Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዓመተ ራህዋ ይግበረልና።

07/01/2023 21:41 PM

ዓመተ ራህዋ ይግበረልና።

ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

New year 2023 message by Dr. Tesfa G. Gebremedhin.

New Year 2023 Message Dr. Tesfa G. Gebremedhin

ዓመተ ራህዋ ይግበረልና።

ሃለዋትና ኣብ ስደት ንግበረሉ ኣቓልቦ፡
ዳሓን ኣይመስልን ኣትሪሩ ንዝተዓዘቦ፡
ገሊኡ ኣብ ጭንቀት ይነብር ዓቕሉ ዝጸበቦ፡
ገሊኡ ናብ ሃገሩ ንኸይምለስ ደርብይላ ኩቦ፡
ገሊኡ በሊዑ ይሓድር ስጋ ጥብሲ ምስ ኣጅቦ፡
ገሊኡ ጠውሊጉ ይማስን ብሕሰም ጥሜት ዓጸቦ፡
ገሊኡ ክዕንድር ክዓብድ ይነብር ኣምላኽ ክሳዕ ዝእክቦ፡
ገሊኡ ብወልፊ ዕጸፋርስን ካልእን ይሳቕ ሓላይ ስኢኑ ዘላዝቦ፡
ገሊኡ ኣብ ሓሳር ይነብር ይግለል ሰብ ከይለግቦ፡
ገሊኡ ኣሳፊሑ ይነብር ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘይረኸቦ፡
ገሊኡ ኣብ ሃብቲ ድለባ የድህብ ስሰዔ ረብሓ ዝጎልበቦ፡
ገሊኡ ምስ ደቁ ተጸጊዑ ይነብር ዕድመ ዘርከቦ፡
ገሊኡ ምስ ባህሉ ዘዋስቦ ስኢኑ ምፍልላይና ዘስዓቦ፡
ገሊኡ ዝጠፍኡ ደቁ ከናዲ ክንደይ ጸሓይ ዘይዓረቦ፡
ገሊኡ ኣብ ቤት ጸሎት ይናኸስ ንመን ይጎድእ ኸይዓጀቦ፡
ገሊኡ ኣብ ምፍልላይ ይነጥፍ ሰናይ ስነ-ምግባር ዘየሕስቦ፡
ገለ’ውን ኣብ ዓዲ ጓና ይቃተል መንፈስ ሰይጣን ዝኸበቦ፡
ገሊኡ መንገዲ ጸጋም ይኽተል ሰይጣን ልቡ ዝሰለቦ፡
ገሊኡ ይጽሊ ይሰግድ ጸጋ ኣምላኽ ዝሃቦ፡
ገሊኡ ንክብረትን ሕብረትን ይምነ ኩሉ ሰብ ዝጠልቦ፡
ንሓድነትን ንስምረትን ንተዓጠቕ ኩላህና ብዓንተቦ፡
ከይተሓለልና ከይሰልከና ንቃለስ ብዘለና ሓቦ፡
ኣብ ሓድሕድና ክህሉ ሰንሰለት መላግቦ፡
ኣንጊህና ንኽተት ወለዶ ኸይበርስ ከይጠፍእ ዓደቦ፡
ተጊህና ንጠርነፍ ታሪኽና ክንዕቅብ ባህልና ክንሕብሕቦ፡
ህርኩት ሰብ ኣይጠፍእን ሃለዋትና ዝጽሕፎ ዝምዝግቦ፡
ዓመተ ራህዋን ጽጋብን ይኹን ብሓባር ክንጸግቦ፡
ብሓደ ልቢ ክንዝምር ክንዕልል ደይብና ኣብቲ ጎቦ፡
ፍቕርን ሰላምን ደቅና ካባና ክወርሱ ንላቦ፡
ንሕና’ውን እምነትናን ጸሎትናን ናብ ኣምላኽና ነማዕቕቦ፡
ባዕሉ ይርድኣና እቲ ናይ ምድርን ሰማይን ቅዱስ ኣቦ።

ካብ ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን




See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:


You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:

Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: