Placeholder Picture
Placeholder Picture
ምእንቲ ዘላቕን ነባራዊን ሰላም ህዝብታት፡ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብህጹጽ ይትሓንጸጽ

08/02/2023 21:18 PM

ምእንቲ ዘላቕን ነባራዊን ሰላም ህዝብታት፡
ዶብ ኢትዮጵያ-ኤርትራ ብህጹጽ ይትሓንጸጽ።

ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ምእንቲ ዘላቕን ነባራዊን ሰላም ህዝብታት፡ ዶብ ኢትዮጵያ-ኤርትራ ብህጹጽ ይትሓንጸጽ። ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ምእንቲ ዘላቕን ነባራዊን ሰላም ህዝብታት፡ ዶብ ኢትዮጵያ-ኤርትራ ብህጹጽ ይትሓንጸጽ።
ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘወሰደ ደማውን ኣዕናውን ብቅርሕንትን ኣረማዊ ጭካኔን፡ ስልጣን ንምብሓትን ንምንዋሓን ዝተኣጎደ ሕድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ፣ ዓሪፉ ብምህላዉ ዘይቀሰነ ዜጋ ናይቲ ዞባ እንተሎ፡ ደም ሰትዩ ዝጎስዕ ሰብ ጥራይ እዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተም ውዕል ሰላም፡ ብሓጎስ ካብ ምሉእ ልቢ እቕበሎን እድግፎን። ኣብ ምሉእ ዓወትን ፍጻሜን ከብጽሕዎ ንዝጽዕሩ ፈጸምቲ ኣካላት ኣስልጦን ዓወትን፣ ነተቶም ዕንቅፋት ክፈጥሩ ነገር ዝጽሕቱሩ ሰረ-ሰላም ድማ ፍሽለትን ወድቀት እምነየሎም።

ከምቲ "ማንቲለስ ዘሊላ-ዘሊላ ናብ ምድራ" ዝብሃል ምስላ፡ ስምምዕ ሰላም ክኣ መጨረስትኡ፡ ናብቲ ባህሪያዊ ፍቱን መስርሕ-ልዝብ ክቢ-ጠረቤዛ- ምምጽኡ ንዘይተርፎ፣ እዚ ኩሉ ህልቂት ሂወት ሓው ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ኣይመድለየን ነይሩ። እቶም ካብ ኩሉ ወገናት፡ ኣብ ዘየድሊ ኲናት ተነቚቶም ሂወቶም ዝተቐዝፈን ዝሰንከሉን ሰራዊት'ውን ክዝንግዑ የብሎምን። ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ሓደ ነገር ግን፡ እቶም ብመደብን ብመጽናዕትን ኮነ ኢሎም ብረታዊ ጎንጺ መሪጾም፡ ዝጀመርዎ ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን መራሕቲ ናይ ኩሉ ወገናት፡ ዕድሚኦም ምሉእ ኣብ ብረታዊ ጎንጺ ዘሕለፉ ኣርካናት ስለዝኾኑ፡ ደማውን ኣውዳምን ሳዕቤናት ኲናት ኣዳዕዲዕም ይግንዘብዎን ይፈልጥዎን ነይሮም እዮም። እዚ ቴማ'ዚ ሕጂ ግዚኡ ስለ ዘይኮነ ግን፡ ንዝምልከቶም ኣካላትን ንታሪኽ ጽሓፍትን ይሕደግ። እቲ "መወዳእታውጺእቱ እዩ ዝውስኖ (the end justifies the means” ዝብል፡ ዝንቡል ስነ-መጎተ ተወሲዱ ጎሲኻዮ ምሕላፍን፡ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ተሓታትነት ሓራ ምውጻእ ግን፡ ፈጺሙ ዘይፍትሓውን ኢሰብኣውን (inhumane) እዩ።

ናብ ኣርእስቲ'ዚ ጽሑፍ ክምለስ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ቅሳነትን ዝተሓራሞ፡ ብዘይ ምግናን ኣብ ዓለም ድሕሪ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ (ፍልስጤም-እስራኤል) ዝስራዕ ዞባ እዩ። ከም ኩሎም ህዝብታት ዓለም፡ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዞባታት ዝነብሩ ህዝብታት'ውን ዘላቕን ነባራውን ሰላም፡ ቅሳነት፡ ምርግጋእ ዝምነዩ ህዝብታት እዮም። ብዝዕባ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣጽብብ ኣቢልና ድማ ብፍላይ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘቶከረ፡ ሓደ በዳሂ ሕቶ ከነልዕል ንግደድ። ስለምንታይ እዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጎረቤታ ዝኾነት ኢትዮጵያን፡ ተጽብኦን ረጽምን ጎንጽን ዘስዓቦ ጨና ሰላም ተሳኢኑ ዘሎ? መልሱ ከቢድን ዝተሓላለኸን እዩ። ኮይኑ ግን፡ ምስ ታሪኽ ምዕራባዊ መግዛእቲ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ባህርያውን ዘይባህርያውን መስርሕ ምዕባሌ እቲ ዞባ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ዝተመርኮሰ፡ ብርክት ዝበሉ መግለጽታትን ትንታኔታት ክውሃቦ ይክኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብዚ በጽሕናዮ ዘለና መድረኽ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ፍታሕ ንምርካብ ዝተሓላለኹ ትንታኔታትን ጭብጥታትን መጎተን ምቕራብ ኣድላይነት የብሉን። ስለምንታ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ማእለያ ዘይብሉ ደም ዝፈሰሶ ናይ ወሎዶታት ሰላማዊን ብረታዊን ቃልሲ ኣብ 1991 ዓም ኣኽቲሙ፡ ኣብ 1993 ዓም ዝተኻይደ ረፈረንዱም ክኣ ብናጽንት ኤርትራ ተዛዚሙ ስለዝኾነ። ብተወሳኺ፡ ድሒሩ ብኾሚሺን ዶብ ኣብ 2002 ዓም ደምዳሚ ብይን ዶባቱ ተደሪዑ ተሰኒዱ እዩ።

እቲ ዕላማ፡ ዘላቕን ነባርን ሰላም ንመጻኢ ግዜ ዝጠመተ፡ ህዝብታትን ሃገራትን ማእከል ዝገበረ ፍታሕ ንምንዳይ ወይ ምድላይ እዩ። እቲ ፍታሕ ዕዉት መታን ክኸውን፡ ካብ ህሉው ውድዓውነትን ክውንነትን (premisses) ክብገስ ይግባእ። ርትዓዊ ክውምነት፡1) ብረፈረንዱም 1993 ሕጋውነት ዝለበሰ ናጽነትን ልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ ክኸውን እንከሎ፡ 2) ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብ 13 ሚያዝያ 2002 ዓ. ም. ዘሕለፎ ውሳኔ (Decision regarding delimitation of the border between Eritrea and Ethiopia- Decision of 13 April 2002) ዶባት ሕጋዊ ዘይቅልበስ ብይን እዩ።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብይ ኣብ መፋርቕ 2018 ዓም፡ ዶብ ኮሚሽን ኢትዮ-ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳኔ ብዘይ ቅድመ ኲነት ከተግበሮ ድልወነቱ ንዓለም ብወግዒ ኣዊጁ፡ ገና ከየተግበሮ ከሎ ክኣ ብኡ ብኡ ከም ዓስቢ ናይ ሰላም ሽምልማት ተቐቢሉ። ካብዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መንጎ ዶር ኣብይን ኢስያስን 5 ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ሰላም ውዕል ስምምዕ፡ ብክንደይ ዳንኬራ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ከምኡ'ውን ኤመሬትስ ተፈራሪሞም። ካብቲ 5 ነጥብታት ዝሓዘ ዝርዝር ስምምዓት፡ ሓደ ነጥቢ ምትግባር ምምልካት ወይ ምሕንጻጽ ዶብ ተሰኒዱ ይርከብ (ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ፍቕዲ 4 ሰፊሩ ኣሎ)ብዘይካ'ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ፡ ልዑላዊ መሬትና ብኢትዮጵያ ትጎቢጡ ስለዘሎ፡ ብዝብሉ ዕባራ ምኽንያታት ንህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ጅሆ ሒዙ፡ ኣይስራሕ ኣይንግዲ፡ ኣይማሕረስ፡ ኣይትምህርቲ፡ ኣይመርዓ ኣይደርዓ፡ንቡር ናብራ ንፊግዎ፡ ተጸባዪ ገንዘብ ሓዋላ ካብ ስድራቤታት ድያስፖራ ኮይኑ ዓመታት ኣቚጺሩ። ድሕሪ ምፍራም ውዕል 2018 ዓም፡ ምሓንጻጽ ዶብ ብዝምልከት፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወያኔ ሓርነት ትግራይ እዮም ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለዉ ክብሉ ከለዉ፡ ብወገን ወያኔ ሓርነት ትግራይ ድማ፡ ምሕንጻጻ ዶብ ናይ ፈደራላዊ ማእከላይ መንግስቲ መዝነት ወይ ሓላፍነት እዩ፡ ናይ ክልልና መዝነት ኣይኮነ ክብሉ ንሰምዕ ኔርና።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ እቶም ብወገን ስርዓት ህግደፍ ይኹኑ፡ ወይ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወይ'ውን ብወያኔ ሓርነት ትግራይ ዝቐርቡ ዝነበሩ ምኽንያት ዕንቅፋታት ኩሎም ተኣልዮም ስለዝኾንኑ፡ ዶብ ከይሕንጸጽ ዝእግድ ጉዳይ ወይ ክቐርብ ዝኽእል ምኽኒት ዕንቅፋት የልቦን። ልዑላውነት ጎረባብቲ ሃገራት ብምሕንጻጽ ወይ ምምልካት ንጹርን ዘየማትን ዶባት እዩ ዝረጋገጽን፡ ዝውሓስን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ 30 ዓመት ዘወሰደ፡ ልሊ 65,000 ዜጋትት ዝተሰውእሉ፡ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኣካይዱ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣበሲሩ ከብቅዕ፣ ንጹር ዝተሓንጸጸ ዶብ ብዘይምንባሩ፡ ብዝተኸስተ ሓዲሽ ኲናት፡ ተወሳኺ 20,000 ዝግመቱ ሂወት ዜጋታት ክኸፍል ተቐሲቡ። ሕጂ ክኣ፡ "ውሓጥዮ ተብልኩዋስ ትጎስመሉ" ከም ዝብሃል፣ ኣብ ዘይምልከተና ውግእ ሕድ-ሕድ ኢትዮጵያ፡ ንሓድነትን ንምርግጋእን ኢትዮጲያ ተባሂሉ፡ ኣሽሓት ሂወቶ ዝኸፈሉ ዜጋታትና ይዋእ ኣዴታቶም ይቕጸርኦም እምበር ካብ ስርዓት ህግደፍ ምዓልቲ በሊዑ'ውን ኣስማትን ቁጽርን እንተተነግረ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ከይከውን። ድሕሪ 'ዚ ኩሉ ህልቂት ሂወት ዜጋታት፡ ሕጂኸ እዚ ከይድገም እንታይ ውሕስና ኣለና። ከም ኩሉ ግዜ ደድሕሪ ፍጻሜታት እንዳስዓብና፡ ከቢድ ዋጋ ሂወት ሰብ ምስከፈልናዶ፡ ዋይ ዋይ፡ ደኒና እህህ ምባል ይሓይሽ?

እረ ካብ ጌጋታትና ምዓስ ኢና ንምሃር? ዕድልና ምዓስ ኢና ባዕልና ንውንን ወይ ንጭብጥ? ክሳዕ ምዓስ ኢና ኣብ ግብረ-መልሲ ምሃብ ክንነብር? ምዓስዩ ናይ ገዛእ-ርእስና ኣጀንዳ ኣውጺእና ምስ ኲነታት ማዕረ-ማዕሪኡ ንጉዓዝ? ሓቂዩ፡ ጥርናፈን፡ ሓድነት ኣገባብን ብግብሪን ዕላማን እንተ ዝህሉ፡ መልሲ ኩሉ ሕቶትና ጥራይ ዞይኮነ፡ ምፍትሒ ወይ ፈውሲ ናይ ሃገርና ምልካዊ ምሕደራ ሽግር'ውን ምተረኽበ ነይሩ።

ስለዝኾነ፡ እዋናዊ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረት ኮሚሽን ዶብ ዘሕለፎ ብይን 13 ሚያዝያ 2002፡ ዶብ ይተሓንጸጽ ወይ ብወግዒ ኣብ መሬት ይመልከት ክኽወን ኣለዎ። ስለዚ ኩሉ ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ዝኾነ፡ ኣብ ውሽጥን ወጽእን (ድያስፖራ) ዝነብር ኤርትራ ዜጋ፡ ተቓዋሚ ይኹን ደጋፊ ስርዓት ህግድፍ፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ምእንቲ ዘላቒን ነባርን ሰላም እቲ ዞባ፣ ምእንቲ ዳግም ኣብ ሕቶ ዘይቀርብ ልዑላውነት ኤርትራ፡ ምእንቲ ንመጻኢ ወሎዶታት ምስግጋር ጽፉፍ ሃገራዊ ውርሻ፣ ብሓደ ድምጺ ብዘይ ውዓል-ሕደር ጨርሖና "ዶብና ይትሓንጸጽ" ክኸውን ይግባእ።

ዝኽሪ ንስውኣት ኤርትራ፡
ሰላም ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡
ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም።

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ብ`PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


ERISAT: ቃለ መሕተት ምስ ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኣብ እዋናዊ ምዕባለታት ሃገርናን ዞባናን



See also more articles by Mr. Gebreyesus Woldemichael
ካልኦት ብ'እቶ ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: