ኣይንኽሕዶን ኢና!

23/05/2017 19:45 PM

ኣይንኽሕዶን ኢና!

ብ'መሲናስ


ኣይንኽሕዶን ኢና!

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 2/12/1950 ዓ.ም. ተጋቢኡ፡ ንኤርትራ ሃገርና ዝምልከት ውሳነ በዚ ዝስዕብ ኣጋባብ ሂቡ ነይሩ፥ 46 ሃገራት ንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክድግፋ ከለዋ፡ 10 ሃገራት ድማ ናጽነት ደጊፈን፣ 4 ሃገራት ግን ድምጸን ኣይሃባን። ብኸምዚ ኣጋባብ ከኣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ንኽትቁረን ተወሰነ።

ድሌት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ግን ኣቐዲሙ በታ ብብላታ መሓመድ ዑመር እትምራሕ ዝነበረት ሰልፊ፡ "ናጻ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ" ከምኡውን በታ ብደግያት ኣብርሃ ተሰማ እትምራሕ ዝነበረት ሰልፊ፡ "ሊበራል ሕብረት" ናይ ፈደረሽን ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ'ዩ። ብሓቂ ግን ፈደረሽን ንህዝቢ ኤርትራ ግዴታኡ'ምበር ምርጫኡ ኣይነበረን።

ድሕሪ ውሳነ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራውያን ሓደ "ብጉባኤ ሰላም" ዝፍለጥ ዓቢ ናይ ዕርቅን ዘተን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ጉባኤ፡ ብዕለት 31/12/1950 ዓ.ም. ኣብ ሲነማ ኢምፐሮ-ኣሰመራ፡ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራን ወኪላት ኢጣልያ፡ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝርከቡዎም ልዕሊ 4000 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ውሽጥን ኣብ ኣፍ ደገን ሲነማ ኢምፐሮ ተረኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ዝተጋብእሉ ኣዳራሽ ሲነማ ኢምፐሮ ድማ ሓደ ዳርጋ ንኹሉ ተጋባኢ ዘንብዐ ኩነት ተኸስተ።

ብድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ምፍልላይን ምርሕሓቕን፡ ከምቲ ብርሑቕ መገሻ ተፈላልዮም ዝነበሩ ክልተ ኣሕዋት ክራኸቡ ከለዉ ዘርእዩዎ፡ ሕድሕድ ፍቕርን ናፍቖትን፡ እዞም ክልተ ዓበይቲ መራሕቲ፡ ማለት ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም ናይ "ሰልፊ ናጽነት" ካብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይን ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል ናይ "ሰልፊ ሕብረት" ካብ ኣውራጃ ሰራየን ኣብ ሲነማ ኢምፐሮ ተራኺቦም፡ ብፍቕርን ናፍቖትን ክትሓቋቖፉን ክሰዓዓሙን ብምርኣዮም፡ ነቶም ብኣሻሓት ዝቚጸሩ ተዓዘብቲ ኣስላምን ክርስትያንን፡ ንልቦም ምድንፋቕን ሓጐስን፡ ንኣዒንቶም ድማ ንብዓት መልኦ! ህዝቢውን ካብ መንበሪኡ ብምትንሳእ ብጨብጨባን ብፋጻን ንሲነማ ኢምፐሮ ኣናወጻ!

ፈደረሽን ንህዝቢ ኤርትራ ከም መሰጋገሪ ናብ ምሉእ ናጽነት ክውሰድ ከሎ፣ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ድማ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ንጎበጣ'ዩ ተወሲዱ ነይሩ። ድሕሪ ውሑድ ዓመታት ድማ እቲ ቀዳማይ ምርጫ (ናጽነት) ዘይኮነስ እቲ ካልኣይ ምርጫ (ጎበጣ) ስለ ዝተዓወተ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈተወ፡ ናብዚ ሕጂ ብኽብሪ ዝዝክሮ ዘሎ ህይወት ኣእላፍ ደቁ ዝተኸፍሎ መዓልቲ ናጽነት ብኽቡር መስዋእቲ በጺሑ ማለት'ዩ።

እዛ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ብጊሓቱ ሃንቀው ዝበላ ናጽነት ኣብ 1991 ዓ.ም. ብደሙን ብሓይሉን ጨቢጡዋ እዩ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺቦም ገለ ሕዳጣን (ጉጅለ ውሑዳን) ናጽነቱ መንዚዖም፡ ሎሚ ኣብ ታሪኹ ርእዩዎ ዘይፈልጥ፡ ናብ ዲቕ ዚበለ ባርነት ስለ ዘእተዉዎ ግን ንመስዋእቲ ደቁ ክኽሕዶ ዝሕሰብውን ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ መገዲ ከኣ "ኣግኣዝያንዶ ትግራይ-ትግርኚ" እናበልካ ዝግበር ዘሎ ንኽቡር ደም ሰማእታት ኤርትራ፡ ደመ ከልቢ ናይ ምግባር ዕንደራውን ሕልሚ ኮይኑ'ዩ ዝተረፍ!


ኣይንኽሕዶን ኢና!

ነቲ ረዚን ዋጋ ትማል ዝተኸፍሎ
*ርያና ኣብ ዓለም ብግቡእ ዘንበልበሎ *ባንዴራና
ነዚ ዕውት ሰውራ'ወ ናይ ጀጋኑ ውዕሎ
ብጥልመት ውሑዳን ባርነት ካብ ንብሎ
ብሰንኪ'ቲ ንቑጽ ርሑስ ስለ ነቃጽሎ
መሬትና ኣባዲሙ ኣእትዩልና ሰለሎ
ንሱ'ዩ ንድሕሪት ዝመልሰና ዘሎ!

ብሓውን ዓረርን ናይ ኣእላፍ መስዋእቲ
ብኸቢድ ስንክልና ናይ ኣካል መቑሰልቲ
ዝመጸት ናጽነት ክብርቲ መዓልቲ
ብሓደ ድያብሎስ ደም ህዝቡ ዚሰቲ
ስለ ዝጸልመተ ናይ ሃገር መብራህቲ
ካብቲ ዝሓለፈ ኣደራዕ መግዛእቲ
ዋላ እንተገደደ ናይ ምልኪ ዓዘቕቲ
ኣይንኽሓዶን ኢና ናይ ጀጋኑ መስዋእቲ!

ሓርነትን ክብርን ሰብኣዊ መሰልና
ብኽቡር መስዋእቲ ምስ ኣረከቡና
ህያብና ብምልኪ ስለ እተመንዛዕና
ኣብ ክንዲ ክንመልሶ ንቃለስ ሰሚርና
ናጽነት ናይ ሃገር ንኽሕድ ኣለና!

ናይ ፍትሕን መሰልን ናጽነት ዝስምኪ
ማእዘርኪ ጠፊኡ ጸላም ተኸዲንኪ
ብሰንኪ ዘለምቲ ጉጅለ ናይ ምልኪ
ሓለፋ መግዛእቲ ኣመና መሪርኪ
ምድራዊት ገሃነም ስኦል ተቐየርኪ!

ነቲ ከይዛረብ ኣፉ ዝተዓብሰ
ብቐይዲ ምልክነት ኣእጋሩ ዝለመሰ
ብጉልባብ ናጽነት ስሙ እናወደሰ
ሓዊ ደደጒሉ ወትሩ እናኣናኸሰ
ንህዝቢ ኣብ ኲናት ድንቲ እናጠበሰ
ወላድ መኻን ገይሩ ስድራቤት ዘብረሰ
መላኺ ጨካን'ዩ ብዓመጽ ዚነገሰ!

እቲ ዝገርም ግን ዘስደምም ዘደንጹ
ንህዝቢ ዓቢሱ ከይስማዕ ድምጹ
ዳስ ምልኪ ተኺሉ ብባንዴራ ኣጊጹ
ብኩፖን እናቐጽዐ ናብ ጓይላ ዘይመጹ
ጽቡቕ ኣሎ ክብል ብቪድዮ ቀሪጹ
ማዕቢልካ ይብሎ ኣሎ ዲጋታት ሃኒጹ!

ካብቲ ናይ መላኺ ግን ንስውእ ዚኸሓደ
ናይ ደለይቲ ፍትሒ'ዩ ካብኡ ዝገደደ
ብሰንኪ ድያብሎስ ንኽፍኣት ዘንቀደ
ነቲ ክቡር ዕለት ጀጋኑ ዝውሰደ
ባርነት'ዩ ኢሎሞስ ኣመና ሰንቢደ!

ነቲ ንእስነቱ ኣብ ገድሊ ዘሕለፈ
ገና ኣብ ቃልሲ ዘሎ ፍጹም ዘየዕረፈ
ይኣኽለኒ ዘይበለ ዳግም ንኽውፈ
ምዕራፉ ከይዛዝም ብደም ዝተጻሕፈ
ብጉጅለ ምልኪ ስለ ዝተኾልፈ
ሽፍታ ካብ በልኩሞ መሰል ዝገፈፈ
መንዳእዩ እቲ ገንሸል በጃ ዝሓለፈ!?

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 23/05/2017

Share with friends:


 

ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ:-

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን--ተኻታታሊ ጽሑፋት፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-