ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 40 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

21/03/2020 01:15 AM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 40 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 40 ክፋል፥

ረቡዕ መዓልቲ 14 ሓዳር 1962 ዓ.ም. ወጋሕታ፡ ከተማ ኣስመራ ዘይንቡር ኩነታት ተራእያ። ብዝሒ ብዘሎዎም ሀልመት (ብብረት ዝተሰርሐ ወተሃደራዊ ቆብዕ) ኣብ ርእሶም ዝወደዩን ከበድቲ ኣጽዋር ዝዓጠቑን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ መካይንን ኣብ መሬትን ብብዝሒ ዛሕ ኢሎም ይረኣዩ ነበሩ። ሰዓት 9፡30 ምስ ኮነ ከኣ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ብመንጎ’ቶም ወተሃደራት እናሰለኹ ብንጽልን ብጉጅለን ናብ ህንጻ ቤተ-መንግስቲ ኤርትራ ኣተዉ። ከምኡውን ዕድመ ዝተገብረሎም ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያን ወጻእተኛታትን ናብቲ ኣዳራሽ ኣተዉ።

14 ሕዳር 1962 ዓ.ም. ወግዓዊ ዕለት ምፍራስ ፈደረይሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ፈደረይሽን ማለት ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዘሎዎ ስልጣን ከይለቐቐ፡ ምስ ልዑላዊ መንግስቲ ብማሕበር ወይ ብኺዳን ዝግበር ምውህሃድ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ፈደራላዊ ወይ ሓደ ማእከል ዝገበረ ዓይነት መንግስቲ ማለት’ዩ። ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ መንግስታት ዘሎ ፍልልይ ብምርዳእ፡ ሓደ መንግስቲ ምስ ክፍለ ሃገራት ዘሎዎ ዝምድና የብርህ። እቲ ብኸምዚ ውዕል’ዚ ብ2 ታሕሳስ 1950 ዓ.ም. ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ብይን 390 A(V) ፈደረይሽን ድማ’ዩ ብዕለት 14 ሕዳር 1962 ዓ.ም. ብወግዒ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ፈሪሱ።

እቲ ብወለንታን ብግዴታን ናብ ኣዳራሽ ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ዝኣተወ ኣባል ባይቶ፡ ድሕሪ ሰዓት 10፡30 ኩሉ በቦታኡ ሒዙ ጸጥ በለ። ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ መአከቢኦም ምኽንያት ይፈልጡ ስለ ዘይነበሩ፡ እንታይኮን ይብሉና ይኾኑ ብምባል ተሃንጢዮም ብስግኣት ይጽበዩ ነበሩ። ገለውን ብሓይሊ ብወተሃደራት ተጎቲቶም’ዮም ናብቲ ኣኼባ መጺኦም። ሓደ ካብዞም ግዱዳት ኣባላት ባይቶ፡ ወካሊ ወረዳታት ሎጎ ጭዋን ከበሳ ጭዋን ዚነበሩ ግራዝማች ገብረማርያም ተስፋማርያም ይርከቡዎም። ንሶም፡ ወላ’ኳ ሓሚመ’የ ኢሎም እንተመኽነዩ፡ ብሓይሊ ግን ኣብ ማኪና ጽዒኖም ናብ ባይቶ ኣምጽእዎም።

ሰዓት 10፡35 ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶ ኤርትራ ቀሺ ዲሜጥሮስ ገብረማርያም ኣብ ቅድሚት ተቐመጡ። ኣቦ መንበር ባይቶ ሽኽ ኢድሪስ መሓመድ ኣደም ኣይነበሩን። ሰዓት 10፡40 መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ደጃዝማች ቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ምስ ሽዱሽተ ሚኒስተራቶምን ሓላፊ ፖሊስ ኤርትራ ነበር ጀነራል ተድላ ዑቚቢትን ናብቲ ኣዳራሽ ኣተዉ። ደጃዝማች ቢትወደድ ኣስፍሃ ናብ ኣዳራሽ ባይቶ ኤርትራ ተዓጂቦም ድሕሪ ምእታዎም ብቐጥታ መደረኦም ጀመሩ።

“እምበኣርከስ ካብ ህዝብና ከየቋረጸ ከም ውሕጅ ዝመጽእ ዘሎ ሓሳብን ትምኒትን ተመርኲሰ፡ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣመሓዳድራ፡ ብኢድ ባዕዳውያን ዝተሰርሐ፡ ኣብ ታሪኽና ዘይነበረ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ዝህቦ ጥቕሚ ዘኸትሎ ሽግር ከም ዝበዝሕ ብምርዳእ፡ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ናይ ታሪኽ ሓለውቲ ብምዃንኩም፡ ብምሉእ ድምጺ ከም እትቕበሉዎ እምነት ኣሎኒ” በሉ።

“ፈደረይሽን ዝብሃል፡ ስሙ ኮነ ግብሩ ካብ ታሪኽናን ባህልናን ዝረሓቐ፡ ናይ ጸላእትና መሳርሒ’ምበር ንህዝብና ዘይጠቅም ምዃኑ ተረዲእና፡ ንሃገርና ንምምሕያሽ ዘሎ ሓይልና ኣተሓባቢርና ምስራሕ ክኸውን ከሎ፣ ሓደ ዝዓይነቱ ድርጅት ኣብ ክልተ ቦታ ምቛም ማለት ሰብን ሃብትን ብከንቱ ምብኻን ዘኸትል ምዃኑ ተገንዚብና፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ምስ እኖና ኢትዮጵያ ንምምሕዳር ምሉእ ብምሉእ ተወሃሂድና ኣለና!” ብምባል መደረኦም ዛዘሙ። መደረ ኣስፍሃ ወልደሚኤል፡ ብድሙቕ ጣቕዒት ኣባላት ባይቶ’ዩ ተዓጽዩ።

ብድሕሪ’ዚ ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶ መልኣከ ሰላም ቀሺ ዲሜጥሮስ ገብረማርያም፡ እቲ ጣቕዒት ምስ ዘሓለ ኣስዕብ ኣቢሎም ከምዚ በሉ፥

“መደረ ክቡር መራሒና ደጃዝማች ቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ነቲ ክሳዕ ሕጂ ከም ዓለባ ሳሬት ኮይኑ፡ ሓው ንሓው ንኸርአአ ዝጋርድ ዝነበረ ፈደረይሽን ከም ዝተቐንጠጠ ኣበሲሩና ኣሎ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ብፍቓድ ህዝቢ ኤርትራ ተደጊፍኩም፡ ብሓጐስን ብጨብጨባን ምቕባልኩም፡ ንኣኻትኩም ንኣባላት ባይቶ ኤርትራ ኮነ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ሃገርኩም ታሪኽ ዝሓዘ መዝገብ፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ምዕራፍ ከም ዝነብር ዝተረጋገጸ’ዩ። ኣብዚ ዓወት’ዚ ንዘብጽሓና ኣምላኽ ስብሓታት (ምስጋናታት) ይብጽሓዮ። ነቶም ናይ ኢትዮጵያ ዋሕስ ድሕነት ዝኾኑ ግርማዊ ቀዳማዊ ንጉሰ-ነገስትና ከኣ ሽሕ ዓመት የንግሶም!” በሉ። ብድሕሪ’ዚ ኣባላት ባይቶ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ብየማነ-ጸጋም ተዓጂቦም ነናብ ቤቶም ፋሕ በሉ።

ንጽባሒቱ 15 ሕዳር 1962 ዓ.ም. ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ፈደረይሽን ኤርትራ ከም ዝፈረሰ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣፍለጡ። ኩሉ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሕጋጋት ሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ይኹን መሰላት ውሽጣዊ ምሕደራ፡ ናብ ኩለን ጠቕላይ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ክዝርጋሕ ስለ ዝኾነ ከኣ ምፍራስ ፈደረይሽን ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘየጸግሞ ኣፍለጡ። ንሶም ቀጺሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብርሱን መንፈስ ተቓሊሱ፡ ኣብቲ ፍጻመ’ቲ ብምብጽሑ ድሕሪ ምምጓስን ምምስጋንን፡ “ንሕናውን ብወገንና ህዝቢ ኤርትራ ሃብቱ ዝሰፍሓሉ፡ ድሕነት ህይወቱ ዝሕለወሉ፡ ኣእምሮኡ ብትምህርቲ ዝህነጸሉ ኩነታት ክንፈጥር ምዃንና ንፈጣሪና ቃል ንኣቱ” በሉ።

ሃጸይ ሃይለስላሴ ከም ቃሎም ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ጥራይ ነዘን ዝስዕባ ቤት ትምህርታት ኣህኒጾም ጽምኣት ትምህርቲ ኤርትራውያን ኣርወዩ፥

ቤት-ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ኣስመራ፡ ቤት-ትምህርቲ እቴጌ መነን ኣስመራ፡ ቤት-ትምህርቲ ኣግኣዝያን ኣስመራ፡ ቤት-ትምህርቲ ኢደ-ጥበብ ኣስመራ፡ ቤት-ትምህርቲ ልኡል መኰነን ምጽዋዕ፡ ቤት-ትምህርቲ ኣስፋወሰን፡ ቤት-ትምህርቲ ባረንቱ፡ ብድምር 4530040 ብር ወጻኢ ብምግባር’ዩ ቤት ትምህርታት ተሃኒጹ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽና ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ከም ኣብ ግዜ ሃጸይ ስላሴ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን’ዩ። እዚ ኹሉ ከኣ ቀጻሊ ኣድማ ተማሃሮን ምንቅስቓስ ሓራካን ካልኦት ጸረ ኢትዮጵያ ቃልስታትን እናተኻየደ ከሎ’ዩ።

ኣብ መበል 41 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዝተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዝብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 18/03/2020


Share with friends:


ብዙሕነት፡ ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል፣
ብምንቅስቓስ ይኣክል ሎንዶን ዝተወደበ ዓውደ መጽናዕቲ
DIVERSITY IN YIAKL MOVEMENT
A Workshop organised by: Eritrean Mass Movement - London

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡   18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡   38 ክፋል (17/12/2019)፡   39 ክፋል (01/02/2020)፡   40 ክፋል (21/03/2020)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: