ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 34 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/01/2019 06:25 AM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 34 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

መበል 34 ክፋል፥

እቲ ኣብ 1941 ዓ.ም. ዝጀመረ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደለይቲ ናጽነትን ደለይቲ ሕብረትን ዝነበረ ናይ ኣስታት 9 ዓመታት ሓርጎጽጐጽ፡ ብዕለት 31/08/1950 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ውሽጢ ሲነማ ኢምፔሮ፡ ኣስታት 4000 ህዝቢ ብኣካል ኣብ ዝተሳተፎ ኣጋጣሚ፡ ናይ ሰላምን ዕርቅን ጉባኤ ብምክያድ ከም ዝተዛዘመ ይፍለጥ።

ሎሚ ድሕሪ 68 ዓመታትከ ነዚ ዘሎ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ከምኡውን ተመለኽትን ኣምለኽትን ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ዘይምርድዳእ ጸገም ዝፈትሕ ናይ ዕርቅን ሰላምን ናይ ፍርድን ምሕረትን ኣጋጣሚ ዝፈጥር ጉባኤ ሰላም ይጽዋዕዶ ይኸውን? እስከ ብዛዕባ’ዚ ቅድሚ ገለ ምባልና ንገለ ጠንቅታት ወይውን ንኤርትራውያን ንኣስታት ሓደ ዘመን ሰላምን ምርግጋእን ከሊኡና ዘሎ ጉዳይ ብኸፊል ክንድህስሶ ንፈትን፥

ኣብ ዝኾነ ዓሚቚን ስውርን ዝርዝርን ትንታነን ከይኣተና ግን ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ጎሊሓ እትርኣዮ ንጽርቲ ጠንቂ ኣላ። ንሳ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ንዘመናት ዝቐጸለ ኣብ ንሓድሕድካ ዘይምትእምማንን ዘይምስንናይን ከምኡውን ምትህልላኽን ዘይምክብባርን ምዃኑ ርእሰ ግሉጽ’ዩ። ስለምንታይ ግን ከምዚ ኮይኑ ንዝብል ሕቶ ከኣ መልሱ ከነናዲ ክንፍትን ኢና።

ብ1952 ዓ.ም. ዝተሓንጸጸ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ኤርትራዊ ስርዓት ዘቘመ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ፡ (መንግስቲ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ) ንኤርትራ ሃገርና ኣብ ሽዱሽተ ኣውራጃታት ከፊሉ፡ ማለት፥ ሰራየ፡ ሓምሴንን ኣከለጉዛይን ኣብ ከበሳ፣ ከምኡውን ባርካ፡ ሰንሒትን ሰምሃርን ኣብ ቆላ ብምምቃል’ዩ ከመሓድራ ፈቲኑ ነይሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከኣ ኣብ ድሮ ምፍራስ ፈደርሽን፡ ማለት ድሮ 14 ሕዳር 1962 ዓ.ም. ናይ ምሕደራ ቅርጽታት ብምቕያር፡ መንግስቲ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ነቲ ምስ ኣውራጃ ሰንሒት ዝመሓደር ዝነበረ ሳሕልን ነቲ ምስ ኣውራጃ ሰምሃር ዝመሓደር ዝነበረ ደንካልያን ከም ኣውራጃ ብምፍላይ፡ ንኤርትራ ካብ ሽዱሽተ ናብ ሸሞንተ ኣውራጀታት ክብ ኣበላ።

በዚ መሰረት ድማ ኤርትራ ሃገርና ንኣውራጃታት ሰምሃርን ደንካልያን ብምውሳኽ፡ ብሸሞንተ ኣውራጃታት ቈመት። ቊሩብ ጸኒሑ ብድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ድማ እቲ ንኤርትራ ዝለሓቐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ (ምምሕዳር ራስ ኣስራተ ካሳ) ነቲ ምስ ኣውራጃ ባርካ ዝመሓደር ዝነበረ ጋሽ-ሰቲት፡ ንከተማ ባረንቱ ርእሰ ከታማኡ ብምግባር፡ ከም ኣውራጃ ስለ ዘቘሞ፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሽዓተ ኣውራጃታት ተመቕለት። ንሳተን ድማ፥ ኣከለጉዛይ፡ ሓማሴን፡ ሰራየ፡ ሰምሃር፡ ደንከል፡ ሳሕል፡ ሰንሒት፡ ባርካን ጋሽ-ሰቲትን እየን።

ኣብ 1941 ዓ.ም. ፖለቲካዊ ንቕሓት ኤርትራውያን ትሕቲ ዜሮ ስለ ዝነበረ፡ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ብሓደ ሰሚሩ፡ ብሃገራዊ ዓይኒን መገድን ተጓዒዙን ንናጽነቱ ኣብ ሓደ ደው ዝብል ብእንዳን ዓድን፡ ብወረዳን ኣውራጃን ስለ ዝተመቓቐለ፡ ሻቡ ናጽነት ብሰላም ክርከብ ኣይተኻእለን! ክንዲ ዝኾነ ኸኣ በቶም ምስ መንግስቲ ጥልያን ተዋጊኦምን ስዒሮምን ናብ ሃገርና ክኣትዉ ከለዉ ልዑል ክብርን ሓልዮትን ዘርእዩና ዝነበሩ እንግዝያውያን ኣመሓደርትና ተናዒቕናን ‘ነብሶም ከመሓድሩ ዘይክእሉ ድሑራትን ድኹማትን!’ ተባሂልናን ብዘይምርጫና፡ ብሰንኪ ምክፍፋልና ናብ ኢትዮጵያ ክንጽበር ተገዲድና ማለት’ዩ።

እንግሊዛውያን ካብ ምሒር ንዕቀት ነቶም ናጽነት ዝጠልቡ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ከምዚ ክብሉ የባጭውሎም ነይሮም፥ ‘ነቶም ናጽነት ዝጠልቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ካይሮ ኣዛዊርኩም እሞ ናብ ዓዶም ምለሱዎም፡ ብኡ ዓጊቦም ትም ክብሉ’ዮም! እዛ ሃገር ኣብ ሓላፍነት ኪቕመጥ ዚኽእል ዜጋ ወላ ሓደ የብላን! ብተወሳኺውን እዛ ሃገር ነብሳ እትኽእለሉ ኩነታት ይረኣየኒ የለን! ስለዚ፡ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ናጽነት ክህብ እንተ ደኣ ወሲኑ እቲ ውጽኢት ሕንፍሽፍሽ ጥራይ እዩ ክኸውን!’ ብምባል ናይ ንዕቀት ቃል ዘስምዐ ብዓል ስልጣን ወጻኢ ጉዳያት እንግሊዝ ነበር ኤም. ስቱዋርት እዩ።

‘ኤርትራ ሓድነትን ምክብባር ህዝባን የብላን! ናይ ሓባር ሃገራዊ ቋንቋ፡ ናይ ዘርኢ ሓድነትውን የብላን! ብኣብ ነሕድሕዶም ዝጻረሩን ዝተሃላለኹን ጉጅለታት ዝተመቓቐለት’ያ! እታ ሃገርን እቲ ህዝብን ድሑራት ስለ ዝኾኑ ክሳዕ ኣቋውማን ኣካይዳን መንግስነት ዝመሃሩን ዝኽእሉን ነብሶም ክኢሎም ናይ ደቀባት መንግስቲ ክተኽሉ ኣይክእሉን’ዮም!’ ቃል እንግሊዛዊ ብዓል ስልጣን ነበር ጆርጅ ክላተን። እዚ እንግሊዛውያን ኣመሓደርቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘርኣዩዎ ንዕቀትን ሸልለትነትን ግን ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይነበረን።

ቀዳማይ ደረጃ እቲ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ (ፈረንጂ) ዘሎዎም ክብ ዝበለ ክብርን ኣድንቖትን፡ ንኹሉ ብጸዓዱ ዝተባህሉዎ እሺ ንኽብሉን ኣብ ቅድሚ እንግሊዛውያን እውን ተማእዘዝትን ተለኣኣኽትን ጥራይ ኮይኖም ንኽሰርሑን ከም ቅቡል ወሲዶም፡ ናብ ብርሃን ይኹን ናብ ጸላም ብኣኣቶም ንኽምርሑ ድሉዋት ብምንባሮምን ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ምሁርን ፈላጥን ወዲ ሃገሮም (ኤርትራዊ) እምነትን ክብርን ስለ ዘይነበሮምን እዩ ኣብ ንዕቀትን ውርደትን ጓኖት ዘብጽሖም። እዚ ተርእዮ’ዚ ድማ’ዩ ሃገር ከመሓድሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ግዙኣት ኢልካ ንምምንኣሶም ኣፍደገ ዝኸፈተ።

ሎሚውን እንተኾነ ነዚ ልዕል ኢልና ጠቒስናዮ ዘለና ሓቂ ዘራጉድ ፍጻመታት ይርአ ብምህላዉ፡ ገላጽ ምስጢረ ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተመነዎ ከምዚ ክብል ምስክርነቱ ሂቡሉ ኣሎ፥

‘ብዙሓት ደቂ ኣውራጃ ሓማሴን ካብዚ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ዝረኽቡዎ ዝተፈልየ ረብሓ ከምዘየለ እናፈለጡ፡ መንግስቲ ናይ ደቂ ሓማሴን ጌሮም ስለ ዝርእዩዎ ግን ምስቲ ስርዓት ተጸጊዖም ይኸዱ ኣለዉ! ብዙሓት ደቂ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ እውን ንሓርነት ዝቃለሱ ዘለዉ መሲሉዎም ኣብ ቁውም ነገር ዘይብለን ውድባት ተሰሪዖም፡ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ንብዙሓት ደቂ ሓማሴን መጋባርያኡ ጌሩዎም ዘሎ፣ እቶም ካብ ናይ ኢሳያስ ታሪኽ ዘይሓይሽ ታሪኽ ዘይብሎም መራሕቲ ውድባት ኣከለጉዛይ እውን ንደቂ ኣከለጉዛይ መሳርሒኦም ጌሮሞም ኣለው!

ብዙሓት ደቂ ኣውራጃ ሰራየ እውን ልኡም ዝኾነ መርገጺ ብምሓዝ፡ ገለ ምስቲ ስርዓት፡ ገለ ድማ ምስተን ድኹማት ውድባት ተጸጊዖም መጋበርያ ተበለጽቲ ኮይኖም ኣለዉ! ኤርትራውያን ካብዚ ንሓድሕድካ ናይ ምጽራርን ምትህልላኽን፡ ምንዕዓቕን ምብልላዕን ክሳዕ ዘይወጹ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝረብሓሉ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክትከል ፈጺሙ ኣይከኣልን’ዩ!’ ብምባል ንዘይንቕሓትን ባጊርነትን (ግኑን ድሕረትን) ኤርትራውያን ብንጹር ይገልጾ።

‘እቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ኣውራጃኡ ከፍቅር ባህርያውን ቅኑዕን’ዩ። ኣውራጃኡ ስለ ዘፍቀረ ድማ’ዩ ንሃገሩ ኣፍቂሩ። ኣውራጃኻ ምፍቃር ገበንን ነውርን ኮይኑ ዝተረኽበ ግን እቶም ኣብ ኤርትራ እትብጽሖም ኣውራጃ ዘይብሎም ጐሓላሉ በትረ ስልጣን ምስ ዓብለሉ’ዩ! በዚ መሰረት ከኣ ብዘይገለ ስምዒትን ናፍቖትን ንጥንታውያንን ታሪኻውያንን ስም ኣውራጃታትና ብምቕያር፡ ብኸባቢታት ከም ዝጽዋዓ ጌሮመን ኣለዉ!

እቲ ቅኑዕን ግቡእን ኣካይዳ ከኣ ፈለማ ስድራ-ቤትካ ተፍቅር፡ ብድሕሪኡ ዓድኻ ተፍቕር፡ ካብኡ ቀጺልካ ወረዳኻ ተፍቅር፡ ብምቕጻል ከኣ ኣውራጃኻ ተፍቅር፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሃገርካ ኢኻ ተፍቅር። ኣብ ጉጅለ ኢሳያስ ግን ብግምጣሉ’ዩ! እዚ ኣካይዳ ጉጅለ ኢሳያስ እዚ ከኣ ኣብ ህዝብና ርኡይ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ዘይምቅዳውን ፈጢሩ፡ ብስቓይን ምብትታንን ኤርትራውያን ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ኣሎ። ንህዝብና ናብ ኲናት ክትጠብሶን ክትእዝዞን ክትደሊ ከለኻ ‘ህዝብና ንቑሕ’ዩ፡ ሃገራዊ’ዩ! ብሱል’ዩ! ወዘተ.’ እናበልካ ምጅሃር፤

ብዛዕባ ደሞክራስን መሰል ህዝብን ክትሕተት ከለኻ ድማ ‘ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራሲ ንምምራሕ ንቕሓቱ ኣየፍቅደሉን’ዩ! ህዝብና ቅጫ’ምበር ህዝባዊ ምምሕዳር (ደሞክራሲ) ኣየድልዮን’ዩ! ንህዝብና ብደሞክራሲ ተመሓደር ማለት ከም ሃገራት ኣፍሪቃ ንሓድሕድካ ተሃናኾት ማለት’ዩ! ወዘተ.’ ብምባል መሰሉ ክኸልእዎ ትርእን ትሰምዕን! እቲ ሓቂ ግን እቲ ዳሕረዋይ እዩ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንቑሕን ብሱልን እንተዝኸውን ነይሩ ነዚ ካብ ዝሓለፉ ናይ ዓለም ውልቀ መለኽቲ ዝኸፍአ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጸይሩ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ክኸይድ ኣይምኸኣለን!

ዕላማን ውጥንን ኢሳያስ ካብ ፈለማ ሓንትን ንጽርትን’ያ። ንሳ ከኣ ንሱ ከም ድሌቱ ጌሩ ዝመርሓን ዚውንናን ውድብ፣ ደሓር ድማ መንግስቲ ምምስራት’ያ! ነዚኣ እንተወኒኑ ድማ’ዩ እንተደለየ ምስ ውድባት ይኹን ምስ መንግስታት ዚጻላእን ዚዕረቕን! ነዚኣ ንምፍጻም ከኣ እቲ ኣብ ዓለም ኣሎ ዝብሃል ክፍኣት ኪጥቀም ነይሩዎ! እታ ናይ መጀመርያ ኣጽዋሩ ከኣ ብሰንኪ ክፍኣትናን ድንቁርናናን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ንዝርከብ ምስሕሓባት ኣውራጃነት ምምዝማዝ’ያ ነይራ!

ኢሳያስ ነዛ ናይ ኣውራጃ ጉዳይ፡ ብነገር ተጋዳላይ ተወልደ እዮብን (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ተጋዳላይ ሰሎሞን ወልደማርያምን (ኣውራጃ ሓማሴን) እዩ ፈሊሙዋ! ነዛ ቊልዒ እዚኣ ብስውር እናኣናኸሰ ከኣ ናብ ተጋደልቲ ከም ትልሕም ጌሩዋ! ካብ ተጋደልቲውን እንሆ ሎሚውን ናብ ህዝቢ ኣሰጋጊሩ ኤርትራዊ ኣብ ታሪኹ ርእዩዎ ብዘይፈልጥ ኣጋባብ ኣውራጃዊ ምትፍናን ፈጢሩሉ ይርከብ! ኩሉ ብዛዕባ ዓዱን ኣውራጃኡን ዝተዛረበ ሰብ “ኣውራጃዊ!” ዝብል ዘለፋ የሰክሞ።’ ብምባል ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ኣብ ንቕሓት ህዝብና ዘሎዎ ኣጠማምታ ይገልጽ።

ኣብ ቀዳማይ መስመር ጽሑፍና ብዛዕ’ቲ ኣብ ዕለት 31/08/1950 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ውሽጢ ሲነማ ኢምፔሮ ዝተኻየደ ጉባኤ ሰላም ኤርትራውያን ኣልዒልና ኔርና፡ ንትሕዝቶኡን ውጽኢቱን ክንትንትን ምዃንናውን ሓሳብ ድሌትን ነይሩ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ምንዋሕ ጽሑፍ፡ ኣብ ዝቕጽል መበል 36 ክፋል ጽሑፍና ክነቕርቦ ምዃንና ምስ ይቕሬታኡ ንሕብር። የቐንየልና።

ኣብ መበል 35 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ 'ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ፡' ጸሓፊ ኣልበርቶ ፖለራ፡ ተርጓሚ፡ ኣባ ይስሓቕ ገ/እየሱስ፣ ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማ፣ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ንጉጅለ ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 26/01/2019


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:

Share with friends: