ንገሮም ውዕሎኻ!

20/06/2017 00:10 AM

ንገሮም ውዕሎኻ!

ብ'መሲናስ


Nigerom WueLokha

“ናትና ኢልናዶ ዘይናትክን ክንህበክን፡ ከም እሾኽ ዳንዴር መትሓዚ ዘይብልክን!” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። እዚ ከኣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ዝበቅዕ ምስላ’ዩ። ኤርትራውያን ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ፈቲና ጸሊእና ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓደ ዓብን ኣዝዩ ዘሐዝንን ሓቂ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ኣሎ። ንሱ ከኣ ዋላ ሓደ ኤርትራዊ እውን ይኹን፡ ሃገሩ ወይ መሬቱ ዝውንን ዜጋ ከምዘየለ ዝመስከረ ፍጻመ’ዩ!

ኤርትራዊ ንሃገሩ ኣይኮነንዶ ብህይወቱ ክውንናስ እንተ ሞተውን ንኽቕበረላ፡ ካብ ሚኒስተር ጀሚርካ ክሳብ ተራ ህጻን፡ ብዘይፍቓድ ናይ ሓደ ሰብ ከምዘይኮነሉ፡ ታሪኽ ብግብሪ የርእየና ኣሎ። መሰልናን መሬትናን ብሓደ ደማሒ ስለ ዝተመንዛዕና ግን ሰማእታት ኤርትራ ተሰዊኦም፡ ልኡላዊት ሃገር ወይ ናጽነት ኣየረከቡናን ክንብል ፍጹም ቅኑዕ ኣይኮነን። እዚ ነቲ “ሓሚምካ እንተ ከድካዮምሲ ሞይቶም ይጸንሑኻ!” ዝብል ምስላ’ዩ ዘዘኻኽር፣ ፍትሒ ከናዲ ኢሉ ንዝመጸካ ውጹዕ ሓውካ፡ ብዝተፈላለዩ ትሕተ ሃገራውነትን ጸበብትን ሓሳባት፡ ከምኡውን ብንዕቀት ስውኣትናን ድፍረት ልኡላውነትናን ተላዕጢጥካ ኪትቅበሎ ከለኻ ብርግጽ ዘሰንብድ’ዩ!

ደሓር ከኣ ስውእ ዝገበሮ ከይገበርና ንስራሕ ስውእ ከነቃልል ሞራልን ብቕዓትን የብልናን! እዚ ከኣ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፡ ብሓላፍነትውን የሕትት’ዩ! ንልኡላውነት ኤርትራ ዚኽሕድ ኤርትራዊ፡ ኤርትራዊ’ዩ ክትብሎውን ኣጸጋሚ’ዩ!

መላኽን እቶም ኣፎም ንኽዓጽዉን ክሳዕ መወዳእታ ንኽእዘዙዎን ብገበን ጅሆ ዝሓዞም ጉጅለኡን፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪውን ትኹን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ወይ ድማ ክብሪ ስውኣትን ፍቕሪ ባንዴራን የብሎምን! ስለዚ፡ እዚ ንኣኣቶም ዘሕረቕካ መሲሉካ ኣብ ልዕሊ ስውኣትካን ባንዴራ ሃገርካን ዝውሰድ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ መጥቓዕቲ፡ ካብ ክርዳድ እኽሊ ኪትሓፍስ ምጽባይ እዩ፤ ምህርቲ የብሉን!

ደማሒ ኤርትራ ስልጣኑ ንምሕላውን ንምዕቃብን ኢሉ ብስም “ሃገራዊ ድሕነት” ሃገር የጽንትን የባድምን ኣሎ! እቲ ዝገርም ግን እቶም የዋሃት ነዚ ድራማ ዝኣምኑ ዜጋታት፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ብምስትውዓል ሓሲቦም፡ ‘ኣንቱም ሰባት ሃገር ደኣ’ሞ ካብ ጓናን ካብ ባዕድን’ያ ትሕሎ’ምበር ካብ ዋናኣን ካብ ዜጋኣንዶ ትሕሎ’ያ!? ስለዚ፡ እዚ ንሃገራዊ ድሕነት እናበልካ ዜጋታት ብዘይሕግን ፍርድን ጨዊኻ ምጥፋእ ደው ክብል ኣለዎ!’ ኢሎም ብምሕታት፡ ነዚ ብስም “ሃገራዊ ድሕነት” ንዜጋታት ኤርትራ እናጥፍአ ስልጣኑ ዚሕሉ ዘሎ መላኺ ዘይምሕታቶም’ዩ!

ማዕረ ማዕረኡ ዘገርም ድማ ናይዞም ውሑዳት ደለይቲ ፍትሒ እናመስሉ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ግን ንዕላማ ምልኪ ዘተግብሩ ዘለዉ የዋሃት ዜጋታት’ዩ! ያኢ መላኽን ጉጅለኡን ሓልዮት ሰማእታትን ባንዴራን ኣልዩዎምሲ ንሰማእታት ብምቅላልን ንኣርማ ሃገር ብምቅጻልን ከተጉህዮም ሓሲብካ!? ብኣንጻሩ ኣንታ ንኡስ ወለዶ ከምኡ ምግባርካ ኣመና’ዩ ዘሐጉሶምን ዘቕስኖምን! መጥቃዕቲ ስውእን ርያኡን (ባንዴራኡን) ከኣ ካብ ነቲ ዕላማ ስውኣት ዝጨወየ ጉጅለ፡ ነቲ ደም ስውእ ካብ ደሙ ዝፈሰሰ መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዘጉህዮን ዘሕዝኖን!

ንገሮም ውዕሎኻ!

ንመሬት ዘንቀጥቅጥ ክለዓል ዝናኻ
ኣንታ ንጉስ ሃገር ፋራ ዝግርማኻ
ምልኪ ብምንጋሱ ድሕሪ መስዋእትኻ
ዕሸላት ፈይስቡክ *ፈያት’ዩ ክብሉኻ
ካብ ስፍራ ገናሽል ካብ ገነት ወጺኻ
ንዓን’ዶ ተዛረብ ንገሮም ውዕሎኻ!

እቶም ጓኖት’ኳ በሃግቲ ዘይዓዶም
ጋሻ ውሕጅ ኮይኑ ደምካ ዝወሰዶም
ስምካ ክጽውዑ ኣመና ዝኸብዶም
እንታዎት ደኣሎም እዞም ዘመድ ከብዶም
‘ስውእ ሽፍታ’ ዝብሉ ብኣኻ ዓቢዶም!

በዚ ዘለናዮ ኣደራዕ ናይ ምልኪ
ብዙሓት *ብሃይስ ክንሓዝን ክንበኪ
ውሑዳት ክስሕቁ እናጨለጡ ዊስኪ
ነዚድዩ’ቲ ስውእ ህይወት ከፈሉልኪ
ንገሪ ኤርትራ ንኹሉ ዘርዚርኪ?

ኤርትራዊ ዝብል መንነት ንኽሕዙ
ክንዲ ዚተሰውአ ክቡር ደሙ ኣውሒዙ
*ወርጠበ ፈይስቡክ ምስ ገለ ጐራዙ
ንስውእ ምዝላፍ ህዝቢ ከም ዘቐንዙ
እናፈለጡዎ ሳዕቤን መዘዙ
ንቃልሲ ሓርነት ንድሕሪት ኪጎዙ
ብተገላብጦሽ ንምልኪ ይሕግዙ!

ኣንታ እግሪ ተኽሊ ዘይበሰለ ጭልቅዕ
ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ኪትዘርግ ስምምዕ
ንስውእ ዘሊፍካ ባንዴራ ተባርዕ
ነቲ ገንሸል ሃገር እንካብ እተጥቅዕ
ህዝብኻ ብምልኪ ዝርንዛሕ ክነብዕ
ትርግታ ናይ ልቡ ግዳ ዘይትሰምዕ!

ህዝቢ እናጸነተ ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን
ኣብ *ሃግል እናበለየ ኣብ ሃሩርን ቁርን
ምስ ብጻይካ እትበኣስ ብጨርቅን ብሕብርን
ንስውእ ከሊእካ እቲ ዝኽርን ክብርን
እንታይ እዩ መኽሰብካ ካብ ነውጽን ዕግርግርን!?

ዕስራ ይኹን ሰላሳ ዝተዋህቦ ቊጽሪ
መዓልቲ’ኮ የብሉን ናይ ሰማእታት ዝኽሪ
ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዝስራሕ ብግብሪ
*ኣብሪም ዝሰረቱ ናይ ብሓቂ ክብሪ
ኣልፋን ኦሜጋን’ዩ ዘልኣለም ነባሪ!

ንምሁራትን ጀጋኑን ወትሩ እናቐንጸለ
እቲ ነዛ ነብሱ ትማል እተጋደለ
ኰረሻ ስልጣኑ ፍጹም ዘደልደለ
ባንዴራ ናይ ሃገር እንተተቓጸለ
*ሂሳን ስውኣትና እንተተዘንጠለ
እንታይ ይግድሶ እዚ ርጉም ጉጅለ!?

ስለዚ፥

ኣብ ክንዲ ንስውእ ትንዕቕ ተቃልል
ኣርማ ናይዛ ሃገር ትቐድድ ተቃጽል
ነዚ ብቱን ሓይሊ ጠርኒፍካ’ሞ ኣዕስል
እታ ትደልያ *ሪያ መታን ከተንበልብል
ሓድነትካ ኣትሪርካ ስርዓት ምልኪ ከንብል!

ዘልኣለማዊ ክብርን መጐስን ንስውኣትና!

ኤርትራ ምስ ህዝባ ንዘልኣለም ተኺበራ ትንበር!

ውድቀት ንተጻባእቲ ልኡላውነት ኤርትራን ስውኣታን!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ትርጉም ዘይዝውቱራት ቃላት፥
*ፈያት’ዩ= *ሽፍታ’ዩ
*ብሃይስ= *ብጓሂ
*ወርጠበ= *ጒብዝና ዝጀመረ ቘልዓ
*ሃግል= *መቚሕ
*ኣብሪም= *ልቢ
*ሂሳን= *ክብሪ
*ሪያ= *ባንዴራ

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/06/2017

Share with friends:


 
 

ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ:-

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን--ተኻታታሊ ጽሑፋት፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-