11/12/2022 22:40 PM
ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፡
ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ
ኤርትራዊ ምውህሃድ ንሰብኣዊ መሰላት።
10 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም.
تصريح صحفي بمناسبة اليوم العالمي لحقوق الإنسان
Press statement by Eritrean Coordination for Human Rights – ECHR, on International Human Rights Day, 10th December 2022.
Read in PDF: ትግርኛ عربي
ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ።
10 ታሕሳስ "መዓልቲ ሰብኣዊመሰላት" ተባሂላ ኣብመላእ ዓለም ትበዓል። እዚኣ መዓልቲ ብዓለም ደረጃ እትበዓለሉ ምኽንያት: ንኽብሪ እቲ ብዕለት 10 ታሕሳስ 1948 ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽደቐላ ዕለት ንምዝካር ኢዩ። ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት: ሎሚ ዓመት ኣብ ትሕቲ "ኩላትና ሰብ ኢና: ኩላትና ማዕረ ኢና (Dignity, Freedom, and Justice for All) " ዝብል ጭረሖ የብዕላ ኣሎ። እዚኣ ዕለት እዚኣ ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለም ዝድህስሳላ: ከምኡ እውን እቲ ዝኣተውኦ መብጽዓ ዘሕድሳላን ዝግምግማላን ዕለት ኢያ። ሰብኣዊ መሰላት ክበሃል እንከሎ: ፖለቲካዊ መሰላት: ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት: ነጻነት ናይ እምነት/ሃይማኖት: ከምኡ እውን ንነጻነት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ የጠቓልል።
እዚኣ ዕለት ኣብ እነኽብረላ ዘለና እዋን: ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱን ክብረቱን ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተጋሂሱ፡ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ። ናይ ህይወት ምስትምቓር መሰሉ ተኸሊኡ: ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰሉ ተመንዚዑ: ሃይማኖታዊ ስርዓታቱ ናይ ምፍጻም መሰሉ ተነፊጉ: ቅዱሳት ቦታታቱ ተጋሂሶም: ክብሩ ተጋሂሱ: ትካላት ኣብያተ ትምህርቱ ተዓጽየን: ናይ ፖለቲካ ነጠፍቲ: ምሁራቱ: መሻይኹ: ካህናቱ: ከምኡ እውን ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ዝተኣሰሩሉ ወይ ዝተጨውዩሉ: ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታቱ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድን ኣገባብን ናይ ማእሰርቲ: መጭወይቲ: ኣካላውን ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ: ከምኡ እውን ናይ ቅንጸላ ወይ ቅትለት ኣብ ዝወርዶ ዘሎ እዋን ኢዩ።
ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን፡ እቲ እንኮ ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ ንዝተቓውምዎ ናይ ምቕንጻልን ምጭዋይን ፖሊሲ ከተግብር ጸኒሑ ኣሎ። ካብ ግዜ ሰውራ ኣትሒዙ ዝኽተሎ ዝነበረ ንዝተቓወሙዎ ወይ ፍልይ ዝበሉ ሓሳባት ንዘቕርቡ ናይ ምጭዋይ: ምእሳር: ምቕንጻል ፖሊሲ፡ ብዝሓየለ መልክዕ ቀጺሉዎ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቅዋም: ባይቶ: ከምኡ እውን ነጻ ስርዓተ ፍርዲ ዘይብለን ውሑዳት ሃገራት ዓለምና ኮይና ትርከብ። እዚ ዲክታቶሪያዊ ኣካይዳ: ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምኡ እውን ናይ ደሕንነት መሓውራቱ ናብ ዝመሓደር ወልቀ ምልኪ ኣምሪሑ። ውጽኢት ናይዚ ኣካይዳ ድማ ንካብ ዓሰርተ ሽሕ ዘይውሕዱ ዜጋታት ናይ ማእሰርቲ: መጭወይትን ምስዋርን ሳዕቤናት ኣኸቲሉ። ብዘይ ፍትሓዊ ፍርዲ ዝተኣሰሩን ዝተጨውዩን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ገለ ካብኣቶም ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝረብ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግዳይ ናይ መጭወይትን ማእሰርትን ካብ ዝኾኑ: እቶም ብዕለት 15 ጥቅምቲ 2022 ተጨውዮም ዝተወስዱ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ምዃኖም ዝፍለጥ ኢዩ።
እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንኩሉ ዜጋ ናብ ውትህድርና ንምእታው ዝብል ፖሊሲኡ ንኽዕወት: ነታ ሃገር ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምቕያር "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ብዝብል ጉልባብ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና ብምእዋጅ: ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መሰሎም ኣብ ምግሃስ ይርከብ። ኣብ ውሽጢ መዓስከር ታዕሊም ኮነ ካብቲ መዓስከር ወጻኢ ብነጻ ክሰርሑ: በቲ ስርዓት ብዝውነና ከም ናይ ሕርሻ: ማዕድንን ካልኦት ትካላትን ብዘይ ገለ ክፍሊት ጉልበቶም ከፍስሱ ይግደዱ። ገለ እውን ዕረፍቲ ተዋሂቡኩም ኣብ መዓልትኹም ኣይተመለስኩምን: ክትኩብልሉ ፈቲንኩም... ወዘተ ብዝብሉ ምኽንያታት: ኣብ ሕጊ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርዲ እንዳ ኣቕረቡ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈርዶም ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምዚ ዓይነት መቅጻዕቲ ኣብ 1998 - 2000 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ተራእዩ ኢዩ። ብጀካ እዚ: ስርዓት ኤርትራ፡ ብዶባት ኤርትራ ጥሒሶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሰግሩ ንዝፍትኑ ናይ "ተኲስካ ምቕታል" ፖሊሲ ክጥቀም ይረኤ።
እዚ ነዞም ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግፍዕን ውትህድርናን ከምልጡ ዝፍትኑ ንምርዓድ ዝዓለመ ኢዩ። ብተወሳኺ ምስ ምጅማር ሕድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ: እዚ ስርዓት ዜጋታት ብብዝሒ ኣብ ውትህድርና ከዕጥቕ ክረአ ጸኒሑ። ብፍላይ ድማ ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት: ደቆም ዕረፍቲ ድሕሪ ምውሳድ ናብ ኣሃዱኦም ዘይተመልሱ ወይ ኮብሊሎም ናይ ዝብልዎም ወለዶም ኣብ ምእሳር: ገዛውቶም ኣብ ምዕሻግ ይርከቡ። ገለ ወለዲ ካብ ገዛእ ገዝኦም ተሰጊጎም ኣብ ግዳም ተደርብዮም ይርከቡ። እዚ ኣብ ልዕሊ ወለዲ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ንደቆም ኣገዲድካ ንምምላስ ኢዩ። ደቆም ቅድሚ ናብ ኣሃድኦም ምምላሶም፡ ማእሰርትን ከቢድ መቅጻዕትን ይጽበዮም። እዚ ነዞም መንእሰያት ገፊፍካ ኣብ ሕድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ንምእታው ኢዩ። እዚ ናይ "ማፍያ" ዝመስል ኣካይዳ፡ እቲ እትደልዮ ክሳብ ትረክብ ንወለዶም ጅሆ ምሓዝ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓ ክኸውን ኣይክእልን።
ካብ 2003 ጀሚሩ: እዚ ስርዓት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣካዳምያዊ ናብ ወተሃደራዊ ብምቕያር፡ ተማሃሮ ናይ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብቲ ዕሉል መዓስከር ሳዋ ክፍጽሙ ይግደዱ። ኣብ መጨረሻ ዓመት ብሰንኪ ዋሕዲ ትካላት/ኮለጃት: ካብ 3 ክሳብ 4 ሽሕ ወይ ካብኡ ዝውሕዱ ተማሃሮ: ኣብተን ዘለዋ ኮለጃት ትምህርቶም ክቕጽሉ ከለው፡ 10 - 15 ሽሕ ወይ'ውን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና ይጽንበሩ። እታ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 2006 ዓመተ ትምህርቲ ከም ዝተዓጽወት ይዝከር።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኤርትራዊ ምውህሃድ ንሰብኣዊ መሰላት: መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ደው ክብል ንጽውዕ። ኩለን ዝምልከተን ትካላትን ሃገራትን፡ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምሕያሽ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኤርትራ ጸቕጢ ክገብራ ንጽውዕ። ሃለዋት ናይቶም ግዳያት መጭወይትን ማእሰርትን ክፍለጥን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክፍትሑን ንሓትት። እቶም ገሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት: ኣብ ኣህጉራዊ ወይ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ናይ ገበኖም ተሓተቲ ክኾኑን ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎምን፡ ንሓትት።
ኤርትራዊ ምውህሃድ ንሰብኣዊ መሰላት።
10 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም.
Eritrean Coordination for Human Rights – ECHR is human rights organisation with charity status registered in England.
Registration No. 13789979
advocacy@erichr.org
eritreachr@gmail.com
إبريل 14 اإلرتري المعتقل يوم Eritrean Prisoner Day 14 april
Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 16 December 2022
እብ መነስቅየት ሕቁቅ አልእንሳን ኤረትርየ ለፈግረ ሸርሕ፡
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ፡ Victims of Dictatorial Regime in Eritrea
- إبريل 14 اإلرتري المعتقل يوم Eritrean Prisoner Day 14 april
- መዝገብ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራትን፡ ሃለዋቶም ዝተሰወረ ኤርትራውያንን። Political Prisoners, Prisoners of Conscience and Other Forcibly Disappeared Citizens in Eritrea.
- መዝገብ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራትን፡ ሃለዋቶም ዝተሰወረ ኤርትራውያንን። Political Prisoners, Prisoners of Conscience and Other Forcibly Disappeared Citizens in Eritrea. FaceBook page:
- ATV:ዝተሰወሩ ነጻ ጋዜጠኛታትን ተነጣጠፍትን ኤርትራ ንምዝካር ዝተዳለወ ምርኢት ኣብ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ተኸፊቱ - ኣባላት ፓርላማ ግህሰት መሰላት ኮኒኖም።
- Eritrea’s jailed journalist exhibition opens in UK Parliament.
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)