ ኣንበሳ ኣስመራ ከም ዝተመስረተን ኣቶ ሃይለ ኣብርሃ ዚተባህለ ዜጋ ድማ ኣቦ መንበሩ ከም ዝነበረን ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ታሕሳስ 1946 ዓ.ም. ኣብ ከረን ማሕበር መንእሰያት ኣስላም ክምስረት ብዝተወሰነ መሰረት፡ “ሽባን ኣልራቢጣ” ብዝብል ስም ኣብ ቤት ሻሂ መሓመድ ኣበራ ሓጐስ (ቤት ሻሂ ሉል ቀይሕ ባሕሪ) ኣስመራ ብኣቦ መንበርነት መሓመድ ስዒድ ኣበራ ተመስረተ።

ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራን ካልእ ንኣሽቱ ከተማታት ኤርትራን እዚ እናኾነ ከሎ ከኣ ብዙሓት ብብዓል ንብረእድ ገብረመስቀልን ኮሎኔል ኢሳያስ ገብረስላሴን ዝብሃሉ ሰበ-ስልጣን ትግራይ (ኢትዮጵያ) ዝምወሉን ዝለኣኹን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሸፋቱውን ኣብ መላእ ኤርትራ ፋሕ ኢሎም ዘረፋን ቅትለትን የካይዱ ነበሩ።

ገለ ካብቶም ቀንዲ ፈያት ንምጥቃስ፥ ኣቶ ኣስረሰሀኝ እምባየ፡ ኣቶ ገብራይ መለስ፡ ኣቶ ገብረ ተስፋጽዮን፡ ኣቶ ሓጐስ ተምነዎ፡ ኣቶ ተኸስተ ሃይለ፡ ኣቶ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ኣቶ ወልደሩፋኤል ኣብርሃ፡ ኣቶ ሳልሕ ዑስማን፡ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ሱሌማን፡ ኣቶ ሃይለ ኣባይ፡ ኣቶ ደበሳይ ድራር፡ ኣቶ ገብረ ተስፋጽዮን፡ ኣቶ ገብረመድህን ከፈላ፡ ኣቶ ዑስማን ሎንጒ፡ ኣቶ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣቶ ዑስማን ሓጂ ናስር፡ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ፋሉል፡ ኣቶ መሓመድ ሺፋ ዑመር፡ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ዓብዱ፡ ኣቶ ወልደስላሴ ኣዳል፡ ከምኡውን ኣርባዕተ ደቂ ሞሳዝጊ ይርከቡዎም። ሓደ ካብዚኣቶም ኣቶ ወልደሩፋኤል ኣብርሃ ስለ ዚተታሕዘ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንሉ ዚተቐትለ‘ዩ።

ካብኣቶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣዝዮም ግኑናት ነበሩ፥ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ኣስረሰሀኝ እምባየ፡ ሓጐስ ተምነዎ፡ ደበሳይ ድራር፡ ተኸስተ ሃይለን ደቂ ሞሳዝግን ንመንግስቲ እንግሊዝን ደሓር ድማ ንመግስቲ ኤርትራ ኣዝዮም ዘሸገሩ ግኑናት ፈያት ነበሩ።

ብ2 ነሓሰ 1950 ዓ.ም. ብመሓመድ ሳልሕ ሱሌማን ዝምርሑ 20 ዝኾኑ ጭፍራ ፈያት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብደበሳይ ድራርን ብበርሀ ሞሳዝግን እናተመርሑ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 40 ዕጡቓት ፈያት፡ ኣብ ዓዲ ጣፋንፋስ እተባህለ ዓዲ ኣድብዮም ብምብጽናሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም፡ ንበርሀ ሞሳዝጊ ቀተሉዎ’ሞ፡ ጭፍራ ደበሳይ ድራር ካብኡ ሃዲሞም ናብ ትግራይ ኣተዉ። ብድሕሪ’ዚ ተኸስተ ሃይለ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ንዝረኸቦም ኣስላም እዝኖም ኪጨርም ብምጅማሩን ደባሳይ ድራር እውን ‘ሕነ በርሀ ሞሳዝጊ’ እናበለ ንዝረኸቦ ተኸታሊ እምነት ምስልምና ኪቐትል ስለ ዚጀመረ፡ ኣብቲ ከባቢ ራዕድን ሽበራን ገነነ።

በየነን ፍስሃየን ዝተባህሉ ክልተ ካብቶም ኣርባዕተ ደቂ ሞሳዝጊ እውን ኣቐዲሞም ብዕለት 4 ታሕሳስ 1948 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ማይ ሰራው (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ምስ ፖሊስ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ግጥም ከም ዝተቐትሉ ይዝከር። መበጊሲ ሽፍትነት ደቂ ሞሳዝጊ እዚ ዝስዕብ’ዩ፥

ደቂ ሞሳዝጊ ፈለማ ንዓመጽን ንኸትርን ኢሎም ኣይሸፈቱን፤ ጠንቂ መሸፈቲ ደቂ ሞሳዝጊ እዚ ዝስዕብ’ዩ ነይሩ፥ ኣብ 1920 ዓ.ም መንግስቲ ኢጣልያ ምስሌንነት መረታ ሰበነ ካብ ግራዝማች ምዒተልካ ኣግዲፉ ንደግያት ኪዳነ ሃብታይ ሃቦም። ነዚ ዝተቓወሙ ደቂ’ቲ ዓዲ ከኣ ብመንግስቲ ተታሒዞም ኣብ ናዅራ ተሓየሩ።

ሓደ ካብዞም ብመንግስቲ እተሓየሩ እሱራት ናዅራ ከኣ ኣቶ ሞሳዝጊ ፍታው ኣቦኦም ንደቂ ሞሳዝጊ ነበረ። ኣብ ናዂራ ተኣሲሩ ከሎ ስለ ዚሞተ ከኣ ኣብ መንጎ እንዳ ሞሳዝግን እንዳ ምስሌነ ኪዳነን ደም ተተኽለ! በዚ መሰረት ኣርባዕቲኦም ደቂ ሞሳዝጊ ሕነ ኣቦኦም ንምፍዳይ ናብ በረኻ ወጹ።

ብ19 ሚያዝያ 1948 ዓ.ም. ኣርባዕቲኦም ደቂ ሞሳዝጊ፡ ንመገዲ ደቀምሓረ ነፋሲት ብምዕጻው፡ ኣርባዕተ ሎሪ፡ ሓንቲ ኣውቶቡስን ከቲሮም ወዓሉ። ክዳውንትን ሰዓታትን ከይገደፉ ብምዝራፍ ድማ 3000 ሽልንግ ዘሚቶም ከዱ። ድሕሪ’ዚ እውን ደቂ ሞሳዝጊ ብዙሕ ዝምታ ስለ ዘካየዱ፡ ምምሕዳር ብሪጣንያ ንደቂ ሞሳዝጊ ዘትሓዘ 1000 ፖንድ ኪወሃቦ ምዃኑ ኣወጀ።

ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ 1951 ዓ.ም. ንኹሎም ሸፋቱ ምሕረት ስለ ዚሃበ፡ ብዙሓት ሸፋቱ ኢዶም ክህቡ ከለዉ፡ እቶም ናይ ኢትዮጵያ ተልእኾ ዝነበሮም ግን ምስላም ኣበዩ። መንግስቲ ኤርትራ እውን ብተመሳሊ መገዲ ብ29 ነሓሰ 1957 ዓ.ም. ንሽፍትነት ዝምልከት ሕጊ ብምጽዳቕ ኩላቶም ሸፋቱ ኢዶም ንኽህቡ ጸዊዑ ነይሩ’ዩ። ነዚ ጻውዒት’ዚ ሰሚዖም ዝኣተዉ ሸፋቱ ግን ዳርጋ ኣይነበሩን። ድሕሪ’ዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ንሽፍታ ዘአንገደት ዓዲ ብምልእታ ክትቅጻዕ ወሰነ!

ኣብ መበል 36 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ 'ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ፡' ጸሓፊ ኣልበርቶ ፖለራ፡ ተርጓሚ፡ ኣባ ይስሓቕ ገ/እየሱስ፣ ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ንጉጅለ ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 10/03/2019


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:

Share with friends: