Placeholder Picture
Placeholder Picture
Snitna: Code of Conduct

01/08/2019 09:11 AM Updated

Snitna
Code of Conduct

ስኒትና፡
መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

snitna Code of Conduct

Snitna Policies and Code of Conduct

------------------

This site is for all Peace-loving-Eritreans.

Our aim is: to cultivate peace, harmony and reconciliation among all Eritreans, by involving Eritreans from different walks of society, without discrimination.

Our motto is “let’s share and exchange views and prosper together!”

Fostering Eritrean unity is the root-foundation of our mission.

We also respect and abide by the Principles of the National Union of Journalists (NUJ) Code of Conduct. We also respect The YouTube Community Guidelines on videos or audio clips we post on YouTube. Taking these and the realities in Eritrean and Eritrean diaspora into account, our website aims to adhere into the core principles as explained above. Along this line, we call everyone's cooperation to follow the principles when sending their materials for posting as well as when partnering with www.snitna.com .

Contents of this website are continually updated. If you have any comments, please do not hesitate to contact us.


መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

--------------------

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ፡ ንኹሎም ኣፍቀርቲ-ሰላም ኤርትራውያን ዝዓለመ ኢዩ።

ዕላማና፡- ካብ ኩሉ ሸነኻት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝቐርብ ሓሳባት፡ ጻዕሪን ኣስተምህሮን ብምእንጋድ፡ ንሃገርና ኤርትራ፡ ሰላም፡ ስምምዕን ዕርቂን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ንምኹስኳስ ኢዩ።

ጭርሖና ድማ “ናይ ሓድሕድ ኣረኣእያና እናተለዋወጥና፡ ሓቢርና ንዓምብብ” ዝብል ኢዩ።

ሕመረት ናይ ተልእኾና ድማ፡ ምሕያል ኤርትራዊ ሓድነት ኢዩ።

ትሕዝቶ ናይዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ኾይኑ፡ ንእትልግሱልና ምኽሪ ይኹን ሓበሬታ ድማ ብቐጻሊ ነመስግን። ዝኾነ ሓበሬታ ክትልእኩልና ምስእትደልዩ በዚ ጠውቑ

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብ'ዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።

-------------

መትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (NUJ)
ትርጉም፡- ስኒትና.ኮም
NUJ code of conduct was updated in 2011.
https://www.nuj.org.uk/about/nuj-code/

1. ወትሩ ንመትከላት ናጽነት ሚድያ (መራኸቢ ብዙሓን) ይጣበቕ፡ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰላት ናይ ህዝቢን የኽብርን።

2. ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ብቅንዕናን ብትኽክል ኣገባብን ክቐርብ ከምዘለዎ ይኣምን።

3. ጎዳኢ ንዝኾነ ዘይርጉጽ ሓበሬታ ንምእራም ብዝከኣሎ ይጽዕር።

4. ኣብ መንጎ ሓቂን (facts) ናይ ሰባት ርድኢትን (opinions) ፈላልዩ ይርኢ።

5. ሓበሬታ ወይ ጭብጢ፡ ብቕንዕናን ብግሉጽ ኣገባብ ይእክብ። ብዘይካ ኣብ ፍሉይን ንመላእ ህዝቢ ኣዝዩ ዘገድስን ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ጭብጢ ብግሉጽ ዝኾነ ኣገባብ ንምርካቡ ዘይከኣለሉ ኩነታት ምስ ዝኸውን።

6. ኣብ ዝኾነ ብሕታዊ ህይወት፡ ጓሂ ወይ ስቓይ ናይ ዘይምእታው መትከል የኽብር። ብዘይካ፡ እቲ ጉዳይ ብዓብላሊ ህዝባዊ ሓልዮት ዘንቀሎ ወይ ዘገደዶ እንተዘይኮይኑ።

7. መንነትን ምንጪን ሓበሬታ ናይ ዘቐበሉ ሰባት፡ ከምኡውን ኣብ መስርሕ ስራሓቱ ዝተኣከበ ሓበሬታ ሚስጢራውነት ይሕሉን ይከላኸልን።

8. ምፍርራህ ወይ ሰባት ንምጽላው ዝግበር ምድፍፋእ፡ ምጥምዛዝ ወይ ምድቋስ ሓበሬታን፡ ከምኡውን ቅድሚ'ቲ ሓበሬታ እዉጅ ምዃኑ፡ ዘይቅቡል ዝኾነ መኽሰብ ካብኡ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ፡ ይቃወም።

9. ዝኾነ ናብ ጽልኢ ወይ ምፍልላይ፡ ንኣብነት፡- ኣብ ዕድመ፡ ጾታ፡ ዓሌት፡ ሕብሪ፡ ሃይማኖት (እምነት)፡ ሕጋዊ ቦታ (ደረጃ)፡ ስንክልና፡ ሓዳር፡ ወይ ጾታዊ መኣዝን (sexual orientation)፡ ገጹ ዝወስድ ሓበሬታ፡ የወግድ።

10. ኣብ ዝወሃብ መግለጺ፡ ብድምጺ ወይ ኣብ ግልጺ ብምውጻእ፡ ብዝኾነ ንግዳዊ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት፡ ናይ ምውዕዋዕ (advertisement) ኣገባብ ኣይቅበልን።

11. ጋዜጠኛ፡ ንቆልዓ ወይ ትሕቲ-ዕድመ ናብ ቃለመሕትት ንምቕራብ ወይ ስእሉ ንምልጣፍ፡ ኣቐዲሙ ናይ ወለዱ ፍቓድን ስምምዕን ክሓትትን ክረክብን ይግባእ።

12. ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ወይ ቃላት፡ ወሲዱ፡ ከም ናቱ ገይሩ ዘቕርብ የወግድ።

-------------

See also:

National Union of Journalists (NUJ)
NUJ Code of Conduct

First NUJ code of conduct 1936
First NUJ code of conduct 1936

YouTube
Terms of Service

YouTube
Community Guidelines

Updated on 01 August 2019




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: