ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 42 ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/07/2020 23:45 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 42 ክፋል

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!
መበል 42 ክፋል፥

“ወይ ጉድ! ትግራይ ቤት ሃጸይ ዮውሃንስ ሃገር ዘይተባህለትስ እዛ ትማሊ ናይ ኢትዮጵያ ኣካል ዝነበረት ኤርትራ፡ ሃገር/መንግስቲ ተባሂላ ክትጽዋዕ!? ኤርትራውያን ኣፍሪጭካትኩም እባ ኢኹም!” ቃል ትግራዋይ ደጃዝማች ኣሰግሀይ፡ ካብ 1957-1958 ዓ.ም. ኣማኻሪ እንደራሴ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነበር ንኤርትራዊ ደጃዝማች ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም ዝበሉዎ’ዩ።

ደጃዝማች ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት መንግስቲ ቢትወደድ ኣስፍሃን ኣባል ማሕበር ሕብረትን እዮም ነይሮም። ካብዚ ቃል’ዚ እንርድኦ ነገር እንተልዩ፡ ተጋሩ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቀውም ብልቢ ይድግፉ ከምዘይነበሩ’ዩ። እዞም ሕጂ በቶም “ታሪኻውያን ጸላእትና” ዝብሉዎም ኣምሓራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ተሰጒጎም ዘለዉ መራሕቲ ወያነ እውን እንተኾኑ ከም ኣቦታቶም፡ ጽቡቕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይደልዩ ሓዎም ኢሳያስ ኣፈወርቅ ኣብርሃ ህያው ምስክር’ዩ። ኢሳያስ ልዕሊ’ቲ ኣብ ወያነ ዘሎዎ ጽልኢ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ጽልኢ ብግብሪ እንተዘየርኢ ነይሩ ከኣ ዝኸፈሉ ከፊሎም ቀደም ኣቃቢጸሞ ምሃለዉ ነይሮም እዮም።

እቲ ኣብ 1942 ዓ.ም. ብመሪሕነት ብላታ ሃይለማርያም ረዳ፡ ንመሰሉ ብረት ኣልዒሉ፡ ኣንጻር ጸቕጥታት ኣምሓራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ኣብ “ዳልገና” ዝተባህለ ቦታ፡ ንቓልሲ ዝተበገሰ ቀዳማይ ወያነ ትግራይ፡ ብትእዛዝ ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ነፈርቲ ኲናት እንግሊዝ ካብ ከተማ ዓደን (ደቡብ የመን) እናተበገሳ ብምድብዳብ፡ ህዝብን ዓድታትን ለኪመን፡ ብእግሪ ተኽሉ ከም ዘጥፍአኦ እዩ ዝግለጽ። ወያነ ማለት ቃል ብቓሉ ኣነ ማለት’ዩ።

ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ 1961/1964/1977 ዓ.ም. ሓያለይ ውግኣት ኣካይደን’የን። እዚ ውግእ’ዚ ግን ብቐንዱ ኣብ መንጎ’ታ ኣብ ጎድኒ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝነበረት ርእሰ ሓያል ኣመሪካን ኣብ መንጎ’ታ ኣብ 1973 ዓ.ም. ምስ ጀነራል መሓመድ ስያድ ባረ (ፕረሲደንት ሶማል ነበር) ምሕዝነት መስሪታ፡ ኣብ ወደብ በርበራ ወተሃደራታ ኣእትያ ዝነበረት ሶብየት ሕብረትን እዩ ነይሩ። ሶብየት ሕብረት ምሕዝነታ ምስ መራሒ ግብጺ ነበር፡ ፕረሲደንት ኣንዋር ኣልሳዳት ድሕሪ ውግእ እስራኤልን ሃገራት ኣዕራብን ኣብ 1973 ዓ.ም. ስለ ዝዛሕተለ፡ ህላወኣ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ንምርግጋጽ ኢላ ዝመስረተቶ ዝምድና’ዩ ነይሩ።

ሓያላን ሃገራት፡ ነቲ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ዝኾነ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምቊጽጻር፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወትሩ ምትእትታው ምስ ገበራ’የን። ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ንቀይሕ ባሕሪ ኣዝያ ስትራጅካዊት ዝኾነት ሃገር ድማ ኤርትራ እያ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ እንተዝህሉን ነዚ ዕድል’ዚ ብግቡእ እንተዝጥቀመሉን ነይሩ፡ 100% ኤርትራ ሃገርና ኣብ ሓጺር ግዜ ልዕሊ ዱባይ መዲና ዓለም ምኾነት ኔራ’ያ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኤርትራ ሃገርና ወትሩ ንስልጣኖምን ንረብሐኦምን እምበር ንኣን ንህዝባን ዝግደሱ መራሕቲ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ረኺባ ኣይትፈልጥን።

መራሕቲ ኢትዮጵያ (ሃጸይ ሃይለስላሴን ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያምን) እንተኾኑውን ንኤርትራ ንምቊጽጻር ዘይፈተኑዎን ዘይሰርሑዎን ነገር ኣይነበሮምን። ሓደ ካብኡ ኤርትራ ቆላሕታ ማሕበረሰብ ዓለም ከይትረክብ ምእንቲ፡ “ጉዳይ ኤርትራ ከም ሃገር ብናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ ኣውራ ድማ ብኢጣልያውያን ዝተማህዘ ጉዳይ ከም ዝኾነ፡ ንኤርትራ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንምንጻል ዝግበር ፈተነ ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ድሌት፡ (ኣውራ ድማ ናይ ሃገራት ኣዕራብ) ሃንቀውታ ከም ዝኾነ፡ ቁጠባ ኤርትራ እውን ድኹም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ከም ዝምርኰስ ወዘተ.” ብምግላጽ ወትሩ ምስ ተማጎቱ’ዮም።

“ስለዚ፡...” ይብሉ ኢትዮጵያውያን “ስለዚ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እንተተነጺላ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ቅልውላው ከጋጥም’ዩ! ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት፡ ብሄራት፡ ቋንቋታትን ባህልን ስለ ዝቘመት፡ ካብ ኢትዮጵያ እንተተፈልያ ኣብ መንጎ ህዝባ ባእስን ዕግርግርን ክፍጠር’ዩ! በዚን ካልእን ምኽንያት፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ዘይኮነስ ውሽጣዊ ምምሕዳር ምሃባ’ዩ ንኹሉ ዝሓይሽ።” ብምባል ሓያል መጐተን ቃልስን የካይዱ ነበሩ።

ብወገን ኤርትራውያን ድማ ንኡ ዝጻረር እዚ ዝስዕብ ቃልስታት ይካየድ ነበረ፥ ኣብ 1954 ዓ.ም. ገለ ኣባላት ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ነበር፡ ውሽጣዊ ናጽነት መንግስቲ ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይግሃስ ከም ዝነበረ ንምሕባር፡ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቦም ነበሩ። ከምኡውን ዝተፈላለዩ ንናጽነት ኤርትራ ሰላማዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነበሩ ማሕበራትን ውድባትን ኤርትራ፡ ጥርዓኖም ናብ ኣርባዕተ ሓያላን መንግስታት ዓለም፡ ማለት ናብ መንግስቲ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ሶብየት ሕብረት፡ መንግስቲ እንግሊዝን መንግስቲ ፈረንሳይን ብተደጋጋሚ የቕርቡ ነበሩ። ብተወሳኺ ኣብ 1957 ዓ.ም. ሰፊሕ ኣድማ ኤርትራውያን ተማሃሮ፡ ኣብ 1958 ዓ.ም. ድማ ዓቢ ኣድማ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታ ተኻይዱ እዩ።

እዚ ኹሉ ሰላማዊ ጻዕርታትን ቃልስታትን ፍረ ምስ ተሳእኖ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961 ዓ.ም. ብመሪሕነት ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ጀሚሩ። እቲ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ኣብ 1970 ዓ.ም. ተፈንጪሉ ናይ በይኑ ሰልፊ ዘቘመ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ እውን ኲናትን ደም ምፍሳስን ደው ንምባል፡ ነቲ ኣብ 1974 ዓ.ም. ብመሪሕነት ኤርትራዊ ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጥን ናይ ሰላም ጻውዒትን ብምቕባል፡ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቓ ናይ ሰላም እማመታት ኣቕሪቡ ነይሩ’ዩ፥

“1ይ. ምሉእ ውሕስነት ንናጽነት ኤርትራ ክህሉ፣

2ይ. ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ልዝብ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ክወጽእ፣

3ይ. ኣብ መወዳእታ ድማ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ክረጋገጽ” ዝብል ጠለብ ነበረ።

ነዚ ጠለብ’ዚ ግን እቲ ሻቡ ብሓይሉ ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተቈጻጸረ ስርዓት ደርግ ኣይተቐበሎን። ብኣንጻሩ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሽማግለታት ብምቛም፡ “ናብ ደቅኹም ኬድኩም ንሰላም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽዛራረቡ ምኸሩዎም” ብምባል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 1974 ዓ.ም. ካብ ኣስመራ ናብ ወክን ዛግርን (ኣውራጃ ሓማሴን) ድሌታቱ ዝፍጽሙ ሰባት ለኣኸ። እቲ ህዝቢ ግን ብኣንጻር መልእኽቱ፡ ነቶም ኣብ ክልተ ውድባት (ጀብሃን ሻዕብያን) ብምባል ተፈላልዮም ዝተፋነኑ ዝነበሩ ደቁ ምእንቲ ህዝቦም ኣብ ሓደ ክሰምሩ ምዒዱ፡ መልእኽቱ ከይፈጸመ’ዩ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ።

እንተኾነ’ቲ ብጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም ዝምራሕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኮሚተ (ደርግ) በዚ ከይተሓለለ፡ ኣብ ታሕሳስ 1974 ዓ.ም. እውን ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣቕሽሽትን ሸኻትን ዝሓዘት፡ ብ37 ሰባት ዝቘመት ሽማግለ ብምቛም፡ ምስ ተጋደልቲ ንኽትራኸብ እንደገና ለኣኸ። እዚ መልእኽቲ’ዚውን ፍረ ምስ ተሳእኖ ከኣ ደርግ ንኽልቲአን ውድባት ዝኸፋፍል ኣጋባብ ክጥቀም ወሰነ። በዚ መሰረት፡ ኣብ 1976 ዓ.ም. ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘይኮነስ ምስ ህዝባዊ ሓልታት ሓርነት ኤርትራ ጥራይ ንሰላም ክዛተ ከም ዝደሊ ገለጸ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብድሕሪ’ዚ ጻውዒት’ዚ ካብ 20-22 ግንቦት 1976 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣኼባ ብምክያድ፡ ጻውዒት ሰላም ስርዓት ደርግ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ “1ይ. ስርዓት ደርግ ንህዝቢ ኤርትራ ብነፈርቲ ይኹን ብኻልእ ምቕታልን ምዕናውን ደው ከብል፣ 2ይ. ናይ ህዝቢ ሰብኣዊ መሰላት ሓልዩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቱ ንዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ክፈትሕ፣ ብቐንዱውን ስርዓት ደርግ ብመሰል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ናጽነት ክኣምን፣ ነዚ እንተዘይኣማሊኡ ግን ዘተ ትርጉም የብሉን” ብምባል ንዕድመ ሰላም ደርግ ብወግዒ ነጸጎ።

ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ብድሕሪ’ዚ ንሰውራ ኤርትራ ብሓይሊ ንምጭፍላቕ፡ ምስታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መንበሪ እግራ እትደሊ ዝነበረት ሶብየት ሕብረት ጥቡቕ ዝምድና መስረተ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 1977 ዓ.ም. ናብ ራሻ ብምጋሽ፡ ምስ ዋና ጻሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ሕብረት ሶብየት ነበር፡ ለዩኒድ ብሪጅነብን ካልኦት ስበ-ስልጣን ሩስያን ብምዝርራብ፡ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ተፈራረመ። ብቕድሚ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ግን ሃጸይ ሃይለስላሴ እውን ሓገዛት ኣመሪካ ስለ ዘየዕገቦም፡ ኣብ 1959/1967/1970/1973 ዓ.ም. ናብ ሶብየት ሕብረት ብምጋሽ፡ ነቲ ዝምድና ኢትዮያን ሶብየት ሕብረትን መንጸፍ ኣንቢሮሙሉ ጸኒሖም’ዮም።

ስርዓት ደርግ ካብ ሶማልያ ብዝመጾ ወራር ኣብ ኦጋዴን ኣብ ኲናት ተጸሚዱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣብ ኤርትራ፡ ተ.ሓ.ኤ. ብዕለት 24/8/1977 ዓ.ም. ንከተማ መንደፈራን ከባቢኣን ሓራ ኣውጽኣቶ። ከምኡውን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብዕለት 8/7/1977 ዓ.ም. ንከተማ ከረንን ከባቢኡን ካብ ኢድ ሰራዊት ኢትዮጵያ መንዚዑ ተቘጻጸሮ። እቲ በዚ ምዕባለታት’ዚ ድቃስ ዚሰኣነ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ብተደጋጋሚ ልኡኻቱን ባዕሉን ናብ ሶብየት ሕብረት ብምጋሽ፡ ብህጹጽ ዘድሊ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክወሃቦ ጠለበ። መንግስቲ ሩስያ ግን ኣብቲ ፈለማ ንስርዓት ደርግ ብወግዒ እንተ ደኣ ሓጊዙዎ፡ ነተን ንሰውራ ኤርትራ ዝድግፋ ዝነበራ ሃገራት፡ ማለት ንዒራቕ፡ ንሶርያን ንኩዌትን ንኸየቐይም ኢሉ ብስቱር ክሕግዞ ወሰነ።

ርክብ ሶብየት ሕብረትን ስርዓት ደርግን ግን ፈለማ ኣብ 1976 ዓ.ም. እዩ ጀሚሩ። ኣብ 1977 ዓ.ም. ድማ ወተሃደራዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም። ኣብዚ ስምምዕ’ዚ ስርዓት ደርግ፡ 80 ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ፡ 600 ታንክታት። 300 ድሩዓት መኻይን፡ 1000 ወተሃደራውያን መኻይን፡ 700 መዳፍዕ። ብኣማእት ኣሽሓት ዝቚጸር ፈኮስቲ ኣጽዋርን ብዝሒ ተተኮስትን ተዋህቦ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1977 ዓ.ም. እውን 250 ታንክታት፡ ብኣማእት ዝቚጸሩ BM.21 ከምኡውን BM.24 ወንጨፍቲ ሮኬታት፡ ልዕሊ 500 ናይ 122MMን 130MMን ተወንጨፍቲ ሮኬታት፡ ልዕሊ 600 ሞርታራት፡ ዓሰርተታት ሚግ 19ን 21ን ነፈርቲ ውግእ፡ ወዘተ. ተዋህቦ። በዚ ከኣ ስርዓት ደርግ ነቲ ካብ ሶማል ኣብ ኦጋዴን ዝተኸፍተሉ ኲናት ብዓወት ምስ ዛዘሞ፡ ገጹ ናብ ኤርትራ ኣቕንዐ።

እቲ ኣብ 1978 ዓ.ም. ዝጀመረ ቀዳማይ ወራር ደርግ፡ ብሓሙሽተ ግንባራት’ዩ ጀሚሩ። 1ይ. መስመር ግርሁ ስርናይ፡ 2ይ. መስመር መረብ-ዓዲ ዃላ፡ 3ይ. መስመር ሑመራ-ኦምሓጀር፡ 4ይ. መስመር ጋሽ-ሻምብቆ፡ 5ይ. መስመር ባጽዕ-ዶጎሊ እዩ ነይሩ። ከምኡን 6ይ. መስመር ካብ ውሽጢ ኣስመራ ንሸነኽ ሰሜንን ምዕራብን እዩ ተበጊሱ ነይሩ። ኣብዚ ሓሙሽተ ግንባራት ድማ 501/502/503/505/506/507 ዝጽውዑ እዝታት ኣሰለፈ። በዞም ሽድሽተ “ግብረ-ሓይል” ዝጽውዑ ሓይልታት ድማ’ዩ ን1ይ. ወራር ኣበጊሱዎ።

እዚ ዝተጠቕሰ ሽዱሽተ “ግብረ-ሓይል” ድማ ብድምር፡ 38 ኣጋር ብርጌዳት፡ ሽድሽተ መካናይዝድ ብርጌዳት፡ 10 ናይ መድፍዕ ሻለቃታት ዝሓቈፈ ሰራዊት ነበረ። እዚ ዕጥቂ’ዚ ንሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ከይወሰኽካ እዩ ነይሩ። እዚ ሓይሊ’ዚ ተወሃሂዱ ድማ ኣብ ፍርቂ ስነ 1978 ዓ.ም. መጥቃዕቲ ጀመረ። በዚ ድማ ሰራዊት ደርግ ዳርጋ ንመላእ ከበሳ ኤርትራ ተቛጻጸሮ።

እንተኾነ ስርዓት ደርግ፡ ኣብቲ ኣብ ሶማል ዘካየዶ ኲናት ተዳኺሙ ስለ ዝነበረ፡ ክሳዕ መወዳእታ ክቕጽል ኣይከኣለን። ግዜ ንምሽማት ኢሉ ድማ ዳግም ምስ ሰውራታት ኤርትራ ክዛተ ከም ዝደሊ ሓበረ። ብጠለቡ መሰረት ድማ ብዕለት 25 ሕዳር 1977 ዓ.ም. ምስቲ ነቲ ጠለብ ዘቕረበ ስሙር ማሕበርነታዊ ሰልፊ ምብራቕ ጀርመንን ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤን ኣብ በርሊን (ጀርመን) ርክብ ኣካየዱ።

ርክብ ጀርመናውያንን ልኡኻት ህ.ግ.ሓ.ኤን. ውጽኢቱን ከምኡውን ሕዱርን ዘይተቀየረን ኣዝዩ ደረቕን ድኹምን ባህሊ ልዝብ ህዝባዊ ግንባርን/ህግደፍን ንምርዳእ፡ ክሳዕ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዘካየዱዎ ንኤርትራ ዝምልከት ርክባትን ልዝባትን ሰላም፡ በብዕለቱ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ክቐርብ’ዩ ተኸታተሉ።

ኣብ መበል 43 ክፋል ይቕጽል...

ምንጪ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተስፋይ ተምነዎን ካልእን‘ዩ።

"ህግደፍ" ካብቲ ምህርቱ ብእንተላም ያሒት ዝተሓፍሰ፡ "ህዝባዊ ግንባር" ዝብሃል ብሉጽ ዘርኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተጐለለ ክርዳድ'ዩ!

ብዘይሕጊ ሓድነት የለን! ብዘይይቕረ ሰላም የለን!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ታሪኽ ምፍላጥ ሓያል ኣጽዋር ፍልጠትን ሰረትን ምዕጣቕ ማለት ስለ ዝኾነ ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ምክፍፋል (Share) ምባል ኣይትረስዑ?

ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/07/2020


Share with friends:


ብዙሕነት፡ ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል፣
ብምንቅስቓስ ይኣክል ሎንዶን ዝተወደበ ዓውደ መጽናዕቲ
DIVERSITY IN YIAKL MOVEMENT
A Workshop organised by: Eritrean Mass Movement - London

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡   18 ክፋል (13/05/2017)፡   19 ክፋል (29/06/2017)፡   20 ክፋል (21/07/2017)፡  21 ክፋል (03/08/2017)፡   22 ክፋል (21/08/2017)፡   23 ክፋል (10/09/2017)፡   24 ክፋል (05/10/2017)፡   25 ክፋል (16/11/2017)፡   26 ክፋል (04/02/2018)፡   27 ክፋል (30/03/2018)፡   28 ክፋል (28/04/2018)፡   29 ክፋል (19/06/2018)፡   30 ክፋል (04/08/2018)፡   31 ክፋል (05/09/2018)፡  32 ክፋል (11/10/2018)፡  33 ክፋል (04/12/2018)፡  34 ክፋል (27/01/2019)፡  35 ክፋል (10/03/2019)፡  36 ክፋል (16/04/2019)፡   37 ክፋል (28/05/2019)፡   38 ክፋል (17/12/2019)፡   39 ክፋል (01/02/2020)፡   40 ክፋል (21/03/2020)፡   41 ክፋል (22/05/2020)፡   42 ክፋል (30/07/2020)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: