ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከመይ ኣላ?

15/12/2017 0:33 AM

ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከመይ ኣላ?

Poem of tribute to San Giorgio School of Mendefera, Eritrea.

Dr, Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University
ብ'ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡ ዌስት ቪርጂኒያ ዩኒቨርሲቲ ሕ.መ.ኣ.


ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ

ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከመይ ኣላ?

እስከ ንሕተታ እስከ ንወከሳ
እንተ ክንበኽየላ እንተ ክንውድሳ
ነዊሕ ዝዕድሚኣ ክልተ ሓሙሳ
ንኹሉ መጋቢት ሺሻያ ኣፍሲሳ
እንጀራኣ ፈትፊታ ቅጫኣ ቆሪሳ
ውጽዕቲ ኣደ ወላዲት ኣንበሳ
ጀጋኑ ዘፍረየት በዓል ጠሓሒሳ
ኣብ ማህጸና ዝበቖሉ ኣብ ከርሳ
ኣለዉ ደቃ ኣብ መታሕት ኣብ ከበሳ
መልሚላ ዘዕበየት ሓብሒባ ኮስኲሳ
ዓሌት ወገን ከይፈለየትንኹሉ ሓዋዊሳ
ኣውራጃ ሃይማኖት ፍልልይ ከይገደሳ፡
ሃብታም ድኻ ከይበለት ንኹሉ ጎስጉሳ
ብዙሓት ዝማሃረት ብልዙብ መልሓሳ

ደቃ ኣጥቢያ ሓዚላ ዘዕበየት ክንሳ
ዘይንቡር ረኺባ መልክዓ ተደምሲሳ
ኩሉ ሰውነታ ማሲኑ ሕቖአ ተጎሲሳ
ብርካ ተሰይሩ መሓውራ ተኾልሲሳ
ብጾታ ሓሊፈንኣ ኩለን እተን ምንኣሳ
ብሂወታ እንከላ ትመስል ዝቖመ ሬሳ
ከም ሽንቲ ገመልንድሕሪት ተመሊሳ
መናድቓ ፈሪሱ ሓመድ ኣዳም ለቢሳ
መውዓል ከብቲ ኮይና መሕደር እንስሳ
ኣብ ረመጽ ሓዊ ከም ስጋ ተጠቢሳ
ኣብ ሞቐሎ ከም እኽሊ ተሓሚሳ
ሓመዳ ተገልቢጡ ተመሊጡ ርእሳ
ንዓመታት ዝተፈርደት ዘይብላ ኣበሳ
ደስኪላ’ዶ ክንብላ ወይስ ተጣይሳ

ካብ ኣፋ ዘይወጽእ ምረት ወቐሳ
ኣፈርክቡ ከይትብል ኣፋ ተዓቢሳ
ዝጽግን ሰብ ዘይብላ ጨሪሳ ፈሪሳ
እንታይ’ዩ በደላ እንታይ’ዩ ክሳ?
መን ኣሎ ዝዳኒ መን’ዩ ዝወሓሳ?
ከንቱ ከይትሳቐ ብሕማም ተደኒሳ
ማህሚና ከይትተርፍ ዓንያ በሪሳ
ከይመጽእ ንሓዋሩ ዘይውጽእ ጣዕሳ
ሓኪም ይጸዋዕ ቁስላ ክፍውሳ
መሃንድስ ይምጻእ ክሃንጻ ከሐድሳ
መምህር ይስማዕ ክእብዳ ክድብሳ
ለማጻይ ይለምጽ ክሕደስ መንፈሳ
ነዳቓይ ይንደቕ ሁቦቡላ ከይቡንቁሳ
ኣቦኣ ይጸዋዕ ንብዓት ገጻ ክሕብሳ
ኣዲኣ ትምጻእ ክትበኪ ኣብ ትርኣሳ
ቀሺ ይድገመላ ክባርኻ ክቕድሳ
ኢማም ይጸሊ እንተኾና መለሳ
ደቂ ደቃ ይዘምሩላ ልባ ከተርክሳ

ሳንጆርጆ ነልዕላ ከይሞተት ጨሪሳ
ኩሉ ምሁር: ዓዃይ ይኹን ጓሳ
ኩልና ንስመር መዓር ከነልሕሳ
ጸገማ ኣወጊድና ግርማ ከነልብሳ
ከምተን ብጾታ ማዕርነት ከነውሕሳ
ትንፋስ ክትዘርእ ክምለስ ነብሳ
ይምጻእ ፈውሳ ዘሕዊ ካብ ረኽሳ
ከይርሳዕ ስማ ከይጠፍእ ትቅርሳ
ዝተጀመረ ዕላማ ሓቢርና ነበግሳ
ገንዘባ ከይዝመት ይቀመጥ ኣብ ቦርሳ
ከይጎብጦ ከይውሕጦ ተጻባኢ ዓሳ
ኮሚቲ ትጸዋዕ ትተስእ ካብ ድቃሳ
ስራሓ ትጀምር ክትዕወት ተቓሊሳ
ኩልና ንመክት: ሳንጆርጆ ከነሐጉሳ

ኩሉ ይጠርነፍ ደቂ ዕስራ ደቂ ሳላሳ
ኩሉኹም በዓል ጉርጆ በዓል ሙሳ
ኩልኽን በዓል ግምጆ በዓል ኤልሳ
ኩልኻ ተለዓል ናብ ንቡር ክንመልሳ
ሳንጆርጆ ትተኸል መንእሰይ ክወርሳ
ናይ ግድን ዓወታ ኣብ ደቃ ተመርኵሳ
ድሌት ኩላህና ክንርእያ ተኻሒሳ
ጽንብል ክንገብረላ ከነብዕል ኣብ ዳሳ
ክንዕልል ክንስዕስዕ ሳንጆርጆ ተሐዲሳ

Dr. Tesfa G. Gebremedhin,
West Virginia University


Share with friends:


San Giorgio School Mendefera Documentary


See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን