Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

May 2017 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና



29/05/2017 21:57 PM

A conversation among us

by: Kiki Tzeggai

In 1991, year of our independence, I sat among a pool of very talented fighters. I asked them if they will ever create a day called “Eritrean Veterans’ Day” in our country. They stared speechless at each other and I knew I had made an impeccable question; little did I know that it was a complex one.

    The conclusion I reached on my own years later, is excruciating to this day. They did not want such a day simply because they had a hard time including all freedom fighters’ factions such as the ELF, the group of freedom fighters that opened the way to a 30 years’ war that culminated to our independence....Read more

See also related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-




29/05/2017 17:35 PM

Eritrea’s Flawed Beginning in 1991:

How It Contributed to What it is Today

By: Woldeyesus Ammar

[ Awate.com ዓዋተ]

“The beginning is the most important part of the work” – Plato (in  The Republic)

“The end is in the beginning and lies far ahead” – Ralph Waldo Ellison

At starting to draft this article, the writer somehow mulled over the word ‘beginning’ itself,  and a quick look at today’s handy references provided two apt quotations: one ascribed to the legendary Plato and the other to an African-American novelist of the last century.[1]  The citations help in pointing out the article’s central subject-matter of highlighting the oft forgotten facts surrounding the very start of Eritrea’s independent existence. The approach intends to challenge the ongoing and so far dominant suggestion claiming that Eritrea went wrong only after the 1998-2000 border war. Read more

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-




29/05/2017 17:35 PM

ሰሚናር ብ’ሓርበኛ የማነ ተኽለጊዮርጊስ

ኣብ USA.

ኣቶየማነ ተኽለጊዮርጊስ፡ ኣባል ምስጢራዊት ሰልፊ ህግሓኤ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ምስ ራድዮ ወጋሕታ፡ ቀጺሉ’ውን ምስ ራድዮ ኣሰና፡ ተኻታታሊ ነዋሕቲ ዕላላት ዘካየደን ዝተረኸን ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንተመኩሮኡ ዝሰነደት መጽሓፍ ንኣንበብቲ ከምትበቅዕ ገይሩዋ ኣሎ። እዚ ኣብዚ ዘሎ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣመሪካ ምስ ኤርትራውያን ዝገበሮ ሰሚናር ቀዳማይ ክፋል ኢዩ።

   1ይ ክፋል (29May2017)፡   2ይ ክፋል (29May2017)




29/05/2017 17:35 PM

ሓቂዶ ክንዛረብ ታሪኽ ዝሰነዶ!

ብ'መሲናስ

ኣቡነ ኣንጠንዮስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተርክርስትያን ኤርትራ፡ ብዕለት 12/07 1927 ዓ.ም. ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን፡ ኣብታ ብዕብየታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ፡ ሕምብርቲ እተባህለት ዓዲ'ዮም ተወሊዶም። ወላዲኦም ቀሺ ስለ ዚነበሩ ድማ ብአኦም ኣቢሎም፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮኑ ናብ "ደብረ ጽገ ኣቡነ ኣንድርያስ" ዝተባህለ ገዳም ኣትዮም፡ ነቲ ቤተክርስትያን ከገልግሉ ጀመሩ።

     ብድሕሪ'ዚ መራሒና ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኣብ 12 ዓመት ዕድመኦም መዓርግ ድያቆን ተቐበሉ። ኣብ 1942 ዓ.ም. ድማ ከም ኣቦኦም መዓርግ ቅሽነት ተዋህቡ። ኣብ 1955 ዓ.ም. እውን ኣቡን ንሙዃን ምስ ሓሙሽተ ብጾቶም ናብ ሃገረ ግብጺ ተላእኩ።

...Read more




28/05/2017 11:39 AM

መደብ ራድዮ ኣሰርና፡ 27 May 2017

ዝሓለፈኩም መደብ ንምስማዕን ንምክትታልን፡ ኣብዚ ጠውቑ



27/05/2017 22:58 PM ሓበሬታ

ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ

ዕላል ምስ ሓርበኛ ሳልሓዲን ዓብደላ

Saleh-Aldin Abdela from Saudia

ሓርበኛ ሳልሓዲን ዓብደላ፥ ናይ 1965 ተጋዳላይ ኢዩ፥ ናብ ሃገረ ቻይና ንትምህርቲ ምስ ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ ዝኸደ፥ ምስ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ መባአታ ዝተማህረን፥ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ፈዳይን ተሓኤ ዝነበረን ጅግና ኢዩ። ታሪኹን ተመኩሮኡን ኣካፊሉን ሕቶታት ተሳተፍቲ መሊሱን ኣሎ። Saleh-Aldin Abdela from Saudia. Veteran of ELF Saleh- Aldin Abdela is speaking with voice of Eritrea about his experience with ELF. Saleh-Aldin joined the front in 1965 took a course in China with Harbegna Mesfun Hagos among others and with current president of Eritrea in Damascus. He was also school mate in grade three with P.I.A. Saleh was among the first Fedayn in Asmara.

 1ይ ክፋል (07 May 2017):   2ይ ክፋል (14 May 2017):

 3ይ ክፋል (21 May 2017):   4ይ ክፋል (28 May 2017):  

 5ይ ክፋል (04 June 2017):   6ይ ክፋል (11 June 2017):




27/05/2017 22:58 PM

Global Initiative (GI) Washington DC Seminar May 20, 2017. ሰሚናር፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ 20 ግንቦት 2017

 1ይ ክፋል (20 May 2017):   2ይ ክፋል (20 May 2017):




25/05/2017 23:35 PM

ኣንቲ ጉንቦት!

ግጥሚ፡- ብ’ሞጎስ ያቆብ

 ተወሳኺ፡-  ኣነስ መሲሉኒ!   ማእከልነት!   ዋርሳይ!




25/05/2017 23:35 PM

ኣቑሪረካ!

ግጥሚ፡- ኣማኑኤል ኣስራት፡ 20 ሰነ 1999

ኣማኑኤል ኣስራት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ 2001 ኣትሒዞም ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮም ዝርከቡ ኢዩ። ንሱ፡- ገጣሚ፡ ሃያሲ፡ ኣማእዛኒ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ምንባሩ፡ ኣብ ፐን-ኤርትራ (PEN-Eritrea) ዝወጸ ጽሑፍ ይምስክረሉ። ኣማኑኤል ኣስራት፡ ኣብ ማሕዩር ከሎ፡ ናይ PEN-INTERNATIONAL ተሸላሚ ኮይኑ ኢዩ።

     እዚ ንሱ ኣብ 20 ሰነ 1999 ዝገጠሞ ግጥሚ ድማ፡ ንዝኽሪ ኩሎም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ሓርበኛታት ኢዩ ዝቐርብ ዘሎ።




24/05/2017 14:47 PM  

ፍሽለት መንግስቲን ናይ መንነት ፖለቲካን

ኣብ ኤርትራ። Consequences of state failure and identity politics in Eritrea.

ዶር ገብረ ገብረማሪያም by Dr. Gebre Gebremariam

[Hdri Jeganuna Paltalk Room]

ፍሽለት መንግስቲን ናይ መንነት ፖለቲካን ክፈጥሮ ዝኽእል፡ናይ ቀረባን መጻኢን ሳዕቤናት፡ ቀቢላዊ ወይ ኣውራጃዊ ምልዕዓላት’ከ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል ድዩ? ኣብ ዝብል ኣርእስቲ እዋናዊ ኣርእስቲ ዘተኮረ ኣስተምህሮ ብዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ብዕለት 21 May 2017 ዝተዋህበ ሰሚናር ኢዩ። ዶ/ር ገብረ፡ ቅድሚ ሕጂውን ተዳጋጋሚ ሰሚናራት ሂቡ ኢዩ፡ ኣብዚ ክርአ ይከኣል።   Dr. Gebre Gebremariam discusses the short term and long term consequences of state failure and identity politics in Eritrea.

 1ይ ክፋል (21-May-2017)፡  2ይ ክፋል (21-May-2017)

See also related ምስዚ ዝዛመድ፡-




24/05/2017 14:47 PM  

Current Eritrean situation and the way forward. ህሉው ኩነታት ኤርትራን ብኸመይ ንቕድሚት ክንስጉም ንኽእልን።

ኣምባሳዶር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

Amba. Andeberhan Woldegiorgis

ኣብዚ ህዝባዊ ሰሚናርዚ፡ ብኣካልን ብቀጥታ ብመንገዲ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑናን፡ ህዝቢ ተሳቲፉዎ። ካብ ኩሉ ወገን ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ቀሪቦምን መብርሂ ተዋሂቡዎምን ኣሎ። ኣምባ. ዓንደብርሃን፡ ቅድሚ ሕጂውን ተዳጋጋሚ ሰሚናራትን መግለጺታትን ሂቡ ኢዩ፡ ኣብዚ ክርአ ይከኣል። Amba. Andeberhan Woldegiorgis, discusses the current Eritrean situation and the way forward.

   1ይ ክፋል (20-May-2017)፡  2ይ ክፋል (20-May-2017)

See also Related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-




23/05/2017 19:45 PM




23/05/2017 19:45 PM

ኣይንኽሕዶን ኢና!

ብ’መሲናስ

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 2/12/1950 ዓ.ም. ተጋቢኡ፡ ንኤርትራ ሃገርና ዝምልከት ውሳነ በዚ ዝስዕብ ኣጋባብ ሂቡ ነይሩ፥ 46 ሃገራት ንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክድግፋ ከለዋ፡ 10 ሃገራት ድማ ናጽነት ደጊፈን፣ 4 ሃገራት ግን ድምጸን ኣይሃባን። ብኸምዚ ኣጋባብ ከኣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ንኽትቁረን ተወሰነ።

     ድሌት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ግን ኣቐዲሙ በታ ብብላታ መሓመድ ዑመር እትምራሕ ዝነበረት ሰልፊ፡ "ናጻ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ" ከምኡውን በታ ብደግያት ኣብርሃ ተሰማ እትምራሕ ዝነበረት ሰልፊ፡ "ሊበራል ሕብረት" ናይ ፈደረሽን ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ'ዩ። ብሓቂ ግን ፈደረሽን ንህዝቢ ኤርትራ ግዴታኡ'ምበር ምርጫኡ ኣይነበረን።...Read more



23/05/2017 19:45 PM

ቃለመጠይቕ ምስ

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡

ብኣጋጣሚ መበል 26 ዓመት፡

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 2017።

President Isaias Afewerki Interview, on the ocasion of 26th Eritrea’s Independence Day 2017.

See Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

 


20/05/2017 01:28 PM

ሰምሃር ገብረስላሴ።

ኣነ ናብ ስደት ክወጽእ ድልየተይ ኣይነበረን። መንፈሰይ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ኢዩ ዘሎ...

ህሉው ኩነታት ኤርትራ፡- ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኣካይዳን ዘለዋ ስእሊ፡ ብስም “ህዝባዊ መኸተ” ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምስታፋ ዝገጠማ ኩነታት፡ ተመኩሮን ኩነታትን መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢን፡ ለበዋን ጻውዒትን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን። ልቦና ዝመልኦ ምዕዶ ካብ ጓልና መንእሰይ ሰምሃር ገብረስላሴ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ብዘይኣፈላላይ። Read more





20/05/2017 01:28 PM

ዜና ዕረፍቲ

ኣቦና ሙፍቲ ኤርትራ፡

ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን፡

[ EriTv ]

ኣቦና ሙፍቲ ኤርትራ፡ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን፡ ኣብ 93 ዕድመኦም፡ ዕለት 17 ግንቦት 2017 ዓሪፎም። Eritrea’s Mufti Sheik Alamin Osman Alamin, passed away, age 93, on 17 May 2017.  ንታሪኽ ህይወቶምን ስነስርዓት ቀብሮምን ዝምልከት ሓበሬታ (life history and Funeral ceremony)፡ click here ኣብዚ ጠውቑ




19/05/2017 15:20 PM

My name you forgot

From an unknown prisoner somewhere in Eritrea.

by: Kiki Tzeggai

The darkness in this place is so thick, I cannot see.  I try to keep in mind details of the day, of the week or time.  My mind I blocked from the day I arrived here.

     I think about my wife and my kids.  I left her kind of young and my kids were toddlers.  Now I think about her grey hair and my kids all grown up. My life changed forever and I am not a free man anymore. ....Read more







17/05/2017 20:50 PM

ሓወይ ሓብተይ ልመድ:

ቀይሮ ባህርኻ!

ብ'መሲናስ

'ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጉድለት ውህደት፡ ዘተን ኢሂንምሂን ዘይምባልን ወይውን ግዳማዊ ምትእትታው፡ ወትሩ ንድሕሪት'ዩ ዝምለስ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተበገሱ ሰባት ወይ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ንሃገራዊ ረብሓ ዘገልግል ድልዱል ውድብ ዝሃንጹ፡ ገለ ናይ ወገን ወይ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ፈጢርካ፡ ብተናጸል፡ ማለት ብጉጅለ ወይውን ብውልቂ ክትቃለስ ምምራጽ ልሙድ ተርእዮ ኤርትራውያን እዩ።

     ንኣብነት፥ ኣብ 1950 ዓ.ም. እታ ሓንቲ "ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ" እትብሃል ሰልፊ እንተ ርኢና፡ 'ሰልፊ ናይ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ናይ ዑመር ቃዲ፡ ናይ ዓሊ ረድአይ፡ ናይ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወዘተ.' ተባሂላ፡ ኣብ ኣርባዕተ ተመቒላ ነይራ'ያ። ከምኡውን ሰልፊ፡ "ኤርትራ ንኤርትራውያን" 'ናይ ራእሲ ተሰማን ናይ ወዶምን'ያ' ተባሂላ ከም ዝተዳኸመት ይፍለጥ። እዚ ከኣ ጠንቁ ኣብ ሕድሕድካ ዘይምስምማዕን ዘይምትእምማንን'ዩ።...Read more




15/05/2017 20:50 PM

ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት

ብመንጽር 26 ዓመታት ናጽነት ኤርትራ።

Universal Declaration of Human Rights VS Eritrea’s journey of 26 years of Independence

ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ

ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ መጋባእያ ሕቡራት መንግስታት ጸዲቑ፡ ከም ቀንዲ መባእታዊ መዐቀኒ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ክውሰድ ካብ ዝጅምር ዳርጋ 70 ዓመታት ገይሩሎ። እዚ ናብ ልዕሊ 500 ቋንቋታት ዝተተርጎመ ኣዋጅዚ፡ ህዝብታት፡ ካብ ዝወርዶም መጽቀጥቲ ንኽገላገሉ ከም ቀንዲ መቃለሲ ባይታ ገይሮም ተገልጊሎሙሉ ኢዮም፡ ገናውን ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መሰልዚ ኢዩ ተቓሊሱሉ። እንተኾነ፡ ፍረ ናይቲ ኩሉ ዝኸፈሎ ረዚን መስዋእቲ፡ ሞሳኡ፡- ናይ ኣማኢታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደት፡ ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ማሕዩር፡ ራዕዲን ፍርሒን፡..ወዘተ ኮይኑ ተሪፉ። ንልዕሊ ርብዒ ዘመን (26 ዓመታት)፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓሪሙ ይነብር ኣሎ። ካብዚ ዘለዎ ዘየላቡ ጥፍኣት ንኸወጽእ ድማ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ህጹጽ ሓላፍነትን ስጉምቲን ዝሓትት ኢዩ።  

See also  ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-




13/05/2017 23:55 PM

ያታዊ ኣፋዊ ግጥሚን ማሰን።

Traditional Oral Poetry in Tygrigna

[ Tempo Afric TV መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ]

See also related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-




13/05/2017 23:55 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

ብ’መሲናስ  18 ክፋል

ብዕለት 3 ነሓሰ 1944 ዓ.ም. ሓደ ስሙ ብግቡእ ዘየነጸረ እንግሊዛዊ ጸሓፊ፡ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ብእንግሊዝ ዚጸሓፋ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ፡ ንጣልያን፡ ንእንግሊዝ ወይውን ንኣመሪካ ክትውሃብ ከም ዘለዋ ዝእምት ጽሑፍ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ናብ ትግርኛ ተርጒሞም ምስ ኣቕረቡዎ፡ ንኣኡ መሰረት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዚነበሩ፡ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪብሉ ጸሓፉ'ሞ፡ ንኣኦም ተኸቲሎም ከኣ ብዓል ደጊያት ኣብርሃ ተሰማን ግራዝማች ተኽለሃይማኖት በዅሩን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርኡይቶኦምን ሓሳቦምን ኣካፊሎም ነበሩ።

     'ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ ማለት ንሓደ ጡብ እኖኡ ዚጠቡ ቈልዓ ካብ ኣደኡ ፈሊኻ ምንባሩ መሲሉ'ዩ ዚርአ።

...Read more

  1ይ ክፋል (12.10.2016)፡  2ይ ክፋል (20.10.2016)፡

  3ይ ክፋል (28.10.2016)፡ 4ይ ክፋል (05.11.2016)፡

  5ይ ክፋል (15.11.2016)፡   6ይ ክፋል (21.11.2016)፡

  7ይ ክፋል (30.11.2016)፡  8ይ ክፋል (15.12.2016)፡

  9ይ ክፋል (06.01.2017)፡ 10ይ ክፋል (19.01.2017)፡

  11 ክፋል (26.01.2017)፡  12 ክፋል (12.02.2017)፡

  13 ክፋል (23.02.2017)፡  14 ክፋል (03.03.2017)፡

  15 ክፋል (17.03.2017)፡  16 ክፋል (31.03.2017)፡

  17 ክፋል (27.04.2017)፡ 18 ክፋል (13.052017)፡

  19 ክፋል (29.06.2017)፡


13/05/2017 23:55 PM

መደብ ራድዮ ኣሰርና13 May 2017

ሓበሬታ ንኹሉኹም ተኻታተልቲ መደብ ራድዮ ኣሰርና፡-

 ---------------------------

 "ዘመን" እትብል ዘርእስትታ ናይ ህቡብ ስነጥበባዊ ነፍስሔር የማነ ባሪያ ደርፊ፡ ሙዚቀኛን ኣረንጂመንትን ድማ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ክኸውን ከሎ፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ብ HABESHAPOETICS ዝቐረበ ናይ ኮፒ-ራይት (Copyright) እገዳ፡ እታ ዜማ ኣብዚ ቪድዮ ክይትድረፍን ነቲ ሙሉእ ቪድዮ ድማ ከምዝዕጾ ስለዝገበሩን፡ ድምጺ ናይታ ዜማ ኣብዚ ቪድዮዚ፡ ኣብ መበል 52 - 57 ደቒቕ ዘሎ ቦታ፡ ከምዘይስማዕ ኮይኑ ክወጽእ ተገዲዱ ምህላዉ ንክቡራን ተኻታተልቲ ይሕብር። ዓገብ ን'HABESHAPOETICS። ክቡራን ሰማዕቲ፡ ወፈያኹም ንዓብደላ ኣቡበከር ንምልጋስ፡ ናይ ባንክ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ኣሎኩም

ዝሓለፈኩም መደብ ንምስማዕን ንምክትታልን፡ ኣብዚ ጠውቑ




12/05/2017 22:26 PM ሓበሬታ

ህዝባዊ መጸዋዕታ፡ Seminar on

An effective strategy to end the suffering of the Eritrean People.

By Prof. Araya Debessay and Other GI Coordinators

This invitation is to All Eritreans residing in the Washington DC Metropolitan Area who are concerned about the increasingly worsening situation in Eritrea.

ህዝባዊ መጸዋዕታ፡-

ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ንምውጋድ ዝዓለመ ኣድማዒ ስትራተጂ ንምዝታይ። ህዝባዊ ሰሚናር ብፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይን ካልኦት ኣወሃሃድቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶን ንኣብ መትሮፖሊታን  ዋሽንግተን ዲሲን  ከባቢኡን ዝነብሩ - ኣብ እቲ ኣናሓሰመ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ዝግደሱ  ኤርትራውያን ዝተዳለወ ሰሚናር፣

سيمنار على استراتيجية فعالة لإنهاء معاناة الشعب الإرتري

بروفيسور أرايا ديبيساي وفريق عمل المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية

وهذه الدعوة موجهة إلى جميع الإرتريين المقيمين في منطقة العاصمة واشنطن الذين يشعرون بالقلق إزاء الحالة المتزايدة سوءا في إرتريا.

Date and Time: Saturday May 20, 2017, Starting 1pm

Meeting place:  CA Building Room 302, Annandale Campus. 8333 Little River Turnpike, Annandale Virginia. ....Read more ኣብዚ ጠውቑ انقر هنا



12/05/2017 22:26 PM   ሓበሬታ

ERITREAN UNITY FOR JUSTICE – UK ሓድነት ኤርትራዉያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ

ዕድመ ናብ መበል 26 ዝኽሪ

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን  ደቂ ሃገርና፥ ኩላትና ኤርትራውያን ከም እንፈልጦ፡ ዘለናዮ ዘመን ንሕዝብና እቲ ዝሓሰመን ዝመረረን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ`ውን ስለዝኾነ፥ ዘመን ኣፈርክቡ ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ናጽነታ ተጎናጺፋ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ሕዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእትነት፡ ካብ መጠን ዝሓለፈ ከምዝኾነ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። እዚ ዝተኸፍለ ሕይወትን ዝባደመ ንብረትን ባጃ ናጽነት፡ ምእንቲ ራህዋን ክብረትን ሕዝብና ተባሂሉ እዩ ዝነበረ። የግዳስ ዕድል ኣይገበርናን፡ ኤርትራ ሃገርና ካብቲ ዝነበረቶ ዝገደደት ኮይና፥ ሕዝባ ተጓሕጒሑ ይጠፍእ ኣሎ።   

     ኣብዚ ፈታኒ ግዜ`ዚ እምበኣር፥ ነቲ ናይ ገድላዊ ቃልሲ ሕዝብና ዝደምደመ ምዕራፍ ክንዝክር ጥራሕ ዘይኮነ፥ ህልው ኩነታትና ገምጊምና፡ …Read more



12/05/2017 01:20 AM

A thank you to

Ahmed Kaissi

by: Kiki Tzeggai

Ahmed:

Veterans like you showed us the strength to face challenges with confidence and love for country. By listening to this interview, I sense your wisdom to choose your words all while informing us about the negative and positive.  You gave credit to the same leader that threw you in jail for no reason and prevented you from savoring the walk into a free Asmara.  A right you earned with all the years in the battlefields and the years you sacrificed so we – the Eritrean people- could be free....Read more



07/05/2017 23:51 PM

ፍሉይ ዕላል ምስ ገዲም ሓርበኛን መራሒን

 ኣሕመድ ኣልቀይሲ።

Exclusive Interview with Veteran Liberation fighter, Ahmed Al-Kaysi

[Radio Erena]

ተጋ/ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ ኣብ 1971፡ ኣብ እዋን ንእስነቱ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዝተሰለፈ፡ ኮይኑ፡ ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረን፡ ኣብ ምምስራት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ድማ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ጽቡቕ ኣፍልጦ ዝነበሮ፡ ኣብ ሶርያ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረን ምኩርን ተጋዳላይ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ምምልማልን ምፍራይን ካድረታት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረን ተጋዳላይ ኢዩ። እዚ ይኹን’ምበር፡ ንሱ፡ ንናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ እሱር ኮይኑ ኢዩ ጸምቢሉዋ። ቀይሲ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ይርከብ። ንሱ ዘዘንትወልና ዘሎ ታሪኽ፡ ኣገዳሲ ሃገራዊ ሰነድ ኢዩ።

 1ይ ክፋል(15 Apr 2017)፡    2ይ ክፋል (22 Apr 2017)፡

 3ይ ክፋል(29 Apr 2017)፡   4ይ ክፋል(06 May 2017)

See also related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-



07/05/2016 21፡34 PM

ሰፊሕ ዕላል፡ ምስ ገዲም መራሒን ተጋዳላይን፡

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ (9ይ ክፋል)።

Interviews with Eritrean Senior Veteran and Author of a Book -  Mr. Herui Tedla Bairu.

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ገድልን መንግስትን ኤርትራ ጎሊሑ ዝረኤ ኣስተዋጻኦ ነይርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ሕጂ ከይተሓለለ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝዓዪ ዘሎ ተቓላሳይ ኢዩ። ኣቶ ሕሩይ፡ ብእንግሊዘኛ ዝደረሳ ሓዳስ መጽሓፍ፡- Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ 2016 ንኣንበብቲ ተዘርጊሓ ኣላ። ብዛዕባ ታሪኽ ሂወቱ፡ ተመኩሮኡን፡ ብዛዕባ'ታ ጽሑፉዋ ዘሎ መጽሓፉን፡ ዝምልከት፡ ምስ፡- ቲቪ-ሰነድ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምስ ድምጺ ኣሰና ሰፊሕ ዕላላት ገይሩ ኣሎ። ነዚ ታሪኽና ንምድህሳስን ንምፍላጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕላል፡ ብጽሞና ክንከታተሎን ክንሰምዖን ስኒትና.ኮም ትላቦ።

1ይ ክፋል(21Aug2016):  2ይ ክፋል(28Aug2016):

3ይ ክፋል(11Sep2016):  4ይ ክፋል(02Oct2016):  

5ይ ክፋል(05Nov2016):  6ይ ክፋል(07Jan2017):

7ይ ክፋል(19Mar2017):  8ይ ክፋል(16Apr2017):

9ይ ክፋል(07May2017): 10ይ ክፋል(27May2017):

11 ክፋል(10Jun2017):

1ይ ክፋል(18Oct2016):  ኣኼባ 1ይ ክፋል(22Oct2016):

ኣኼባ 2ይ ክፋል(04Nov2016):




04/05/2017 15:16 PM

3 ግንቦት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ

ዳዊት ኢሳቕ፡ ብሉጽ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ተሸሊሙ።

ትማሊ 3 ግንቦት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኢዩ ነይሩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ-ዶብ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ንልዕሊ 16 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ቀይዱዎም ዘሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ብህጹጽ ክፈትሖም፡  ጸዊዑ ኣሎ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ካብዞም ተቐይዶም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፡ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕብሉጽ ጋዜጠኛ ብምዃን፡ ፍሉይ ሽልማት ንቤተሰቡ ተዋሂቡ። ናይዚ መዓልቲ'ዚ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣብ ራድዮ ኤረና (04 Apr 2017) ተወከሱ።

See also related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-




02/05/2017 13:57 PM

ፖለቲካዊ ስልጣንን መጻኢ ዕጫ ኤርትራን።

Political Power and the Fate of ERITREA

[ Tempo Afric TV መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ]

See also related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-












Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print