ሓቂዶ ክንዛረብ ታሪኽ ዝሰነዶ!

29/05/2017 17:35 PM

ሓቂዶ ክንዛረብ

ታሪኽ ዝሰነዶ!

ብ'መሲናስ


Abune Antonios

ኣቡነ ኣንጠንዮስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተርክርስትያን ኤርትራ፡ ብዕለት 12/07 1927 ዓ.ም. ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን፡ ኣብታ ብዕብየታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ፡ ሕምብርቲ እተባህለት ዓዲ'ዮም ተወሊዶም። ወላዲኦም ቀሺ ስለ ዚነበሩ ድማ ብአኦም ኣቢሎም፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮኑ ናብ "ደብረ ጽገ ኣቡነ ኣንድርያስ" ዝተባህለ ገዳም ኣትዮም፡ ነቲ ቤተክርስትያን ከገልግሉ ጀመሩ።

ብድሕሪ'ዚ መራሒና ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኣብ 12 ዓመት ዕድመኦም መዓርግ ድያቆን ተቐበሉ። ኣብ 1942 ዓ.ም. ድማ ከም ኣቦኦም መዓርግ ቅሽነት ተዋህቡ። ኣብ 1955 ዓ.ም. እውን ኣቡን ንሙዃን ምስ ሓሙሽተ ብጾቶም ናብ ሃገረ ግብጺ ተላእኩ።

መራሒና ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ኣብ ዓለም ከም ብነብሳ እትምሓደር ሃገር ምስ ተፈልጠት፡ ብ19 ሰነ 1994 ዓ.ም. ኣብ "St Mark's Cathedral" ኣብ ካይሮ ሃገረ ግብጺ፡ ብቅዱስ ሲነዶስ ሽኖዳ 3ይ ጳጳስን ፓትርያርክን ኣለክሳንድርያ፡ (Hollines Shenouda III, Pope and Patriarch of Alexandria) ኣብ ትሕቲ ፓትርያርክ ኣቡነ ያቆብ ሓላፊ ሃይማኖታዊ መምርሒታት (Holy Snod) ሃገረ ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ ተቐብኡ።

ክቡር መራሒና ኣቡነ ኣንጠንዮስ ብድሕሪ ዕረፍቲ 2ይ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ያቆብ፡ ኣብ ዕለት 1/12/2003 ዓ.ም. 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም፡ ብምርጫ ኣባላትን መራሕትን እታ ቤተክርስትያንን ብግብጻዊ ፓትርያርክ ሽኖዳ 3ይ ብዕለት 24 ሚያዝያ 2003 ዓ.ም. ኣብ ኣስመራ፡ ብመዓርግ ፓትርያርክ ተቐብኡ።

ቀዳማይ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቡነ ፊሊጶስ ብዕለት 27/09/1901 ዓ.ም ተወሊዶም፡ ብዕለት 18/9/2002 ዓ.ም. ድማ ዓሪፎም።

ካልኣይ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ብዕለት 05/07/1926 ዓ.ም ተወሊዶም፡ ብዕለት 01/12/2003 ዓ.ም. ድማ ዓሪፎም።

ክቡር ዓብን መራሒና ኣቡነ ኣንጠንዮስ 3ይ ፓትሪያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ምስ ኮኑ፡ ንምትእትታው ህግደፍ ኣብታ ቤተክርስትያን ብምቁዋም፡ ንኢድ ኣእታውነት ይፍታሀ ቀሺ ዲመጥሮስ ወገዙ። በዚ ዚተቖጥዐ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነቲ ብምኽንያት በዓል ልደት ኣብ ጥሪ 2005 ዓ.ም. ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፉዎ ቃለ-ቡራከ፡ ኣብ ተለቪጅኑ (ኤሪ ቲቪ) ንኸይማሓላለፍ ኣገደ።

ዘላሚ ስርዓት ህግደፍ ብተወሳኺ፡ ነቶም ወትሩ ሰንበት ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔ ኣለም፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝቐስሙ ዝነበሩ ኣስታት 3000 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ቤተ ክርስትያን ንገሊኦም ብምእሳርን ብምፍርራህን ፋሕ ከም ዝብሉ ገበሮም። ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ንጥፈታትውን ብዘይኣፍልጦን ትእዛዝን ኣቡነ ኣንጠንዮስ ከም ዝካየድ ብግባር፡ ብዘይወግዓዊ መግለጺ ስልጣን ፓትርያርክ መንዝዐ።

ብ13 ጥሪ 2006 ዓ.ም. ድማ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብምድፋር፡ ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታዎም፡ ምስ ሲነዶስ እታ ቤተክርስትያን ሕቡእ ኣኼባ ኣካየደ። ድሕሪ'ዚ ኣኼባ'ዚ ድማ ብዕለት 20 ግንቦት 2007 ዓ.ም. ስራሓት ፓትርያርክ ብኽልተ ኣቕሽትን ሰለስተ ሓለውቲ ስልጣን ኢሳያስን (ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት) ንኽዕመም ሰባት መረጸ። ምሰ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝዳናገጹን ንሓቂ ደው ዝበሉን መራሕቲ ሃይማኖትውን ኣብ ከቢድ ጸበባን ራዕድን ከም ዝኣትዉ ገበረ።

እቶም ንህዝብን ኣምላኽን ከገልግሉ ኢሎም፡ ብቘልዖኦም፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም መኒኖም፡ ኣብ ገዳም ዝዓበዩ ህዝባዊ ኣቦ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ብዕለት 27/5/2007 ዓ.ም. ብሓለውቲ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ሃገራዊ ድሕነት) ካብ መዝነቶም ተኣልዮም፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዚቕየዱ ተገብረ! Abune Antoniosበዚ ምኽንያት ከኣ ኣቦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣደዳ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ብምዃን፡ ብድያብሎስ ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣቡነ ኣንጠንዮስ እቶም ናይ መጀመርያ ንኣምላኽን ንህዝብን'ምበር ንመንግስቲ ከለግልግሉ ከምዘይተቐብኡ፡ ብድፍረት ንመንግስቲ ዘፍለጡን ኣብኡ ጸኒዖም ሓሳረ መከራ ዚረኸቡን ተባዕን ኣብነት ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓለም እዮም። ልዑል ፈጣሪ ምሕረቱ ይሃቦም! ኣሜን!!!


ሓቂዶ ክንዛረብ ታሪኽ ዝሰነዶ?

ሓቂዶ ክንዛረብ ታሪኽ ዝሰነዶ?
ካብቶም ዝሓለፉ ጳጳሳት ተዋህዶ
እትርፎ ንመንግስቲ ወዲሱ ዝንእዶ
ገበን እንክፍጽም ሕጊ ዘይፈቕዶ
ሓደ'ኳ ኣይተራእየን ገኒሑ ዝምዕዶ!

ሕጂ ግን እንሆ ሓድሽ ተመኩሮ
ፓትርያርክ ንመንግቲ ብትብዓት ኪመኽሮ
ምስማዕ ምስ ኣበየ ፍጹም ኪጻረሮ
መንግስቲውን ብድፍረት ንፓትርያርክ ክእስሮ
ኣብ ህግደፍ ርኢና ጸይቂ ዘየሕፍሮ!

እቶም መራሒ ህዝቢ ኣቡነ ኣንጠንዮስ
'ንፍትሕን መሰልን ንህዝበይ ክቃለስ
ዋላውን ይመቋሕ ንወትሩ *ይተሓበስ *ይተኣሰር
ኣይምብርከኽን'የ ንስልጣን ድያብሎስ
ንሓቂ ደው ክብል እዙዝ'የ ብመንፈስ!'

ብምባል ተቢዖም ስለ ዚጸንዑ
እቲ መጥፍእ ህዝቢ ጋኔን ተቘጢዑ
ስዩም ንኸብሎም ብስቓይ ቀጺዑ
ይፍትኖም ኣሎ *ደማሒ ኣበርቲዑ! *መላኺ

ብስስዐ ስልጣን ንገንዘብ ንሃብቲ
ምልኪ ዘይወደሱ ጉጅለ ዓመጽቲ
ስለ ውጹዕ ህዝቦም ዘለዉ ኣብ ማእሰርቲ
መራሒና ቅቡእ'ዮም ሊቀ ሊቃውንቲ
ብጽንዓት ስዒሮም ቁጥዐ ኣጋንንቲ
ሓራ ኪወጹ'ዮም ኪረኽቡ ዕረፍቲ!

ውጹዕ ብዘይሕጊ ከጥፍእ መቊሑ
ንምልኪ ወዲሶም ንህዝቢ ዘይገንሑ
ንሓቅን ንፍትሕን ፈጺሞም ዘይፈርሑ
ኣብ እምነት ተዋህዶ ታሪኽ ዚሰርሑ
እቶም ብቕንዕና ህዝቢ ዚመርሑ
ብርሃን ኪርእዩ እዮም ጸላምና ወጊሑ!

ኣብ ዓለም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት
ንመምህርና ኣቡነ ኣንጠንዮስ ሓርበኛ ናይ እምነት
ሞዴሎም ካብ ረኸቡ ዝኾኑዎም ኣብነት
ዓመጽ ዓገብ ክብሉ *ዘለማ ምልክነት *ጭቆና
ልቦም ይኽፈተሎም ፈጣሪ ብኡነት!

ናይዛ ዓለም ነገር ስሰዐ ናይ ስጋ
ንረብሓ ነጺግኩም ብመንፈስ ብጸጋ
እናፈለጥኩሞ ናይ ምልኪ ሓደጋ
ንሓቂ ደው ኢልኩም ክትከፍሉላ ዋጋ
ጽንዓትኩም ዘይክማህ ናይ እምነት *ፍጋጋ *ብርቱዕ ሰብ
መራሒና ኣቡነ ኣንጠንዮስ መካቲ *ውተጋ *ዓመጽ
ኩርዓት ሃገር ኢኹም መሐበኒ ዜጋ!

ፍትሒ ኣይትጥፋእ፡ መጥፊኢኣ ይጥፋእ!

ክቡር መራሒና ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣምላኽ ይባርኽኩም!

ኣሜን!!! ኣሜን!!! ኣሜን!!!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 30/05/2017

Share with friends:


 
 

ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ:-

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን--ተኻታታሊ ጽሑፋት፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-