Placeholder Picture
Placeholder Picture
ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023

02/01/2023 15:27 PM

ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡
ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023

Assessments, New year wishes and Analyses, on the occasion of New year 2023

التقييمات ورغبات العام الجديد والتحليلات بمناسبة العام الجديد 2023

New Year Reflections 2023

New Year 2023 Message by www.snitna.com
መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2023 ካብ ስኒትና።


ዝኸበርካ ደላይ ሰላምን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ!
ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና!
ርሑስ ቅንያት በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመት 2023`ን ይግበረልና!
እንቋዕ ከኣ ናብዛ ሓዳስ ዓመት 2023 ኣሰጋገረና!

ዓመተ-2022፡ መኸተምታ ናይ ኩሉ ሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ክትከውን፡ ባና ሰላምን ፍትሒን ኣብ ሃገርና ቀደድ ክብልን፡ ልዑል ተስፋ ኣንቢርና ኔርና። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት ኲናት ሓድሕድ፡ ሃገርና ኤርትራ ኢዳ ብምእታዋ፡ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ኣዝያ ተተንኪፋን ተጨኒቓን ኢያ ኣሕሊፋቶ። መጠን ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ብሰንኩ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዝግመትኳ እንተኾነ፡ ብኣሃዝ ንምግላጹ ግን፡ በቲ ስርዓት ዝተዋህበ ወግዓዊ ጸብጻብ ወይ ሓበሬታ የለን። ኪኖ'ቲ ኣብ ልዕሌና ከም ኤርትራውያን ዝወረደና ክሳራ፡ እቲ ምስ ጎረቤትና ህዝቢ ኢትዮጵያ (ትግራይ) ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ቂምን ጽልኢን መንፈስ፡ ንውሉድ ወለዶና ከይቅጽል፡ ሓደ ዓቢ ስግኣት ምህላዉ፡ ርዱእ ኢዩ።

ኣብዚ ናይ 2022 ዓመት፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን፡ ምድፋር ኣብያተ እምነታትናን ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ህዝብናን፡ ኣብ ሃገርና ተፈጺሙ ኢዩ። እዚ ተርእዮ'ዚ፡ መቐጸልታ ናይቲ በብእዋኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ እምነታትና ብምትግባር ከለማምደና ዝጸንሐ ግፍዕታት ኢዩ። ሓደ ሸነኽ ናይ እምነታትና ክጥቃዕ ከሎ፡ ሰሚርና ዓገብ ስለዘይበልና፡ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ግህሰታቱ ብኣልማማ ንክትግብሮ ዕድል ሂብናዮ ኢና። ንሓደ ሕብረተሰብ፡ መራሕቲ እምነቱ፡ መማህራኑ፡ ሰብ ልቦና ዝኾኑ ዜጋታቱ፡ እንተድኣ ኣልሚስካሉን ኣጥፊእካሉን፡ ብግብሪ፡ ኣዒንቱ ኣንቊርካዮ ማለት'ዩ። በዚ ሜላ'ዚ፡ ኣእምሮ መላእ ሕብረተሰብ ደፊንካ፡ ህዝብና ከምዝጃጅው ምግባር ኢዩ። ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት እምበኣር፡ ብግብሪ ነዚ ኢዩ ዘመልክተልና። እዚ ኣዕናዊ ስጉምቲ'ዚ ብኣጋ መግትኢ እንተዘይተገይሩሉ፡ ሕብረተሰብና ናብ ንቡር ንምምላሱ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ግድል ክኸውን ኢዩ።

ኣብ 2022 ዓመት ካልእ ዝተራእየ ፍሉይ ኩነት፡ እብያን ተቓውሞን ናይ መንእሰያትናን ዜጋታትናን፡ ኣንጻር'ቲ ብዘይ ድላይን ፍቓድን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ (ትግራይ) ዝተኻየደ ኲናት ኢዩ። መርኣያ ተቓውሞኦም፡ ካብቲ ግዱድ ዕስክርና ብምሕንጋድ፡ ኣብ ፈቐዶ ጫካታት ክሕብኡ ምምራጾም ኢዩ። "ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ" ከምዝበሃል ግን፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ከውታ ለይቲ ገዛ-ገዛ ማዕጾ እናኳሕኩሐ፡ ደቅኹም ወይ ሰብኡትክን ኣበይ ኣለዉ? ኣምጽኡዎም! እናበለ፡ ንጥኑሳትን ሓራሳትን ኣዴታት፡ ንስንኩላንን ኣረጋውያንን ወለዲ፡ ከይነሓፈ፡ ኣብ ናይ ክራማትን ቁሪን ወቕቲ፡ ካብታ ዝውንኑዋ ቤቶም ብግዲ ኣውጺኡ፡ መዓጹኦም ብመፍትሕ ብምሽጓር፡ ኣብ በረኻ ደርብዩዎም። እዚ ከይኣክል፡ ንጥሪቶም ዘሚቱ፡ ንዘራእቶም ራስዩ፡ ዘርሞ ዘርሞ ከምዝተርፉ ገይሩዎም። ንብዙሓት ወለዲ ኸኣ ኣሲሩ። ብኸምዚ ኸኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ንብዙሓት ስድራቤታት ኣበሳቢሱን ኣሳቕዩን። እቲ ዘሕዝን፡ እተን ናብዚ ስቅያት'ዚ ዝወደቓ ስድራቤታት፡ ደቀን ምእንቲ ሃገር ንመስዋእቲ ዝኸፈላ፡ ድሮ 2-3 ደቀን ኣብ ሰራዊት ዝርከቡወን፡ ወለዲ ናይቶም ዝድለዩ ዘለዉ መናእሰያት ንባዕሎም ኣብቲ ደረት-ኣልቦ ኣገልግሎት ንልዕሊ 25 ዓመታት ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ምዃኖም ኢዩ። ብዙሓት ካብዞም ግዳያት ዝኾኑ ስድራቤታት፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ውግኣት ሃለዋት ደቆምን ሰብኡተንን ዘይተፈልጠ፡ መርድእ ዝጽበያ ዘለዋ፡ ገለ ካብቶም ዝህደኑ ዘለዉ መንእሰያት ድማ፡ ደቂ ስዉኣት ኢዮም።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ብኹሉ መለክዒታት፡- ብጸጥታን ሰላምን፡ ብቁጠባዊን ማሕበራዊ ምዕባለን፡ ብናይ እምነትን ምዝራብን ሓርነት፡ ኮታ ብኹሉ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሃገርና ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ ዘውረደ፡ ንህዝባ ዝበተነን ዘጽንት ዘሎን ኢዩ። እዚ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ከይተሓጽረ፡ ንጎረባብትና እውን ይርብሽ ከምዘሎ፡ ኩልና እንግንዘቦን፡ ዓለም እውን ዝመስከረሉን ሓቂ ኢዩ።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2023 እምበኣር፡ መኸተምታ ናይ ኩሉ ሕሰም ህዝብና ንኽትከውን፡ ናይ ኩልና ዜጋታት፡ ዘይሕለል ጻዕሪ ከነካይድ ይግባእ። እዚ ዕማም'ዚ ንክዕወት፡ ሓድነት ናይ ዕላማ ሃልዩና፡ ሓቢርና ንፍትሒ ምስ እንቃለስ ኢዩ። ካብ ጸበብቲን ዘይመሰረታዊያንን ፈላለይቲ ኣጀንዳታት ወጺእና፡ ናብቲ ቀንዲ ሃገራዊ ዓላማታት ብምትኳር፡ ምምስራት ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ እትሓቁፍን እተሳትፍን፡ ቅዋማዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ፡ ከነዐውት ምስ እንሰማማዕ ኢዩ። ነዚ ዘፈጽምን ዘተግብርን ብቕዓት ዘለዎ ዕቑር ዓቕሚ ኤርትራውያን ምህላዉ ሓደ ካብቲ ዓቢ ዘሎና ጸጋ ኢዩ። እንታይ ድኣ፡ ነዚ ዓቕሚ'ዚ ብናጽነት ከስርሖ ዘኽእል ባይታ (መድረኽ/ባይቶ/ጽላል) ዘይምምዕባልና ኢዩ እቲ ጸገም። ነዚ ሃጓፍ'ዚ ዝምልእ ባይታ ኣጣጢሕና፡ ብኡ ተማእኪልና ክንከይድ ምስ እንሰማማዕ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ከነመዝግቦ እንብህጎ ዓወታት (ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወዘተ)፡ ክቀላጠፍ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ኣብዚ መዳይ'ዚ ኣተኲሮም ክኸዱ ዝጸንሑን ዘለዉን ተበግሶታት ምህላዎም ርዱእ ኢዩ። ከም ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ ንምዕዋቱ፡ ኩሉ ዓቕምታትና ብምውፋይ ከነተባብዖ ይግባእ።

እዚ ዓንዳሪ ምልካዊ ስርዓት ምስ ጎረባብትና ተኺሉልና ዘሎ ሰፍ ዘይብል ናይ ጽልኢ መንፈስ፡ ብናይ ህዝብታት ሰላም ንምፍዋሱ፡ ንዝተጀመረ ጻዕርታት፡ ኩልና ከነተባብዖን የድሊ። ንምዕዋቱ ድማ ዕቱብ ሓባራዊ ስራሕ ስለዝሓትት፡ ኩሎም እወንታዊ ጽልዋ ክገብሩ ዝኽእሉ ዜጋታት፡- መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሓለፍቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ዓበይቲ ዓዲን ምሁራትን፡ ክጉስጉሱሉ፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ስነጥበባዊያን ፍርያቶም ናብ ሰላም ዘተኮረ ክኸውን፡ ኩለን መራኸቢ ብዙሓን ከኣ ብእወንታዊ መንፈስ ከቃልሓኦ ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ብሰላም እትግደስ ደላዪት ዕርቂ፡ እታ ቦቘቧቕ ጓላንስተይቲ ስለዝኾነት፡ ንፍረ-ማህጸና ካብ ሞትን ህልቂትን ንምድሓን፡ መሪሕ ተራኣ ክትጻወት፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ስኒትና.ኮም ትምሕጸን።

ውግእን ወረ ውግእን ዝበሃል፡ ካብ ሃገራትና የርሕቆ።
ኣምላኽ ከኣ ንምርረትና፡ ይኣከል ይበሎ፡ ምሕረቱ ኸኣ የውርደልና።

ብምቕጻል፡
ህዝብና ነዛ ዝተፋነናያ ዓመተ 2022 ብኸመይ ኣሕሊፉዋ? ብኸመይ'ከ የስተንትና? ኣብዛ እንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት 2023'ከ እንታይ ተስፋታት ሒዝናላ ኣሎና? ንለውጢ ዝኸውን መቐይሮ መደባት እንታይ ኣሎ? ኣብ ዝብል ዘተኮረ፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት ዝመረጽናዮም መግለጺታትን ኣጋጣሚታትን፡ ኣብ ታሕቲ ነቕርበልኩም። ሓጋዚ ክኸውን ድማ ተስፋ ንገብር። ብቐጻሊ ትሕዝቶ እናወሰኽናሉ ስለእንኸይድ፡ ተማላሊስኩም ነዚ ገጽ`ዚ ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስዝህሉ፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ፡ ሓበሬታ ክትሰዱልናን ክትተሓባበሩናን ብትሕትና ንሓትት።

ስኒትና.ኮም
www.snitna.com
(02 January 2023)


ATV ኣሰና: ዘገም ኣብ ዘይብሃሎ ግዜ፡ ዘገም ኣይንበል!
መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ ብኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ
New year 2023 message by Mr Abeba Tesfagiorgis Baatai


ERISAT: ቃለ መሕተት ምስ ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኣብ እዋናዊ ምዕባለታት ሃገርናን ዞባናን


ERISAT: ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ቃለ መሕተት
ምስ መራሕቲ ዓለም ለኸ ይኣክል፡ ኣቦ መንበር ሰገድ ሓጎስን፡ ም/ኣቦ መንበር ገዛኢ ሓጎሰን።


Global Yiakl: ምምስራት ጥሙር ሃገራዊ ሓይሊ ብናይ ሓባር ስራሕ።
Creating a United National Force through our United work.
Discussion with Veteran Ahmed Al Kaissi and Veteran Ogbazghi Debus.


Fanus Network: ሰላም ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ብኸመይ ይመጽእ?
How is peace achieved between peoples?
Discussion with Ms Asmahan Nouman, Mr Samson Solomon and Mr Wedeb Tedros


ERISAT: The Power Of One:
Part-1: መሰለይ ምባል ዝልዓለ ርድኢት ሓርነት እዩ!
Discussion with Dr. Saba Tesfayohannes and Dr Mussie Tesfagiorgis


See all parts at links below: ኩሎም ክፋላት ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቑ:-
Part-1: መሰለይ ምባል ዝልዓለ ርድኢት ሓርነት እዩ | Dr. Saba Tesfayohannes & Dr Mussie Tesfagiorgis
Part-2: ንመሰልካ ናይ ምጥባቕ ታሪኽን ባህልን ስለ ዘይብልና ዲና ናብ'ዚ ደረጃ ወሪድና? | Dr. Saba Tesfayohannes & Dr Mussie Tesfagiorgis
Part-3: ሞይትካ ከለኻ ከመይ ጌርካ ንሞት ትፈርሆ? | Dr. Saba Tesfayohannes & Dr Mussie Tesfagiorgis
Part-4: ክብርታት ሕብረተሰብ ካብ ጥንቲ ዝጸነሐ'ዩ ክቅጽል ስለ ዘይተደለየ እዚ ውድቀት ዘጋጥመና ዘሎ | Dr. Saba Tesfayohannes & Dr Mussie Tesfagiorgis


Setit: ቃልሲ ትማልን ሎምን
ዝርርብ ምስ ለተናል ኮሎነል ኻልድ ኣበራ።


Dehay Eritrea ደሃይ ኤርትራ፡
ኵናት ህወሓትን ብልጽግናን ብውድድር ስልጣን ድዩ ተባሪዑስ ወይስ ካልእ ነይሩዎ'ዩ?
ዝርርብ ምስ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃንን ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአን።

ኵናት ህወሓትን ብልጽግናን ናይ ስልጣን ውድድር ድዩ ነይሩ ወይስ ካልእ ነይሩዎ?
እቲ ንኵናት ዝደፍአ ነገር ሕጂ’ኸ ተፈቲሑ ድዩ? ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል እዩ? ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ “ኦሮሞን ኣምሓራን፡ ኣምሓራን ትግራይን፡ ኣብ መንጎ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን” እንታይ ዓይነት ዝምድና ክምዕብል እዩ? ናብዚ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ክንድዚ ዝኣክል ከቢድ ዋጋ ምኽፋል የድሊ ነይሩ ድዩ? ብህይወት እቶም መንእሰያትከ መን እዩ ተሓታቲ? ዓመተ 2023 እዞም ኣብ ኵናት ዝጸንሑ ሓይልታት ውሽጣዊ ኩነታቶም ዝፍትሹላን ሳዕቤናቱ ዝስከሙላን ዓመት ክትከውን ትኽእል እያ። ዝርርብ ምስ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃንን ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአን ኣብ ብደሆን ዕድላትን ዓመተ 2023! ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት ( ዓካ ዓካ) ሰንበት 15 ጥሪ 2023።


Dehay Eritrea ደሃይ ኤርትራ፡
ልዑላውነት ህዝባ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ልዑላዊ መሬታ እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ! ዶር ሳልሕ ጅምዕ።

Dehay Eritrea ነባሪ ኣውስትራልያ ናይ ኣከባብያዊ (ኢንቫይሮሜንታል) ሊቅ፡ ዶክተር ሳልሕ ጂሚ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ክግምግም እንከሎ፡ “ኤርትራ ልዑላውነት ህዝባ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ልዑላዊ መሬታ እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ” ብምባል ነቲ ኤርትራን ህዝባን ዘለውዎ ኩነታት ብዕምቆት ይገልጽ። ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ንምርግጋጽ ን30 ዓመታት ዘሕለፎ መሪር ተጋድሎ ብምዝካር፡ “መሬትካ ብባዕዳዊ እንተተወሪሩን እንተተደፊሩን ኣብ ገዛእ መሬትካ ጓና ብምዃን ትዋረድ። ብኸቢድ መስዋእትን ዋጋን ገዛእትን ዓመጽትን ጸሪግካ ከተብቅዕ፡ ናተይ ብእትብሎ ስርዓትን መንግስትን “ልዑላዊ ሓርነት” እንተተጋሂስካ ከኣ ካልእ ውርደት እዩ። ንኤርትውያን ከኣ እዚ ጭንቅን መከራን እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። ግን ከኣ መላኺ ኤርትራ ከም ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ነበረያ ነበረ ክኸውን እዩ። ክብል ምስ ደሃይ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ብዕምቆት ይትንትን።
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት ( ዓካ ዓካ) 27 ታሕሳስ 2022።

ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ህዝባዊ ሰሚናር ብ ዳን ኮነል See also related: Public Seminar by Dan Connel:
መጻኢ ዕድል ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብመንጽር እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ግጭታት ብኸመይ ክረአ ይኽእል? ፕሮፈሶር/ ዳን ኮነል:


ጽቡቅ ታሪኽ እናተዘከረ ይነብር፣
ሕማቕ ታሪኽ ግን ምሳኻ ይቕበር!!

ህያው ታሪኽ ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ኣቶ ንጉሰ ሃይለ (መንስዓይ) ብኡቡንቱ ሃውስ ኣብ ፍራንክፈርት፡ ቀዳም ዕለት 14.01.2023 ሰዓት 14፥00 እተኻየደ ፍሉይ መደብ። A special event, celebrating The living lifelong-achievements of Eritrean Veteran, Artist and writer, Mr Negusse Haile Mensaay, at Saalbau Griesheim, Schwarzerlen Weg 57, 65933 Frankfurt, on Saturday, 14 January 2023.


See also more ከምኡ ውን ብተወሳኺ:-
See Also more previous discussions with Veteran Artist and writer, Mr Negusse Haile Mensaay. ከምኡ ውን ብተወሳኺ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዕላል ምስ ስነጥበባዊ፡ ደራሲን ጸሓፊን፡ ሓርበኛ ንጉሰ ሃይለ መንሳዓይ፡ ኣብዚ ተወከሱ፡-
ታሪኽ ሙዚቃ ከተማ ከረን History of Keren Music - Neguse Haile Mensaay (at Dilalet Hallena 20-Apr-2019) P1/2
ታሪኽ ሙዚቃ ከተማ ከረን History of Keren Music - Neguse Haile Mensaay (at Dilalet Hallena 20-Apr-2019) P2/2


الفضليات والأفاضل تشرفونا بحضور ندوة ستوكهولم على رابط الزوم، الآن.
Eritreanska Forum - Zoom meeting:
Topic: ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ'ቲ ጽላለት ዞባውን ኣህጉራውን ለውጥታት።
إريتريا في ظل التحولات الإقليمية والدولية


1ይ ክፋል፡    2ይ ክፋል፡    3ይ ክፋል፡    4ይ ክፋል፡   


ሒቕታ
ናይ መድረኽ ድራማ ብማሕበር ትያትር ሰገነት።


ምምስራት ጥሙር ሃገራዊ ሓይሊ ብናይ ሓባር ስራሕ
ቃለ ምሕተት ምስ ዶር ሳራ ዑቅባይ


Why Consultative meeting to synergies Eritrean movements for democracy now?
Guest: Ahmed Mohammed.


ዓመተ ራህዋ ይግበረልና።
ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
New year 2023 message by Dr. Tesfa G. Gebremedhin.

New year 2023 message by Dr. Tesfa G. Gebremedhin.

ሃለዋትና ኣብ ስደት ንግበረሉ ኣቓልቦ፡
ዳሓን ኣይመስልን ኣትሪሩ ንዝተዓዘቦ፡
ገሊኡ ኣብ ጭንቀት ይነብር ዓቕሉ ዝጸበቦ፡
ገሊኡ ናብ ሃገሩ ንኸይምለስ ደርብይላ ኩቦ፡
ገሊኡ በሊዑ ይሓድር ስጋ ጥብሲ ምስ ኣጅቦ፡
ገሊኡ ጠውሊጉ ይማስን ብሕሰም ጥሜት ዓጸቦ፡
ገሊኡ ክዕንድር ክዓብድ ይነብር ኣምላኽ ክሳዕ ዝእክቦ፡
ገሊኡ ብወልፊ ዕጸፋርስን ካልእን ይሳቕ ሓላይ ስኢኑ ዘላዝቦ፡
ገሊኡ ኣብ ሓሳር ይነብር ይግለል ሰብ ከይለግቦ፡
ገሊኡ ኣሳፊሑ ይነብር ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘይረኸቦ፡
ገሊኡ ኣብ ሃብቲ ድለባ የድህብ ስሰዔ ረብሓ ዝጎልበቦ፡
ገሊኡ ምስ ደቁ ተጸጊዑ ይነብር ዕድመ ዘርከቦ፡
ገሊኡ ምስ ባህሉ ዘዋስቦ ስኢኑ ምፍልላይና ዘስዓቦ፡
ገሊኡ ዝጠፍኡ ደቁ ከናዲ ክንደይ ጸሓይ ዘይዓረቦ፡
ገሊኡ ኣብ ቤት ጸሎት ይናኸስ ንመን ይጎድእ ኸይዓጀቦ፡
ገሊኡ ኣብ ምፍልላይ ይነጥፍ ሰናይ ስነ-ምግባር ዘየሕስቦ፡
Read more


TV Meley ቲቪ መለይ፡ "ትጽቢትን መሰረታዊ ለውጢን፡ ኣብ 2023 ሓዱሽ ዓመት ዝተፈለየ ለውጢ ንርኢ‘ዶ?" ኣብ ዝብል ዘተኮረ
ዕላል ምስ ዶ/ር ገብረ ገብረማርያም።


1ይ ክፋል፡    2ይ ክፋል፡   


ህዝቢ ኤርትራ፡ መንድዓት ኣብ ሕቖኻ ተሰኪምካ፡ ክሳድካ ኣቕኒዕካ ክትከይድ ኣይከኣልን ኢዩ!
ፈነወ ንጋባእ (Ngabae Broadcasting) 07 Jan. 2023:


ERISAT: The Power Of One | ፖሊሲ ውጻኢ ጉዳያት ኤርትራን ኣሰራርሓ ኤንባሲታትን።
ቃለምልልስ መንእሰይ ዘርኣስላሴ ሽከር።


ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡
ብዛዕባ፡- ኣድላይነት ምምስስራት ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023።

تكوين قوة وطنية متماسكة من خلال العمل المشترك

See also: TV Sened (ቲቪ ድምጺ-ህዝቢ)፡
ዓምዲ ታሪኽ፡- ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይን መራሒን፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ። Interview with veteran leader, Mr Mohammed Berhan Belata. ምስ ቲቪ ሰነድ ኤርትራ (TV Sened Eritra)


ባህግና bahgna 104፡ ቃለ መሕተት ምስ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡
ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት 2023ን (1ይ-ክፋል)፡


1ይ ክፋል፡    2ይ ክፋል፡    3ይ ክፋል፡    4ይ ክፋል፡   


ቲቪ መለይ TV Meley 02 ጥሪ 2023: ሩሑስ ሓዱሽ ዓመት!
ሰፊሕ ቃለመሕትት ምስ ኩቡር ኣቦ መንበር፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡
ብጻይ ተስፋይ ኣለም።


Mereb-TV: ዶር መሓመድ በርሃን ኢድሪስ፡ ኣቦ ወንበር 'ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ'
መልእኽቲ ብ ምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2023


Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 13 January 2023:
አስእለት መፍቱሐ
መቃበለት ምስል እዕላሚ ወሙሐልል ስያሲ ኡስታዝ ዓሊ ሂንዲ
Open Mic with Ustaz Ali Hindi
(1ይ-ክፋል፡)


መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣ/መ ግሎባል ይኣክል ኣቶ ሰገድ ሓጎስ:
ቃለ ምሕተት ምስ ሓላፊ ጎስጓስን ውደባን ግሎባል ይኣክል፡ ዶር ቶማስ ኣርኣያ።


LET OUR PAST BREAKDOWNS DRIVE OUT FUTURE BREAKTHROUGHS!
A Call for New Year Resolution, by Teamirat N Seyoum.

New Year Reflections 2023 by Teamirat N Seyoum.

The end of the year is traditionally a time for reflecting on lessons learned from the past 12 months and looking to the future with optimism. New Year’s resolutions offer us a chance to identify specific ways we can improve our lives and make concrete changes for the better. Viewed from the context of our struggle, this is to reflect back with the aim of identifying achievements and areas for improvement or even radical change. Read more


ATV: ቀጥታዊ ሓባራዊ ዘተ ኣብ ሳትላይት ቲቪ ኣሰና - ገምጋም 2022 ዓ/ም ብመንጽር ትጽቢት ሓዳስ ዓመት 2023


መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2023 - ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ | New Year’s Message 2023 - Amb. Andebrhan Welde Giorgis


ካብ 2022 ናብ 2023 ክንሰግር እንከለና፡
ርእሰ ዓንቀጽ EPDP:

EPDP New Year 2023 Message.

እነሆ “2022 ዓሚ፡ 2023 ድማ ሎምዘበን” ኣብ ዝበሃላሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “መጻእኩ” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት’ውን ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ከኣ “እዛ ዓመት እዚኣስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ኢና ንብል ። ከብቲ ልሙድ መስርሕ ዘይወጸት ክነሳ፡ “ንሓንሳ ቀልጢፋትና ንሓንሳብ ድማ ደንጉያትና” ምባልና ልሙድ እዩ። ኣብታ ዓመት ሰብ ብዘምጽኦ ሕሰምን መከራን ብምምራር “እንኳዕ እዚኣስ ሓለፈትልና”፡ ብዝብል ምስጋናና እንገልጸሉ’ውን ኣሎ። በዚ ኮነ በቲ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2023ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” Read more


ERISAT: ዝርርብ ምስ ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ
ኣብ ሓድሽ ዓመት ብዛዕባ ኣብ 2022 ዝነበሩ ፍጻመታትን፡ ጽልውኦም ኣብ 2023ን


መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2023፡ ብኣያና ዑቕባይ ዘርኣብሩኽ።
New Year 2023' message by, Mr. Ogbai Zerabruck.


See also: TV Sened (ቲቪ ድምጺ-ህዝቢ)፡
ቃለመሕትት ምስ ተጋዳላይ-ነበር፡ ኣቶ ዑቕባይ ተስፋማርያም።
Former Freedom fighter Mr. Oqbai Tesfamariam, shares his experience. [2 Sept 2015]
Part-1:   Part-2:   Part-3:


ATV: ኤርትራውያን ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ተማሂርና ዶ? -
ዘተ ምስ ዶር ገብረ ገ/ማርያም - ብ ኤደን ኢያሱ


Part-1:    Part-2:




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: