ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 41 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

22/05/2020 18:20 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 41 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 41 ክፋል፥

ተመለኽቲ ህግደፍ (ደገፍቲ ህግደፍ) ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ነቲ ብነጋዶ ካብ ኢትዮጵያ (ትግራይ) ናብ ኤርትራ እናመጸ ዕዳጋታት ኤርትራ ኣብ ምርጋእን፡ ቀረብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ኣብ ምምላእን ናይ ህይወት ኣድሕን ዕማም ዝፍጽም ዘሎ ትሕዝቶ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ብምርኣይ፡ “ሳላ ዝጸንዐን ዝተጸመመን ህዝብና ሓሊፉሉ! ኩሉ ነገር እኮ’ዩ ሓሲሩ! ባኒ ከይተረፈ ካብ መቐለ መጺኡ ኣብ ኣስመራ ብርካሽ ይሽየጥ ኣሎ! ጸገም ተቐንጢጡ! ደጊም ራህዋ ኮይኑ! ወዘተ.” እናበሉ ነቲ ኢትዮያውያንን እግሊዛውያንን ኣብ ኣርብዓታት ዘቕርቡዎ ዝነበሩ ርእስኻ ናይዘይምኽኣል ግጉይ መጐተ፡ ከይተፈለጦም ከም ዘለዎ ይደግሙዎ ምህላዎም ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ነገር’ዩ።

“ሳላ ዶብ ዝተኸፍተ ሓሊፉልና!” ምባሎም፡ ነብስና ክኢልና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና! ስለዚ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክዕጾ የብሉን። ይብሉ ከም ዘለዉ ኣየስተውዓልሉን! ምጉት ኢትዮጵያውያንን እንግሊዛውያንን ኣብ ኣርብዓታትውን እዚ’ዩ ነይሩ። “ኤርትራ ብቑጠባ ነብሳ ስለ ዘይትኽእልን ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ዘሎዎ መራሒውን ስለ ዘይብላን ልኡላዊት ሃገር ንምዃን ናጽነት ክወሃባ የብሉን!” ብምባል’ዮም ሻቡ ንናጽነት ኤርትራ ተቓዊሞም። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ከኣ ዕቚር ሃብታ መዝሚዙ፡ ቅሳነትን ራህዋን ህዝባ ብምውሓስ፡ ናብ ምዕባለ ዘወንጭፋ መንግስቲ ዘይምርካባ፡ ምጉት እንግሊዛውያን ኣብ ኣርብዓታት፡ ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ሓቂ መሲሉ ይርአ ምህላዉ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር’ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ነቶም ህዝብን ሃገርን ክመርሑ ዝኽእሉ ብቑዓት ሰባት፡ ዕድል ስለ ዝተከልአ ጥራይ እዩ።

ኣብ 1941 ዓ.ም. እተን ምስ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢጣልያ ዝተጋላገላ’ሞ ብቐጥታ ናጽነተን ዝረኸባ ክልተ ሃገራት፡ ማለት ሊብያን ሶማልያን ቀሲነን ብሓርነት ክነብራ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግን “ብቑጠባ ነብሳ ኣይትኽእልን’ያ! ህዝባውን ሃገር ንምምራሕ ሓድነትን ብቕዓትን የብሉን” ተባሂላ ብዘይድሌታ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተጸንበረት ይዝከር።

ነዚ ዘይርትዓውን ዘይክውኑን ምጉት ክውን ንምግባር ከኣ ሻቡ መንግስታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባዊ ትካላት ኤርትራ፡ ሰፊሕ ዘረፋን ዕንወትን ኣካየዱ። ስራሕ ኣልቦነትን ሽፍትነትን ከም ዝነግስ ገበሩ። ሕድሕድ ዘይምፍቓርን ዘይምክብባርን ኤርትራውያን ኣዝዩ ንኽጎልሕ ጸዓሩ። ንገለውን ክሳብ ናብ ጎነጽ ዝኸይድ ነዳዲ ወሰኹሉ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ነታ ባሕርን ወደባትን ኤርትራ ንምውናን ተንባሁቚ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ልባዊ ታፍላኣ (ሃረርታኣ) ዘርዊ ኩነት ፈጠረላ።

እቶም ን11 ዓመታት ንኤርትራ ከማሕድሩ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1941 ዓ.ም. ስልጣን ዝተዋህቦም እንግሊዛውያን፡ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንናጽነት ኤርትራ ብወግዒ ተቓወሙዎ፥ ኤም. ስቱዋርት ዚተባህለ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያ ንኣብነት፥ “ኣብ ኤርትራ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ተቐሚጡ ህዝብን ሃገርን ብግቡእ ኪመርሕ ዚኽእል ብቑዕ ሰብ ሓደ’ኳ የለን! እታ ሃገርውን ነብሳ እትኽእለሉ ቁጣባዊ ትሕዝቶ የብላን! ስለዚ፡ ንኤርትራ ናጽነት ምሃብ ማለት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብወራር ኢትዮጵያን ኢጣልያን ሕንፍሽፍሽ ምትካል ማለት’ዩ ክኸውን” በለ።

ከምኡውን ሓደ ጆርጅ ክላተን ዝተባህለ ካልእ ብዓል ስልጣን መንግስቲ እንግሊዝ ብወገኑ ከምዚ በለ፥ “ኤርትራ ሓድነት የብላን። ናይ ሓባር ቋንቋ፡ ናይ ዘርኢ ሓድነት፡ ጆግራፍያዊ ጥምረት የብላን። ኣብ ንሓድሕዶም ዝጻረሩ ጉጅለታትትን ዓሌታትን ዝተመቓቐለት’ያ። ቁጠባኣ ብምልኡ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዝምርኰስ፡ እታ ሃገር ምሁር ኣካል ስለ ዘይብላ፡ ብኡ መጠን ናይ ደቀባት መንግስቲ ኪተክል ዝኽእል ሓይሊ የብላን!’” ብምባል ንናጽነት ኤርትራ ተቓወመ።

ሻቡ ነዚ ኣበሃህላታት’ዚ ንምምካት ብዝመስል ስጉምቲ፡ እቲ ብ13 ግንቦት 1949 ዓ.ም. ሰለስተ ዝተፈላለያ ሰልፍታት፡ ማለት ኣልራቢጣ፡ ፕሮ ኢጣልያን ኢጣለ-ኤርትራውያንን ብሓባር ብምዃን፡ ሓደ “ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ” (ህ.ግ.ኤ.) ዝተሰምየ ሰልፊ ኣቘማ። እዘን ኣብ ሓደ ዝሰመራ ሰልሰተ ሰልፍታት ንኻልኦት ክልተ፡ ማለት ንሰልፊ “ኤርትራ ንኤርትራውያንን ንማንሕበር ወተሃደራት ኢጣልያ ነበርን” ብምውሳኽ፡ “ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ” (ሰ.ና.ኤ.) ዝስሙ ሓድሽ ማሕበር ወይ ውድብ ከም ዘቘማ ብዕለት 22 ሓምለ 1949 ዓ.ም. ኣፍለጣ። እዚ ጥርናፈ’ዚ ድማ ነቶም ምብትታንን ዘይምስናይን ኤርትራውያን ብቐጻሊ ንኽርእዩ ዝምነዩ ዝነበሩ መንግስታት ብሪጣንያን ኢትዮጵያን ኣሰንባዲ ፍጻመ ነበረ።

ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ ኣብቲ ዕለት ብተወሳኺ ነዚ ዝስዕብ ዕላማታቱን መትከላቱን ኣነጸረ፥

1ይ. ቀጥታዊ ናጽነት ከም ዝደሊ፣
2ይ. ደሞክራያስያዊ መንግስቲ ክምስርት ከም ዝደሊ፣
3ይ. እቲ ብመንግስቲ ኢጣልያ ዝተሓንጸጸ ህሉው ዶባት ኤርትራ ከም ዘለዎ ክዕቀብ ከም ዝደሊ፣
4ይ. ንምምቃል ሃገረ ኤርትራ ናብ ሱዳንን ናብ ኢትዮጵያን ከም ዝቃወምን ከም ዝቃለስን ኣፍለጠ። እዚ ናይ ጥርናፈ ኣዋጅ’ዚ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያል ስንባደ ስለ ዝፈጠረ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብቐጥታ ናብ ኤርትራ መጹ።

ንሳቶም፥ 1ይ. ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣቶ ይልማ ደሬሳ፡ 2ይ.ሚኒስተር ሕርሻ ኢትዮጵያ ነበር፡ ኤርትራዊ፡ ኣቶ ኤፍሬም ተወልደመድህን፡ 3ይ.ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣቶ ኪዳነማርያም ኣበራ፡ ከምኡውን 4ይ. ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ነበር፡ ኤርትራዊ፡ ኣቶ ክፍለእግዚእ ይሕደጎ ነበሩ። ድሒሩውን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣቶ ኣክሊሉ ሃብተወልድ ኣርከቦም።

እዚኣቶም ኩላቶም ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ብቐጥታ ናብ ስራሖም እዮም ተዋፊሮም። ዋና ስራሖም ከኣ ነቲ ብምግምማዑ ተዳኺሙ ዝነበረ ማሕበር ሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምጥንኻርን ነዚ ሓድሽ ሰልፊ ናጽነት ምድኻምን ነበረ።

ናይ መጀመርያ ስጉምቶም ድማ በቶም ኣዝዮም ክኢላ ጸሓፍን ሓላፍን ጋዜጣ ኢትዮጵያ ከም ዚነበሩ ዚንገረሎም፡ ኣቶ ገብረሚካኤል ግርሙ (ዘ-በራቒት) ኣቢሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ናጽነት መጥቃዕቲ ከም ዝፍኖ ገበሩ። ውሩይ ጋዜጠኛ ገብረሚካኤል ግርሙ፡ ሕብሪ ሰልፊ ናጽነት ንምድዋንን ህዝቢ ንምድንጋርን ከምዚ በሉ፥

“ዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢጣልያ ኢንደፐንደንስ ብሎክ ናጽነት ዝብሃል ማሕበር ባርነትካ ኣቚማ፡ ንሃገርካ፡ መሬትካን ርስትኻን ክትወርስ፣ ንዓሌትካን ዘርእኻን ክትድምስስ፡ መሬትካ ከም ልማዳ “ዶሚናለ” ብምባል ወሪሳ፡ ደይሳ፡ ሽሔና (መሬት ዴሳ) ገቢራ ንርእሳ ክትጥቀመሉ ትጋደልን ትእገልን (ትጻባእን) ከም ዘላ ኣቐዲምና ከነፍልጠካ ግቡእና’ዩ።

ተዅላ ቈርበቱ እንተለወጠ ጠባዩን ክፍኣቱን ኣይልውጥን’ዩ። ኢጣልያ ከኣ ልክዕ ከምኡ፡ ደማን ስራሕ ቀደማን ከምዘይትርስዕ ፍለጥ! ምናልባት ብስብከታን ብገንዘባን እንተሰሓትካ ግን ንርእስኻን ንዘርእኻን ንዉሉድ ወሎዶኻን ሕዘነሎም! ኣቱም ብዘይኣበሳኹም እትኹነኑ ህጻናት ድማ ኣቦኹም መርቑ፡ ኣቦኹም ርገሙ!” ብምባል ማሕበር ሰልፊ ናጽነት ናይ ኢጣልያውያን ማሕበር ምዃኑ ሓበሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል ኣቦ መንበር ሰልፊ ሕብረትን ብኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶን ዝምርሑ፡ 30 ዝኾኑ መራሕቲ ሰልፊ ሕብረት፡ ኣብ ቅድሚ ግዝያውያን ኣመሓደርቲ ኤርትራ ነበር፡ እንግሊዛውያን ሰር በርናንድን ክሮፎርድን ዝብሃሉ ወከልቲ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ብርጋዴር ድሩ ቀሪቦም፡ ብዘይካ ቅጽበታዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ካልእ ዝኾነ ይኹን እማመ ከምዘይቅበሉ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጥ ተማሕጸኑዎ።

ብድሕሪ’ዚ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራውን 40 ዝኾኑ ወከልቶም ናብቶም ሰብ-ስልጣናት እንግሊዝ ብምልኣኽ፡ ንሳቶምውን ብዘይካ ናጽነት ኤርትራ ካልእ ዝኾነ ይኹን እማመ ከምዘይቅበሉ ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሕብሩሎም ተማሕጸኑ።

እዚ ናይ ክልተ ወገናት ተራጻምን በበይኑ ድሌትን ስምዒትን እምበኣር’ዩ ንማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን እቲ ቅኑዕ ውሳነ ማለት ናጽነት ንከይእውጅ ዓንቃፊ ዝኾኖ። እዚ ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ዘምጻእናዮ’ምበር ማሕበረሰብ ዓለም ዝኽሰሰሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ሎሚውን ብሓደ ሰብ እናተረገጽናን እናተገፋዕናን ንበታተን ዘለና፡ ከም ቀደምና ባዕልና ዘምጻኣናዮ ሽግርን ጸበባን’ምበር ማሕበረሰብ ዓለም ዘምጽኣልና ኣበሳ ኣይኮነን። እንተኾነ ሎሚውን ከምቲ ናይ ሽዑ ናይዚ ኹሉ ጥፍኣትን ምብትታንን ህዝቢ ኤርትራ፡ ተሓታቲት ዳግም ዓለም’ያ ይብሃለና ኣሎ።

ክሳዕ ንቕሓትና በሪኹ፡ ንሓቅን ንደሞክራስን ብቕንዕና ደው ንብል ከኣ ካብቲ ዝነበርናዮን ካብዚ ዘለናዮን ሽግርን መከራን ከምዘይንወጽእ 100% ርጉጽ’ዩ። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሃገሩ ብሰላምን ቅሳነትን ኣብ ራህዋ ክነብር ዝደሊ ኤርራዊ ዜጋ፡ ነቲ ንሽግርን መከራን ዝዳረጎ ረሳሕን ድሑርን ኣተሓሳስባኡ ሓጺቡን ኣማዕቢሉን፡ ሓቅን ርትዕን ሒዙ፡ ብቕንዕና ንነብሱ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ደው ክብል ይግባእ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣሶት (መድሃኒት) ንሱ ጥራይ ስለ ዝኾነ።

ኣብ መበል 42 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዝተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዝብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!

እዚ ታሪኻዊ ጽሑፍ ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ምክፍፋል (Share) ምባል ኣይትረስዑ?

ካብ ሓውኹም መሲናስ 16/05/2020


Share with friends:


ብዙሕነት፡ ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል፣
ብምንቅስቓስ ይኣክል ሎንዶን ዝተወደበ ዓውደ መጽናዕቲ
DIVERSITY IN YIAKL MOVEMENT
A Workshop organised by: Eritrean Mass Movement - London

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡   18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡   38 ክፋል (17/12/2019)፡   39 ክፋል (01/02/2020)፡   40 ክፋል (21/03/2020)፡   41 ክፋል (22/05/2020)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: