Placeholder Picture
Placeholder Picture
ብዙሕነት`ዶ ህዝባውነት?

20/02/2023 17:30 PM

ብዙሕነት`ዶ ህዝባውነት?

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን።
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ።
16 የካቲት 2023።

ብዙሕነት`ዶ ህዝባውነት?

ብዙሕነት`ዶ ህዝባውነት?

ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ካብ ዝብገስ ኣትሒዙ ብዝተፈላለዩ ብድሆታት ክፍተን ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ፈተነታት`ዚ፡ ኣሽንኳይዶ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንነዊሕ ዝጸነሐ ሰብ፡ እቲ ንመጀመርያ ግዜ፡ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ኢሳያስን ኣብይን፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ኢዱ ክሕውስ ዝጀመረ ሰብ’ውን እንተኾነ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ኣብ ምፍጣር፡ ዝኾነ ምንቅስቓስ ይኹን ውዱብ ሓይሊ፡ ከጋጥም ዝኽእል ባህርያዊ ተርእዮ ብምዃኑ ከኣ፡ ክሕለፍ ከምዘለዎ ርዱእ’ዩ። ኣይኮነን`ዶ ከም ምንቅስቓስ ይኣክል ዝኣመሰለ፡ ኣህጉራዊ ዝርጋሐ ዘለዎ ጥርነፋ፡ ኣብ ናይ ውሑዳት ሰባት ማሕበር እኳ ብቐሊሉ ከጋጥም ዝኽእል ተርእዮ ኢዩ። እዚ፡ ተርእዮ`ዚ ሓደ ካብቶም ብማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዝተረጋገጹ፡ ጠባያት ውደባ ወይ ውድብ ኢዩ። ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ መስርሕ ከጋጥም ከምዝኽእል ጽቡቕ ጌሩ ፈሊጡ ዝተበገሰ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብድሆ ሓሊፉ ብትዕግስትን ብዘይምስልካይን፡ ቃልሲ ንምዕዋት ለይትን መዓልትን ካብ ዝሰርሓሎም ሓደ ኢዩ።

እቲ፡ ብኣስመራ ዝመደበረቦም፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነትን ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን፡ ብታሕቲ ታሕቲ ዝዝሮ በታኒ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ገዲፍካ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ይኣክል ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ብገለ ምስሉያት ገርሀኛታትን ሓለይትን ዝጓዋሕ ዘይምኽኑይ ምኽንያታት ጥራይ ምትኳር ግን ግዜኡ ኢዩ። እቶም ጸላእቲ ኢልና ዘቐመጥናዮም፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ጽቡቕን ሕማቕን ዓው ኢሎም ክዛረቡ ትብዓት ስለ ዘይብሎምን ስለ ዘይንጽበዮምን ከኣ ብዛዕብኦም ምዝራብ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን። ብዓንደ ርእሱ እውን ግዜኡ ዝሓለፎ፡ ነቲ ከም ህዝብን ምንቅስቓስን ክንከዶ እንደሊ ናይ ሓባር ቃልሲ ሓጋዚ ኣይኮነን።

ብድሆታት ይኣክል ካብ ግዜ ናብ ግዜ እኳ ክረኣዩ እንተጸንሑ፡ ነቶም ኣብ ባይቶታቱ ዘቐመጦም ሕግታቱ እንዳሰዓበን፡ ምስቶም ምስኡ ኮይኑም ክዓዩ ዝደልዩ እንዳተላዘበን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓያል ስራሕ ተጸሚዱ ከም ዝጸነሐ፡ ኣይኮነን እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ፡ እቶም ኣብ ደንበ ጽልኢ ኮይኖም ዝርእይዎ እኳ ኣዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ ኢዩ። ሎሚ፡ ድሕሪ ነዊሕ ሓርጐጽጐጽ፡ ንኹሉ በዲሁ ንቕድሚት ብራእይ ኣብ ዘማዕድወሉ ግዜ፡ ይኣክል “ብብዙሕነትን ብዘይንጹርነትን” ክኽሰስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ንሰምዖን ንዕዘቦን ኣለና። መብዛሕቶም እቶም ምኽንያታት ሓደስቲ ዝመስሉ፡ ግን ከኣ ንዓመታት ዝበለናሎም ዘይጭበጡ ምኽንያታት ኢዮም። ንሱ፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢዩ፡ ይኣክል፡ ኣብዘን ውሑዳት ዓመታት ዘመኑ፡ ካብ ኣደራዕ ክዓርፍ ዘይከኣለ።

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ኢስያስን ኣብይን፡ ብቑጠዐ ብኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝፈለመ ምንቅስቓስ እምበር፡ ግለ-ሰባት ተኣኻኺቦም ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ኣይኮነን። እዚ ሓቂ`ዚ፡ ኩሉ ብዛዕባ ይኣክል ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ዝግንዘቦን ክጉሰ ዘይክእል ሓቅን ኢዩ። ብህዝቢ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ብምዃኑ ከኣ፡ ይኣክል ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ኣርባዕተ መዓጽኡ ጋህ ዝበለ፡ ኩሉ ኣበርክቶ ክገብር ዝደለየ ዝጽምበሮ፡ ኣብ ዝደለዮ ጽፍሒ ከገልግል ዝኽልክሎ ዝኾነ ይኹን ሕግን ገደብን ዘይብሉ ምንቅስቓስ ኢዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ክጅምር እንከሎ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ደገ ዘሎ ምስሊ ናይ ኤርትራ፡ ዝፍለ ምስሊ ኣይነበሮን። ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንብዙሕነት፡ ብሓደ ወይ ክልተ መዐቀኒ ጥራይ ርእይዎ ኣይፈልጥን ክረአ እውን ኣይግባእን። ኩሉ ብድሕነት ኤርትራ ዝሓምምን ፍትሓዊት ኤርትራ ክሪኢ ዝብህግን ኤርትራዊ፡ ኣብዚ ቃልሲ ተሳቲፉ እጃሙ ከበርክት፡ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ክገብሮ ዝኽእል ድሩት ኢዩ ኔሩ። ይኹን እምበር፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ክንዮ ድርቱነቱ ሓሊፉ፡ ተሳታፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት፡ ዓለም-ለኻዊ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም፡ ተሳታፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ክዓብን፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ምጉልባት ክሰርሕን ብሓላፍነት ሰሪሑ ኢዩ። ኣብ ዓንደ ሕግታቱ፡ ንብዙሕነት ዝምልከት ፍሉያት ዓንቀጻት ኣስፊሩ፡ ክንቀሳቐስ ዝጀመረ ከኣ፡ ካብ መትከላዊ እምነት ናይቲ ህዝቢ ዝፈጠሮ ምንቅስቓስ ተበጊሱ እምበር፡ ከምቲ ገርሀኛታትን ሓለይትን ተመሲሎም ዘጋውሕዎ ንመልክዕ ወይ’ውን ንይምሰል ኣይነበረን።

ምንቅስቓስ ይኣክል ጥራይ ዘይኮነ ኩለን ኣብ ደገ ዘለዋ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ካብዚ ናይ ብዙሕነት ሕቶ ነጻ ኣይኮናን። ብዙሕነት ክብሃል እንከሎ ብኹሉ መዳያቱ ዝጥመት እምበር ብሓደ መነጽር ጥራሕ ዝጥመት ኣይኮነን። ተሳታፍነት ደቀንስትዮን መንእሰያትን ክሳብ ሕጂ ከምቲ ኩሉ ዝምነዮ ኣይኮነን። ብቐንዱ ተሳታፍነት ብሄራት፡ ብዘይካ እቲ ብብዝሒ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ብሄረ ትግርኛ፡ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ናይ ኣውራጃታት ዝንቡል ተሳታፍነት እውን ብዙሕ ግዜ ክረአ ዝጸነሐ ሕማቕ ባህሊ ኢዩ። ስለዚ፡ ሕቶ ናይ ብዙሕነት ይኹን ናይ ተሳታፍነት ምዝንባል፡ ምስ ይኣክል ዝተቐልቀለ ተርእዮ ዘይኮነ፡ ንዓመታት ክኸይድ ዝጸነሐ ምዝንባል ኢዩ። ይኣክል፡ ደይ መደይ ኢሉ ዝፈጠሮ ጸገም ኣምሲልካ ምዝራብ ግን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ወይ ዘይህሉው (Phantom) ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕመቕካን ጥሙሕካ ንምሽፋን ዝግበር ስምዒታውን ዘይምዕቡልን ጥራይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል።

ብዙሕ ግዜ፡ ምስ ኣመጻጽኣ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተኣሳሲሩ፡ ብዙሕነት ብሃይማኖት ጥራይ ዝዕቅንዎ እውን ኣይተሳእኑን። ኤርትራ፡ ብክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዝቖመት ሃገር ምዃና፡ ይኣክል ይግንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመትከል፡ ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ውልቀ-ሰብን እኩብን ብትሪ ይኹንን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ቅመራ ኣትዩ ቅርጺ ዝገብረሉን ዝጉስጉሰሉን መትከላት ይኹን ሕግታት የብሉን። እዚ ከኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ብሓደ ወገን ነቲ ኣብ መጻኢ ክቐውም እንደልዮ ዕልማናዊ ስርዓት ዝጻረር ከይከውን፡ በቲ ካልእ ድማ ንሕልናን ብስለትን ህዝቢ ኤርትራ ዘነኣእስ ከይከውን ብማለት፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብዚ ቅመራ እዚ ኣትዩ ክሰርሕ ትጽቢት ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን።

መርገጺ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል እዚ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ ብዙሕነት ስለዘይብሉ፡ ምስኡ ኣይንጽምበርን ዝብሉ ባእታታት ኣለዉ፧ እቶም ምስኡ ክጽምበሩ እናደለዩ ዝስከፉን ድሕርሕር ዝብሉን`ከ ስለምንታይ ብመርትዖ ክቐርቡ ክሕተቱ ዘይግባእ። ብዙሕነት እንተሓቢርካ`ዶ ኣይኮነን ክመጽእ ዝኽእል፧ በዚ ምኽንያት ኢና ከኣ፡ እቲ ሓድሽ ዝመስል ምኽንያት ዝበለናሉን ዘይንስከፈሉን ኢዩ ዘብለና።

ንዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብመርገጺ ዘይምንጻር እዉን ዝኸስዎ ኣይተሳእኑን። መርገጺ ሓደ ጥርናፈ ይኹን ውድብ፡ መትከላቱ፡ ዕላምኡ ወይ ድማ ሸቶኡ እምበር፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝጥቀመሎም ስትራተጂ ኣይኮኑን። ስትራተጂ ምስ ግዜ እንዳተመዓራረየ ዝኸይድ ናብ ዕላማኻ ንምብጻሕ እትጥቀመሉ መንገዲ እምበር፡ ንባዕሉ ዕላማ ወይ ሸቶ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘይንጹር መትከል ይኹን ዕላማ ሃልይዎ ኣይፈልጥን።

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣብ መፈለምታ 2019 ክተኣኻኸብ ዝጀመረ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከም ምዃኑ መጠን፡ ትሕዝቶ ዕላማታቱ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ክጅምሮ እንከሎ ዝነበሮ መንፈስን ድልየትን ዝፍለ ኣይኮነን። ክሳብ ዕለተ ሎሚ ከኣ፡ ናይ ዕላማ ይኹን ናይ መትከል ለውጢ ኣይገበረን ብሕጂ እውን ኣይክገብርን ኢዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሰነዳቱ፡ “ይኣክል ቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ ኢዩ” ኢዩ ዝብል። ኣብ ኩሉ ዝገብሮም ናይ ሜድያ ይኹን ናይ ኣካል ርክባቱን ድማ ነዚ እንዳኣንጸባረቐ ኢዩ መጺኡን ዝጓዓዝን ዘሎ። ስለዚ፡ ንይኣክል ብዕላማ ዘይምንጻር ምኽሳስ፡ ካብ ባዶ ዝነቐለ ናይ ስምዒታውያን ዘረባ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ባዶሽነት ተቐሚጥካ፡ ካብ ርጡብነት ርሒቕካ፡ ንምፍራሱ ዝግበር ከንቱ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ብርግጽ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ምግምማዕን ምግድዳዕን ተግባር ተራእዩ ኢዩ። እዚ ተረኽቦታት`ዚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝኽሕዶ ኣይኮነን። ከም ኣብ ኩሉ፡ ምስ ኲናት ከጋጥም ዝኽእል ናይ ህዝብን መራሕትን ምግምማዕ፡ ነቶም በቲ ውግእ ብቐጥታ ዘይንትንከፍ ኣብ ደገ እንቕመጥ ኤርትራውያን ገማሚዑና ኢዩ። ይኹን እምበር ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ከም ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብዚ ሕቶ እዚ ዝወሰዶ መርገጺ ኣድማሳውን ቅቡልን ኢዩ ኔሩ። ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ሽግር ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ክፈትሕዎ እምበር፡ ከምቲ ገለ ገለ ዝብልዎ፡ ትግራዎት ወይ ኣምሓራ “ክፈትሕዎ” ኢሉ ኣይነቐለን። እትምንታይ’ሲ፡ ምእንቲ ኤርትራዊ ኢሉ ሂወቱ ዝኸፍል ዓሻ ወዲ ካልእ ሃገር ዜጋ ከምዘየለ ብግብሪ ዝርዳእ ምንቅስቓስ ስለ ዝኾነ።

ኩሎም እቶም፡ ብኹሉ ወገን፡ “ምስ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘለኩም መርገጺ እንታይ ኢዩ፧” ተባሂልኩም ዝተሓተትኩም ፖለቲካውያን ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከምዘይኮነ ብዓውታ ክትነግሩ ግቡእ’ዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ከምቶም ኩሎም ንፍትሒ ዝንቀሳቐሱ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሓዊት ብልጽግትን ኤርትራ ንምፍጣር እምበር፡ ካልእ ዝሸራረፍ ዕላማ የብሉን። ብዙሕነት፡ ብቓልስን ክፉት ኣእምሮን ጥራይ ኢዩ ዝረጋገጽ። ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንውክልና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝተበገሰን ዝሰርሕን ምንቅስቓስ እምበር፡ ንዝኾነ ዝተወሰነ ክፋል ዝውክል ምንቅስቓስ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡ ኣይኮነን፡ ኣይክኸውንን እውን’ዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ “ሓንካስ ዘውረዮ ፈረሰኛ ነይመልሶ” ደኣ ኮይኑንና እምበር፡ ኣብዚ፡ ሃገርን ህዝብን መድሕን ዝጽበይሉ ዘሎ ፈታኒ እዋን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ዝሓለፎ ሐታታ ክንኣቱ ኣምበይምደለናን። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ጉዳይ ሃገሩ ብማዕዶ ክዕዘብ ዝመረጸ ኣብ ደገን ውሽጥን ዝቕመጥ ዝበዘሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገር ብድፍረት ዓያሹን ብስቕታ ለባማትን ከም እትዓኑ ተገንዚቡን ኣሚኑን፡ ብዕቱብ፡ ንኸምዚ ዝበለ ውዱቕ መንፈስን ኣተሓሳስባን ክቃለሶን፡ ሓቢሩ ክሰርሕን፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ፡ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጻውዒቱ የቕርብ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
16 የካቲት 2023


ብዙሕነት`ዶ ህዝባውነት? ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን። 16 feb. 2023።


See also Global Yiakl related facts and links. ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝምልከቱ ሓቅታትን መወከሲታትን፡ ኣብዚ ታሕቲ ክትግንዘቡ/ባ ትኽእሉ፡-

• ኣረኣእያ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን አንጸላሊዩ ዘሎ ምዕባለታት፡ አቶ/ ወሰንሰገድ ሓጎስ ኣቦ-መንበር ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡
رؤية حركة كفاية العالمية للإرتريين
في التطورات الراهنة في القرن الأفريقي وارتريا
الأستاذ/ وسن سجد حاقوس رئيس حركة كفاية العالمية للإرترين

• Q & A About Eritrean Global Yiakl Movement.

• ሕቶን መልስን ብዛዕባ ይኣክል - እንታይነት ምንቅስቓስ። መንነት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን።

• Global Yiakl Website ወብሳይት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን።

• Global Yiakl: Facebook Link

• Global Yiakl Youtube channel. ዩቱብ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: