Placeholder Picture
Placeholder Picture
ሰኣን ሓድነት'ዶ ዓድኻ ይዝመት! ተስፋይ ተኽለ - ደበሳይ

15/02/2023 12:24 PM

ሰኣን ሓድነት'ዶ ዓድኻ ይዝመት!
Why permit our country plundered, for lack of our unity!

ተስፋይ ተኽለ (ደበሳይ)፡ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ።

ሰኣን ሓድነት'ዶ ዓድኻ ይዝመት! ተስፋይ ተኽለ - ደበሳይ

ሰኣን ሓድነት'ዶ ዓድኻ ይዝመት!!!
ተስፋይ ተኽለ (ደበሳይ)፡ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ።

እቲ አብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ አብይን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተባሪዑ ንልዕሊ 17 አዋርሕ ዘቚጸረ አዕናዊን መህለቒን ኲናት፣ አብ ርሑቕ ዘይኮነ እዋን ምዝዛሙ ዘይተርፎ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር አይኮነን። ናይዚ ኲናት'ዚ ቀንዲ መሃንድሳት አብይን ኢሳያስን ክኾኑ ከለዉ ፎርማጆ'ውን ሳልሳይ መሐዛኦም ኢዩ ኔሩ። ቀንዲ መወሃሃዲ ተዋሳአይ ግን ኢሳያስ ኢዩ ኔሩ። አብይ'ውን ነቲ አደይ ሻብዓይ ንጉስ ኢትዮጵያ ክትከውን ኢኻ ኢላ ሐሊማትለይ ዝበሎ ንምትግባሩ፣ ንኢሳያስ ብምጽጋዕ አሚኑ ዘዝበሎ ክገብር ኢዩ ጸኒሑ። ብሰንኪ'ዚ ወራር’ዚ ከአ፣ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እዚ ዘይብሃል ንምእማኑ'ውን ዘጸግም ሰብአዊ ጽንተትን ናይ ልምዓት ትካላት ዕንወትን አኸቲሉ ኢዩ። ጒሒላ ኢሳያስ ምስ ኩሎም ጎረባብትና እንዳተጓነጸ፣ ንህልውናና ከም ህዝብን ሃገርን ሐደጋታት እንዳአጎደ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ። እዚ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኢሳያስ ነቲ፣ ብስም “ መንግስቲ ኤርትራ .... ወይ ኤርትራ” እንዳተባህለ ዝጽዋዕ፣ አብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎንጺታት ኢትዮጵያ ብሐፈሻ፣ አብ መንጎ መንግስቲ አብይን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከአ ብፍላይ ጣልቃ አትዩ ዘካየዶ ግፍዕን ወራርን ፣ ናቱ ናይ ብሕቱ ውልቃዊ ጥሙሐትን ድሌትን ንምርዋይ ዝተኻየደ ውግእ ድአ'ምበር፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ'ስ ከቶ ነይነበረን፣ ዝምልከቶ ኮነ ዝቕበሎ'ውን አይኮነን። ንሕና ከም ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላምን ለውጢን ዝኾንና፣ ነዚ ጸረ ረብሐታትን ጠቕሚን አህዛብና ዝኾነ ውግእ'ዚ፣ ከሎ ጌና ከይተጀመረ ንአሳጉማ ክልተ አዛብእ ብምርአይ መጠንቀቕታ ትዕዝብትና ዘይሃብና አይኮናን።ድሕሪ ውግእ ምጅማሩ'ውን ነቲ ዝተገብረ ዓመጻን ግፍዒን ብኹሉ መልክዑ ኮኒናዮን ተቓዊምናዮን ኢና። ኩሉ ዘካየድናዮ ተቓውሞን ኩነኔን ከአ ወትሩ ንሰብአዊ ሕልናና ዕረፍቲ ሂቡ ዘሐብን መርገጽ ምውሳድና ምንም አይንጠራጠረሉን ኢና።

እዚ ውግእዚ ኢሳያስ ምስ መራሕቲ ህወሐት ዝአተዎ ቂምን ቅርሕንትን መዋጽኢን፣ ውልቃዊ ጎብለል ቀርኒ አፍሪቃ ኮይኑ ንኽርኤ ናይ ውልቁ ኲናትን ውግእን ኢዩ። ኢሳያስ እቲ ትማሊ ርአዩኒ ርእዩኒ ኢሉ ምስ አብይ አሕመድ ኮይኑ ዘባርዖ ውግእ፣ ሎሚ እንከ ተመሊሱ ንዕኡ ዝሽልብቦ ባርዕ ምዃኑ ምስዝተረድኦ፣ ሕጂ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ዝዓይነቱ “ክወሩኒ ኢዮም ክጎብጡኒ ኢዮም” እንዳበለ ብዜና ማዕከናቱን ምንባሕ ጀሚሩ አሎ። ዓዲ ዓዲ እንዳኸደ ከአ ክሐርስ ዝቕረብ ዝነበረ ሐረስታይን ደቁን አባዂሩ ግድነታዊ ክተት ኢሉ ዳግማይ ከህልቖ ንህዝብና ይህውኾን የበሳብሶን አሎ። እቲ አዝዩ ዘሕዝንን ከም ኤርትራውያን ከአ ዘተሐሳስበናን ግን፣ እቲ ሐደጋታት ክመጽእ ዝኽእል አብ ልዕሊ ኢሳያስ ጥራሕ ዝተሐጽረ ኮይኑ እንተዝተርፍ ምንም አይመጒሃየናን። የግዳስ አብ ውሽጢ ኤርትራ አቐዲሙ ገለ ተስፋ ዝህብ ስጉምትታት ክወስድ ዝኽእል ተረኽቦ ዝፈጥር ሐይሊ እንተዘይተረኺቡ፣ ብሰንኪ ኢሳያስ ንኤርትራውያን ብግዲ አዓስኪሩ አብ ከባቢና ክፍጽሞ ዝጸንሔ ግፍዒን ዓመጽን፣ ምስ ጎረባብትና ብዙሕ ቂምታን ጽልእን ቅርሕንትን ፈጢሩልና ስለዘሎ፣ አብ ልዕሊ ሃገራዊ ልዑላውነትናን ግዝአት ሐድነት መሬትናን ከቢድ ሐደጋታት የንጸላሉ ከምዘሎ ኤርትራውያን ብአግኡ ክርድአና ይግባእ።

ስለዚ ነዚ ፍታሕን ፈውሲን ዝኾኖ ከሎ ጌና ከይኮነ ሃሰስ ኢልና መፍትሒ ክንረኽበሉ ዘብቅዓና ናይ ሐድነት ተበግሶን ምውንጫፍን ሕጂ ብአግኡ ህጹጽ መድረኻዊ ስጉምቲ ክንወስድ ይግባእ። መድረኽ'ውን ይጠልበናን ናይ መጠንቀቕታ ደወል መቓልሕ ከአ ይድውልዩ ዘሎ።

አብ ኢትዮጵያ ብሐፈሻ፣ አብ ትግራይ ከአ ብፍላይ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታት እንታይ ሒዙ ይመጽእ ንምንባዩ አሸጋሪ ኢዩ። ንምግማቱ ግን አጸጋሚ አይኮነን። ኢሳያስ ነቲ ብስም ኤርትራ ክገብሮ ዝጸንሔ ነውጺታትን ጎንጺን፣ ንህዝብና አብ ዘይምልከቶ ሐዊ አእትዩ፣ ከዳኽሞን ከማህምኖን ዝጸንሔ ኤርትራዊ ሰብአዊ ጉልበትን ሐይልን፣ ብምንጽጻር ክርኤ ከሎ ከአ እቲ ዝመጽእ ሐደጋታት አቃሊልካ ዝርኤ አይኮነን። ስለዚ እንታይ ይገበር ዝብል ተባራዒ ሕቶ፣ ነብሲ ወከፍ ወዲ ኤርትራ ብህልውና ልዑላዊት ሃገሩ ዝሐምምን ዝግደስን፣ ፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ይኹን፣ ምሁራት ኤርትራውያን፣ መንእሰያት፣ ስቪካውያን ማሕበራት፣ አገደስቲ ጸለውቲ ባእታታት፣ መድረኻዊ ዝኾነ ፍታሕ መልሲ ክረኽብሉን ክሐስበሉን ታሪኻዊን እዋናውን ተበግሶ ክወስዱን ሃገራዊ ግድንን ግዴታኦምን ኢዩ። ዝመረረ ይምረር ኩሉ ክስገር ይከአል ኢዩ። ግንከ መሰረት ናይ ኩሉ ምግባር ዝከአሎ እግዚአብሄር ኮይኑ፣ እቲ ካባና ከም ሰብ ዝድለ ግን፣ ሐይልን ትሕዝቶን፣ ብቕዓትን ክእለትን መታን ንኽህልወና፣ ዝነበረን ዘሎን ፍልልያትና ወንዚፍና፣ ናይ ኩልና ደቂ ሃገር ቅልጡፍ ሐድነታዊ ዘተን ጥርናፌን ምርግጋጽ፣ ንህልውናና ከም ሃገር ቀንዲን ወሳኒን ቁልፊ ኢዩ። ኤርትራውያን ነንሕድሕድና እምነት አጥፊእና ክንጠራጠርን ክንካሰስን ክንፈናጨልን ብዙሕ ዕድላትን ግዜን ከይተጠቐምናሉ አሕሊፍናዮን አባኺንናዮን ኢና። ብፍላይ አብ ዝሐለፈ 24 ዓመታት፣ ምሕዝነት … ኪዳን … ኮንፈረንስ… ባይቶ፣ እንዳበልና ክንእከብን ክንፍንጣሕን መሬት ዘዕረብናዮ ውሑድ አይኮነን። እቲ ዘስደምምን ዘሕዝንን ከአ፣ አብ ኩሉ'ቲ ዝግበር ዋዕላታትን አኼባታትን፣ ናይ ሐባር መትከላትን ስምምዕን ዝትይ ቀኒኻ ድሕሪ ምስምማዕ፣ አብ ጉዳይ ሕቶ መሪሕነታዊ ቦታ ምምራጽ ምስ ተበጽሔ ግን ናይ ፋሕ ጭንግራሕ መንፈስ ይአትወና ምንባሩ መንከ ክኽሕዶ። መዋእልና አብ ምብልላዕን ምጥርጣርን ምክሳስን ምንባርና’ኸ ንመን ኢዩ ዘርብሖ? ነዚ ተመኩሮ'ዚ ርኢኻ ከአ ትስምብድ ትጉሂ ትሐዝን’ውን። ናይ ኢሳያስ ምልካዊ ስልጣን ዕድመ ንምሃብ አካይዳናን ስንፍናን ዘይሐገዞ'ውን አይኮነን። ግንከ ሎሚ'ስ ኮንዶ'ኾን ካብ ሕሉፍ ተመክሮና ተማሂርና ገለ ቁምነገር ንገብር ንኸውን ኢልካ ከአ ትትስፎ። ናይ ምቅዋምና ቀንዲን ዋናን መበገሲ ዕላምኡ፣ ናይ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ሕቶ መሪሕነታዊ ስልጣን ምምላስን ምትእንጋድን አይኮነን። የግዳስ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ቅድም ቀዳድም ክምለሽ ዝግብኦ (1) ምርግጋጽ ድሕነት ህዝብናን (2) ምውሐስ ሃገራዊ ልዑላዊ ህልውናን ኢዩ። እዚ ኢዩ ከአ እቲ መሰረታዊ መንቀሊና ምዃኑ አሚንና ክንቃለሰሉ ዝግብአና። ነዚ ክልተ መሰረታዊ ርቛሒ ክንምልስ ምስ ዘይንኽእል ግን “መርዓት ከይሐዛ'ስ ዓርኪ ይሕዛ” ከም እተባህለ አበየናይ ባይታ ኰና ኢና'ሞ ሕቶ ቦታ ስልጣን ክንምልስ ህርድግ እንብል?

ስለዚ አንቱም ደቂ ህዝበይ ጽባሕ ከምዚ ተጌሩ እንተዝነብር ኢልካ ጣዕሳ ዋጋ የብሉን ሕጂ’ውን ሃየ ንዑ ተአከቡ። ፍልልያትና ወጊንና ነቲ አብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ክመጻና ዝኽእል ሐደጋታት ከሎ ጌና መዕገቲ ዝኸውን ድልዱል ኤርትራዊ መንጸፍ ባይታ ጌርናሉ መታን ክንጸንሕ ግደፉ ንዑ ንተአከብ።

ብዛዕባ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ንኤርትራ ዝምልከት ግዝአታዊ ሃገራዊ ልዑላውነትና ንምግሃስን፣ ንልዑላዊ ዋንነት ኤርትራ ንምምንዛዕን፣ ካብ ኩሉ ኩርንናዓት ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ይኹኑ ዝረሐቑ አካላት መንግስትን ሰልፊታትን ውልቀ ሰባትን፣ ከም ቀንድን ቀዳማይን አጀንዳኦም አቐሚጦም፣ ብግልጺ ዘካየድዎ ዘለዉ ፖለቲካዊ ጎስጓሳትን መናዋወራትን ናበይ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ንምርድኡን ምግምጋሙን ዘጸግም አይኮነን። “ይዛረቡን ይሕለሙን ጥራሕ” እንዳበልካ ሸፈፍ ኢልካ ዝሕለፍ'ውን አይኮነን። ናይ ሎሚ ዘረባ ናይ ጽባሕ ተግባር ምዃኑ ንረዳእ። ስለዚ በብዘለኻዮ ተተጎጂልካ ተረኽቦታት ክሳብ ዝጎብጠካ ምጽባይ ዘይኮነስ፣ ኤርትራውያን ብአግኡ ነዚ ሐደጋ'ዚ አለልዮም ከስተብህልሉን ክዳለዉሉን ዝግብኦም ጉዳይ ሕጂ ኢዩ።

ጣልማይን ከዳዕን ኢሳያስ ንሃገራዊ ጉዳይና ጠላሊፉን ሐላሊኹን ንሐደጋ አሳጢሑዎ ክሐልፍን ክወድቕን ወይ ከአ ክሃድም ምዃኑ ምንም ዘተሐትት ወይ ዘጠራጥር የብሉን። ኢሳያስ ምስ ከባቢ ጎረባብትና ጎንጽን ዓመጽን ምፍጣር ጥራሕ ዘይኮነስ፣ አብቲ ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት'ውን እንተኾነ፣ አንጻር ዓበይቲ ሐይልታት ተጻባኢ አህጉራዊ መርገጻት እንዳሐዘ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑን ዘሎን። ንዕኡ ክቐጽዑ ክብሉ ከአ እዞም ሐይልታት እዚአቶም አብ ዝወስድዎ ስጉምቲ፣ አብ ጉዳይ ሃገርና ንዕኦም ብዘርብሕ ጂኦ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ምቅይያራትን፣ አብ ጉዳይ ኤርትራ አሉታዊ ተጽዕኖን ተራን ክህልዎ ዝኽእል፣ ብአሉታነት ዝጸሉ ናይ ሐይልታት አሰላልፋ ስርርዕን ምሕዝነትን ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ክንግንዘቦ ይግባእ።

እቲ ቀንዲ ፍታሕን ዓጋቲን ከአ ሐድነትን ጥርናፌን ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ ወሳኒን ቁልፊን ኢዩ። ተጻባእቲ ሃገራዊ ልዑላውነትና፣ ንዕላማኦም ብዘየማትእ ንምትግባር ዝጥቀምሉ ቀዳማይ ሽጣራን ሜላን፣ ንህዝቢ ኤርትራን ደቁን ብዝተፈላለየ ስልቲ ፈጢርካ ከፋፊልካ ምምቃሉን፣ ብኡ አቢልካ ከአ ንዓኻ ዝመስል ዕሱብ ሐይልን ምፍጣርን ኢዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ዘገልግል ጉጅለታት አኻኺቦም ከአ ብግልጺ ከም ዝውደብ ጌሮም፣ “ ልዑላውነት ኤርትራ” ብዝብል መተሐፍስቲ ሐረግ አእትዮም፣ መደናገሪ ካባ አወንዚፎም ክንቀሳቐስሉን ሰፊሕ ፕሮፓጋንዳ ከካይዱሉ'ውን ጀሚሮም አለዉ። አብ ኩሉ ዜናዊ ማዕከናቶም'ውን ሐልዮት ንኤርትራ አምሲልካ የቃልሕዎ አለዉ። ብዙሐት ንለውጢ ሃረር ዝብሉ ደቂ ገርሂ ልባውን ነዚ አይተጸንበርዎን ክንብል አይንኽእልን። እቶም መብዝሕትኦም ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ግን አብ ዝሐለፈ ዓመታት፣ አብ ዘቃልሕዎን ዝጽሕፍዎን ዝነበሩ ጎስጓስን መርገጽን ብንጹር ጸረ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራን፣ ኤርትራዊ መንነትን ዝነበሩ ኮይኖም ሕጂ ዋሕሊልና ኢሎም ናይ አቀራርባ ስልቲ ቀይሮም ይዋስኡ ምህላዎም ኢዩ። እዚ ከአ ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ ዝመረተ ፖለቲካዊ ሽጣራ ኢዩ።

ኤርትራዊ አስተብህል! ዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ ‘ውን ካብ ክቢ ዕንክሊል ምባል ውጻእ። ንስኻ ሕድሕድካ ክትካሰስን ክትወናጀልን፣ ክትጠራጠርን፣ አብ ዘየለ ባይታ ብጉዳይ ስልጣን ክትዋጠጥን፣ ጉዳይካ ካብ ቁጽጽር ኢድካ እንዳወጸ ይኸይድ ምህላዉ ብጋህዲ ዝኸውን ዘሎ ተረዳእ።

አብ አርባዓታት አቦታትና ፖለቲካዊ አመለኻኽታኦም ጠርኒፎም ምሉእ ነጻነቶም ክንዲ ዝዓትሩ፣ ሕድሕዶም ብምክፍፋል ምኽንያት፣ ፍልልያቶም ዝያዳ ንረብሐን መኽሰብን ኢትዮጵያ ብዘገልግል፣ አብ ዝተሐተ ፍታሕ ፈደረሽን ወዲቖም ከም ዝኸሰሩ ምዝካር የድሊ። እዚ አብነታዊ ሕሉፍ ተመኩሮን ውጽኢቱን መምሃሪ ተመኩሮ'ውን ይኹንካ። ጠንቅን ሳዕቤንን ናቱ ከአ ንደቆም ዝኾንና ክሳብ ሕጂ የሳቕየና አሎ።

ህሉው መንእሰይ ወለዶ'ውን ካብዚ ናይ አቦሐጎታቱ አሉታዊ ተመኩሮ እንተዘይተማሂሩ፣ ነቶም ዝመጹ ደቁን ደቂ ደቁን አብ ትሕቲ ምሕረት ጎረባብቱ አውዲቑ፣ ዘይወጽእ ቃንዛን ስቓይን ከውርሶም ምዃኑ ብአግኡ ይረዳእ። ንኢሳያስ ስለዝጸላእካ ንሃገርካ ምቅላልን፣ ምስ ጅግንነታዊ ታሪኽ መስዋእቲ አያታትካን አቦታትካን ታሪኻዊ ፍጻሜታት፣ እንዳቆናጸብካ ክትብአስን ክትራገምን ምውዓል፣ ንተጻባእቲ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራን ህልውናአን ዝኾኑ ሐይልታት ዘገልግል እምበር፣ ንዓኻ ከምዘየኽብረካን ከምዘየርብሐካን ፍለጥን ተረዳእን። ንኢሳያስ ተቓሊስካ ብምውዳቕ ዋናን ወናኒት ውቅብቲ ኤርትራ ሃገርካ ብምዃን፣ ምስ ጎረባብትኻ ተመዓራሪኻ መራሕን አመሐዳሪን ንክትከውን ድአ ክትጽዕር አለካ'ምበር፣ መንነት ከምዝሰአንካ ናይ ካልኦት ላቔባን ላጤፋን ክትከውን ሃሰውሰው ምባል ውዒሉ ሐዲሩ ከሕፍረካን ከጣዕሰካን ኢዩ። ማንም ሃገር እቲ ዝግድሶ ቀንዲ ናቱ ረብሐን ጠቕሚን እምበር፣ ተወጺዕካ ኢሉ ልዑላውነትካ ዝሕልወልካን፣ ንሰብአዊን ሃገራዊን መሰልካ’ውን ጆባእ ኢሉ ከምዘይህበካ ምርዳእን ምግንዛብን አገዳሲ ኢዩ። አብዛ ዓለም’ዚአ ዝካየድ ፖለቲካ ናይ ረብሐ’ምበር ጉንዖ ዝብሃል የለን። ስለዚ ኤርትራዊ ህዝበይ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ሱሩ ምሒኻ ንምውዳቕ ተጠርኒፍካ ሐኒንካ ተለዓል፣ ንሰብአዊ ክብርኻ፣ ንሃገራዊ መንነትካ፣ ንምሉእ ሐርነታዊ ነጻነትካ ብሕብረት ከተዕቊቦ መታን ከአ፣ አብ ዘዘለኻዮ ነብስኻ ሰሪዕካ ብህጹጽ ናይ ሕድሕድ ልዝብን ምቅርራብን ተበግሶ ውሰድ። ብዘይተጸበኻዮ ኩነታት ተረኽቦ ከይተቐበርካ ከለኻ ሕጂ ተበገስ። ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ደወል’ዚ ዕሽሽ ኢልካ ምስ ዘይተቕልበሉ ግን አብ ሂወትካ ክልተ ግዜ ክትዛረብ ምዃንካ ዘክር። ግዜን መድረኽን'ውን ዕሽሽ ኢሉካ ዓማጢቑ ከይሰገረካ ከሎ ንስኻ ከሎ ጌና ንእዋን ተጠቐመሉ።

በዚ አጋጣሚ አብ መደምደምታ ክንብሎ እንደሊ፣ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ፍረ ጻማ ነጻነቱን መስዋእቱን ዘሚቱ፣ ንመላእ ሂወት መንብሮ ኤርትራውያን ን31 ዓመታት ዝአክል ዘጸልመተን ዘመዛበለን ስርዓት ኢሳያስ፣ አብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጎንጽታት ኢትዮጵያ አትዩ፣ ብስም “ኤርትራ” ዝብል ኢደ ወነናዊ ጣልቃነት፣ ዝፈጸሞ ግፍዒን ዓመጽን ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ አረኻኺቡሉ ኢዩ። እዚ እኩይ ፍጻሜታት እዚ ግን፣ ንገጸ ባህርያትን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ዘንጸባርቕን ዝውክልን አይኮነን። ነቲ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ሕልኽልኻት፣ ካብ ድሌትን ውሳኔን ህዝቢ ኤርትራ ቁጽጽር ከአ ወጻኢ ዝኾነ፣ ግናይ በሰላን ሕማቕ አሰርን ንህዝቢ ኤርትራ የሕዝኖ። ነዚ ግናይ ቂምን ጽልእን ዝሐደጎ አሰራት ቀሊል'ኳ እንተዘይኮነ፣ አህዛብናን ኮነ ዞባና ከአ ቀጻሊ ቅሳነትን ምርግጋእን ክሰፍኖ መታን ግን፣ ናይ ሕነ ምፍድዳይ መንፈስ ምሕዳር ዘይኮነስ፣ ንዕኡ ዝኽሕስን ዝድብስን መአዝን አትሒዝና፣ናብቲ ንቡር ባህርያዊ ዝምድናኡ ተሐዲሱ ክምለስ ቀንዲን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ነረጋግጽ።

አምላኽ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!!

ነጻ መሬትን ሐራ ህዝብን ዝኾነት ኤርትራ ወትሩ ትንበር!!

ኩሎም ሰማእታት ኤርትራ ብኽብሪ ይዘከሩ!!

ተስፋይ ተኽለ (ደበሳይ)፡ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ።
05/21/2022

ብ`PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።




ATV: ኤርትራ፥ እታ ዘይተዓደለት ሃገር -
ብ ኣማኑኤል ሳህለ

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: