ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 33 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

04/12/2018 16:17 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 33 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

መበል 33 ክፋል፥

•  ኣብ 1557-1857 ዓ.ም. ቱርካውያን ቀዳሞት ገዛእቲ ኤርትራ ኮይኖም። 300 ዓመታት ኣብ ምብራቓዊ ኤርትራ ገዚኦም።
•  ኣብ 1857-1879 ዓ.ም. ግብጻውያን 2ይ ገዛእቲ ኤርትራ ኮይኖም። 22 ዓመታት ኣብ ምብራቓዊ ኤርትራ ገዚኦም።
•  ኣብ 1879-1889 ዓ.ም. ኢትዮጳያውያን (ተጋሩ) 3ይ ገዛእቲ ኤርትራ ኮይኖም። 10 ዓመታት ንምሉእ ኤርትራ ገዚኦም።
•  ኣብ 1889-1941 ዓ.ም. ኢጣልያውያን 4ይ ገዛእቲ ኤርትራ ኮይኖም። 52 ዓመታት ንመላእ ኤርትራ ገዚኦም።

•  ኣብ 1941-1952 ዓ.ም. እንግሊዛውያን 5ይ ገዛእቲ ኤርትራ ኮይኖም። 11 ዓመታት ንመላእ ኤርትራ ገዚኦም።
•  ኣብ 1952-1962 ዓ.ም. ኤርትራውያን ንፈለማን ናይ መወዳእታን ግዜ 6ይ ኣመሓደርቲ ኤርትራ ኮይኖም። 10 ዓመታት ንመላእ ኤርትራ ኣመሓዲሮም።
•  ኣብ 1962-1991 ዓ.ም. ኢትዮጳያውያን (ኣምሓራ) 7ይ ገዛእቲ ኤርትራ ኮይኖም። 29 ዓመታት ንመላእ ኤርትራ ገዚኦም።
•  ኣብ 1991-2018 ዓ.ም. ኢትዮጳያውያን (ተጋሩ) 8ይ ገዛእቲ ኤርትራ ኮይኖም፡ ክሳዕ ሎሚ 27 ዓመታት ንመላእ ኤርትራ ይገዝኡ ኣለዉ።

‘ኤርትራ ንኤርትራውያን” ዝብል ንናጽነት ኤርትራ ዝጠልብ ማሕበር እናሃለወ ንምንታይ “ኣልራቢጣ ኣል እስላምያ ኣልኤረትሪያ” ዝብል ካልእ ሓድሽ ማሕበር ተመስሪቱ? ንምንታይከ ከምቲ ከም ብዓል ከንቲባይ ዑስማን ህዳድ፡ ሸኽ ሱሌማን ኣልዲን፡ ሳልሕ ኬክያ ፓሻን ፊተውራሪ ዓሊ በኺትን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ኣብ ሰልፊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝተጸንበሩ? እቶም ዝተረፉ መራሕቲ እስላምከ ምስ ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንምንታይ ዘይተጸንበሩ? ኢልካ ምሕታትን ምምላሱን ግቡእ’ዩ።

ኣብቲ ብዕለት 24/11/1946 ዓ.ም. ኣብ ቤት ጊዮርጊስ (ኣስመራ) ዝተኻይደ ካልኣይ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ምስ ገለ ሰዓብቶም ቊሩብ ደንጒዮም ናብ ቦታ ዋዕላ ምስ መጹ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዳርጋ ኣስላም ኣይጸንሑዎምን። በዚ ኮርዮም ናብ ገዛኦም ኪኸዱ ገጾም ምስ መለሱ ከኣ ብላታ ደምሳስን ደግያት ሓጐስን ኣርኪቦም ሓዙዎም እሞ ብምቕጻል ከምዚ ክብሉ ይቕሬታ ሓተቱዎም፥

‘ሓቅኻ ኢኻ ኢብራሂም፣ ንሕና ኢና ሕማቕ ጌርና! ነዚ ዋዕላ ክንገብር ከለና ንኣስላም ኣሕዋትና እንታይ እዩ ርእይቶኹም ኢልና ኣይሓተትናዮምን! ስለዚ፡ ሕጂ ደሓን ኢብራሂም ንስኻ ንኣኣቶም ወኪልካ ንዓ በጃኻ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶኻ ሃብ?’ በሉዎም።

ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ሽዑ ከምዚ በሉ፥ ‘ንሕና ዓሰርተ ዕስራ እንኸውን ሰባት ሕጂ ነዞም ኣብዚ ዘይተረኽቡ ብዙሓት ኣስላም ወኪልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ፡ ወኪላት ኩላቶም ኣስላም ኤርትራ፡ ማለት ከንቲባታት ናይ ቤት ኣስገደ፡ ከንቲባታት ዓዲ ሹምን ብሌንን፡ ከንቲባታት መንሳዕን ማርያን፡ ደግለላት በኒዓምር፡ ዓድ ሹም ናይ ኩናማን ናራን፡ ዓዲ ናይብ ናይ ባጽዕን ሰምሃርን፡ ዓዲ ሹም ናይ ሳሆ፡ ዓሳውርታን መኒፈርን፡ ሽማሙንቲ ደንከልን ጀበርትን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ሕጂ ነዚ ጉባኤ’ዚ ዓጺኹም ካልእ ቈጸራ ግበሩ’ሞ ኩሉ ተጸዊዑ ኣብ ቈጸራኡ ይምጻእ።’ ምስ በሉ፡ ሓደ ኣብቲ ዋዕላ ዚነበረ ጎበዝ ቅድሚ ዓበይቲ ብሃንደበት ተንሲኡ፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ብድዐ ቃላት ኣንጻር ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ተዛረበ፥

‘ዋይ ወዲ ሱልጣን ፌሰርያ ትህድደና ኣላ! ክንደይ ኣስላም ክንብል ኢና ኣንታ! ክንደይ ጓሳ ከብቲ! ክንደይ ሰሓብ ገመል! ክንደይ በደው! ንሕና ነዚ ኹሉ ጸዊዕና ከነምጽእ!? ዘይሕሰብ’ዩ! ነዛ ሕጂ እንገብራ ውሳነ ኣስላም ከይፈተዉ ብኣፍንጭኦም ይቀበሉዋ! በቃ ንሕና ዝበልናዮ ይኹን! ንሳቶም ንኣና ይከተሉ!’ ምስ በለ ብነድሪ። ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ‘ንሕና ኣብዚ ዕስራ እንኸውን ሰባት ምስ ኣማእት ክንመላለስን ክንበኣስን ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ንስኻትኩም ድላይኩም ግበሩ! ረቢ ምሳኹም ይኹን! ንኣስላም ድማ ከምቲ ዝበልኩሞ ብመንቈርቆር ጌርኩም ብኣፍንጭኦም ኣንስዕሎም! ደሓን ይሃብኩም!’ ኢሎም ተበገሱ’ሞ እቶም ዝተረፉውን ደድሕሪኦም ሰዓቡ።

ድሕሪ’ዚ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብውሽጢ ውሽጢ ንጥርናፈን ማሕበርን እስላም ከጐሳጉሱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ዓመት ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ፡ ብዕለት 03/12/1946 ዓ.ም. ንኹሎም መራሕቲ ኣስላም ኣብ ከረን ኣኼባ ጸውዑ’ሞ ሰረታትን ዕላማን ማሕበር ኣልራቢጣ ኣል እስላምያ ብምቋም ተማያይጦም ሕግታት ኣጽደቑ። ካብ 20-21 ጥሪ 1947 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ድማ ሰልፊ ኣልራቢጣ ኣል እስላምያ ብወግዒ ተመስረተት። ሰይድ በክሪ ኣልሙርቃኒ ፕረሲደንት፡ ሸክ ኢብራሂም ሱልጣን ድማ ዋና ጸሓፊ ኮይኖምውን ተመርጹ።

ድሕሪ’ዚ ወግዓዊ ልሳን’ቲ ማሕበር ዝነበረት ጋዜጣ “ሰውት ኣልራቢጣ” ኣልራቢጣ ዝተመስረተትሉ ቀንዲ ምኽንያት ብምጥቃስ፡ መርገጺታት ክርስትያን ንክትዕን ለውጥን ዘየፍቅድ፡ ነቶም ኣስላም ናይ ግድን ዝበልናኩም ስምዑን ተቐበሉን ብምባል ዘገድድ ስለ ዝኾነ ነዚ ንቅዋምን ንመሰሎም ንምቅላስን ኢሎም ኣልራቢጣ ኣል እስላምያ ከም ዝተመስረተት ገለጸት። ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ሓደ ወካሊ ኣስላም ዝኾነ ብዓል ስልጣን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ብዘይምህላዉ ኣስላም ኢትዮጵያ ብንዕቀትን ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ከም ዝተሓዙን ከም ዝሳቐዩን ብምግላጽ፡ ኣብ ኤርትራውን ናይ ክርስትያን “ሰማይ ዓንዲ የብሉ፡ ኣስላማይ ዓዲ የብሉ!” ዝብል ምስላታት ስለ ዝቃላሕን ዝንጸባረቕን ነዚ ንምምካት ምስረታ ኣልራቢጣ ግድን ከም ዝኾነ ገለጸት።

ዓብደል ቃድር ከቢረ እውን ብ25 ነሓሰ 1948 ከምዚ ክብሉ ብዛዕባ ዕላማ ሰልፊ ኣልራቢጣ ጸሓፉ፥ ‘ኣልራቢጣ ንኽርስትያን ደቂ ሃገርና ንምጭቋን ወይውን እስልምና ንምስፍሕፋሕ ኣይኮነን ተመስሪቱ። ዕላማኡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ፈደራስዮን ዝብሃል ዘሎ ነገር ብሓባር ኴንካ ንምንጻግን ንምፍሽሉን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሰማዕን ፈላጥን ኣላህ ርትዒ ዓዲሉና ክንሱ ከመይ ኢልና ኢና’ሞ ምስታ ዓማጺትን መላኺትን ኢትዮጵያ ኢድና ከነስምር!?

ኩነታት እቶም ዓቕሚ ኣልቦን ዕቡሳትን ኮይኖም ዘለዉ 10 ሚልዮን ዝኾኑ ኣስላም ኢትዮያውያን ንርእዮዶ ኣየለናን! ከምኣቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ክብርን መሰልን ዘይብሎም ከይንከውን ምእንቲ ከኣ ንሕና ኣስላም ኤርትራውያን ሰሚርና ኣለና። ንመሰልና ከኣ ክሳዕ ሞትውን ይኹን ኣጥቢቕና ክንጠልብን ክንቃለስን ኢና! ነዚ ዘይቅየርን ተሪርን መርገጺና ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ክንቃለሰሉ ኢና! ካብ ሽሕ ዓመት ብውርደት፡ ሓንቲ ዓመት ብኽብረት ምንባር ኢና ንመርጽ!’ ብምባል ጽሒፎም ነበሩ።

‘ኣብ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ (24/11/1946 ዓ.ም.) ገጽና ምስ ተጸፋዕና፡ ብድሕሪኡ ኢና ማሕበር ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ መስሪትና። ዕላማ ማሕበር ኣልራቢጣ ድማ ምሉእ ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽ’ዩ ነይሩ። ነዚ ግን ‘መንግስቲ ኣስላም’ እናበልኩም እተላግጹሉ ሰባት ኣለኹም። ዝኣምነኩም ሰብ ግን ኣይትረኽቡን ኢኹም።’ ቃል ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን ካብ ገዛ ብርሃኑ ኣስመራ’ዩ።

ሰልፊ ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ ድሕሪ ምምስራቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1947 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ከረን ብወግዒ ክጽንበል ከሎ፡ 10.000 ዝቚጽሮም ኣብ ኣግማል ዝተወጥሑን ሴፍ ዘንበጥብጡን (ዘወዛውዙን) ሰባት፡ “ሑርያ! ሑርያ” እናበሉ ነቲ ሰልፊ መሪሖም ንጽርግያታት ከተማ ከረን ኣጨነቑዎ’ሞ ማሕበር ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ ኣልኤረትሪያ ዘይብዳህ ማሕበር ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋገጸ።

ኣብ መበል 34 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ 'ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ፡' ጸሓፊ ኣልበርቶ ፖለራ፡ ተርጓሚ፡ ኣባ ይስሓቕ ገ/እየሱስ፣ ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 03/12/2018


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:

Share with friends: