ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 36 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

16/04/2019 23:59 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 36 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

መበል 36 ክፋል፥

እቲ ኣብ 24 ጥቅምቲ 1945 ዓ.ም. 51 ኣባል ሃገራት ሓቊፉ ዝተመስረተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1950 ዓ.ም. ተጋቢኡ ንጉዳይ ኤርትራ ነዚ ዝስዕብ ውሳነ ሃበሉ፥ ኣብቲ እዋን ቊጽሪ ኣባል ሃገራት ናብ 60 ክብ ኢሉ ነበረ። በዚ መሰረት ከኣ 46 ኣባል ሃገራት፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትሓብር ኣድመጻ፣ 10 ኣባል ሃገራት ድማ ነዚ ተቓወማ፡ እተን 4 ከኣ ድምጸን ዓቀባ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብዕለት 16 ሓምለ 1896 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኦስሎ ነርወይ ዚተወልደ Trygve Halvdan Lie ዚተባህለ ነርወጃዊ ነበረ።

እተን ዝተቓወማን ድምጸን ዝዓቀባን ሃገራት ዓለም እዘን ዝስዕባ’የን ነይረን፥ ሕብረት ሶብየት፡ ቤሎሩስያ፡ ፖላንድ፡ ቼኮዝላቫክያ፡ ኩባ፡ ረፑብሊክ ዶመኒካ፡ ኤልሳቫዶር፡ ጓቲማላን ፓኪስታንን ክቃወማ ከለዋ፣ ሽወደን፡ እስራኤል፡ ስዑዲ ዓረብን ኡራጓይን ድማ ድምጸን ዓቀባ።

ቅድሚ’ቲ ብ“ፈደራል ኣክት” ወይውን “ፈደራል ብይን 390 A (V)” ዝፍለጥ ብድምጺ ብልጫ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ውሳነ ምሕላፉ ገለ ካብዘን ንፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝተቓወማ ሃገራት ዝሃበኦ ርእይቶን ተቓዉሞን ነዚ ዝስዕብ ይመስል ነበረ፥

‘በቲ ሎሚ ሸፋቱ ኣብ ኤርትራ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዓመጽን ዕግርግርን፡ ከምኡውን በቲ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ተካይዶ ዘላ ናይ ምግዛትን ምፍርራህን ወፍሪ ፈሪሆም እምበር ኣብ ኤርትራ ርእስና ክኢልና ናጽነትን ሓርነትን ረኺብና ምንባር ይሕሸና ክብሉ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ስለዚ፡ ፈደረሽን ንኤርትራ ህውከትን ዕግርግርን’ምበር ካልእ ምንም ፋይዳ ከምጽኣላ ኣይክእልን’ዩ! ስለዚ፡ ክሳዕ 1953 ዓ.ም. ምሉእ ናጽነታ እትረክብ ብሓደ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትመሓደር ትጽናሕ’ ዚበለ ኣምበሳዶር ፓኪስታን ዛፍሩላህ ካን ነበረ።

‘እዚ ብፖለቲካዊ ኮሚተ ጸዲቑ ዘሎ ፈደረሽን ዝእምም ንድፊ ውሳነ፡ ንኹሉ መገድታት ናጽነት ኤርትራ ዝዓጹ’ዩ። እቲ ብልኡኽ ፓኪስታን ቀሪቡ ዘሎ’ሞ ንሕናውን ዝደገፍናዮ እማመ ናጽነት ግን መገዲ ፈደረሽን ከይዓጸወ ናብ ናጻ ውሳነ ህዝቢ ኤረትራ እዩ ዝገድፎ። ንሊብያን ንሶማልያን ናጽነት ሂብካ ንኤርትራ ተመሳሳሊ ኣተሓሕዛ ዘይምግባር ኣብ ኣፈታትሓ ሽግር ግዝኣታት ኢጣልያ ነበር ናይ ኣድልዎ ተግባር ምፍጻም ኮይኑ ይረኣየኒ’ ቃል ኣምበሳዶር ኩባ ኢቻሶ።

‘ህዝቢ ኤርትራ ፈደረሽን ይደሊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋጽ ረፈረንዱም ክግበር ኔሩዎ። ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምፍላጥ ግን ረፈረዱም ኣይተኻየደን። ብሓቂ ድሌት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተናደየን። ስለዚ፡ ውድብ ህቡራት ሃገራት ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ድሌቱ ዝውስነሉ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓና።’ ቃል ኣምበሳዶር ኤልሳቫዶር ካስትሮ።

‘ናይ ፈደራስዮነ ሓሳባት ካብ ድሌትን ሃረርታን እቲ ብርእሱ ንምምሕዳር ዝጋደል ዘሎ ህዝቢ ዝረሓቐ’ዩ። እዚ ሎሚ ከም ማእከልላይ መገዲ መሲሉ ዝርአ ዘሎ ውሳነ ፈደረሽን ከኣ ዎኢሉ ሓዲሩ ናብ ፍጹም ሕብረት ዘብጽሕ መግዲ’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ክኣ ብዘይካ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ክጠቅም ዝኽእል ካልእ መደብ የለን።’ ቃል ኣምበሳዶር ቤሎ ሩስያ

ብኸምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣጋባብ ፈደርሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተወሰነ፡ እታ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም እትዳሎ ዝነበረት ወሃቢት ቃል ሰልፊ ናጽነት ዝነበረት ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ ንትርጉም ፈደረሽን ብከምዚ ዝስዕብ ኣጋባብ ናብ ህዝቢ ኣቕረበቶ፥

‘ፈዳራስዮነ ማለት ሕብረት ክልተ መንግስታት ማለት እዩ። ካብ ክልተ ዝበዝሓ መንግስታትውን ብፈደራስዮን ክሓብራ ይኽእላ’የን። እዚ ማለት ግን ክልተ መግስታት ውሽጣዊ መልክዐንን ጉዳየንን ማለት ሓዳረን ብምሉኡ ፈልየን እናሓለዋ ከለዋ፡ ብገለ መገዲ ማሕበር ክተኽላን ክደጋገፋን ይሰማምዓ እየን። ንኣብነት ክልተ ሓረስቶት በቤቶምን ሓሓዳሮምን ጠጥሪቶምን እንከለዎም ብዕዮ ማሕረስ ግራውቶም ግን ማሕበር ክኣትዉ ይኽእሉ’ዮም። ንግራውቶም ወይ ድማ ንርስቶም ኣብ ማሕበር ኣእትዮም ብሓንሳእ ክሓርሱዎ ክጸሃዩዎን ክሓፍሱዎን የሰማምዑ።

ንዕዮ ሕርሻኦም ዝከውን ገንዘብ ድማ ከካብ ማህፉዳኣኦም ይህቡ። እቲ ርስቲ ናይ ነፍሲ ወከፎም፡ እቶም ኣብዑር ድማ ናይ ነፍሲ ወከፎም፡ ከም ናይ ሓደ ሰብ ርስትን ጥሪትን ገይሮም ይከናኸኑዎምን ይሕልዉዎምን። ስለዚ ድማ እቲ ሓደ ወዲ ማሕበር ዒራ ናይ ወዲ ማህበረይ እዩ ኢሉ ካብቲ ብማሕበር ዝኣተወ ገንዘብ ወይ ጥሪት ወዲ ማሕበሩ፡ ብዘይፍቓድ ኣቲ ወዲ ማሕበሩ ኢዱ ከአቱ ኣይኽእልን፣ ኣይግባእንውን።’ ብምባል ትርጉም ፈነረሽን ንህዝቢ ተንቲና ኣረዲኣቶም ነበረት።

ወሃቢት ቃል ሰልፊ ሕብረት ዝነበረት ጋዜጣ ኢትዮጵያ ድማ ንውሳነ ፈደረሽን ብኸምዚ ዝስዕብ ገለጸቶ፥ ‘ኤርትራ ብቁጠባን ብፖለቲካን ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ክትሓድር ዘይትኽእል ጥራይ ዘይኮአነስ ህይወት ከምዘይትረክብውን እናተኣመኑ፡ ‘ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝወሃብ ውሽጣዊ ናጽነት ይወሃባ’ ምባሎም ማእሰርያኡ ሽሕ’ኳ ኣጋባብ እንተለወጠ፡ ኢትዮጵያ ናኤርትራ ስለ ዝኾነ ግን “መኾርመዪ ዝረኸበ መሳፍሒ ኣይስእንን’ዩ እሞ ነባቢ ካብዚ ሓሊፍካ ንሎሚ ካልእ ኣይትጠይቕ’ ብምባል ገለጸቶ።

ብድሕሪ’ዚ ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ ከምዚ ክትብል ነዚ ናይ ጋዜጣ ኢትዮጵያ መግለጺ መልሲ ሃበትሉ፥

‘ናይዚ ከምዚ ዝበለ ዓንቀጽ ሓሳብ ወይ ርእሰ ነገር ‘ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንሎሚ ደኣ ፈደራስዮን ኣምሲላ ትቀበላ’ምበር ጽባሕ ኤርትራ ንበይና፡ ብዘይደገፍ ሕቡራት ሃገራት ምስ ተረፈት ጠቕሊላ ክትወስዳ ትኽእል’ያ’ ማለት ከም ዝኾነ ብግልጺ ክትስትውዓል ኣለዎ። በዚ እዚ ጸሓፊ ዝብለና ዘሎ ቃል እንተወሲድናዮ መንግስቲ ኢትዮጵያስ ማሕላን ኪዳንን ዘይተጽንዕ፡ ናይ ዓለም ሕግን ስርዓትን ዘይዓጅባ፡ ደሞክራስያ እንታይ ምዃኑ ዘይተስተውዕል መንግስቲ ማለት’ያ። ግናኸ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝበለት መንግስቲ ንኸይትኸውን ተስፋ እናገበርና፡ እዚ ናይ ቊልዕነት ሓሳብ’ዚ ናይቲ ጸሓፊኡ ሓሳብ ጥራይ ክኸውን ንምነ’ ብምባል ኣቋሸሸቶ።

ዜርካ ዜርካ ግን ኤርትራውያን ሻቡ ግዳያት ዝኾንና ልክዕ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ደገፍትን ተቓወምትን ተባሂልና ኣብ ክልተን ካብኡ ንላኦልን ምስ ተፈላለና’ዩ። እምበር ብሓደ ድምጺ ሰሚርና ሻቡ ናጽነት ኢና ንደሊ እንተንብል ኔርና ከም ሊብያን ሶማልያን ብዘይጸገም ናጽነትና ምረኸብና ኔርና ኢና። ሎሚውን ካብዚ ዘለናዮ ጥፍኣትን ሕስረትን ንምስድሓንን ኣብ ሃገርና ከቢርናን ኮሪዕናን ከም ዲለኢትና ንምንባርን ነቲ ቅድሚ ህጂ ናብ ኲናትን ዕንወትን ዘእተወና ምፍልላይ ሓንሳብን ንሃዋርን ቀቢርና፡ ወትሩ ጸግዒ ህዝቢ’ምበር ጸግዒ መንግስቲ ወይውን ጸግዒ ሓያል ከይኮንና፡ ንሓቅን ንፍትሕን ደው ንበል። እዚዛ ጥራይ ድማ’ያ ናይ ሓዋሩ ሰላምን ርግኣትን እትህበና።

ኣብ መበል 37 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ 'ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ፡' ጸሓፊ ኣልበርቶ ፖለራ፡ ተርጓሚ፡ ኣባ ይስሓቕ ገ/እየሱስ፣ ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዚተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዚብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዚተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

እሱራት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይቅድመ ኩነት ይለቐቑ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ነተባብዕን ንሓግዝን!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ንጉጅለ ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 15/04/2019


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:


Share with friends: