Placeholder Picture
Placeholder Picture
ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ

11/12/2022 22:40 PM

ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፡
ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ

ኤርትራዊ ምውህሃድ ንሰብኣዊ መሰላት።
10 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም.

تصريح صحفي بمناسبة اليوم العالمي لحقوق الإنسان

Press statement by Eritrean Coordination for Human Rights – ECHR, on International Human Rights Day, 10th December 2022.

Read in PDF: ትግርኛ    عربي

ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ Press statement by Eritrean Coordination for Human Rights – ECHR, on International Human Rights Day.

ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ።

10 ታሕሳስ "መዓልቲ ሰብኣዊመሰላት" ተባሂላ ኣብመላእ ዓለም ትበዓል። እዚኣ መዓልቲ ብዓለም ደረጃ እትበዓለሉ ምኽንያት: ንኽብሪ እቲ ብዕለት 10 ታሕሳስ 1948 ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽደቐላ ዕለት ንምዝካር ኢዩ። ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት: ሎሚ ዓመት ኣብ ትሕቲ "ኩላትና ሰብ ኢና: ኩላትና ማዕረ ኢና (Dignity, Freedom, and Justice for All) " ዝብል ጭረሖ የብዕላ ኣሎ። እዚኣ ዕለት እዚኣ ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለም ዝድህስሳላ: ከምኡ እውን እቲ ዝኣተውኦ መብጽዓ ዘሕድሳላን ዝግምግማላን ዕለት ኢያ። ሰብኣዊ መሰላት ክበሃል እንከሎ: ፖለቲካዊ መሰላት: ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት: ነጻነት ናይ እምነት/ሃይማኖት: ከምኡ እውን ንነጻነት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ የጠቓልል።

እዚኣ ዕለት ኣብ እነኽብረላ ዘለና እዋን: ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱን ክብረቱን ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተጋሂሱ፡ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ። ናይ ህይወት ምስትምቓር መሰሉ ተኸሊኡ: ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰሉ ተመንዚዑ: ሃይማኖታዊ ስርዓታቱ ናይ ምፍጻም መሰሉ ተነፊጉ: ቅዱሳት ቦታታቱ ተጋሂሶም: ክብሩ ተጋሂሱ: ትካላት ኣብያተ ትምህርቱ ተዓጽየን: ናይ ፖለቲካ ነጠፍቲ: ምሁራቱ: መሻይኹ: ካህናቱ: ከምኡ እውን ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ዝተኣሰሩሉ ወይ ዝተጨውዩሉ: ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታቱ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድን ኣገባብን ናይ ማእሰርቲ: መጭወይቲ: ኣካላውን ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ: ከምኡ እውን ናይ ቅንጸላ ወይ ቅትለት ኣብ ዝወርዶ ዘሎ እዋን ኢዩ።

ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን፡ እቲ እንኮ ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ ንዝተቓውምዎ ናይ ምቕንጻልን ምጭዋይን ፖሊሲ ከተግብር ጸኒሑ ኣሎ። ካብ ግዜ ሰውራ ኣትሒዙ ዝኽተሎ ዝነበረ ንዝተቓወሙዎ ወይ ፍልይ ዝበሉ ሓሳባት ንዘቕርቡ ናይ ምጭዋይ: ምእሳር: ምቕንጻል ፖሊሲ፡ ብዝሓየለ መልክዕ ቀጺሉዎ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቅዋም: ባይቶ: ከምኡ እውን ነጻ ስርዓተ ፍርዲ ዘይብለን ውሑዳት ሃገራት ዓለምና ኮይና ትርከብ። እዚ ዲክታቶሪያዊ ኣካይዳ: ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምኡ እውን ናይ ደሕንነት መሓውራቱ ናብ ዝመሓደር ወልቀ ምልኪ ኣምሪሑ። ውጽኢት ናይዚ ኣካይዳ ድማ ንካብ ዓሰርተ ሽሕ ዘይውሕዱ ዜጋታት ናይ ማእሰርቲ: መጭወይትን ምስዋርን ሳዕቤናት ኣኸቲሉ። ብዘይ ፍትሓዊ ፍርዲ ዝተኣሰሩን ዝተጨውዩን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ገለ ካብኣቶም ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝረብ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግዳይ ናይ መጭወይትን ማእሰርትን ካብ ዝኾኑ: እቶም ብዕለት 15 ጥቅምቲ 2022 ተጨውዮም ዝተወስዱ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ምዃኖም ዝፍለጥ ኢዩ።

እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንኩሉ ዜጋ ናብ ውትህድርና ንምእታው ዝብል ፖሊሲኡ ንኽዕወት: ነታ ሃገር ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምቕያር "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ብዝብል ጉልባብ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና ብምእዋጅ: ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መሰሎም ኣብ ምግሃስ ይርከብ። ኣብ ውሽጢ መዓስከር ታዕሊም ኮነ ካብቲ መዓስከር ወጻኢ ብነጻ ክሰርሑ: በቲ ስርዓት ብዝውነና ከም ናይ ሕርሻ: ማዕድንን ካልኦት ትካላትን ብዘይ ገለ ክፍሊት ጉልበቶም ከፍስሱ ይግደዱ። ገለ እውን ዕረፍቲ ተዋሂቡኩም ኣብ መዓልትኹም ኣይተመለስኩምን: ክትኩብልሉ ፈቲንኩም... ወዘተ ብዝብሉ ምኽንያታት: ኣብ ሕጊ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርዲ እንዳ ኣቕረቡ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈርዶም ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምዚ ዓይነት መቅጻዕቲ ኣብ 1998 - 2000 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ተራእዩ ኢዩ። ብጀካ እዚ: ስርዓት ኤርትራ፡ ብዶባት ኤርትራ ጥሒሶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሰግሩ ንዝፍትኑ ናይ "ተኲስካ ምቕታል" ፖሊሲ ክጥቀም ይረኤ።

እዚ ነዞም ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግፍዕን ውትህድርናን ከምልጡ ዝፍትኑ ንምርዓድ ዝዓለመ ኢዩ። ብተወሳኺ ምስ ምጅማር ሕድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ: እዚ ስርዓት ዜጋታት ብብዝሒ ኣብ ውትህድርና ከዕጥቕ ክረአ ጸኒሑ። ብፍላይ ድማ ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት: ደቆም ዕረፍቲ ድሕሪ ምውሳድ ናብ ኣሃዱኦም ዘይተመልሱ ወይ ኮብሊሎም ናይ ዝብልዎም ወለዶም ኣብ ምእሳር: ገዛውቶም ኣብ ምዕሻግ ይርከቡ። ገለ ወለዲ ካብ ገዛእ ገዝኦም ተሰጊጎም ኣብ ግዳም ተደርብዮም ይርከቡ። እዚ ኣብ ልዕሊ ወለዲ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ንደቆም ኣገዲድካ ንምምላስ ኢዩ። ደቆም ቅድሚ ናብ ኣሃድኦም ምምላሶም፡ ማእሰርትን ከቢድ መቅጻዕትን ይጽበዮም። እዚ ነዞም መንእሰያት ገፊፍካ ኣብ ሕድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ንምእታው ኢዩ። እዚ ናይ "ማፍያ" ዝመስል ኣካይዳ፡ እቲ እትደልዮ ክሳብ ትረክብ ንወለዶም ጅሆ ምሓዝ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓ ክኸውን ኣይክእልን።

ካብ 2003 ጀሚሩ: እዚ ስርዓት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣካዳምያዊ ናብ ወተሃደራዊ ብምቕያር፡ ተማሃሮ ናይ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብቲ ዕሉል መዓስከር ሳዋ ክፍጽሙ ይግደዱ። ኣብ መጨረሻ ዓመት ብሰንኪ ዋሕዲ ትካላት/ኮለጃት: ካብ 3 ክሳብ 4 ሽሕ ወይ ካብኡ ዝውሕዱ ተማሃሮ: ኣብተን ዘለዋ ኮለጃት ትምህርቶም ክቕጽሉ ከለው፡ 10 - 15 ሽሕ ወይ'ውን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና ይጽንበሩ። እታ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 2006 ዓመተ ትምህርቲ ከም ዝተዓጽወት ይዝከር።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኤርትራዊ ምውህሃድ ንሰብኣዊ መሰላት: መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ደው ክብል ንጽውዕ። ኩለን ዝምልከተን ትካላትን ሃገራትን፡ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምሕያሽ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኤርትራ ጸቕጢ ክገብራ ንጽውዕ። ሃለዋት ናይቶም ግዳያት መጭወይትን ማእሰርትን ክፍለጥን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክፍትሑን ንሓትት። እቶም ገሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት: ኣብ ኣህጉራዊ ወይ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ናይ ገበኖም ተሓተቲ ክኾኑን ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎምን፡ ንሓትት።

ኤርትራዊ ምውህሃድ ንሰብኣዊ መሰላት።
10 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም.

Eritrean Coordination for Human Rights – ECHR is human rights organisation with charity status registered in England.
Registration No. 13789979
advocacy@erichr.org
eritreachr@gmail.com
إبريل 14 اإلرتري المعتقل يوم Eritrean Prisoner Day 14 april


ليوم العالمي لحقوق الإنسان መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት يُحتفل في العاشر من ديسمبر من كل عام باليوم العالمي لحقوق الإنسان 10 ታሕሳስ "መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት" ተባሂላ ኣብ መላእ ዓለም ትበዓል።
LIVESTREAMED ON FACEBOOK:


Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 16 December 2022
እብ መነስቅየት ሕቁቅ አልእንሳን ኤረትርየ ለፈግረ ሸርሕ፡




See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

መደብና | ጉዳይ ዛዕባታት ኤርትራ | 75 | ኣርእስቲ | መዓስከር ሳዋ

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: