ሓወይ ሓብተይ ልመድ ቀይሮ ባህርኻ!

17/05/2017 20:50 PM

ሓወይ ሓብተይ ልመድ:

ቀይሮ ባህርኻ!

ብ'መሲናስ


Eritrean Unity

'ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጉድለት ውህደት፡ ዘተን ኢሂንምሂን ዘይምባልን ወይውን ግዳማዊ ምትእትታው፡ ወትሩ ንድሕሪት'ዩ ዝምለስ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተበገሱ ሰባት ወይ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ንሃገራዊ ረብሓ ዘገልግል ድልዱል ውድብ ዝሃንጹ፡ ገለ ናይ ወገን ወይ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ፈጢርካ፡ ብተናጸል፡ ማለት ብጉጅለ ወይውን ብውልቂ ክትቃለስ ምምራጽ ልሙድ ተርእዮ ኤርትራውያን እዩ።

ንኣብነት፥ ኣብ 1950 ዓ.ም. እታ ሓንቲ "ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ" እትብሃል ሰልፊ እንተ ርኢና፡ 'ሰልፊ ናይ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ናይ ዑመር ቃዲ፡ ናይ ዓሊ ረድአይ፡ ናይ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወዘተ.' ተባሂላ፡ ኣብ ኣርባዕተ ተመቒላ ነይራ'ያ። ከምኡውን ሰልፊ፡ "ኤርትራ ንኤርትራውያን" 'ናይ ራእሲ ተሰማን ናይ ወዶምን'ያ' ተባሂላ ከም ዝተዳኸመት ይፍለጥ። እዚ ከኣ ጠንቁ ኣብ ሕድሕድካ ዘይምስምማዕን ዘይምትእምማንን'ዩ።

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኣብ ኤርትራ ዚነበረ ቆንስል ኣመሪካ፡ ኣምበሳደር ኣርል ጀይ ራቺ፡ ምስ ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ ነበር፡ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወለደሚካኤል ተራኺቡ፡ ነዚ ብዝምልከት ናይ ሰለስተ ሰዓት ዘተ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ዘተ ከኣ እቲ ሽዑ ኮነ እዚ ሎሚ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝረአ ዘሎ ጸገም ካብምንታይ ከም ዝብገስ ኣነጺሩ'ሎ።

እቶም ኣብ 1914 ዓ.ም. ኣብ ሰገነይቲ (ኣከለጉዛይ) ዚተወልዱ፡ 2ይ ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ ዚነበሩ፡ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ሻቡ ከምዚ ዝስዕብ ኪብሉ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ርእይቶኦም ንቆንስል ኣመሪካ ኣምበሳደር ኣርል ጀይ ራቺ ገሊጾሙሉ ነይሮም፥

'እዚ ብሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተዋህበ ቅዋም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሰለስተ ሚእቲ ዓመት ቀዲሙዎ'ዩ መጺኡ ዘሎ! ምኽንያቱ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ተርጓሚ የድልዮ'ሎ፣ ይትርጉሞ ከኣ ህዝቢ ግን ፈጺሙ ኣይርድኦን'ዩ! እቶም ተረዲኡና ዝብሉ ውሑዳት እንተኾኑውን ነቲ መሰላት ደኣ'ምበር ነቲ ምሳኡ ዝመጽእ ግቡኣት ክፍጽሙ ኣይደልዩን'ዮም። በዚ መዳይ'ዚ ህዝቢ ኤርትራ ቈልዓ ስለ ዝኾነ፡ ከም ቈልዓ ክትሓዝ የድሊ! ናይ ኣመሪካ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክሰርሕ ስለ ዘይክእል፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነዚ ዝመስል ድሑር ህዝቢ ክትግበር ዘይከውን'ዩ።' በሉዎ።

እቲ በቶም ኣብ ዋሽግተን ዲሲ ዝርከቡ ሓለፍቱ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ዘይምርግጋእ፡ ሕብረት ሶብየትን መሓዙታን ከይጥቀማሉ ብምስጋእ፡ ብኣጋኡ ክመሓየሸሉ ዝኽእል ኣጋባብ ንኸናዲ ዚተኣዘዘ ቆንስል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣምበሳደር ኣርል ጀይ ራቺ፡ ከምዚ ኪብል ተወከሶም፥ 'ኣብ ኤርትራ ናጻ ሕትመት፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ካልእ ህዝቢ ከተንፍሰሉ ዝኽእል መገዲ ዘይምህላዉ ጸገም ክፈጥር'ዩ። ምኽንያቱ፡ ንዝፈልሕ በራድ ማይ ካብ ምዕፋን፡ ነቲ መኽደኒ ፈቒቕካ ሃፋ ከም ዝወጽእ ምግባርዶ ኣይሓይሽን?' በሎም።

'ህዝቢ ኤርትራ ሰልፍታት ወዲቡ ንኸካይድ ዓቕምን ብቕዓትን ስለ ዘይብሉ፡ ደሞክራሲ ኢልካ ሰልፊ ከቕውም እንተፈቐድካሉ፡ መሳርሒ ጓኖትን ጎዳእቲ ኢትዮጵያን ምዕራባውያን ፈተውታን ጥራይ እየን ክኾና ዝኽእላ። ሓንቲ "ደሃይ ኤርትራ" ትብሃል ናይ ብሕቲ ጋዜጣውን ነይራ'ያ፡ ንውልቀ ሰባትን ንሃጸይ ሃይለስላሴን ከይተረፈ ስለ ዝዘለፈት ግን ተዓጽያ! ሽግር ኤርትራ ግን እዚ ኣይኮነን ጠንቁ፡ እቲ ጠንቂ ሽግር ቁጠባ'ዩ። እዚ ናይ ቁጠባ ሽግር ምስ ተፈትሐ ከኣ ኣብዚ ሃገር ምርግጋእ ክመጽእ'ዩ።' በሉዎ።

ምንጪ ጽሑፍ፡ "3ይ ክፋል ኣይንፈላለ" ብኣለምሰገድ ተስፋይ

እምበኣርከስ ካብዚ ልዕል ኢልና ዝነበብናዮ ዘተ ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ ነበር፡ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ቆንስል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ነበር፡ ኣምበሳደር ኣርል ጀይ ራቺን እንዕዘቦ ነገር እንተልዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደም ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ጉድለት ንቕሓትን ንሓድሕዱ ብዘይምክብባሩን ምውህሃዱን ሻቡ ንኣደራዕ መግዛእቲ ከም ዚተሳጥሐ ብድሕሪኡውን ግዳይ ሓደ ደማሒ ከም ዝኾነ'ዩ።

ንቕሓት፡ ሕድሕድ ፍቕርን ምክብባርን ክሳዕ ዘየማዕበልና ከኣ ካብዚ ዘለናዮ ጸገም ክንወጽእ ማለት ኣበደን'ዩ! ምኽንያቱ፡ እቲ ጸገም ኣባና ኣብ ህዝቢ ኤርትራ'ምበር ኣብቶም ንድኽመትና መዝሚዞም ዝረግጹና ዘለምቲ ስለ ዘይኮነ፡ ንጸገምና ባዕልና ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንፈትሕ ምእንቲ ልብና ነንጽህ? እዘን ኣሶት (መድሃኒት) ኩሉ ዝኾና፡ ማለት ንሓደ ኤርትራዊ ሓውካ፡ ዓዱ፡ ሃይማኖቱን ዓሌቱን ከይፈለኻ፡ ብቕንዕናን ብንጹህ ልብን ምፍቃር፡ ምኽባርን ሓቢርካ ምስራሕን ከመይ ኢለን'የን ኣመና ዝኸብዳና ዘለዋ!?

እዛ ሕቶ'ዚኣ ብነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ'ያ ትሕተት። ንኹሉ ከኣ ሕንቅልሕንቅሊተይ እያ ትኾኖ! ኩሉ ከኣ ክትምለሰሉ ይደሊ። እቲ መልሳ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ከም ዘሎ ግን ዝፈልጥ የለን! በዚ ምኽንያት ድማ'ዩ ሎሚ፡ ክቡር ሓው Kubrom Hailemariam ብዛዕባ'ዚ ገለ ክብል ዝተወከሰኒ።

Kubrom Hailemariam= ሃይ መሲናስ ሓወይ ከመይ ቀኒኻ ደሓን ዲኻ ኩሉ ኣማን ድዩ ስለቲ ኩሉ ትጽሕፎ ዘለኻ ኣዝየ እየ ዘመስግነካ'ሞ ሓንቲ ግጥሚ'ባ ስርሓለይ ወይ ድማ ስሩሕ እንተለካ ክትልግሰለይ ይምሕጸነካ ዝሓወይ

Mesinas= መርሓባ ክቡር ሓው፡ እንታይ ዓይነት ግጥሚ ኢኻ ደሊኻ?

Kubrom Hailemariam= ኩሉ ሰብሲ ኣብ ሓደ ክመጽእ ከም ዘለዎ፡ ዋላ እቶም ምስ ህግደፍ ዘለዉ። ንሓድሕድና ንፋቐር። ጓና ኣይነእቱ ኣብ መንጎና ትብል።

Mesinas= ጽቡቕ ሓሳብ'ዩ ክቡር ሓው Kubrom Hailemariam፡ ተረዲአካ ኣለኹ፡ ሕራይ ክፍትን'የ። የቐንየለይ።

Kubrom Hailemariam= ኦኬ መሲ ሓወይ ክብረት ይሃበለይ።

ሓወይ ሓብተይ ልመድ ቀይሮ ባህርኻ!

ሓድነት ምዃኑ መፍትሒ ሽግርና
እናፈለጥናዮ ዓቢ ንእሽቶና
መፍትሒ ማዕጾ ግን እንከሎ ኣብ ኢድና
ናብ ቤትና ከይንኣቱ ማዕጾኡ ኣርሒና
ደቂ ክልተ ኣሕዋት ሰኣን ስምምዕና
ከም ደቂ በረኻ ኣብ ግዳም ሰፊርና!

ንሕና እንተንሰምር ከም ደለይቲ ፍትሒ
እቲ *ስልንስል ልቡ ዚነብር ኣብ ፍርሒ *ተዋላዋሊ
ጸሓይ ምመረጸ ካብ ብርሃን ናይ ወርሒ
ሽግርን መከራን'ወ ስቓይና ክጻሒ
ሓመዱ ንድበዮ ንስርዓት ደማሒ!

ብሸሞንተ ነጥቢ እናተሰማማዕና
ብኽልተ ነጥቢ ግን ስለ እተፈላለና
ዕንቅፋት ናይ ውህደት ከመይሉ ይኾነና?
ዝዘራርግ ከይሲ ከይህሉ ኣብ መንጎና
በብዘለናዮ ንፈትሽ ቅርዓትና!

ብዘይኣፈላላይ ረጒድን ቀጢንን
ብዘይገለ *ዘውጊ ነዊሕን ሓጺርን *ኣድልዎ
ዕድመ ከይፈለየ ዓብይን ንኡስን
ከደራይ ከይበለ ጸሊምን ቀይሕን
ኣብ ሃገርና ከሎ ዘላምን ደማሕን
ንሰብ ከም መሸላ ብመዲድ ዚጥሕን
ኢድን ጓንትን ኴንና ህዝብና ከይነድሕን
ኣብ ዚኣጉዶ ሓዊ ብሓባር ንስሕን!

ይትረፍዶ ብጻይና ንፍትሒ ዚደሊ
ዋላ ኣባል ህግደፍ ንምልኪ ኣገልጋሊ
እንተተላዚብናዮ ብፍቕሪ ብዓቕሊ
ወገንን ዓሌትን ሃይማኖት ዘይፈሊ
ባይቶ እንተተኺልና ዚኾኖ መጽለሊ
ነዚ ፍሹል ስርዓት እኩይ መታለሊ
ግድን ኪነጽጎ'ዩ ሓርነት ክደሊ!

ፈላሚት ስርሒት ናይ ቃልሲ መባእታ
ዕጥቂ ሓድነት'ያ ናይ ስምምዕ ዋልታ
መዓልቲ ሓርነት ናይ ህዝቢ ሃንቀውታ
ደበኽ ክትብለልና ኣኺላ ሰዓታ
ዓው ዓው'ሞ ኣይንበል ይኹነልና *እሽታ *ህድኣት፡ ጸጥታ
ጸላም ተቐንጢጡ ክኸውን ወጋሕታ!

ምሁር ወዲ ሃገር ብግስ ኪብል ከሎ
ብሓደ መሃይም ኣጽሪፍና ንድህሎ
ጌጋአን ከይንእርም ዘሎወን ጎደሎ
ንስም ውድባትና ንለኽዮ ጸለሎ
ብሰንኪ ሕመቕና ሰኣን ኣስተብህሎ
ነዚ ጨካን ስርዓት ዘጽንተና ዘሎ
ኣጽዋሩ'ኮ ኴንና ዕርዱ እነደልድሎ!

መልሕቕ ናይ ምዕባለ ምሁር ከየኽበርካ
ንለውጥን ዕብየትን ሃንቀው እንተበልካ
ኣንታ ጸርፊ በትሩ ቁውም ነገር ዘይብልካ
ሕልሚ ብዘይተግባር ከምዘይፍጸመልካ
ህልኽ ሒዙካ'ምበር መዓስ ጠፊኡካ!

ኣብዚ ደምበ ፍትሒ ዝረአ ጎደሎ
ዘይምእማኣካ ነገራት እንተሎ
ጽባሕ ክፍታሕ'ዩ ሎሚ ሸለል በሎ
ንሕሙም ኪትሕክም ጥዑይ ኣይትቕተሎ!

ሓሳብካ ደጊፉ 'ጅግና' ዘይበለካ
ከም ሕሱም ጸላኢ ወትሩ እናቐንጸልካ
ጉድለት ዝኣረመ ወትሩ እናኣገድካ
ናይ ሓሳብ ፍልልይ እንተዘይተጻዊርካ
ካብቲ ብምልክነት ግዳም ዘስፈረካ
ንስኻ ካብ ህግደፍ እንታይ ይፈልየካ?

'ሓድነት' እናበሉ እኩብ ዝብትኑ
እቲ እግርን ከበሮን ጌሮሞ በበይኑ
እዚ ደላይ ፍትሒ'ምበር ቅሳነት ስኢኑ
ሰብ መሰል ምስሉያት በዚሖም ጋዋኑ!

ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካብቶም ኣቦታትና
ድሕረትን ክፍኣትን ቅንኢ ብኣሕዋትና
ብንቕሓትን ፍቕርን ስለ ዘይቀተልና
ገዛእትን መለኽትን ጓዕጺጾም ክሳድና
ናይ ጭቆና ኣርዑቶም እናኣስከሙና
ገና ኣለና ኣብ ስቓይ ንስደድ ካብ ቤትና!

ምስ ደለይቲ ፍትሒ ውጹዓት ከማኻ
ኣንታ እትጻረፍ ኣብ ህልኽ ኣቲኻ
ዕምሪ ምልኪ ኣይተንውሕ ሕሱም ጸላኢኻ
ብውሑድ ክሳራ ዓወት እንተ ደሊኻ
ሓወይ ሓብተይ ልመድ ቀይሮ ባህርኻ!

ምእንቲ ድሕነትናን ድሕነት ህዝብናን ቑልፊ ሃገራውነት ንዕጠቕ!

ስቓይና ንኽድምደም ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 15/05/2017

Share with friends:


 

ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ:-

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን--ተኻታታሊ ጽሑፋት፡-

1ይ ክፋል (12/10/2016)፡   2ይ ክፋል (20/10/2016)፡   3ይ ክፋል (28/10/2016)፡   4ይ ክፋል (02/11/2016)፡   5ይ ክፋል (15/11/2016)፡   6ይ ክፋል (21/11/2016)፡   7ይ ክፋል (30/11/2016)፡   8ይ ክፋል (15/12/2016)፡   9ይ ክፋል (06/01/2017)፡   10ይ ክፋል (19/01/2017)፡   11 ክፋል (25/01/2017)፡   12 ክፋል (12/02/2017)፡   13 ክፋል (23/02/2017)፡   14 ክፋል (03/03/2017)፡   15 ክፋል (17/03/2017)፡   16 ክፋል (31/03/2017)፡   17 ክፋል (27/04/2017)፡     18 ክፋል (13/05/2017)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-