Placeholder Picture
Placeholder Picture

February 2023 - Archive << Back

ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO — ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ (By Membr Zeru Gebreyesus) - ቀዳም Saturday, 25 February 2023

እዚ ወትሩ ተቓላሳይ ህዝብና ዚደልዮ እንታይ ኢዩ?
(What is that our ever-struggling people want?)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ) / Voice of Eritrea at CKDU — ናይ Sunday 26 Feb. 2023 show መደብ (2-5 pm Halifax Canada Time)

ግፍዕታት ስርዓት ደርግ ኣብ ከተማ ዓሰብ።
Enemy Atrocities in the Seventies in the Port of Assab.

With our Guest: Ms. Abeba Berhane (Gual Gam'me). ምስ ናይ ክብሪ ጋሻና፡ ወ/ሮ ኣበባ ብርሃነ መድህን (ጓል ጋመ)።

Ms. Abeba Berhane (Gual Gam'me), author of the newly released Book called "Enemy Atrocities in the Seventies in the Port of Assab." Ms Abeba was in prison for over 5 years and she witnessed the massacres. ወ/ሮ ኣበባ ብርሃነ መድህን (ጓል ጋመ)፡ ደራሲት ናይታ "ግፍዕታት ስርዓት ደርግ ኣብ ከተማ ዓሰብ።" ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ኢያ። ወ/ሮ ኣበባ ንልዕሊ 5 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን፡ ነቲ ህልቂት ብዓይኒ ርእያቶ እያ። ኣብዚ ጠውቑ

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

  • መደወሊ ቴለፎን (Tel): +(902) 494-2487
  • ንምስታፍን ኣብ ወብሳይት ንምስማዕን፦ ኣብዚ ጠውቑ
  • ዝሓለፈኩም ኣብ ዩቱብ ንምስማዕ፦ ኣብዚ ጠውቑ

Symposium 2022: Understanding the Eritrean Constitution.
ሲምፖዝዩም 2022: ንምዕዛዝ ርድኢት ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ።

ዕለት 23 ግንቦት 2022፡ መበል 25 ዓመት (ኢዮቤልዩ) ቅዋም ኤርትራ 1997 ኢዩ። 23 ግንቦት 1997 - 23 ግንቦት 2022 ማለት`ዩ። ሎሚ ሰንበት፡ ዕለት 22 ግንቦት 2022፡ ኣብ መበል 25 ዓመት ቅዋም ኤርትራ 1997፡ ብማንዛዊ ዝተኻየደን ብቀጥታ ብመንገዲ ኤሪሳት ናብ ኤርትራን ዓለምን እተፈነወ፡ ሲምፖዝዩም ተኻይዱ። ቴማ ናይዚ ሲምፖዝዩም`ዚ፡ "Understanding the Eritrean constitution - Symposium 2022. ሲምፖዝዩም 2022 - ንምዕዛዝ ርድኢት ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ" ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ሲምፖዝዩም፡ ሓያሎ ተሳተፍቲ (ኣባላት ኮሚሽን ቅዋም፡ ገዳይም ተቓለስቲ፡ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ መንእሰያትን ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ናይ ሜድያ ትካላትን) ነይሮም። ሲምፖዝዩም፡ ብኣቦ-መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ፡ ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሰ፡ ናይ መኽፈቲ መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ ቀጺሉ ካብ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮሚሽን ቅዋም ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ መግለጺ ስዒቡ። Read more

ብዙሕነት`ዶ ህዝባውነት?

ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ካብ ዝብገስ ኣትሒዙ ብዝተፈላለዩ ብድሆታት ክፍተን ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ፈተነታት`ዚ፡ ኣሽንኳይዶ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንነዊሕ ዝጸነሐ ሰብ፡ እቲ ንመጀመርያ ግዜ፡ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ኢሳያስን ኣብይን፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ኢዱ ክሕውስ ዝጀመረ ሰብ’ውን እንተኾነ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ኣብ ምፍጣር፡ ዝኾነ ምንቅስቓስ ይኹን ውዱብ ሓይሊ፡ ከጋጥም ዝኽእል ባህርያዊ ተርእዮ ብምዃኑ ከኣ፡ ክሕለፍ ከምዘለዎ ርዱእ’ዩ። Read more

Press Release — Eritrean Political Forces Diplomacy Committee: Eritrean Dictator Isaias Afeworki’s Shameful Act in a Press Conference in Nairobi, Kenya (February 14, 2023)

The Eritrean Political Forces (EPF) are gravely concerned and express their condemnation of the arrogance and disregard for truth by the Eritrean dictator, Isaias Afeworki, in a press conference held with the Kenyan President William Ruto in Nairobi, Kenya, on February 9, 2023. The press statements by President Ruto and the dictator of Eritrea were followed with questions by three international media reporters from BBC Africa, Washington Post and Associated Press (AP). Read more

ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ) / Voice of Eritrea at CKDU — ናይ Sunday 19 Feb. 2023 show መደብ

ቃልሲ ደምበ ተቓወምቲ ንክዕወት ነዊሕ ግዜ ወሲዱሉ? ከነሕጽሮ ንኽእል'ዶ? እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይ? እንተዘይኮነ'ኸ ስለምንታይ? — OPEN MIC ክፉት ዘተ።

ኣብዚ ጠውቑ

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

  • መደወሊ ቴለፎን (Tel): +(902) 494-2487
  • ንምስታፍን ኣብ ወብሳይት ንምስማዕን፦ ኣብዚ ጠውቑ
  • ዝሓለፈኩም ኣብ ዩቱብ ንምስማዕ፦ ኣብዚ ጠውቑ

ቃለ-መሕትት ፕረ. ኢሳያስ ምስ ኤሪ-ቲቪን፡ ሕቡእ መልእኽቱን — ሓተታ ግሎባል ይኣክል (15 Feb 2023) / President Isaias's interview with eritv and his hidden message, analysis by Global Yiakl (15 Feb 2023).

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ሰሙናት ዝኸይድ “ቃለ-መሕትት” ኣብታ እንኮ ተለቭዥን ኤርትራ ክገብር ጀሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ንሰዓትን 20 ደቓይቕን ዝኸደ ቀዳማይ ርክቡ፡ “ጃንዳ ወያነን ጃንዳ ዋሽንግተንን” ከይጠፈአ ድቃስ ከምዘየለ ኣተንቢሁ ኣሎ። “ጃንዳ ወያነ ከነጥፍእ፡” 35 ዙርያ ሳዋ ካብ ወሰደልና፡ “ጃንዳ ዋሽንግቶን ከነጥፍእ” ክንደይ ናይ ሳዋ ዙርያ ከምዝወስደልና መቸም ንመላሲ ይጭነቆ ኢዩ። ኣብዚ እቲ ብኢሳያስ ዝቐረበ ትሕዝቶ (content) ዘይኮነ፡ ነቲ ብኢስያስ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ (context) ጥራይ ኣተኲርካ ምዝራብ፡ ዝያዳ ተመራጺ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሰይጣናዊ መልእኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ ስለዘሎ። Read more

ሰኣን ሓድነት’ዶ ዓድኻ ይዝመት! — ተስፋይ ተኽለ (ደበሳይ)
Why permit our country plundered, for lack of our unity!

“እቲ አብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ አብይን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተባሪዑ ንልዕሊ 17 አዋርሕ ዘቚጸረ አዕናዊን መህለቒን ኲናት፣ አብ ርሑቕ ዘይኮነ እዋን ምዝዛሙ ዘይተርፎ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር አይኮነን። ናይዚ ኲናት'ዚ ቀንዲ መሃንድሳት አብይን ኢሳያስን ክኾኑ ከለዉ ፎርማጆ'ውን ሳልሳይ መሐዛኦም ኢዩ ኔሩ። Read more

ምሌላ ምስ ደራሲት መጽሓፍ ጸላም ሳንዱቕ፡ ወ/ሮ ሳራ በላይ
Author of a book, Black Box, Ms. Sara Belay

“እዚ መንበሪና ጓዳጉዲ ብዙሕ ዘውራሕርሕ ኣዒንቲ ኣሎ፡ ኩቶ ካብዘን ኣዒንቲ እዚኣተን ከተምልጥ ዝከኣል ኣይኮን። Hሰክፍ ዘጨንቕ የብልክን።"

“ንብዓተይ ማንታ ማንታ ኮይኑ ወሓዘ። ንደቀምሓረ ሓንሳብን ንመዳእታ ግዜን ደው ኢለ ጠመትኩዋ። ኩሉ ኣብኣ ዘሕለፍኩዎ እዋናት ቁልዕነተይን ንእስነተይን ድሙቕ ዝኽሪ ኮይኑ ቅጅል በለኒ።"

“ገድሊ ሰባት ብወለንታኦም ፈትዮምን ረድዮምን ዝጽንበርዎ ውተሃደራዊ ህይወት'ዩ። ኣነ ከኣ ብወለንታይ እየ ተጸንቢረዮ። ሰለዚ ወለንተኛታት ብኽብሪ ዝርኣዩ እዩ ዝመሰለኒ ነይሩ፡፡ እቲ ብዛዕባ ገድሊ ዝሓሰቦ ዝነበርኹን፡ ኣብ ብሊቓት ዘጋጠመኒን ፈጺሙ ዘይራኸብ ኮነኒ። ብሊቓት ክጋደል ዘይኩነ ይቕረ ዘይበሃሉ ዓቢ ገበን ፈጺመ ዝኣተኹዎ መቕጽዒ ቦታ ኮይኑ ተሰምዓኒ። Read more

Snitna Network Seminar (Saturday, 11 Feb 2023)
ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ምሕደራ ኤርትራ
Youth Participation in Eritrean Governance
مشاركة الشباب في إدارة الحكم في إرتريا

ኣቕራቢ (Presenter)፦ ዶ/ር ቶማስ ኣርኣያ (Dr Thomas Araya)
ኣላዪት (Moderator)፦ ወ/ሮ መብራት ደረስ (Ms Mebrat Deres)
ኣስተርጓሚ (Translator)፦ ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤል (Mr Ghirmai Zemichael)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO — ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ (By Membr Zeru Gebreyesus) - ቀዳም Saturday, 11 February 2023

ምርግጋጽ ቀጻልነት ህዝቢ ኤርትራ።
Ensuring the continuity of the Eritrean people.
ضمان استمرارية الشعب الإريتري.

ጋሻና (Guest)፦ ኣቶ ሃብተጊዮርጊስ ኣብርሃ።

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ዝኽሪ መበል 33 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ሓርነት ከተማ ምጽዋዕ።
33rd Anniversary of Operation Fenkil, The Liberation of Massawa on 10th Feb. (1990-2023)

መእተዊ፦ ሃገርና ኤርትራ፡ ብዘይነጽፍ ጸጋታት ባሕሪን ገማግምን እተዓደለት፡ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ እትውን፡ ኣብ ቁልፊ መተሓላለፊ ኣህጉራዊ ማያዊ ንግዲ ናይ ዓለምና እተደኮነት፡ ኣዝዩ ሃብታም ዕቑር ሃብቲ ባሕሪን ገማግሙን እትውንን፡ ሰፊሕ ናይ ገማግም ባሕሪ ማራኺ ቱሪዝም ከተማዕብል እትኽእል፡ ካብተን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ኣለዋ ዝበሃላ ሃብታማት ሃገራት ንኣብነት ኢማራት ዓረብ (ዱባይ) ስሉጥ ናጻ ሃገራዊ ኣገልግሎታት ክትህብ እትኽእል ኣብ ምቹእ ቦታ እተደኮነት፡ ካልእ ብዙሕ ሃብቲን ዘለዋ፡ ተባሃጊት ሃብታም ሃገር ኢያ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ካብ ዓይኒ ጎበጥቲ ኣቋሪጻ ኣይትፈልጥን። Read more

1st year anniversary 1ይ ዓመት ዝኽሪ፡
ዜና ዕረፍቲን ዝኽሪን፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ
In memory of his holiness Abune Antonios, 3rd Patriarch of the State of Eritrea (July 1927 - 09 Feb. 2022).

ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 9 ለካቲት 2022 ዓሪፎም።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ስለ እተቓወሙ፡ ከምኡ`ውን ንፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ፡ ሰባት ብዘይ ፍትሒ ምእሳር እግዚኣብሔር ዘይፈትዎ ስራሕ ስለዝኾነ፡ ክቋረጽን፡ ዝበደለ እንተልዩ ኣብ ፍትሒ ቀሪቡ ፍርዱ ክወሃብ ኣለዎ ብምባል፡ ብኣካል ስለዝተዛረቡን ኢዩ። Read more

ገምጋማት፡ ትምንኒታትን ትንታነታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023
Assessments, New year wishes and Analyses, on the occasion of New year 2023
التقييمات ورغبات العام الجديد والتحليلات بمناسبة العام الجديد 2023

ዓመተ-2022፡ መኸተምታ ናይ ኩሉ ሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ክትከውን፡ ባና ሰላምን ፍትሒን ኣብ ሃገርና ቀደድ ክብልን፡ ልዑል ተስፋ ኣንቢርና ኔርና። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት ኲናት ሓድሕድ፡ ሃገርና ኤርትራ ኢዳ ብምእታዋ፡ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ኣዝያ ተተንኪፋን ተጨኒቓን ኢያ ኣሕሊፋቶ። መጠን ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ብሰንኩ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዝግመትኳ እንተኾነ፡ ብኣሃዝ ንምግላጹ ግን፡ በቲ ስርዓት ዝተዋህበ ወግዓዊ ጸብጻብ ወይ ሓበሬታ የለን። Read more

ምእንቲ ዘላቕን ነባራዊን ሰላም ህዝብታት፡ ዶብ ኢትዮጵያ-ኤርትራ ብህጹጽ ይትሓንጸጽ። — ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)።

ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘወሰደ ደማውን ኣዕናውን ብቅርሕንትን ኣረማዊ ጭካኔን፡ ስልጣን ንምብሓትን ንምንዋሓን ዝተኣጎደ ሕድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ፣ ዓሪፉ ብምህላዉ ዘይቀሰነ ዜጋ ናይቲ ዞባ እንተሎ፡ ደም ሰትዩ ዝጎስዕ ሰብ ጥራይ እዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተም ውዕል ሰላም፡ ብሓጎስ ካብ ምሉእ ልቢ እቕበሎን እድግፎን። ኣብ ምሉእ ዓወትን ፍጻሜን ከብጽሕዎ ንዝጽዕሩ ፈጸምቲ ኣካላት ኣስልጦን ዓወትን፣ ነተቶም ዕንቅፋት ክፈጥሩ ነገር ዝጽሕቱሩ ሰረ-ሰላም ድማ ፍሽለትን ወድቀት እምነየሎም። Read more




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: