Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print
Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 





ጠቕሚ ናይ ግዜን ምሕደራ ንኣጠቓቕማ ግዜን

ደራሲ ዶ/ር ተስፋ ገብረመድህን

ትርጉም    ናብ ትግርኛ ብመም/ተኽለ ስብሃቱ


ግዜ ይሓልፍ ኣሎ፣እታ ሰዓት ብዘይ ምቁራጽ ቂም ቂም ትብል ኣላ፣ንሕና ግን ክንቆጻጸራ ኣይከኣልናን. ከምቲ “ግዜን ማዕበልን ንዝጽበይዎ የብሎምን”ዝበሃል ግዜ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኢያ።ግዜ ክትመሓደር ኣይትኽእልን’ያ፣ንሕና ጥራሕ ኢና ንገዛእ ርእስናን ንጠቕሚ ናይ ግዜን ከነማሓድር እንኽእል።ብቀጻሊ ዝኣክል ግዜ ከም ዘሎና ከም ጭቡጥ ወይ ርግጸኛ  ጌርና ንወስዶ።ንኹሉ ንጹር ከም ዝኾነ፣ንኣጠቓቕማ ናይ ግዜ ብግቡእ እንተድኣ ተረዲእናዮን ንጠቕሚ ናይ ግዜ ድማ ብግቡእ እንተድኣ ኣመሓዲርናዮ ዝኾነ ነገር ንምስራሕ ዝኣክል ግዜ ኣሎ።ምምሕዳር ጠቕሚ ግዜ ኣብ ዓወትን ሓጎስን ናይ ዝኾነ ሰብን ኣብ ሞያዊ ዕብየትናን ውልቃዊ ህይወትናን ኣዚዩ ወሳኒ’ዩ።


ምሕደራ  ጠቕሚ ግዜ ማለት ብልክዕ ከም ርእሰ-ምሕደራ ማለት ኢዩ።እቲ ንካልኦት ከነማሓድር እንጥቀሞ ጥበብ ወይ ሜላ ልክዕ ከምቲ ንነብስናን ስድራ-ቤትናን  ከነማሓድር እንጥቀሞ ሜላ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣገዳሲ’ ዘዩ። ኣብዛ ብናይ ግዜ ንቕሓት ብፍጥነት እትልወጥ ዘላ ዓለምና፣ኣጠቓቕማ ግዜ ብግቡእ እንተድኣ ኣመሓዲርና ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ነገር ከነሳልጥ ከም እንኽእል ዘታባብዓና ኢዩ።ከነረጋግጾ ዝግበኣና ግን ዝያዳ ወይ ብዝሒ ግዜ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ኢዩ፣ምኽንያቱ እቲ ብዝሒ ግዜ ብልዑል ፈጣሪ ስለ ዝተወሰነ ንክልወጥ ፈጺሙ ዘይከኣል’ዩ።ኣብ ሓንቲ ደቕቕ ስሳ ክልኢት፣ኣብ ሓደ ሰዓት ስሳ ደቓይቕ፣ኣብ ሓደ መዓልቲ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት፣ኣብ ሓደ ሰሙን ሾውዓተ መዓልታት፣ኣብ ሓደ ዓመት ሓሙሳን ክልተን ሰሙናት ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ኣብ ህይወትና ክንጥቀመሎም ዝግበኣና ስለ ዘለዉና ኢዩ።ካብ “ገንዘብ”  “ግዜ” ኣዚዩ ዝያዳ ጠቓሚ ኢዩ።ምኽንያቱ ብዝሒ ገንዘብ ክንገብር ንኽእል ኢና፣ብዝሒ ግዜ ግን ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና።


ግዜ እቲ ኣዚዩ ክቡርን ጠቓምን መሰረታዊ ነገር መዓልታዊ ክንጥቀመሉ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ክነሱ፣ነዚ መለኮታዊ ህያብ  እናፈለጥና ኣይነመስግንን።ኣድላይነት ጠቕሚ ናይ ግዜ ብዝያዳ ንምብራህን ግሉጽ ምግባርን ከም ኣብነት ናይ ባንክ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ንውሰድ፣መበገሲ ሕሳብና ኣብ ነብሲ-ወከፍ ንጉሆ $86,400 ኮይኑ፣ናብ’ቲ ዝቕጽል መዓልቲ እቲ ባንክ ዘዛውሮ ሚዛን የልቦን፣ኣብ ነብሲ-ወከፍ ምሸት ነቲ ኣብ መዓልቲ ዘይተጠቐምናሉ ሚዛን ንኸስሮ።ስለዚ እንታይ ክንገብር ምተገባኣና፣ብልክዕ ሳንቲም ከይተረፈት ስሒብና መዓልታዊ  ክንጥቀመሉ ይግበኣና።ብንጹር ኣብቲ መወዳእታ ግዜ ናይ መዓልቲ ሚዛን ሕሳብና ዘሮ ምእንቲ ከርኢ፣ ዘሎና ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከነውዕሎ ከም ዝግባእ ናይ ምምሕዳር ክእለት የድሊ።


ማዕረ-ማዕረ ወይ ተማሳሳሊነት ናይዚ ኣብነት’ዚ ነብሲ-ወከፍና ባንክ ኣሎና፣ ስሙ ከኣ “ግዜ”ኢዩ።ኣብ ነብሲ-ወከፍ ንጉሆ  ባንክና  86,400 ክልኢታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝኽፈል የልቅሓና።ኣብታ  መዋደእታ ግዜ ናይ’ታ መዓልቲ ሚዛን ሕሳብና ዘሮ ከመልክት ኣለዎ።ኣብ ነብሲ-ወከፍ ለይቲ ነቲ ዘይተጠቐምናሉ ወይ ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ግዜ ይቑረጽ።ነቲ ኣብ መዓልቲ ዝተቐመጠ እንተ ዘይተጠቒምናሉ፣ ግዜ ኣጥፊእና ስለ ዘሎና፣ተመሊስና ነቲ ዝጠፍአ ግዜ ክትካእ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን ።ግዜ ነጻ ኮይኑ ኣዚዩ ክቡር ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባኣና።ንግዜ ክንጥቀመሉ እምበር ክንውንኖ ኣይንኽእልን ኢና።ኣብ ጠቕሚ ከነውዕሎ ደኣ’ምበር፣ ይጽንሓለይ ብማለት ክንሕዞ ኣይንኽእልን ኢና።ሓንሳእ ምስ ኣጥፋእናዮ፣ተመሊስና ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ሰለስተ ነገራት ምስ ተፈጸሙ  ዘይምለሱ ዝብል ብሂል ኣሎ።ንሱ ከኣ “ቃል” ካብ ኣፍ ምስ ወጸት “ህሞት ወይ ሓጻር እዋን” ምስ ተሳሕተት ከምኡ’ውን  “ግዜ” ምስ ሓለፈት ልክዕ’ዩ ኩልና ንግዜ ኣዚና ንደልዮ’ኳ እንተኮና፣ንግዜ ብሕማቕ ኣጠቓቕማ ኢና እንጥቀመሉ።እዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ሓጸርቲ ታሪኻት ንምምሕዳር ጠቕሚ ግዜ ዘዘንትዋ  ስለ ዝኾና ብምሉእ ኣቓልቦና ንከታተለን።


ሓደ ግዜ ንጉስ ማሕፉዝን ሓደ ማህቡል ዝበሃል ህኩይ ሰብኣይን ኣዕሩኽ ነበሩ።ሓደ ንጉሆ ንጉስ ማሕፉዝ ንማህቡል ገንዘብ ክትረክብ ንምንታይ ዘይትሰርሕ በሎ።ማህቡል ድማ ዋላ ሓደ ዘስራሓኒ የብለይን፣ምኽንያቱ ጸላእተይ  ኣነ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ግዚኡ ከም ዘይውድእ ንኹሉ ሰብ ስለ ዝነገሩለይ። እቲ ሕያዋይ ንጉስ ንማህቡል ጸዊዑ ናብቲ ንብረተይ ዘለዎ መኽዘን ኪድ’ሞ  ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ዘድልየካ ሃብቲ ኣክብ በሎ። ማህቡል እቲ ዘጋጠሞ ዕድል ንሰበይቱ ክነግራ ብጉያ ከደ። ሰበይቱ ድማ በል ኪድ’ሞ ናይ ወርቂ ገንዘብን ካልእ ክቡራት ኣዕናቑን ኣምጽእ በለቶ። ናቱ መልሲ ግን፣ሕጂ ክኸይድ ኣይክእልን’የ፣ ቅድም ምሰሐይ ሃብኒ በላ። ድሕሪ ምሳሕ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ደቀሰ። ኣብቲ መወዳእታ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ቦርሳኡ ኣልዒሉ ናብ ኣዳራሽ ናይ’ቲ ንጉስ ክኸይድ ተበገሰ፣ ኣብ መንገዱ ሃሩር ስለ ዝተሰምዖ ኣብ ጽላል ሓንቲ ኦም ኣዕረፈ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት ዕረፍቲ  ናብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ክኸይድ ምስ ተበገሰ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንገዱ ናይ ምትላል ጥንቆላ የርኢ ስለ ዝነበረ ንምዕዛብ ሓደ ሰዓት ኣጥፍኤ። ብድሕር’ዚ ናብቲ ኣዳራሽ ክኸይድ ከም ዘለዎ ዘኪሩ ጎይዩ ከደ። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ በጽሐ ግን ጸሓይ ዕራብ ኮይኑ ማዕጾ ናይቲ ኣዳራሽ ተዓጽወ፣ ማህቡል ድማ ካብቲ ናይ’ቲ ንጉስ መኽዘን ክእክበሉ ዝነበሮ ሃብቲ ወርቃዊ ዕድል ኣጥፈኤ። ነቶም ጠቕሚ ናይ ግዜ ዝፈልጡ ክቡራት ሰባት ግዜ ሓጻር’ውን ትኹን ክብርቲ’ያ። ማህቡል ምምሕዳር ጠቕሚ ናይ ግዜ  ስለ ዘይፈለጠ፣ግዜ ቀስ ኢላ ዘሊላቶ ሓሊፋ፣ድሓር ግን ናይ ስቅያት ተዘክሮ ከም ዝሓደገትሉ ተዓዚቡ። ብካልእ ኣበሃህላ እቲ ጠቃሚ ግዜ ንሓዋሩ ምስ ጠፍኣና ኣብ ክንዲ ንጠዓስን ንሓዝንን ምሳና ከሎ ብክብሪ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። በንጃሚን ፍራንክሊን ከም ዝበሎ “ዝጠፍኤ ግዜ እንደጌና ኣይርከብን’ዩ” ማህቡል ጠቕሚ ናይ ግዜን ምሕደራኡን  ብዘይምፍላጡ  ነቲ ጠቓሚ ንብረት ኣጥፊኡዎ። ክርደኣና ዘለዎ ንጠቓሚ ግዜና ዝያዳ ክብሪ ምስ እንህብ ብዝያዳ ንነብስና ነኽብር፣ ግዜና ድማ ክቡራት ነገራት ከምጽኣልና ይኽእል። ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ወይ ዝመሳሰል ታሪኽ ኣብ ብዙሕ ባህልታት ከምኡ’ውን  ኣብ ሃገርና ብባህሊ ትግሪኛ ዝትረኾ ንጠቓሚ ምምሕዳር ናይ ክቡር ግዜ ምጥቃም ዝምልከት ንከታተል።


ሓደ ግዜ ሓንቲ ፈጣን ማንቲለ ብጉያኣ እትምካሕ ነበረት። እቲ ብዘገምታን ብስሩዕን ዝጎዪ ኣባ-ጎብየ ናይ  ማንቲለ ጉራ ብምስማዕ  ስለ ዝሰልቸዎ፣ናይ ጉያ ቅድድም ምስ ማንቲለ ክገብር ወሰነ። ኩሎም እንስሳ በረኻ ነቲ ኣገዳሲ ቅድድም ክዕዘቡ ተኣከቡ፣ ናይ ምብጋስ ብረት ምስ ተተኮሰ ድማ እቲ ቅድድም ብፍጥነት ተጀመረ። ማንቲለ ንውሱን ግዜ ምስ ጎየየት፣ ንድሓር ገጻ ቁሊሕ ብምባል ድማ ዓው ኢላ ጨረሐት፣ በዚ ጎታት ኣካይዳን ኣሳጉማን ኣባ-ጎብየ ከመይ ኢሉ ኣብዚ ቅድድም ክዕወት’የ ኢሉ ትጽቢት ይገብር ብማለት ኣብቲ ቅድድም ከም እትስዕር ብምትእምማን ንምዕራፍ ዝኣክል ግዜ ኣሎኒ ብማለት ማንቲለ ኣብቲ ወሰን መንገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኦም ኣካላታ ዘርጊሓ ተጋደመት፣ ቀልጢፉ’ውን ድቃስ ወሰዳ። እታ ማንቲለ ደቂሳ እናሓለመት ከላ፣ኣባ-ጎብየ ተስፋ ከይቆረጸ ርግእ ኢሉ ብዘይምቁራጽ መንገዱ ብምቕጻል ነታ ማንቲለ ሓሊፉዋ ከደ። ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ መስመር ወይ ሕንጻጽ ዝበጽሕ ዋላ ሓንቲ ደቒቕ  ጠጠው ከይበለ ኣብ ቦትኡ በጽሐ። እቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ እንስሳታት ንኣባ-ጎብየ ብዓውታ ሓጎሶም ገለጹሉ። ናይ ዓውታ ድምጾም ንማንቲለ ካብ ምድቃሳ ምስ ኣበራበራ፣ ታ ማንቲለ ኣካላታ እንዳ ዘርግሐትን እንዳ ኣምባሃቖትን ተንሲኣ ክትጎዪ ጀመረት፣ እንተኾነ ግን ኣዚያ ደንጕያ ስለ ዝነበረት፣ኣባ-ጎብየ ኣብቲ  መወዳእታ ናይ ውድድር መስመር ቀዲሙ ብምብጻሕ ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲ ኮነ። ካብዚ ታሪኽ’ዚ እንመሃሮ፣ኣባ-ጎብየ ዋላ’ኳ ቀስ ኢሉ እንተ ተጓዕዘ፣ ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲ ኮይኑ፣ምኽንያቱ ንግዚኡ ብግቡእ ተጠቒሙ ብቆራጽነት ስለ ዝተቐዳደመ ኢዩ። ማንቲለ ግን ሽሕ’ኳ ፈጣን ጎያይት እንተ ኮነት ንግዚኣ ብግቡእን ብብልሓትን ስለ ዘይተጠቕመትሉን ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ስለ ዝነበራን ኣብቲ ውድድር ክትሰዓር ክኢላ። ማንቲለ ኣብቲ ውድድር ከም እትዕወት ፍጹም እምነት’ኳ እንተነበራ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ  ግን ተሳዒራ።


ምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ፣ ኣብቲ ኣከባቢና ምስ ዘለዉ ካልኦት ሰባት እንምስርቶ ዓይነት ዝምድና”ውን  የንጸባርቕ’ዩ። ምስ ህዝቢ ኢና እንነብር፣ግዜ ከኣ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣብ መንጎና ንዘሎና ዝምድና ዘቃራርብ’ዩ። ንጹር ኣብነት ክኾነና ዝኽእል፣ንሕና ኤርትራዊያን እንኽተሎ ኣከባብራ ቆጸራና ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያትና ከም ናይ መርዓ ስነ-ስርዓት፣ ኣገልግሎት ቀብሪ፣ ፈስቲቫልን ካልእን ብቀጻሊ ከም እንዕዘቦ ኣብ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ናይ ማሕበረ-ሰብ ማእከልን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት መኤከቢ ቦታን ኣብ ግዜና ኣይንርከብን ኢና። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራዊያን ቆጸራ ዘይምኽባርን ናብ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ደንጕኻ ምምጻእን “ቆጸራ ሓበሻ “ ዝብል  ልሙድ ኣበሃህላ  ከም ቅቡል ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ማእከል ስብከት ንመጽእ፣መንፈሳዊ ኣገልግሎት እናተኻየደ ከሎ ድማ ገዲፍናዮ ንኸይድ። መርዓ ተዓዲምና ዝተዳለወ መግቢ ክብላዕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ብቁሪ ምስ ጠምበወ ወይ መግቢ ምስ ተዓጽወ ደንጕና ንመጽእ። ኣብ ዝተፋላለዩ ዓይነት ማሕበራዊ ስራሓት ደንጕና ንመጽእ።ኤርትራዊያን ዘይኮኑ ኣጋይሽ ነቲ ናይ ግዜ ምድንጓይ ልምድና ዘይፈልጡ ፣ዘምጸኦም ጉዳይ ከይፈጸሙ ቅድሚ’ቲ ጉዳይ ምጅማሩ ሓዲጎሞ ይኸዱ። ዊልያም ሸክስፔር “ሓንቲ ደቒቕ ካብ ምድንጓይ ሰለስተ ሰዓት ኣቐዲምካ ክትመጽእ ይምረጽ”ይብል ካብ ፈጺምካ ምትራፍ ደንጕኻ ምኻድ ዝሓይሽ’ኳ እንተኾነ፣ግዜኻ ኣኽቢርካ ምኻድ ግን ዝበለጸ ኢዩ። ምኽንያቱ ግዜኻ ኣኽቢርካ ኣብ ቆጸራኻ ምርካብ ናይ ዝኣቶኻሉ ቃል ልቦናዊ ርድኢትን ብስለትን ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣብ መንጎና ድማ  ክብርን ኩርዓትን የስዕብ። ብተወሳኺ ገሌና ጨሪሽና ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣይንኸይድን ወይ ድማ ናብ ካልእ ቤተ-ክርስትያን ንኸይድ ምኽንያቱ ብፍላይ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን እቲ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሕ’ዩ። ስለ’ዚ እታ ቤተ-ክርስትያን ቁጽሪ ኣባላታ ክውስኽን ሓገዝ ክትረክብን ከምኡ’ውን ንጡፍ ተሳታፍነት ናይ ኤርትራዊያን ምሁራትን ሰብ ሞያን ንኽህሉዉ፣ እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ርትዓዊ ብዝኾነ ንኹሉ ዝሰማማዕ ውሱን ግዜ ክመሓየሽ ኣለዎ።እቲ ናይ ግዜ ምውሳን ንኹሉ ዝሰማማዕ ኮይኑ ድሌት ሰዓብቲ ወይ ኣመንቲ ድማ ይማላእ። ካህናት ድሌትን ጠለብን ናይ ደቂ ማሕበሮም ንምምላእን ኣድላዪ ምምሕያሽ ንኽገብሩን ናይ ግዜ ንቕሓት ክህልዎም ኣለዎ። ምኽንያቱ መብዝሕትና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እንነብር ኣብ ሰንበት ክፍጸም ዝግበኦ ማሕበራዊ ግዴታና ንምምላእ ኩሉ ንምዕማምን ግዜና ከም ዝጥዕም እናኣመዓራኣረና ኢና ንነብር ዘሎና። ስለዚ ጠቕሚ ናይ ግዜ ብትኽክል እንተ ዘይተረዲእናን፣ንክቡር ግዜና ብዝግባእ ከነማሓድር እንተ ዘይከኢልናን  ካብ ዓርክና ማህቡል ኣይንሓይሽን ኢና። ማህቡል ግዜኡ ብከንቱ ኣባኺኑ ዕድል ከለዎ ነቲ ካብ መኽዘን ናይ’ቲ ንጉስ ክእኽቦ ዝነበሮ ጠቓሚ ሃብቲ ማለት ወርቂ ገንዘብ ኣብ ግዜኡ ክእክብ ብዘይምኽኣሉ ድሌቱ ከማልእ ኣይከኣለን።  ብተማሳሳልነት ንኹሉ ንጹር  ከም ዝኾነ ንሕና’ውን ናይ ብሓቂ ጠቕሚ ናይ ግዜና ኣይነኽብርን ኢና። ኩነታትና እንተ ንልውጥ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ኣረኣእያ  ኣብ  ክብሩን ጠቕሙን ናይ ክቡር ግዜና እንተ ዝህልወና፣ ኣጠቓቕማ ግዜና ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያትን ብዙሕ ውጽኢታዊ ምኾነ።


ግዜ ፍቱን መምህር ኢዩ። ግዜ ኣብ ህይወት ዘገድስ ነገር ንዓና እተርእየሉ ዘደንቕ መንገዲ ኣሎ።   ነልሶን ማንዴላ ከም ዝበሎ “ንግዜ  ኩሉ-ሳዕ ብብልሃት ክንጥቀማ ኣሎና፣ግዜ ቅኑዕ ነገር ክትገብር  ኩሉሳዕ ድልውቲ ምዃና ርግጸኛ ኩን” ንኣጠቓቕማ  ግዜ ብትኽክል እንተድኣ ኣመሓዲርናዮ፣ ብርግጽ ፡ውጽኢታዊ ስራሕ ክንሰርሕ እኹል ግዜ ኣሎና።ንኣጠቓቕማ ግዜ ብግቡእ አንተድኣ ኣመሓዲርናዮ ንዘሎና ስድራ-ቤታዊ ግዴታ ተረዲእና፣ግዜና ሰሪዕና ምስቶም ዝዓብዩ ዘለዉ ደቅና ዝኣክል ግዜ ከነሕልፍ ንኽእል። ኣስገለን ዓርኩን ድሕሪ ስራሕ ናይ ምሸት ብዝሕ ግዜ ኣብ ወረ፣ብዛዕባ ፖሊቲካ ኣብ ምዝርራብን ናብ ዶናትን ስታር-ባክስን ብምኻድ ግዜኦም የሕልፍዎ። ብልክዕ እንታይ ማለት’ዩ ምስ ፍትዋት ስድራ-ቤቶም ዘሕልፍዋ ሓጻር ግዜ’ያ  ወይ’ውን የብሎምን። ኣሴር ወዲ 10 ዓመት ዝኾነ ወዲ ኣቶ ኣስገለ፣ ኣቡኡ ኩሉ ግዜ ካብ ስራሕ ብቅጥታ ናብ ገዝኡ ዝመጽእ ይመስሎ ነይሩ። ሓደ ምሸትኣሴር ንኣቡኡ ኣብ ስርሑ ኣብ ሰዓት ክንደይ ከም ዝኽፈል ምስ ሓተቶ፣ኣስገለ ኣብ ወዱ ኣዚዩ ብሕርቃን ንዓኻ ዝምልከተካ ኣይኮነን ብማለት  ብነድሪ ኮረየሉ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣስገለ ወዱ ንምንታይ ከምዚ ኢሉ ከም ዝሓተቶ ክሓስብ ጀመረ፡ንወዱ ጸዊዑ ከኣ ብርግጽ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ኣብ ሰዓት ዝወስዶ $20 ኢዩ በሎ። ቀጺሉ ኣሴር ኣቡኡ ከለቆሖ ዝኽእል እንተኮይኑ $10 ሓተቶ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣስገለ ኣብ ወዱ ኣዚዩ ሓረቐ፣ ኮረየሉ ከኣ፣ኣብ ክንዲ ናይ ቤት ትምህርትኻ  ምስራሕ፣ እቲ ገንዘብ እትደልዮ ዘሎኻ ንቪድዮ ጌም ዲዩ? ብማለት ናብ መደቀሲ ክፍሉ ክኸይድ ኣዘዞ። ቁሩብ ምስ ተራጋግኤ  ግን ኣስገለ እዚ ወደይ ምናልባት እዚ ገንዘብ ንኣድላዪ ነገራት ኣብ ቤት ትምህርቱ የድልዮ ይኸውን ብማለት ናብ ክፍሊ ናይ ወዱ ብምኻድ ንወዱ $10 ሃቦ። ብድሕር’ዚ ኣሴር ብቅጥታ ካብታ ናይ ሓሰማ መቐመጥ ገንዘቡ $10 ቆጺሩ ነታ ኣቡኡ ዝሃቦ $10 ወሲኹ $20 ብምእካብ ንኣቡኡ ሃቦ። ባባ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ $20 ኣብ ስራሕካ ንሰዓት ትኽፈሎ ኮይኑ፣ሓደ ሰዓት ናይ ግዜኻ ምስ ስድራኻ ከተሕልፍ ኢለ ኢየ። ሽዑ ኣስገለ ዓቢ ጌጋ ይገብር ከም ዝነበረ ተረዲኡ ሕፍረት ተሰምዖ፣ ክዛረብ ኣይከኣለን ከም ሓደ ሕጻን ቆልዓ ከኣ በኸየ።ንወዱ ሓቝፉ ብክልተ ምዕጉርቱ ሰዓሞ። ስድራ-ቤት ናይ ግዜ ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዘለዎ ኣሴር ወዱ ስለ ዘንቕሖ(ስለ ዘፍለጦ) ድማ ብወዱ ኩርዓት ተሰምዖ። ኣቦ ዓቢ ሚና ብምጽዋት ናይ ውላዱ ኣብነት ክኸውን ዝግበኦ፣እቲ ውላድ ኣብነት ናይ ኣቡኡ ናይ ምዃን ዓቢ ሚና ተጻወተ።ድሕሪ’ቲ ምስ ወዱ ዘጋጠመ ኩነታት ኣስገለ ነቲ ዝጸንሖ ሕማቕ ጠባይ ጠጠው ኣቢሉ ዝተመሓየሸ ናይ ስድራ-ቤት ሰብ ኮነ። ናይ ግዜ ንቕሓትን ኣረኣእያን ኣማዕቢሉ ብዛዕባ ግዜ ኣብ ስድራ-ቤት ዘለዎ  ጠቕሚ ዝግደስ ሓላፍነታዊ ክኸውን በቕዐ። ደቅና ቅኑዕ መንገዲ ክኽተሉን ናይ ግዜ ጠቕሚ ክፈልጡን ንደሊ እንተድኣ ኮይና ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርና ዝበዝሕ ግዜና ምሶኦም ከነጥፍእ ይግበኣና። ዋላ ጻዕቂ ስራሕ ይሃልወና ብዙሕ ግዜ ምስ ደቅና ከነሕልፍ ይግበኣና። ምኽንያቱ እታ ፍትንቲ ትካል ኣብ ህይወት ደቅና እወንታዊ ወይ ርግጸኛ ውጽኢት እተምጽእን ብዘየጣራጥር ኣብቶም ኣባላት ስድራ-ቤት ፍቕሪ እትፈጥርን ስድራ-ቤት ስለ ዝኾነት። ክንፈልጦ ዝግበኣና እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ግዜ ፣እቲ ዝበዝሐ ግዜ ምስ ደቅና ሓቢርና እነሕልፎ  ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ገዛእ  ርእስኻ ስድራ-ቤት ዝሓልፍ ግዜ እቲ ዝዓበየ ህያብ ናይ ህይወት ኢዩ። ናይ ስድራ-ቤት ግዜ ካብ ነገራዊ ሃብቲ ወይ ማሕበረ-ፖሊቲካዊ ተፈላጥነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ዝኾነ ናይ ፋናንሲያዊ ሃብቲ ብዝሒ ወይ ሞያዊ ዓወት ነቲ ኣብ ስድራ-ቤት ዝሓልፍ ግዜ ክትክኦ ኣይክእልን’ዩ።  ናይ ስድራ-ቤት ግዜ ከም ሓደ ሰንሰለት ንሓቀኛ ስድራ-ቤትና ዘራኽብን ንስድራ-ቤታዊ ዝምድናን ፍቕርን ዘሐይልን ኢዩ። ናይ ስድራ-ቤት ግዜ  ኩሉ ግዜ ብስድራና ክዕቀብን ክኽበርን ዝግበኦ ቅዱስ ግዜ ኢዩ። ስድራና ምስ ኣክበርና ኢና ንክቡር ግዜና ክብሪ እንህብ። ግዜና ምስ ስድራና ብዘይ ምሕላፍና ኣብ ግዜ ሞትና ንጠዓስ ምኽንያቱ ግዜ’ዩ እቲ ሓደ ምንጪ ናይ ህይወትና  ብኣፍልጦ ብከመይ ከነሕልፎ ክንውስን ዝግበኣና።


ንጠቕሚ ናይ ግዜ ኣብ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንምቕማጥን ንጹር ምስትውዓልን ትኽክለኛ ኣተሓሳስባ ናይ ግዜ ክህልወናን ነዘን ዝስዕባ መግለጺታት ከነንብበንን ክንርድኤንን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ።   መግለጺታት፣ ጠቕሚ ናይ ሓደ ዓመት ንምርግጋጽ ንሓደ ኣብ ትምህርቱ ዝወደቐ ተመሃራይ፣መሊሱ ንሓደ ዓመት ክደግም ዘለዎ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ወርሒ ንምርግጋጽ ኣብ መወዳእታ ንሓደ ጽቡቕ ሕጻን ዝወለደት ኣደ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ሰሙን ንምርግጋጽ  ንምድላው ዝኣክል ንዋት ዘይኣከበ ንሓደ ዝተጨነቐ ኣዳላዊ ሰሙናዊ ጋዜጣ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓደ ሰዓት ንምፍላጥ ንኽራኸቡ ብታህዋኽ ዝጽበዩ ክልተ ፍቁራት ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓንቲ ደቕቕ ንምፍላጥ  ሓደ ንስራሕ ቃለ-መሕትት ክገብር ዝተበገሰ’ሞ ባቡር ዘምለጠቶ ሕተት። ጠቕሚ ናይ ሓንቲ ክልኢት ንምፍላጥ ካብ ናይ ሞት ሓደጋ ንዋራ ዝደሓነ ሰብ ሕተት። ከምቲ ቻርለስ ዳርዊን ዝበሎ “ሓደ ሰብ ሓንቲ ሰዓት ካብ ግዜኡ ከባኽን ዝደፈረ፣ ጠቕሚ ናይ ህይወት ኣይፈለጣን” ምኽንያቱ ህይወት ንግዜ ብግቡእ ክንጥቀም ክትምህረና ከላ ግዜ ከኣ ጠቕሚ ናይ ህይወት ትምህረና። ብዛዕባ ጠቅሚ ናይ ግዜ ብዝምልከት ብቋንቋ ዓረብኛ እውን “ኣልዓብ ቢል ኩሉ፡ላኪን ማተልዓብ ቢልወቕት”ይበሃል’ዩ። ትርጉሙ ብኹሉ ነገር ክንጻወት ንኽእል ኢና ብግዜ ግን ጸወታ የለን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ ባህልታት ግዜ ዋጋ ዘለዎ ክቡር ህያብ  ናይ ኣምላኽ ኢዩ።  “ኣል ወቕት ደሃብ” “ግዜ ወርቂ ኢዩ”  “ታይም ኢዝ ጎልድ”  ንዘላትና ሓጻር ግዜ መዓልታዊ ብክብሪ ምግላጻ ወሳኒ’ዩ። ምኽንያቱ ትማሊ ታሪኽ’ዩ፣ጽባሕ ምስጢር’ዩ፣ ሎሚ ግን ውህብቶ ኢያ፣ ከምኡ ስለ ዝኾነት ከኣ ኢያ ህያብ ዝተባህለት።


ብሓፈሻ  ዋላ ሓደ ጥንቆላዊ ነገር የለን ካብቲ ካብ ኣምላኽ ዝሃበና ግዜ ኣብዚሕና እንተ ተጠቐምና ዘድልየና መደብ ምግባርን ምፍጻሙን ጥራሕ’ዩ። ብዛዕባ ምምሕዳር ኣጠቓቕማ  ግዜ ምስጢር የልቦን። እቲ ክልወጥ ዝድለ ኣብ ኣረኣእያናን ብናይ ግዜ ዘሎና ኣተሓሳስባን ንኣጠቓቕማ ግዜ ድማ ብከመይ ነማሓድርን’ዩ። ይኹን እምበር  ንምምሕዳር ኣጠቓቕማ  ግዜ ናይ ገዛእ ርእስኻ- ስነስርዓትን ነብሰ-ምቁጽጻርን  የድሊ ኢዩ፣ ክሳብ ኣረኣእያናን ናይ ኣቑዋምና ለውጢ ኣብ ነብስና ዝረኤን ዝደራጆን ብመንገድና ክንሓስብን ክንሰርሕን። ብድሕር’ዚ ምምሕዳር ንኣጠቓቕማ ግዜ ከም መዓልታዊ ናይ ስራሕ ልማድ ይኸውን። መደብን ፕሮግራም ምውጻእን ንምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ ዋጋ የብሉን፣ዝኾነ ሰብ እንተድኣ ብግቡእ ዘይተኻታቲሉዎም። ኣብ ምምሕዳር ኣጠቓቕማ ግዜ  ንህይወትና ዝለዓለ መዋቕር ከነማዕብል ክንክእል ኣሎና። ከምኡ’ውን ስሩዕ ፕሮግራም ንተግባራትና  ብምስራዕ፣ተሪፋ ንዘላ ነብሲ-ወከፍ መዓልቲ ኣብ ህይወትና ኣብቶም ንጥፈታት ክትውዕል ምውሳን። እዚ ከኣ ነቶም ግላዊ፣ሞያዊን፣ መንፈሳዊን ጻማታት ናብ ድሌትና ይልውጦም። እዚ መስርሕ’ዚ ኣብ ልዕሊ ምድንጓይ ከንዕወት ይሕግዘናን ካብ ጸቕጢ ይቆጻጸረልናን፡ክንውደብን ቀዳምነት ብመሃብ ዕላማና ንምስራዕን ሾቶና ንምውቃዕን ይሕግዘና። ነቲ ክቡርን ዋጋ ዘለዎን ግዜና ብግቡእን ብልቦናን ኣብ ግብሪ ከነውዕል  ይሕግዘና። 

 


See more of these advice / ተወሰኽቲ ኣገደስቲ ምኽርታት ኣብዚ ጠውቑ፡-
















Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe